ኣብ ወርሒ መስከረ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ኣሲዝን ማተራን ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ እዮም!
ዜና ቫቲካን!
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ድሕሪ እቲ ብምኽንያት ሕማም ን ኣህጉር ኣፍሪቃ ክገብርዎ ዝነበሮም ሓውጾተ ኖልዎ ምንዋሕን ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ብጥንቃቄ ነቲ ናብ ሃገረ ካናዳ ተመዲቡ ዝነበረ ክፍጽምዎ ምዃኖምን ኣብ ዝዝረበሉ እዋን ኣብ ክልተ ዝተጣበቃ ዕለታት ኣብ ክልተ ከተማታት ሃገረ ጣልያን ሓውጾተ ኖልዎ ክገብሩ ምዃኖም ምስ ተሓበረ ንብዙሓት ምናዳ ኸኣ ንጳጳሳት ሃገረ ጣልያን ምኽንያት ዓቢ ሓጐስ ኰይኑ።
ብደሓነ ሰላም የጽንሓና ዕለት 24 መስከረም 2022 ዓም ኣብታ መዲና ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ዝኾነት ከተማ ነታ ቅዱስነቶም ላውዳቶ ሲ ኦ ጐይታ ዝተመስገንካ ኩን ስቡሕ ኣንተ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ካብ ዝጽሕፉ ጀሚሩ ካብ ምክንኻን ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለምና ጀሚርካ ብከመይ ክንዋሳእ ንዝብል ሕዝቶ ንምምላሽ ቊጠባ ፍራንቸስኮ ‘ኤኮኖሚ ኦፍ ፍራንቸስኮ’ ብዝብል መንእሰያት ኣውፈርቲ ርእሰ ማልን ቊጠባዊ ክኢላታትን ንዓለምና ዝኸውን ሓዲስ ቊጠባ ክንምህዝ ኣሎና ብዝብል በቲ ድርብ ስም ትርጉም ዝሓዘት ስም ማለት በቲ ሓደ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ በቲ ሓደ ወገን ኣሰሩ ብምስዓብ ሽሙ ብምውሳድ ንተፈጥሮ ኩሉ ሓወይ ሓውተይ እናበለ ንጐይታ ዘመስገነሉ ጸሎት ላውዳቶ ሲ ተመርኲሶም ‘ኤኮኖሚ ኦፍ ፍራንቸስኮ ቊጠባ ፍራንቸስኮ’ ዝብል መምርሒ ምስ ዝዋስኡ ክራኸቡ እዮም።
ኣብቲ ርክብ ብቀንዱ ነዚ ጉዳይ ዝከታተልን ብተኸታታሊ ዝዋሳእን ክፍሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርኒ ከማኡ እውን ናይ ኣሲዚ ኖቸራ ሊቀ ጳጳስ ኡምብራ-ጉዋልዶ ታዲኖን ናይ ፍሊግኖ ጳጳስን ሰብሥልጣን ሲቪላዊ ምሕደራ ናይቲ ከባብን ክራኸቡን ክዛተዩን ከማኡ እውን ምስቶም ነዚ ሓሳብ እዚ ዝመሃዙን ንቅድሚት ዘሰጒምዎን ዘለዎ ክኢላ ቊጠባ ልዊጂኖ ብሩኒን እናቴ ኣለሳንድራ እስመሪሊን ዶክተር ፍራንቸስኮስ ዲ ማኦሎን ክዛተዩ እዮም። ኣብ መወዳእታ እቲ ጉባኤ ዝተፈላለየ ትያትርን ካልእ ንጥፈታትን ኪካየድ ቅዱስነቶም ከኣ ምስ መን እሰያት ናይቲ ከባቢ ክራኸቡን ቃሎም ክህቡን ኣብ መንጎኦምን መንጎ እቶም መንእሰያትን ውዕል ተጻሒፉ ክንበብን ክኽተም ትጽቢት ይግበር።
ናይ ኣሲዚ ኖቸራ ሊቀ ጳጳስ ኡምብራ-ጉዋልዶ ታዲኖ ነዙ ዜና ምስ ሰምዑ ነቲ ቅዱስነቶም እዚ መደብ እዚ ክጅመር እንከሎ ‘ኣብ ኣሲዚ ንራኸብ ኣባኡ ክጽበየኩም እየ’ ዝበልዎ ዘኪሮም ኣብ መንጐም ክርከቡ ብምዃኖም ዝተሰም ዖም ሓጐስ ንምግላጽ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ብኡ ንብኡ ናብ ቅዱስነቶም ከዝለኣኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።
እታ ቅዱስነቶም ዝፍጽምዋ ካልአይቲ ሓውጾተ ኖልዎ ከኣ ናብ ከተማ ማተራ ኮይኑ ናይ ሃገረ ጣልያን ሃገራዊ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ዝካየደሉ ብምዃኑ ኣብ ምዝዛም እቲ ኮንግረስ ንክሳተፉ ከምዝኸዱ እንክምልከት ኣባኡ ናይ ሃገረ ጣልያን ረኪበ ጳጳሳት ፕረሲደንትን ሊቀ ጳጳሳት ቦሎኛን ብፁዕ ካርዲናል ማተዮ ማርያ ዙፒ ምስ ኩሎም ገዳማውያንን ገዳማውያትን ም እመናንን ሰብሥልጣን መንግሥትን ክቅበልዎም ምዃኑ ተመልኪቱ፤ ኣብቲ ናይ ዕለቱ መደብ ተሓጺጹ ኣብ ዘሎ ጸሎታትን ርክባትን ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ክራኸቡን ቃሎም ክህቡ ምዃኖም እውን ምስዚ ተታሓሒኡ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።
በዚ ውሳኔ እዚ ሓጐሶም ብሓንሳብ ክገልጹ ዝደለዩ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን ብፕረሲደት ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን ብፁዕ ካርዲናል ዙፒ ኣቢሎም ናይ ምስጋና መልእኽቲ ናብ ቅዱስነቶም ብምጽሓፍ ዝተሰም ዖም ሓጐስ ገሊጾም።