ፍራንቸስኮ፥ ‘ስካልፋሪ’ ብመለኰት እተመሰጠ በሊሕ ተራ ሰብ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላ ረፑብሊካን ከምኡ እውን ኣብታ ላ ስታምፓ እተሰምያ ናይ ኢጣሊያ ዕለታውያን ጋዜጣታት ብወግዒ ንንባብ ዝቐረበ ብምኽንያት ዕለት 14 ሓምለ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ናይ ላ ረፑብሊካ ዕለታዊ ጋዜጣ መስራቲ ኤውጀኒዮ ስካልፋሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቶም፥ ምስ ስካልፋሪ ዝነበሮም ዕርክነትን ካብ ደረት ሰብኣውነት ክሳብ እቲ ዓሚቝ ምስጢረ እምነት ኣብ ዝምልከት ጒዳይ ምስኦም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዘኪሮም፡ ንነፈሰ ሄር ስካልፋሪ፥ “ዘይተለምደ ብልሕን ዓሚቝ ናይ ምስማዕ ክእለት” ዝነበሮም እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኤውጀኒዮ ንእዋናውነት ክፉት ዝዀኑ በሊሕን ምሁርን ተባዕን ከም ሰብ መጠን እውን ዘለዎም ፍርሂ ክገልጹ ዘይፈርሑ፡ ሕሉፍ ዝናፍቑ ዘይኮነስ ብተስፋ ንብሩህ መጻኢ ዓለም ርሁው” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፥ ብዛዕባ ሃንደበታዊ ኵነታት ደቅሰብን ብዛዕባ ዘለኣለማውነት ኣምላኽን ማለት ብዛዕባ ነገራትን ምድርን ነፍስን ዘስተንት” እሙን ዓርከይ እንክብሉ ከም ዝዘከረዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጥብቂ ንጽጽር
ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ዓምድታት ኣብታ ነፍሰ ሄር ስካልፋሪ ኣብ 1976 ዓ.ም. ዝመስረትዋ ላ ረፑብሊካ እተሰምየት ጋዜጣን ኣብታ ላ ስታምፓ እተሰምየት ጋዜጣ ከም ዝቐረበን ቅዱስነቶም ስካልፋሪ ኢኣማኒ እውን እንተነበሩ ብዛዕባ ትርጒም ህላወን ህይወትን ብምስትንታን ንመዓልታዊ ህይወትን መጻእን ብኸመይ ክርድእዎን ክምርምሩን ዝጽዕሩ” ከም ዝነበሩ ባዕሎም ስካልፋሪ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ተራኺቦም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝሓበርዎም ገሊጾም፡ ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ነገራት ወትሩ ዝሓስቡ ብዛዕባ እምነት ብዕምቆት ንምስትንታን ድልው ከም ዝነበሩን ብሰፊሕ ይገልጹ።
ንፍልጠት ህንጡይ
ብተወሳኺ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ነቲ ምስ ስካልፋሪ ዘካየድዎ ዘተ ጽዑቕን ባህ ዘብልን እንክብሉ ገሊጾም፥ ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥን ንጽጽር ሓሳባትን ኣረኣእያን ብዛዕባ “ሕጅን መጻእን ደቅሰብ ብዛዕባ እቲ ንሰብ ነቲ ሰብኣዊ መገዲ ከብርህ ዝኽእል መለኰታዊ ብርሃንን ክሽፍን ዝኽእል ኣረኣእያ ደቂ ሰብን” ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ዘካየድዎ ምይይጥ ዘኪሮም፡ ምስ እዞም “ዜደንቕ ምስትውዓልን ናይ ምስማዕን ክእለት ምስ ዘለዎም ሰብ” ዘካየድክዎ ርክብ “ፍልጠት ንዘመናዊ ምርዳእ ኬመሓይሽ ዚኽእል ምስክርነት” ከምኡ እውን “ነቲ ከም ጋዜጠይና መጠን ዚዓይዎ ዕዮ ብውዕዉዕ ስምዒትን ብፍቕርን” ዝመርሕዎ ህይወት ንብዙሓት ኣብነት ከም ዝኾነን ብዙሓት እውን ነዚ መገዲ እዚ ክኽተሉ ከም ዝገበሩ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንጽባቔ ኣምላኽ ተሃዋሲ
ስካልፋሪ ቅዱስ ኣቦና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ዝመረጽዎ ፍራንቸስኮ ዝብል መጸውዕ፥ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ነገልግሎቶምን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን እተካይዶ ዘተን ንሓድነት ዝኣመተ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ተካይዶ ኣብ ዝብል ርእሰ ጒዳያት ዘካየድዎ ዘተን ብዛዕባ ምስጢረ እግዚኣብሔር “ከም ምንጪ ሰላምን ምንጪ ጭቡጥ ሓድነትን” ምዃኑ ዝብል ዝነበሮም ኣመለኻኽታ ኢኣማኒ እውን እንተነበሩ ብዓውታ ዝገልጽዎ ሓሳብ ከም ዝነበረን ንጽባቔ ኣምላኽ ተሃዋሲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብታ ባዕሎም ዝመስረትዋ ጋዜጣ ብዛዕባ ዘፍጥረት እግዚኣብሔር ንሰብ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ፈጠሮ ዝብል ምስጢር ከይተረፈ ካብ ዘፍጥረት ዝተወስደ ሓሳባት ኣጣሚሮም ከብርሁ ዝፈተኑ ብዛዕባ ናይ ሓባር ቤትና ዝግደሱ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ክቡር ተዘክሮ
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ንስድራ ቤት ነፍሰ ሄር ስካልፋሪ ኣብ ሓዘኖም ቀረባን ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኖም ብምርግጋጽ፥ “ካብ ሎሚ ኣትሒዘ ድማ ነቲ ምስ ኤውጀኒዮ ስካልፋሪ ዝነበረኒ ፍቕራውን ክቡርን ተዘክሮ ኣብ ልበይ ክዕቅቦ እየ። ምእንታኦምን ምእንቲ ምጽንናዕ እቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡ እጽሊ፥ ንነፍሲ ስካልፋሪ ከኣ ንዘለኣለማዊ ኣምላኽ ሕድሪ እብል ኣለዅ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።