ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዚግበር ዘተ ፍቱን ፈውሲ ጻትነት እዩ! ፍራንቸስኮ፥ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዚግበር ዘተ ፍቱን ፈውሲ ጻትነት እዩ! 

ፍራንቸስኮ፥ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዚግበር ዘተ ፍቱን ፈውሲ ጻትነት እዩ!

ነቲ ንሰባት ዘፍቅርን ዚሓልን ኣምላኽ ምሕረትን ፍትሕን ሓቢርና ክንምስክር ተጸዊዕና ኣለና፡ ነዚ ድማ ኣብቲ ብኸፊሉ እንማቐሎ መንፈሳዊ ሓልዮት ከምኡ እውን ናይ ምዕቃብን ናይ ምዕማቝን ሓላፍነት ከም ዘሎና ብምግላጽ ክነብሮ ንኽእል ኢና፥

ዕለት 30 ሰነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣይሁድ እምነት ድርገት ናይ ውስጠ ሃይማኖታዊ ርክባት ቤት ምኽሪ ኣባላት ተቐቢሎም ከስምዕዎ ዝነበሮም መደረ፡ ብናይ ክርስቲያን ሓድነት ንምድንፋዕ ዝዓዪ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኮኽ ኣቢሎም ክቐርብ ከምዝገበሩን እዚ ኻኣ ናይ ኣብራኾም ቃንዛ ብርቱዕ ብምንባሩ ኣብቲ ክካየድ ዝነበሮ ርክብ ክሳተፉ ስለ ዘይከኣሉ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከም ዝሓበሮ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝነበሮም ብርቱዕ ቃንዛ ኣብራኽ ምኽንያት ዕለት 30 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ተወከልቲ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ቤት ምኽሪ ኣህጉራዎ ድርገት ጒዳያት ሃይማናታዊ ርክባት ክራኸቡ ከም ዘይከኣሉ ክፍለጥ እንከሎ ቅዱስንቶም ኣብቲ ከካይድዎ ዝነበሮም ርክብ ከስምዕዎ ዝነበሮም መደረ፡ ነቲ ርክብ ንቕዱስነቶም ወኪሎም ብዝፈጸሙ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘተባብዕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኾ ከም እተነበ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ጽልእን ዓመጻን ምስ እምነት ኣይቃዶን

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ ቀንዲ ጻውዒት “ጽልእን ዓመጻን ምስ እምነት ዘይቃዶ እዩ” ዝብል “ብዅሉ ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ ንፍልልያት ብምቅርራብን ብናይ ሓባር ዘተ ተፈጻምነት ክህልዎ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጻዕርን ሓላፍነትን እዩ ቢሎም፥

ኣይሁድን ክርስትያንን ብእተኻለና መጠን ንፈጣሪናን ንቦናን ንኽንመስል ኢና ተጸዊዕና ከምቲ ኣብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ዜጋጠመ ሎሚ እውን ዓመጻን ህስያን መስጐጒትን ከጋጥመና ከሎ እዚ ኣዚዩ ኣጸጋሚ እዩ ዝኸውን።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ዓይነት ጸረ ሴማዊነት ንምውጋድ ኣብ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ማሕበረሰብ ምእመናን ኣቢያተ ትምህርቲ ከምኡ እውን ኣብ ተራ ጒጅለታት ንምቅዋም ቈራጽነት ከም ዝገበረት ኣረጋግጽ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ምሕረት ኣምላኽ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘቕረብዎ መደረ፥ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ክርስትያናትን ዘተ ኣድላዪ እዩ፡ ኣብዚ “ሁከትን ዓመጻን ዝመልኦ ግዜና ንገሊኡ ኣሉታዊ ዝንባለታት ምዕራባውያን ሕብረተሰብና ማለት ንገዛእ ርእስኻን ንገንዘብን ምምላኽ ንውልቀ ሰባት ምብዳል ባህሊ ዘይምግዳስን ክነጽግ ብሓባር ምዕያይ ኣድላዪ” ምዃኑ ኣጒሊሖም፥

ነቲ ንሰባት ዘፍቅርን ዚሓልን ኣምላኽ ምሕረትን ፍትሕን ሓቢርና ክንምስክር ተጸዊዕና ኣለና፡ ነዚ ድማ ኣብቲ ብኸፊሉ እንማቐሎ መንፈሳዊ ሓልዮት ከምኡ እውን ናይ ምዕቃብን ናይ ምዕማቝን ሓላፍነት ከም ዘሎና ብምግላጽ ክነብሮ ንኽእል ኢና፥

ዘተ መርሓ መገዲ እዩ

እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ምይይጥ ዝግበር ዘተ “ናይ ግዜና ምልክት” ምዃኑ የጒልሕ ከመይሲ ንሃይማኖታዊ ፍልልያት ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ንኽራኸብን ሕድሕዳዊ ምፍላጥ ንኸነማዕብል ባህጊ ዘሕድረልና ኣምላኽ እዩ።

እዚ ኸኣ ናብ ዕቤት ሕውነትን ሰላምን ዚመርሕ ዓቢይ መገዲ እዩ። ዘተ ብምድልዳል ነቲ ኣብ ሃይማኖታት እውን ክርአ ዝኽእል ጻትነት ክንቃወም ንኽእል ኢና።

ቅዱስነቶም ኣብ ኣመልእኽቶም ፥ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣይሁድ እምነት ድርገት ናይ ውስጠ ሃይማኖታዊ ርክባት ቤት ምኽሪ  ኣብ መላእ ዓለም ሃይማኖታዊ ምይይጥ ንምድንፋዕን ንምስምማዕን ተባሂሉ ኣብ 1970 ዓ.ም. ከም ዝቖመ ዘኪሮም፡ ብዙሓት ዓበይቲ ማሕበራዊ ኣይሁድ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ርክብ ዝሓልይ ድርገት ብሓባር ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ጒዳያት ኣማእኪላ ሓባራዊ ዓውደ ኣኼባታት ትውድብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 July 2022, 16:24