ድለ

2022.07.09 Mons. Svjatoslav Shevchuk 2022.07.09 Mons. Svjatoslav Shevchuk 

ንኡክራይና ምጽንናዕን ምትብባዕን ዓድሉ! ር.ሊ.ጳ ንጳጳሳት ቤ/ክ ግረኮካቶሊኮስ ኡክራይና

ብግረኮካቶሊኮስ እትፍለጥ ክፍሊ ምሥራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ቤተክርስትያን ኡክራይና ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ፖላንድ ሲኖዶስ የካይዱ ኣለው፤ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ሸቭቹክ ብዝለኣኽዎ መል እኽቲ ገቢሮም ‘ቤተክርስትያን ተስፋ ዝስነቀላ ቦታ ክትከውን ኣለዋ’ ምስ በሉ ነቲ ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ኡክራይና ቅርበቶም ብምግላጽ ከም ጓሶት መጠን ናይታ ዓዲ ኣምጻእቲ ምጽንናዕን ምትብባዕን ክኾኑ ሓደራ ከምዝበልዎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ዝሓለፈ ዕለት 7 ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ ዝመጽእ ዓርቢ ኣብ ጐረቤት ሃገረ ፖላንድ ሲኖዶስ ዘካይዱ ዘለው ጳጳሳት ግረኮካቶሊክስ ኡክራይና እቲ ኣብ ሃገሮም ዚካየድ ህልቂትን ውግእን ንኣታቶምስ ይኹን ብኣኦም ንዝሓስብ ዘሻቅል እዩ። ምድረሰማይ ደሓን ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገሮም ክየቭ እዮም ዘካይድዎ ዝነበሩ፤ ንሎምዘመን ግን ስግኣት ደብዳብ ነፈርትን መዳፍዕን ንምውጋድ ፕረዝሚስል ኣብ እትበሃል ጥቃ ዶብ ዓዶም ዝኾነ ከተማ ፖላንድ ክገብሩ መረጹ።

ቅዱስነቶም ናብ ተጋባእቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ንሕዝቢ ኡክራይና ከምዝጽልዩን ብመንፈስ ቅርበቶምን ይገልጹ፤ ሃገሮም ሃገረ ሰማዕታት ምዃና ብምዝካር ዝሓለፈ 27 ዘኪሮሞም ዝወዓሉ ብ2001 ዓም በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ቅድስናኦም ዝ ኣወጁ ሰማዕታት ለዮፖል ዘኪሮም። እዚኦም ሰማዕታት እዚኦም ብግዝኣት ኮሚኒዝም ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝተቀትሉ ካህናትን ሞኖኮሳት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኰይኖም ሎሚ እውን ካባኡ ብዘይንእስ ብዙሓት ንጹሓት ደሞም የፍስሱ ስለዘለው ከም ጓሶት ዕላማኦም ሠናይ ነገር ቤተክርስትያኖምን ነፍስወከፍ ምእመናኖምን ክኸውን ኣዘኻኺሮም፤ ቤተክርስትያኖም ናይ ርክብን ነንሕድሕድካ ምድግጋፍን ኰይና ንም እመናኖም ከሰንዩ ሓደራ ኢሎምዎም።

ብ2019 ዓም ናይዛ ቤተክርስትያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ እስቭያቶስላቭ ሸብቹክ ምስ ጳጳሳት ሮማ ኣብ ዝተራኸቡሉ ግዜ ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም ብምንባሮም ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቲ ፍጻሜን ኣባኡ ዘረጋገጹሎም መንፈስ ሓድነት ብምዝካር ጓሶት ነፍሳት ኩሉ ግዜ ጥቃ መጓሰኦም ብምዃን ዕለት ዕለት ማይ ተስፋ ከምዘተሓላልፍ ካናለ ክኾኑ ምቅላስን ምኲስኳስን ከምዘድሊ እዚ ከኣ ከምቲ ሕጂ ዝገብርዎ ዘለው ሲኖዶስ ብተደጋጋሚ ብምርኻብ ምስ ም እመናኖም ልቢ ንልቢ ተወሃሃዶም ነቲ ቀንዲ ውራይ ጓሶት ነፍሳት ዝኾነ ብሥራት ወንጌል ከደንፍዑ ሓደራ ቢሎምዎም።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ቤተክርስትያን እንክንብል ናይ ርክብ ቦታ ናይ ምጽንናዕ ቦታ ኰይኑ ምእመናን ዘድልዮም ወትሩ ክፉት ማዕጾ እትውንን ቤተክርስትያን ኰይና ካባኣ ተስፋ ዝሰንቁላ ኰይና ምጽንናዕን ምትብባዕን ዝረኽቡላ ክትከውን ኣለዋ እንክብሉ ቀንዲ ውራዮም ከኣ ንሃገረ ኡክራይና ምጽንናዕን ምትብባዕን ምዕዳል ምዃኑ ከይዝንግዑ ሓደራ ብማለት መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 Jul 2022, 16:44