ድለ

POPE-INTERVIEW/ POPE-INTERVIEW/ 

ር.ሊ.ጳ ንአቡናት ኣብ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዘገልግላ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ክሾሙ እዮም!

ከዘራርብ ዝቀነየን ገና እውን ዘዘራርብ ዘሎ ጉዳይ ቃለ ምልልስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ኣገልግሎት ዜና ረውተርስ ካብ ግላዊ ጉዳዮምን ዲፕሎማስን ናብቲ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጥ ምምሕዳር ቅድስት መንበር ምልስ ኢሎም ኣብ ዘመነ ሥልጣኖም ደቂኣንስትዮ ብብዙሕ ይጽምበራ ምህላወንን ኣብቲ ንር.ሊ.ጳ አቡናት ንምምራጽ ዝሕግዞም ብደቂ ተባትዮ ጥራይ ተባሒቱ ዝነበረ ንጉዳይ ኣቡናት ዝከታተል ላዕለዋይ ቤትጽሕፈቶም ክልተ ደቂኣንስትዮ ክሾሙ ምዃኖም ሓቢሮም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝተኸታተልኩምዎ ቅዱስነቶም ምስ ፊል ፑለላ ዝበሃል ኣባል ኣገልግሎት ዜና ረውተርስ ኣብ ዝገበርዎ ከባቢ ተስዓ ደቂቅ ዝወሰደ ቃለ ምልልስ ብዙሕ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ጒዳያት ቤተክርስትያን ኣመልኪቶም ቃሎም ሂቦም። ነቲ እርማት ዘድልዮ እናኣረምና በቲ ኣገልግሎት ዘሎ ዘቅርቦ ክፋላት ንጹር መልእኽቲ ቅዱስነቶም ንምትሕልላፍ ብዛዕባ ጉዳይ ሥልጣኖምን ካልእ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምናዳ ምስ ሃገረ ቻይና ብዝምልከት ከምዘቅረብናልኩም ዝዝከር እዩ።

ንሎሚ ነታ ኣብ ጉዳይ ደቂኣንስትዮ ኣመልኪቶም ቅድስት መንበር እትገብሮ ምምሕያሻት ብዝምልከት ቅዱስነቶም ዝበልዎ ክነቅርበልኩም ኢና።

ንቅዱስነቶም ዝቀረበት ሕቶ ኣብቲ ንትሽዓተ ዓመት ምስ መመላእታ ዝተሰርሓሉን ዝሓለፈ ጰራቅሊጦስ ተኣዊጁ ካብ በዓለ ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ወንጌል ስበኹ ዝብል ሓዋርያዊ ኣዋጅ ዘቅረቦ ሕዳሴ ኣብ ጉዳይ ምእመናን ምናዳ ኸኣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ንር.ሊ.ጳ ከማኽርን ክሕግዝን ዝቆመ የማናይ ኢድ ኣርእስተ ሊቃነጳጳሳት ዝበሃል ግዙፍ ቤትጽሕፈት ኩርያ ሮማና ክሳብ ክንደይ ኮን ንዓለማውያን ከሳትፍ ትጽቢት ይግበር ምናዳ ኸኣ ንደቂኣንስትዮ ትብል ሕቶ ነበረት። ቅዱስነቶም እዚ ሓዲሽ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ንኩሎም ምእመናን ኣብዚ ኣገልግሎት ንክሳተፉ ምሉእ ዕድል ዝህብ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ኣነ እዚ ንኩሉ ዕድል ክህብ ክፉት ርእይቶ እዩ ዘሎኒ፣ ንኣብነት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣመሓዳሪ ሃገረ ቫቲካን ምኽትሉ ጓል ኣንስተይቲ እያ፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ እውን ኣብቲ ጓሶት ማለት ጳጳሳት ንምምራጽ ንኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘማኽር ንጳጳሳት ዚሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ክመጻ እየን። እዚ ንመጀመርያ ግዜ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ቀስ ብቀስ ከስ ነዚ መንገዲ ተኸቲሉ ይኽፈት ኣሎ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም መግለጺኦም ብምቅጻል ኣብ መጻኢ ኣብ ከም በዓል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምእመናን ስድራቤትን ሕይወትን ከማኡ እውን ኣብ ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ባህልስ ይኹን ኲስኰሳ ትምህርቲ ከማኡ እውን ዳርጋ ከም ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት እንምልከቶ መዝገበመጻሕፍቲ ቅድስት መንበር ብዙሓት ምእመናን ክሳብ ብመሪሕነት ደረጃ ክሽየሙሉ ዝኽእሉ እዩ እንክብሉ ምስዚ ሓዲስ ኣዋጅ ምእመናን ኣብ ምሕደራ ቤተክርስትያን ክዋስኡ ዕድል ዝኸፈተ ምዃኑ ገሊጾም።

እቲ ንመጀመርያ ግዜ ዝብል ብጎቨርናቶራቶ ዝፍለጥ ናይታ ካብ ዓለምና ዝነኣሱ መንግሥታት ሓንቲ ተባሂላ እትጽዋዕ መንግሥቲ ቫቲካን ወይውን ቅድስት መንበር ኣብ መብዛሕትኡ ልዑል ጽፍሕታት ደቂ ተባትዮ ጥራይ ብሒቶሞ ዝነበረ ዓሚ ንእናቴ ራፋኤላ ፐትሪኒ ከም ምኽትል ኣመሓዳሪት ከምዝሾሙ ከማኡ እውን ንእናቴ ናታሊ በካር ኣባላት ማሕበር ደናግል ዛቭየር ምኽትል ዋና ጸሓፊት ናይ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ንኣባ ደቂ ማርያም ረዳኢተ ክርስትያን ዝኾና እናቴ ኣለሳንድራ እስመሪሊ ንላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ሓፈሻዊ ምዕብልና ደቂሰባት ምኽትል ሓላፊት ክኾና ዝሾምወንን ካልኦት ሓደ ክልተ ኣብ ካልእ ጳጳሳዊ ቤትጽሕፈታትን ካልእ ምሕደራ ቅድስት መንበርን ንዝሸምወን ዘኪሮም ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕደራ ቅድስት መንበር ዓቢ ግምት ከምዝወሃቦ ገሊጾም።

ገና ቅድሚ ኣዋጅ ሓዋርያዊ ቅዋም ፕረዲካተ ኢቭናጀልዩም ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ዓለማውያንን ገዳማውያንን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ምሕደራ ቅድስት መንበር ምሻም ብዙሕ ዘይተዋሕጦም ዐቃባውያን ውሉደ ክህነት እዚ ሓዲስ ኣዋጅ ምስ ተኣወጀ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ሓደ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ምናልባት ናይዚ ቤትጽሕፈት ናይ መወዳእታ ሓላፊ ካብ ውሉደ ክህነት ኣነ ከይኮንኩ ኣይተርፍን እንክብሉ ብምእመናን ክትክኡ ምዃኖም ከም ሓውሲ ዋዛ ኣዕሊሎም ነሮም።

እዚ እቲ ኣበው ቤተክርስትያን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምእመናን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ክዋስኡ ምናዳ ኣብ ምሕደራ እንክብሉ ኣብ ሰነድ ተልእኮ ምእመናን ሓደራ ብማለት ዝተላበውዎ ድሕሪ ስሳ ዓመት እውን እንተኾነ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ክንብል ንኽእል።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 Jul 2022, 19:25