ድለ

2022.07.26 Viaggio Apostolico in Canada - Partecipazione al Lac Ste. Anne Pilgrimage e Liturgia della Parola 2022.07.26 Viaggio Apostolico in Canada - Partecipazione al Lac Ste. Anne Pilgrimage e Liturgia della Parola 

መበቆላውያን ደቂ ኣባትን እኖሓጎታትን ክቡር መዝገብ ቤተክርስትያን እዮም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 26 ሓምለ 2022 ዓም ነቲ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዝነበርዎ ምስ መበቆላውያን ደቀባት ከናዳ ክብረ በዓል ቅድስት ሓና ኣብ መሬቶም ምብዓል ብዓቢ መንፈሳውነትን ዓሚቊ ስብከትን ኣብ እስታድዩም ኮመንወለዝ ኤድመንተን ምስ ፈጸሙ ናብቲ ንነዊሕ እዋን ናይ ፈውሲ ቦታ ማለት ማይጸሎት ኢሎም ዚኣምንዎ ብቀላይ ቅድስት ሓና ዝፍለጥ ቦታ ከይዶም ሥርዓተ ኣምልኾ ቃል ኣምላኽ ከምዝፈጸሙን ስብከት ከምዘቅረቡን እንክምልከት ትሕዝቶ ስብከቶም ነቅርበልኩም።

ዜና ቫቲካን!

ብግዝያት ናይቲ ከባቢ ድሕሪ ቀትሪ ብምንባሩ እቲ ቦታ ከኣ ታሪኻዊ መካነ ንግደትን ማይጸሎትን ብምዃኑ ቅዱስነቶም ኣባኡ ክመጹ ምዃኖም ምስ ተመልከተ ብዙሕ ሕዝቢ ኣብቲ ቦታ ነበረ። እቲ ቦታ ብጥንታውያን ደቂ ኣባት ዋካመ ማለት ቀላይ እግዚአብሔር ከማኡ እውን ክሪ ብዝበሃሉ ዓሌት ናኮታ ስዩ ትርጉሙ ከኣ ቀላይ መንፈስ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። እቲ ማይ ናይ ምፍዋስ ሓይልን መንፈሳዊ ትርጉምን ኣለዎ ተባሂሉ በቶም ደቂኣባት ካናዳን ሰሜናዊ ምዕራብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካስ ይኹን ብካቶሊካውያን ይእመን። ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ናብቲ ቦታ መንፈሳዊ ንግደት ክገብሩን ሶሙን ቅድስት ሓና ኣባኡ ከሕልፉን ዝመጹ ከበስዋ ዝበሃሉ ካቶሊካውያን ሰባክያነ ወንጌል ቀላይ ቅድስት ሓና እንክብሉ ስም ወላዲት ማርያምን እኖሓጎ ኢየሱስን እንክህብዎ እቲ ዕለት እውን 26 ሓምለ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ሓናን ኢያቄምን ብምዃኑ ቀላይ ቅድስት ሓና ዝብል ብቋንቋ ፈረንሳን እንግሊዝን ጠበቆ። ቅዱስነቶም ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ብቀጥታ ነታ ማያት ብኣባዕተ መኣዝን ምስ ባረኹ ሥርዓተ ኣምልኾ ቃል ኣምላኽ ፈጺሞም ንባባት ምስ ቀረበ ናብ ምንጪ እምነት ምምላስ ከምዘድሊ ብምስማር ስብከቶም ጀመሩ።

ናብ ምንጪ እምነትና ንመለስ!

ቅዱስነቶም ካብቲ ሃዋሁ ስብከቶም ንምጅማር ነቲ ብዘይምቊራጽ ዝህረም ዝነበሮ ከበሮታት ዝህቦ ድምጺ መበገሲ ብምግባር ‘እዚ ህርመት ከበሮታት ዘጋውሖ ድምጺ ንህርመት ልቢ ናይቶም ኣብዚ ቦታ እዚ መንፈሳዊ ንግደት ዝፈጸሙ ካብዚ ማይ እዚ ፈውሲ ደልዮም ንወለዶታት ናብ ቀላይ ኣምላኽ ዝተጓዕዙ ህርመት ልቢ የጋውሕ። ብሱቊታ ኣስተውዒልና ነዚ ቀላይ እንተጠመትናን ጽን እንተበልናን ከኣ ንህርመት ልቢ ኣደና ዝኾነት መሬት ከምዝስመዓና ይገብር እሞ ናብቲ ምንጪ ሕይወትን ምንጪ እምነትናን ዝኾነ ጉዳያት ተመሊስና ንከነስተንትን ይዕድመና። ከምሓቁ ከኣ ብመንፈስ ንቅዱሳት ቦታታት ክንድህስስ ነቲ ቀዳማይ ተልእኮኡ ኣብ ገምገም ቀላያት ምናዳ ኣብ ገማግም ቀላይ ገሊላ ዝጀመረ ኢየሱስ ብሕልናና ክንስእል ይሕግዘና’ ኢሎም።

ካብ ነባራዊ ሕይወት ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ መአከቢ ቦታታት ብዙሕ ግዜ ከምዘጋጥም ዝተፈላለዩ ሰባት እዮም ዝጋብኡ። ጐይታ ኸኣ ኣብ ሻውላት ብሥራት ወንጌሉ እንክጅምር ዝተፈላለዩ ሰባት ንምርካብን ነቲ ነዚ ዓለም እዚ ስግንጢር ዝኾነ ሰውራዊ ሕውነት ንክሰብኽን መልእኽቲ ሕውነት ኣብ ብዙሕነት ከመሓላልፍን መረጸ። እታ ኣብ ገማግም ቀላይ ገሊላን ሻውላቱን ዝጀመረት ብሥራት መልእኽቲ ሎሚ እውን ተጋውሕ ከምዘላ ዝገለጹ ‘ንዘመናት ብዝህረሙ ከበሮታት ብዘጋውሕዎ ድምጺ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣጋቢኡ ኣሎ። እዚ ዘዘኻኽረና ጉዳይ እንተልዩ ሕውነት ጥዑይ ዝኾነሉ ተፈላልዮም ንዘለው ሰባት ኪእኻኽብን ከዋህድን እንከሎ ነቲ መንግሥተ ሰማይ ናብ መሬት ዝልእኸልና መልእኽቲ ሓድነት ፍልልያት ከምዘየፍርሆ እኳ ብሓባር ሓዲስ ጒዕዞ ሓድነት ንክንጅምር ይዕድመና ምኽንያቱ ከኣ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኩሉ ተጓዓዝቲ ነጋድያን ኢና’ ምስ በሉ ናብ ትርጉም ማይ ምልስ ኢሎም ከኣ ማይ ሕይወት ከምዝህብ ገሊጾም።

ማይ ሕይወት ይህብ!

ቅዱስነቶም ናብቲ ሽዑ ዝተነበ ቃል ኣምላኽ ማለት ሕዝ 47.1 ‘እንሆ ማያት ካብቲ መድረኽ እታ ቤት ናብ ምብራቅ ኣቢሉ ወጸ። እቲ ማያት ከኣ ካብ ታሕቲ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት ነታ መሰውእስ ብደቡባ ይወርድ ነበረ’ እንክብል ኣብቲ ቤተመቅደስ ኣምላኽ ብኩሉ ኲርናዓ ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ቀስ ብቀስ ከመይ ቢሉ ከምዝበረኸን ናብ ቀላያትን ባሕርታትን ኣትዩ ንኩሉ ዘሕውን ዝፍውስን ማይ ምንባሩ ንዝገልጽ ክፍሊ መበገሲ ብምግባር ነዚ ኣብነት ምንጪ ሕይወት ማይ ምዃኑ ዝገልጽ ክፍሊ ከም ምሳሌ ወሲዶም ምንጪ መንፈሳዊ ሕይወት እምነት ምዃኑን ነዚ ከም ውሒዝ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘመሓላልፋ ከኣ እኖሓጎታትን ዓቢ ናይ ምውርራስ ልምድን ታሪኽን ዘለዎም ደቂኣባትን ምዃኖም ኣብሪሆም። ቅዱስነቶም ነቲ ብዙሓት እምነት ብምንባብ መጻሕፍቲ ክትረኽቦ ትኽእል ዝብልዎ ብዙሕ እማነት ከምዘይቡሉ ንምግላጽ ‘እምነት ብምንባብ መጽሓፍ ክትረኽቦ ሳሕቲ እዩ። ኣብ ሓደ ኲርናዕ ኮፍ ቢልካ መጽሓፍ ብምንባብ እምነት ኣይርከብን። እምነትሲ ኣብ ስድራቤታት ብቋንቋ ኣደ ኣብ ምትሕልላፍ ይርከብ። ነዚ ከኣ እቲ ጥዑም መዝሙራዊ ኣዘናትዋ እኖሓጎታት ዓቢ ግደ ኣለዎ። ነዘን እኖሓጎታት እዚኤን ነዚ ክቡር ኣገልግሎት እዚ ክነመስግነን ኣሎና’ ምስ በሉ ናብቲ ደጋጊሞም ሓደራ ዝበልዎ ጉዳይ ሽማግለታት ምልስ ብምባል ስድራቤታት ንሽማግለታት ከኽብሩን ከከናኸኑን ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ኣብ ገዛኦም ሽማግለታት ንዘለውዎም ኩሎም ስድራቤታት ነዚኣ ከዘኻኽር ምደለኹ! ዓቢ መዝገብ ሃብቲ ትውንኑ! ነዚ ምንጪ ሕይወት ዝኾነ ዓቢ መዝገብ ሃብቲ እዚ ኣብ ገዛውትኹም ዓቅብዎ! ተከናኸንዎ፣ ከም ክተፍቅሮን ክትሕጐሰሉን ዘሎካ ክቡር ውርሻ ገርኩም ዓቅብዎ ኢሎም።”

ማይ ይፍውስ!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ሕዝቅኤል ነቢይ ብዛዕባ ሕይወት ዝህብ ዘሕዊ ዝፍውስ ማይ ዝዛረቦ ምልስ ይብሉ እሞ ካብቲ ቀንዲ ቊስልታት ደቂኣባት ከንዳ ዝኾነ ብኤውሮጳውያን ኮሎንያሊስት ዝወረዶም ኣደራዕ ንምፍዋስ ንክሕግዞም ናብቲ ኢየሱስ ኣብ ገማግም ቀላይ ገሊላ ዘሕውዮ ዝነበረ ኣብ ቀላይ ቅድስት ሃና ዝርከብ ማይ እውን ብኣማልድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዲኣ ቅድስት ሓናን ነቲ ዓሚቚ ቊስልታቶም ክፍውሰሎም ንጐይታ ከምዚ ክብሉ ተማህለሉ።

“ኣብዚ ውህደትን ሰላምን ዝነገሠሉ ቅዱስ ቦታ እዚ ነቲ ኣብ ልብና ኮይኑ ዘዕገርግረና ሁከት ዝመልኦ ተመኲሮታትና ነቲ ኮሎንያሊስት ገዛእቲ ዝሓደጉሉ ዘስካሕክሕ ቊስልታትን ሳዕቤኑን ናይ ብዙሓት ስድራቤታት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ሕጻናትን ዘይድምሰስ ቃንዛ ናባኻ ናብ ጐይታ ነቅርቦ ኣሎና ኢሎም።”

ግደ እኖሓጎታት ኣብ ጒዕዞ ሕውየት!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ናይቲ ስቃይ ክብደት ንምግላጽ ንክትዛረቦ ስቃይ ቀሊል እዩ እንተኾነ እቲ ዝሓድጎ በሰላ ኣብ ጫማ እቲ ዝሳቀ ኰንካ ክትሓስቦ ነዊሕ ጒዕዞ ዘድልዮ ኣብዚ ጒዕዞ ሕውየት ከኣ ብእምነት ዘሰንየካ ሰብ ከምዘድሊ ነዚ ምስናይ እዚ ከኣ ካብቶም መበቆላውያን ደቂኣባት ከም እንመሃሮ ካብ ኣደታትን እኖሓጎታትን ንላዕሊ ክገብሮ ዝኽእል ስለዘየሎ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ቊስልታት ንምሕዋይ እኖሓጎታት ደቂኣባት ኣብነት እኖሓጎ ኣምላኽና ዝኾነት ቅድስት ሓና ብምኽታል ክገብርዎ ሓደራ ኢሎም። ኣኽብሮ ቅድስት ሓና ኣብ መሬትን ባህልን ደቂ ኣባት ንፉዓት ብዝበልዎም ሰብኽቲ ወንጌል በቲ ኢንካልቹረሽን እንብሎ ንባህሊ ከየህሰስካን ከይጐንጽካን ኣዋሃሂድካ ናይቲ ባህሊ ክፍሊ ብእትገብሮ ኣገባብ ብምዃኑ ክጥቅመሉ ኣዘኻኺሮም።

ቅዱስነቶም ሓደ ካብቲ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ እኖሓጎታት ደቂኣባት ዝሓደጎ በሰላ ‘ብገዛእ ቋንቋኤንን ባህለንን እምነት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንከይመሓላልፋ ዝተኸልከላኦ’ ምንባሩ ብምዝካር ‘እዚ ዓቢ ክሳራ ከምዝነበረን ሕጂ ግን እኖሓጎታት ኣብ መንጎ ብምህላወን ብሓዲስ ክጅምራን ንጒዕዞ ሕውየት ናተይ ቢለን ክሕዞኦን ነቲ ሕይወት ማሕበረሰባት ክሕዊ ዝኽእል ኣምላኽ ልበን ክኸፍታ ሓደራ በልወን። ከመይ ቤተክርስትያን እትደልዮ ጥቅልል ብዝበለ ሕውየት እዩ፣ ንክትሓዊ ከኣ ንጒዕዞ ሕውየት ናተይ ቢልካ ሀ ቢልካ ምጅማር የድሊ።

ቤተክርስትያን እትደልዮ ሕውየት እዩ!

ቅዱስነቶም ናብ ሃረርታን ድላይን ቤተክርስትያን ምልስ ቢሎም ቤተክርስትያን ሎሚ እንታይ ትደሊ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ ክመስሉ ቤተክርስትያን እትደልዮ እንኮ ጒዳይ ሕውየት ጥራይ እዩ። ስለዚ ኩሎም ኣብ መንፈሳዊ ንግደት ዝርከቡ ነዛ ናይ ኣደነት ጠባይን ባህርይን ዘለዋ ቤተክርስትያን ንነፍስወከፍ ውሉዳ ከከም ኩነቶም ክትሓቊፍን ንኩሎም ክፍቲ ዝኾነትን ምስ ኩሎም ክትዛረብ እትኽእልን ምስ ኩሎም እትራኸብን ክፍቲ ቤተክርስትያን ንምህናጽ ሓገዞም ከበርክቱ ሓደራ ኢሎም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ዘስመረሉ ካልእ ጉዳይ ከኣ ‘ሓልዮት ማሕበረሰባትናን ሕውየቶምን ዘገድሰና እንተኾኑ ካብ ድኻታትን ካብቶም ዝተገለሉን ክንምር ኣሎ፣ እዚ ከኣ ነቶም ሓደጋ በይንኻ ሙማት ዘንጸላልዎም ዘለው ሽማግለታትን ሰማዕን ሓታትን ዘይረኸቡ ኣብ ሕውተታ ዝርከቡ መንእሰያትን እውን የጠቃልል’ ኢሎም።

ኢየሱስ ይጽውዓና ኣሎ! ንምንታይ እንተበልና ካብ መሽጐርጒርና ክንወጽእ እንታይ ክንገብር እንተበልና ክንህብ ክነፍቅር እንክብሉ ኩሎም ምእመናን ናብ ሕልናኦም ተመሊሶም ንጽጉማት እንታይ ክንህብ ንኽእል ብሕልፊ ከኣ ነዞም ብኩሉ ኩሉ ተገፊዖም ዘለው መበቆላውያን ደቂኣባት እንታይ ክነወፊ ንኽእል ቢሎም ከስተንትኑ ነዚ ዚስዕብ ሓሳብ ኣቅሪቦም።

“ሓንሳእ ሓንሳእ ንሰባት እትሕግዘሉ ምሩጽ ኣገባብ ነቲ ዝሓተቱኻ ብኡ ንብኡ ምሃቦም ጽቡቅ መንገድ ኣይኮነን። ዝበለጸስ ክተሰንዮም ንፍቅሪ ክትዕድሞም ንገዛእ ርእሱ ንኣገልግሎት ካልኦት ከወፍዩ ክትደፋፍኦም የድሊ። በዚ ኣገባብ እዚ በቲ ንካልኦት ክገብርዎ ዝኽእሉ ጽቡቅ ነገር ከም ሕያው ወሓዚ ማይ ምንጪ ምዃኖም ክፈልጡን በዚ ከኣ ነታ ዘላቶም ናይ ግሎም ክብርቲ መዝገብ ብምፍላጥ ሓቀኛ መንነቶም ክንረኽቡ እዮም።”

መበቆላውያን ደቂኣባት ሃብቲ መዝገብ ቤተክርስትያን እዮም!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ቤተክርስትያን ነዚ መበቆላውያን ደቂኣባት ካናዳ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ምሕዋይ ጒዕዞ ንምሕጋዝ ዝተኻእላ ክትገብር ምዃና ብምግላጽ ጐይታ ከኣ ነዚ ጒዕዞ ዘድሊ ጸጋ ክህብ ከምዚ ክብሉ ተማህለሉ።

ኣብዚ ጒዕዞ ሕውየት ንቅድሚት ክንስጒም ጐይታ ይሓግዘና! ንመጻኢ ከኣ ናብ ዝሓሸን ጥዑይን ዝተሓደሰን ደረጃ ሕውየት የብጽሓና። ሃረርታ ኣቦሓጎታትኩምን እኖሓቶታትኩም እዚ ምዃኑ እኣምን። እኖሓጎን ኣቦሓጎን ኢየሱስ ቅዱሳን ሃናን ኢያቄምን ኣብዚ ጒዕዞና ይባርኹና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 Jul 2022, 17:15