ር.ሊ.ጳ ኣብ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ጳጳሳት ዘገልግላ ሠለስተ ደቂ ኣንስትዮ ሸይሞም!
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ገሊጽናዮ ከምዝነበርና ቅዱስነቶም ምስ ረውተርስ ዝበሃል ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ብዛዕባ ተራ ደቂኣንስትዮን ቦታኤን ኣብ ምሕደራቢቤተክርስትያንን ምስ ተሓተቱ ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ምሕደራ ናይ መንግሥቲ ቫቲካን ከም ምክትል ኣመሓዳሪት ካብ ምሻም ጀሚሮም ኣብ ብዙሕ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት እቲ ብውሉደ ክህነት ጥራይ ዝምራሕ ዝነበረ ብምእመናን እናተተከኤ ምህላው ከም ኣብነት ናይዚ ረድዮ ክፍሊ ዝርከበ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዋና ሓላፊ ፓውሎ ሩፊኒ ክንምልከት ንኽእል ምናዳ ኸኣ ድሕሪ እቲ ብዙሕ ሕዳሴ ክግበር ትጽቢት ዝግበረሉ ፕረዲካተ ኢቫንደልዩም ዝብል ሓዋርያዊ ቅዋም ምእመናን ኣብ ብዙሕ ጽፍሕታት ምሕደራ ቅድስት መንበር ክዋስኡ ምዃኖም ብምሕባር ከም ኣብነት ኣብ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ጳጳሳት ኣብ መረጻ ኣቡናት ዝሕግዛ ሠለስተ ደቂ ኣንስትዮ ክሾሙ ምዃኖም ሓቢሮም ነሮም።
እነሆ እምበኣር ሎሚ ነተን ድሮ ዝሓለፈ ዓመት ከም ጸሓፊት ሓፈሻዊ ምሕደራ መንግሥቲ ከተማ ቫቲካን ዝሾምዋ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝበልዋ እናቴ ራፋኤላ ፐትሪኒ ከማኡ እውን ናይ ደናግል ደቂ ማርያም ረዳኢተ ክርስትያን ሓለቃ ዝነበራ እናቴ ይቮን ረውንጎን ናይ ዓለምለኸ ካቶሊካውያን ደቂኣንስትዮ ሕብረት ፕረሲደንት ዝኾና ማርያ ልያ ዘርቪኖ ከም ኣብላት ላዕለዋይቢቤትጽሕፈት ጳጳሳት ከገልግላ ከምዝሰየምወን ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸዚዜና ኣመልኪቱ።
ናይዚ ኣብ ምምራጽ ጳጳሳት ሰበኻታት ንኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሕግዝ ላዕለዋይ ቤተጽሕፈት ካልኦት ሓደስቲ ኣባላት እውን ከምዝተሰየሙ እንክምልከት ናይ እስቶክሆሎም ሃገር እስዊድን ጳጳስ ብፁዕ ካርድኒላ ኣንደርስ ኣርቦረልዩስ ናይ ማኒላ ሃገረ ፍሊፒን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ኣድቪንኩላ ናይ ቅድስት ቤተክርስትያን ሮማ ሓላው ምሥጢራውያን መዛግብትን መዝገበ መጻሕፍትን ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማርዮ ግረች ዝርከብዎም ካል ኦት ሽድሽተ ጳጳሳትን ሓደ ካህንን ሓደ ኣበምኔትን እውን ከም ኣባላት ናይዚ ቤትጽሕፈት ኰይኖም ከምዝተሾሙ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸዚዜና ኣመልኪቱ።