ድለ

POPE-INTERVIEW/ POPE-INTERVIEW/ 

ኣብ መንጎ ቅድስት መንበርን ሃገረ ቻይናን ዝተገብረ ግዝያዊ ስምምዕ ብቅልጡፍ ክሕደስ ተስፋ እገብር!

ንብዙሓት ዘዘራረበ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ፊል ፑለላ ዝበሃል ወኪል ኣገልግሎት ዜና ረውተርስ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ በብክፋል እንክቀርብ ብዛዕባ ርክብ ቅድስት መንበርን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ከማኡ እውን ብዛዕባ ሲመት ጳጳሳት ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ቃል ነቅርበልኩም።

ዜና ቫቲካን!

ቅድስት መንበርን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ድሕሪ ነዊሕ ዲፕሎማውያዊ ርክባትን ጻዕርን ብ2018 ዓም ታሪኻዊ ክትብሎ ዘድፍር ግዝያዊ ርክብ ከምዝተፈራረሙ ዝዝከር እዩ። ከምዝዝከር ኣብ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ሃገራዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብመንግሥቲ ትድገፈን ኣፍልጦ መንግሥቲ ዘለዋን ብታሕቲ ታሕቲ ትሰርሕ ቤተክርስትያን ትሕቲ ምድሪ ተባሂላ ኣብ ስደትን መከራን እትነብር ዝነበረት ክፍሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ብዙሕ ስቃይ ሓሊፉ። ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ብ2018 ስምምዕ ምስ ተገብረ ምስቶም ብዘይ ስምምዕ መንበረ ጴጥሮስ ተሰምዮም ንዝነበሩ ጳጳሳት ምስ ቤተክርስትያን ብምውህሃድ ነቶም ድሒሮም ዝስመዩ ግን ብስምምዕ ክልቲኦም ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ ክኸውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። እዚ ስምምዕ እዚ ብገሊኦም ወገናት ብዙሕ ተተንቲኑ እንከብቅዕ ዝነቅፍዎ እውን ኣይተሳእኑን።

ቅዱስነቶም ምስ ረውተርስ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ግን ነዚ ስምምዕዚ ደገፎም ብምግላጽ ምናዳ ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ስለ ዝገበርዎ ጻዕሪ ከምዚ ክብሉ ኣመስገንዎም።

“እዚ ስምምዕ እዚ ንቅድሚት ከምዝስጒም ዝገብሩ ዘለው ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ካርዲናል ፓሮሊን እዮም። ዝለዓሉ ናይ ዲፕሎማሲ ሰብ ኮይኖም ናይ ቅድስት መንበር ዝበለጹ ዲፕሎማት እዮም። ናይ ዘተ ሰብ ብምዃኖም ከኣ ምስ ሰበስልጣን ሃገረ ቻይና ዘተ ከንቀሳቅሱ ይኽእሉ። እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ኮሚጽን ነዚ ዘተ ንቅድሚት ከምዝስጒምን ፍታሕ ከምዝርከብን ገሮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ ከምቲ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ነፍሰኄር ካርዲናል ኣጎስቲኖ ካዛሮሊ ዝብልዎ ሰማዕትነት ትዕግሥቲ ይሓትት። ብናኣሽቱ ስጉምታት ዝንቀሳቀስ ፖሎቲካ እዩ ኢሎም።”

ሕይወት ፖሎቲካን ዲፕሎማስያዊ ርክብን ብጣዕሚ ከቢድ ምዃኑ ንምግላጽ ዝጠቀስዎም ንነዊሕ ዓመታት ከም ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ዘገልገሉ ነፍሰኄር ካርዲናል ኣጎስቲኖ ካዛሮሊ ኣብ ዘመነ ሶቭየትን ምብራቅ ኤውሮጳዊ ኮሚኒዝምን ዓቢ ኣበርክቶ እኳ እንተገብሩ ብዙሓት ሰባት ናይ ቤተክርስትያን ሰባት ከይተረፉ ተጻይ ቅዱስ ዮሓንስ 23 ከማኡ እውን ተጻይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዙሕ ተዛሪቦም። ተጻይ ካዛሮሊ እውን ተዛሪቦም እንተኾነ ዲምፕሎማስያዊ ርክብ ከማኡ እዩ ጠባዩ፣ ኣብ ቅድሚ ፍጹም ዕጽዋ ምስ ኮንካ ሽሕ’ኳ ተመራጺ እንተዘይኮነ እንኮ መንገዲ ዲፕሎማሲ ኰይኑ ንኩሉ ከምዝከኣል እትገብረሉ ጥበብ እዩ። ቅዱስ መንበር ከኣ ነዚ ዝገብሩ ዓበይቲ ሰባት ወትሩ ኣለውዋ። እንተ እቲ ኾይኑ እንተ እዚ ንጉዳይ ቻይና ንቅድሚት ዘሰጉሙ ዘለው ካርዲናል ፓሮሊን እዮም፣ በዚ ከኣ ዓቢ ሰብ ምዃኖም ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ 1989 ዓም ምስ ድሕሪ ስምምዕ 2018 እንከተንጻጽሮ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። ሽሕ’ኳ ብጣዕሚ ዝሑል እንተኾነ ቀስ ብቀስ ግን እቲ ኣዘራራቢ ሲመተ ጵጵስና ብስምምዕ ይካየድ ኣሎ። ቻይናውን ቀስ ብቀስ ስለዝኸዱ ንሕና ኣላ ቺነዘ ከም ኣገባብራ ቻይናውያን ዘሀውኽ የብልናን። ኣብ ርእሲ እዚ ንሳቶም እውን ውሳጣዊ ግድላት ከምዘለዎም ዘይምዝንጋዕ። እንተ እቲ ስምምዕ ክሳብ ሕጂ ብጽቡቅ ይቅጽል ኣሎ፣ ንዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ክሕደስ ከኣ በዓል ዓቢ ተስፋ እየ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 July 2022, 14:43