ፍራንቸስኮ፥ ምስ ካልኦት ኣብ ዝግበር ዘተ ደረት ትርኢት ይምለስ
ኣብ ኣርጀንቲና ብናይ ወጻኢ ጒዳይ ሚኒስትር ቤት ጽሕፈት ጒዳያት ስግደትን ኣምልኾን ናይ ወጻኢ ንግድን ኣምልኾ ኣብ ኣርጀንቲናን ሓልዮት ዝተዳለወ 17 ምሁራት ሰብኣዊ ሕውነት ዝብል ርእሰ ጒዳይ ብዝተፈላለየ ኵርናዕ ዝምልከት ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ዘጠቓልል መጽሓፍ ዕለት 14 ሓምለ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ንንባብ ከም ዝበቕዔን ናይዚ መጽሓፍ መቕድም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተደርሰ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝደረስዎ ናይታ መጽሓፍ መቕድም፥ ብሓባር ንኽንመላለስ - ንኽንሓስብ ንኸነስተንትን ንኽንሰምዕ ንኽንሰርሕ ክንመያየጥ ናይ ሓደ ህዝቢ ወይ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ኣካል ናይ ምዃን ትርጉም ናይ ምልዋጥ ተኽእሎታትና ንኽንረክብ ንኽእል ኢና፡ ኣብነትን ተመክሮን እቶም ንኻልኦት ንምግልጋል ግዜኦም ዝወፈዩ ሰባት ኣነባብራን ርክባትና ማሕበራውነትናን ልዕሊ ኵሉ ድማ ትርጒም ህላወና ዳግም ንኽንሓስበሉ የተባብዓና፡ ልዕሊ ኵሉ ግን እቲ ምስ ማሕበራዊ ምሕዝነት ዝተሓሓዝ ዘተ ክንገብር እተዓደምና ኰይኑ ኪስምዓና ዘለዎ ኣገዳስነት እንደገና ክንረኽቦ የኽእለና፡ ምኽንያቱ እቲ ለብዒ ንሓድሕድና ከም እንደላለን በይንኻ ምድሓን ዘይከኣል ምዃኑ ስለ ዘዘኻኸረና። መበቈል ካበይን እንታይን ብዘየገድስ ምስ ካልእ ክንዝቲ ከለና መሳዅቲ ንኸፍትን ደረት ትርኢት ንኽምለስን ብሓባር እንነብረሉ ዝበለጸ መገዲ ክንረክብን ንኽእል ኢና።
ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ እቲ ነቲ ሓደ ዜፍቅር “ቀረባኡን ርሑቕን” ኣብ ዝኾነሉ ይብል። በዚ መንፈስ እዚ ናብቲ ሕውነታዊ ዘተ ዝብል ሓሳብን ተግባርን ንኽንኣትውን ክንዝትን ከምኡ እውን ፍልልያትና ኣፋሊጥና ብምኽባር ክንርእዮ ከፍርሓና የብሉን። ስለዚ እዚ ርክብ - ወይ ምርኻብ እዚ ብዛዕባ ማሕበራዊ ዕርክነት ብዛዕባ ክብሪ ህዝብታት ከምኡ እውን ሓደ’ኳ ተጓሓፊ ዘይኰነሉ ከም ውዳቕ ዘይሕሰበሉ ኣልቦ መሬትን ቤትን ስእነት ዕለታዊ እንጌራ ወይ ስእነት ስራሕ ዘይብላ ከምኡ እውን ናብ ዝሓሸ ኣድማስ ኣቕኒዕና ንኽንዓዩ ኵሉ ዝኽበረላ ብልጽቲ ዓለም ብሓባር ንኽንሓልም ከም ዝሕግዘና እየ ዚኣምን። ሕውነት ትርጒምን ዋጋን ብዝመልኦ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ ልዕሊ ዅሉ ድማ ታሪኽ ንምእራምን ብሓባር ንኽንዓዪ ዝሕግዘና ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ እዚ ሕውነታዊ ዘተ እዚ ኣብ ኣእምሮና ምስኣል ናብ ተግባር ንኽንቅይሮ ድላይ ከም ዘሎና ክትገልጹ እዕድመኵም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።