ድለ

ሎሚውን እንተኾነ ኣተሓሳስባ መግዛእቲ ዘለዎም ሰባት ካብ ባህልታት መበቆላውያን ደቂኣባት ክመሃሩ ኣለዎ

ቅዱስነቶም ኣብ ከተማ ከበክ ዝገበርዎ ቀዳማይ መዓልቲ ምስ ሰበሥልጣን ናይታ ሃገር ኣብ ቀጽሪ ኣደራሽ ጠቅላሊት ኣመሓዳሪት ተራኺቦም ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ምስ ኣስምዑን ንሶም እውን ብወገኖም ሓጐሶምን ምስጋናኦምን ብምግላጽ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ጨቋኒ ፖሎቲካ ንምንጋፍ ካብ ጥበብ ባህሊ ደቂኣባት ከመሃሩ ሓደራ ቢሎምዎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቲ መበቆላውያን ደቂኣባት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናኣመሓላለፉ ዓቂቦሞ ንዘለው ካብ ምዕቃብ ፍጡት ክሳብ ናይ ስድራቤት ሓለዋን ደገፍን እንመሃሮ ብዙሕ ጉዳያት ከምዘሎ ብሰፊሒ ድሕሪ ተንቲኖም ንሲቪላውያን ሰበሥልጣንን ተወከልቲ መበቆላውያን ደቂ ኣባትን ኣካላት ዲፕሎማስን ኣብ ዝለገስዎ ምኽሪ ሎሚ ከም ሎሚ ትሕት ቢልካ ካብ ናይ ትማሊ ጌጋታት ዕብለላን መግዛእትን ውጽእ ቢልካ ካብቲ ብዙሕ ንምፍራይን ምኽሳብን ግላዊ ጥቅሚ ምቅዳምን ዝብል ባህሊ ውጽእ ቢሎም ካብዚ ባህሊ መበቆላውያን ደቂኣባት ክመሃሩ ኣዘካኺሮም።

“ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ዘመነ ኣተሓሳስባ ኮሎንያሊዝም እንብሎ ዕብለላን መግዛእትን ንህልው ኩነታት ናብራ ሕዝቢ ሸለል ብምባል ድሮ ዝተወሰኑ ሞደላት ባህሊ ብምትእታትው ነቶም ዚገዝእዎም ክመርሑሉ መዓት ተጽዕኖ ይገብሩሎም ነበሩ። ሎሚ እውን እንተኾነ ንመነባብሮን ህልውና ዝጻረር ኮሎንያዊ ኣተሓሳስባ ዕብለላን መግዛእትን ተጽዕኖን ኣይሰኣኑን እዮም። እዞም ኣተሓሳስባታት እዚኦም ነቲ ደቂ ሰባት ብባህሪኦም ዘለዎም ባህርያውያን ባህላውያን ውርሻታት ከይክተሉ ዝዕፍኑን ካብ ባህሎምን ልማዳቶምን በርቊቆም ዝምንቅሱን ካብ ታሪኾምን እምነታዊ ምትእስሳሮም ከባትኹ ዝደልዩ ኣይወሓዱን። ኖ ቶ ካንስል ካልቸር ባህሊ ደምስስ ንዝብል ኣምር ኣይፋል ኢሎም።”

ባህሊ ደምስስ ንዝብል ኣምር ኣይፋል!

እዚ ኩሉ ቅዱስነቶም ዝዘርዘርዎ ሃጐፋት ምናዳ ንባህሊ ብዝምልከት ንባህሊ ከዕኑ ከጥፍእ ዝተዓጥቅ ብቋንቋ እንግሊዝ ካንስል ካልቸር ዝብል ኣተሓሳስባ ንዝሓለፈ ባዕሉ ብዝፈጠሮም መምዘኒታት ተመልኪቱ ከም ድሕሩን ክእለ ዘለዎን ሓሲቡ ንኩሉ ብሓደ ብኣልማማ ዝምልከት ሞደል ባህሊ ሰሪዑ ንኩሉ ብማዕረ ብምምልካት ዝኾነ ባህላዊ ፍልልይ ኣይጻወርን። ቀንዲ እዚ ባህሊ ሕዳሴ ብማለት ዝጽውዕዎ ንኩሉ ሕሉፍ ባህልታት ክድምስስ ዝደናደን ኣተኲሮኡ ኣብ ግድነታትን መሰላትን ግለሰባት ብምግባር ነቲ ድኹም ክፍሊ ሕብረሰብና ክነወፍዮ ዘሎና ሓገዝ ዝገልጽ ግቡእካ ናይ ምፍጻም ጐዳይ ሸለል ይብሎ። እዞም ደገፍን ሓገዝን ዘድልዮም እንብሎም ድኹማት ክፍሊ ሕብረሰብና ድኻታት ብሃፈሻ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ረዳኢ ዘይብሎም ሽማግለታት ዚኣሊ ዘይብሎም ሕሙማት ዝከላከለሎም ዘይብሎም ካብ ምውቅ ማሕጸን ዝንጸሉ ናጽላታትን ኮይኖም ኣብቲ ጥዑም ናብራ ዝንበረሉ ማሕበረሰብ ዝበሃሉ ክዝከሩ ዘይብሎም ወይ ኣብ ናይ ጥዑም ናብራ ማሕበረሰብና ዝተረስዑ ዝገደደ ከኣ በቲ ዝዕብልል ዘሎ ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ እምበር ብዛዕባ ካልኦት እንታይ ገደሰኒ ዝብል ዓውለማዊ ሸለልትነ ዝጐሓፎም ዘወገኖም ክፍሊ ሕብረሰብና ምዃኖም እዮም። ስለዚ ማሕበረሰብ ዘመደኣዳም ነዚ ተመልኪቱ ክፉትን ንኩሉ ዝቅበልን ክኸውን ነጥበ መቀይሮ ዝገብረሉ እዋን ሕጂ እዩ ኢሎም።

ማሕበረሰብ ዘመደኣዳም ክፉታትን ንኩሉ ዝቅበሉን ይኹኑ!

ቅዱስነቶም ሃገረ ካናዳ ብተፈጥሮ ብዙሕ ዝተዓደለት ምዃና ብምምልካት ከም መለለዩ ምልክት ባንደራኦም ዘላ ዓባይ ኦም ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ዓቢይ ትእምርቲ ኰይኑ ብዙሕ ክምህር ከምዝኽእል ብዙሕ ዝሕብሩ ኣእዋሞምን ዕምባታቶምን ብሕብረት ዝህብዎ ጽባቄ ብሓደ ሰሚርካ እንክትጐዓዝ ዘሎ ጽባቄ ከም ማሕበረሰብ ዘመደኣዳም ድምቀቶምን ጽባቄቆኦምን ከምቲ ኣእዋምን ዕምባባታትን ሃገሮም ኣብ ብዙሕነት ዘሎ ውህደት ስለዝኾነ ንክሉ ንምቅባል ክፉት ማሕበረሰብ ምስ ዝኾኑ ከምቲ ነፍሲወከፍ ቈጽሊ ፍሉይ ሕብሪ ሂባ ንኩሉ ተጸብቅን መሠረት ህላዌ እትኸውንን ነፍሲወከፍ ስድራቤት ከኣ ዝደቀቀ ባእታ ህላዌ ማሕበረሰብ ብምዃና ዝግባኣ ዋጋን ክብርን ክወሃባ ግድን ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም። ነዚ ባእታን መሠረትን ህላዌ ማሕበረሰብ ዘመደ ኣዳም ዝኾነት ስድራቤት ሎሚ ከም ሎሚ ዚጻረርዋን ዘዳኽምዋን ብዙሓት ኣሉታውያን ተግባራት ከም ልማድ ተወሲዶም ከይተረድኦም የብርስዋን የቊስልዋን ከምዘለው ከም ኣብነት ከኣ ፍርይ ፍርይ ዝበለ ጸገማት ጠቂሶም። ብቀዳምነት ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ደቂኣንስትዮ ዝወርድ ኣደራዕስ ይኹን ኣብ ውሉድ ዝወርድ ዓመጽ ሠናይ ዝመስል ንሠናይ ግን ዝምንጥል ብዙሕ ክትእክብ ክትብል ብንጽልን ብድርብን ዝሥራሕ ሥራሓት ነታ ስድራ ዘድሊ ግዜ ብዘይምሃብን ድኻምን ጸርጸር ምባልን ነንሕድሕድካ ተስቅዮን ከማኡ እውን ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ግላዊ ጥቅሚ ዘቀድም ዝምባለ ዝገደደ ከኣ ነቲ ከገልግሎና እንመሃሮን እንቅበሎን መዝነት ልዕሌና ኣድላይነት ሂብካ ናብ ሥልጣን ክትድይብ ምቅላስን ምስ ሥልጣን ሕግብግብ ምባልን ሥልጣኔን ምዕባሌን ዘምጽኦ ንደቂሰብ ብማኪና ተኪእካ ደቂሰባት ክብረት ሥራሕ ተነፊጎም ሥራሕ ኣልቦነት ዝገደደ ከኣ እቶም ብሓባር ክህጐሱን ክድሰቱን ዝነበሮም መንእሰያትና ጽምዋ ውሒጥእዎም ኣብ ዘድልን ዘየድልን ጌጋታት እንክወድቁ እዛ ባእታ ህላዌን ማሕበረሰብን ዝኾነት ስድራቤት ትቈስልን ትጒዳእን ኢሎም። ዝገደደ ከኣ ነቶም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብና ዝኾኑ ድኻታትን ድኹማትን ንጥንጥኖም። እንተኾነ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ስድራቤታት እተን መበቆላውያን ደቂኣባት እንተተመልከትና ገና ብሕጻንነት ኣየናይ ቅኑዕ ኣየናይ ዝቅኑዕ ይጽናዕ፣ ሓቂ ክትዛረብ ግድን ምዃኑ ንዘሎካ ኩሉ ምስ ብጾትካ ምስታፍን ንዝተጋገየ ብምእራም ከምብሓዲሽ ንምጅማር ምርዳድእን ዕርቂ ምፍጣርን ግድን ምዃኑ ብሕጻንነት ዝምህሩ ዝረኸብዎ ኣደራዕ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“መበቆላውያን ደቂኣባት ናይዚ ቦታ እዚ ዝወረዶም ኣደራዕ ሎሚ ዓቢ ሕፍረት የጐልብበና ስለዚ ሎሚ እውን እንተኾነ እዚ ከይድገም ምናዳ ብስም ምህርቲ ምድንፋዕን ግላዊ ጥቅሚ ምድላይን ምሕብሓብ ስድራቤትን መሰላቶምን ሸለል ክበሃሉ ከምዘይብሎም ጽኑዕ ፍቃድ ምግባር የድልየና። ነዚ ንክንገብር ንእግዚአብሔርን ንሰባትን ንተፈጥሮን ጽን ቢልና ምስማዕ የድልየና ኢሎም።”

ኣድላይነት እግዚአብሔርን ደቂሰባትን ተፈጥሮን ጽን ቢልካ ምስማዕ!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጉዳይ ስድራቤት ካብ መበቆላውያን ደቂኣባት እንመሃሮ ካልእ ዓቢይ ዕቃበ እዛ ሓባራዊት ቤትና ዝበልዋ መሬትና ኰይኑ ከመይ ዝበለ ሚዛን ዝሓለወን ዝተወሃሃደን ሓለዋን ዝምህረና ጉዳይ ንእግዚአብሔርን ንደቂሰባትን ንተፈጥሮን ጽን ቢልካ ምስማዕ እዩ። እዚ ጽን ቢልካ ምስማዕ እዚ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ናብራ ኣፍርክቡ ናይ ምዕባሌና ንክንእርም ይሕግዘና። በዚ ከኣ ውሁድ ምዕባሌ ብኩሉ ኩሉ ድልዱል ኰይኑ ብሓቂ ሰብኣውነት ዝለበሰ ጸኒዑ ከጽንዕ ዝኽእል ኩለንትናዊ ምዕባሌ ደቀሰባት ክነማዕብል ንኽእል። እዛ ናይ ኣፈርክቡ ምዕባሌና ግን ኣብ መስተርሆትን ቅሳነትን ማሕበረሰብ ድኻምን ተስፋ ቊርጸትን ስለ እትወልድ ሓቀኛ ኣስተንትኖ ዳግም ንክንረኽቦን ናይ ሓቀኛ ርክብን ጽን ቢልካ ምስማዕን ቅኑዕ ጣዕሚ ንምስትምቃር ብሓባር ናብ ሰቂለ ሕልና ክንብገስ ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ጸገማትን መፍትሒኡን ገሊጾም።

“ካብዚ ሓኒቁ ሒዙና ዘሎ ግላውነትን ህጹጽ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን ርኡይ ዓመጽን ንዓለምና ናብ ሕያዎትን ክፉኣትን ንምጒጅጃል ዝደናደን ፈተናን ርሒቅና ጽን ቢልና ክንሰምዕን ነንሕድሕድና ጉጅም እናበልና ንክንዛተን ክንደይ ዘይምደለና፣ ቅርዑይ ጣዕሚ ርክብን ኣስተንትኖን ሰቂለ ሕልናን ከስ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣወጊዱ ንእግዚአብሔርን ንብጾትናን ንተፈጥሮን ጽን ቢልና ክንሰምዕ በሪ ይኸፍተልና ኢሎም።”

ክእረሙ ዘለዎም ጌጋታት ፖሎቲካ ዕብለላን መግዛእትን!

ቀንዲ ጌጋ ዕብለላን መግዛእቲ ንዘሎካ ሃብቲ ተፈጥሮ ብገጹን ብዘይ ገጹን መዝሚዝካስ ንናይ ካልኦት ንክትምዝምዝን ክትግብትን ዝተገብረ ብዘመነ ኮሎንያሊዝም ዝፍለጥ ብከመይ ክንእርሞ ንኽእል ከመይ ሎሚ እውን ኣብ ብዙሕ ቦታት ባህርያዊ ሃብታት ካልኦት ዘጫንውን ንኣኡ ንክምዝምዙ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ዝደናደኑን ስውራት ኮሎንያሊስትስ ስለዘለው እስኪ ካብዞም ንተፈጥሮ ቀረባኡ ኮይኖም ንዘመናት ዚዓቀቡ ደቂኣባት እንታይ ንመሃር ኢሎም ይሓቱ። እንተኾነ ቅድሚ እቲ ትምህርቲ ንድሕሪት ምልስ ኢሎም እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ሰባት ዝወረደ ኣደራዕ ምናዳ ኸኣ ናይቲ ዘመነ መግዛእቲ ዓብላሊ ፖሎቲካን ንጥቅሚ እቶም ተገዛእቲ ኣምሲልካ ኣሕዳሪ ኣብያተትምህርቲ ብምምስራት ክንደይ ስድራቤታት በቲኑ ንሕጻናት ኣደዳ ዓመጽን ምህሳስ መንነትን ዝገበረ ብገለ ካቶሊካውያን ተቊዋማት ነናይ ክልላቱ ዝተፈጸ ዓመጽ ዘስዓቦ ሕፍረትን ስቃይን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እዚ ስለዝኾነ እየ ምስ ጳጳሳት ናይዛ ሃገር ሓቢረ ዝተሰማዓና ሕፍረትን ቃንዛን ብምግላጽ እንደገና ስለቲ ብብዙሃት ክርስትያን ተጻይ እዞም መበቆላውያን ደቂኣባት ዝተፈጸመ ክፍኣተ ግብሪ ምህረት ዝልምን፣ ስለዚ ኩሉ ምሕረት እልምን ኣሎኹ። ዘሕዝን እዩ ምናዳ ኸኣ ከምቲ ኣብቲ ዘመን እቲ ዝኾነ ኣመንቲ ኢና ዝብሉ ክንዲ ንወንጌል ዝስዕቡ ብመንፈስ ዓለም ንክነብሩ ተልእኮም ዝዝግዑ ብሓቂ የሕዝን ኢሎም።”

ድሕሪ ምሕረት ምሕታት ሕጂ ዘድሊ ግቡእ መሰላት መበቆላውያን ደቂኣባት ንምድንፋዕን ናይ ሕውየትን ዕርቅርን ጒዕዞ ኣብ መንጎኦምን መንጎ ካልኦትን ዕድል ንክረክብን ብሓንሳእ ንምስራሕ እንቅጠቀሉ ግዜ እዩ ኢሎም። በዚ ከኣ ንሲቪላውያን ሰበሥልጣን ናይቲ ቦታ ነቲ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ዘቅርቦ ጻውዒት ብግቡእ ንክምልሱ ሓደራ ኢሎም። ቅድስት መንበር ኣብ ምድንፋዕ ባህሊ መበቆላውያን ደቂኣባት ዝተኻእላ ከም እትገብር ነዚ ከኣ ብመንፈሳዊ ጒዕዞ ንባህላውያን ልማድትን ተግባራትን ቋንቋታትን ባህላዊ ኩስኰሳን ከምቲ ኣዋጅ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመሰላት መበቆላውያን ደቂኣባት ዝእዝዞ መሠረት ክገብሩ ምዃኖም ነዚ ከኣ ነቲ ድሮ ብጽኑዕ ዝስራሓሉ ዘሎ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ደቂኣባት ካናዳን ዘሎ ፍቅራዊ ርክብን ፍረ ዝህብን ካብቲ ዝነበረ ቊስልታት ናብ ሕውየትን ምርዳድእን በጺሕና ኣሎና ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ስለቲ ክሳብ ሮማ መጺኦም ዝሃብዎም ሓበሬታን ርክብን ኣመስግኒኦም ንብድሕሪ ሕጂ ንዓለምና ዘድሊ ብሓደስቲ ምህዞታት ዝሃብተመ ፖሎቲካን ኣብ ቅድመና ተገቲሩ ንዘሎ ብድሆታት መልሲ ዝህብ መሪሕነትን ብዓለም ለኸ ደረጃ ክቀውም ሓደራ ኢሎም። ምናዳ ንውግእ ብዝምልከት ከመይ ቢልና ኣብ ውግእ ነሸንፍ ዘይኮነ ከመይ ቢልና ንውግእ ደው ነብል ዝብል ሓሳብ ከደንፍዑ፣ ሰላም ዝድንፈዓሉ መንገዲ ክደልዩ ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ዘሎ ኣደራዕ ንምሽናፍ ክዕጠቁ ሳዕቤን ለበዳታትን ዓለምለኻዊ ስደትን ፍልሰትን ኣብ ዝረኣየሉ ፖሎቲካ ናይ ሓደ ወገን ጥቅሚ ጅሆ ክሕዞ የብሉን፣ ንክትምረጽ ቢልካ ዝግበር ሃልኪ ዘይኮነ ንህንጸት ሎምን ጽባሕን ምናዳ ኣብ ዕቀባ ናይ ሓባራዊት ቤትና ዝኾነት ካብ መበቆላውያን ደቂኣባት እንመሃሮ ብዙሕ ኣሎ፣ ነዚ ከኣ ንዘሎና ስግኣት ካልእ ኣወጊድና ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ንምጥራይ ንዝተፈላለየ ባህልታት ሃንጐፋይ ቢልና ክንቅበል ስደተኛታት ከፍርሁና ዘይብሎም ሃንጐፋይ ቢልካ እትቅበሎም ሃብታት ምዃኖም ንረዳእ እንክብሉ ብዙሕነት ባህሊ ከደንፍዑ ብምዝኽኻር ንተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብና ቅድምያ ክንክን ብምሃብ እንተነቀልና ከምእንዕወት ኣረጋጊጾም ብቡራኬን ሠናይ ምንዮትን ቃሎም ደምዲሞም።

[ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!] 

28 Jul 2022, 18:45