ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡካን ዕለት 30 ሰነ 2022 ዓ.ም. ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡካን ዕለት 30 ሰነ 2022 ዓ.ም.  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ መንጎ ማሕበረ-ክርስቲያን ዚግበር ዕርቂ ንሰላም ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኣለዎ!

ብመሰረት እቲ ትብዓት ዝመልኦ ትንቢት ሰላም ወንጌል ደኣ እምበር ብመሰረት ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ሓይልን ምሾትን ዓለም እንቈጻጸረሉ ግዜ ከም ዘይኰነ ምእንቲ ክንርዳእ ከም ብሓድሽ ካብኡ ንጀምር ብትሕትናን ብብዙሕ ጸሎትን ጥራይ ዘይኮነስ ብትብዓትን ሓሳብካ ብቅንዕናን ብግልጽን ብምቕራብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሰነ ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሳተፉ ብናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝተላእኩ ልኡካን ፓትሪያርክ ዕለት 30 ሰነ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ቅድሚ ወግእ ክንነብዕን ክንሕግዝን ክንልወጥን እዩ ዘሎና፡ ከም ኣሕዋት መጠን ክንየው ፍሉይነታትና ቢልና ሓቀይና ሰብኣዊ ሕውነት ንምቛም ከም ኣሕዋት ሓቢርና ንጒዓዝ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕርቂ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ማሕበረ ክርስቲያን ንህዝብታት ኣክንዲ ግጭት ሰላም ንምግባር ኣበርክቶ ኣለዎ፥ ኣብዛ ብውግእ ግጭትን ዝሰንበደትን ዕሽነት ውግእ እትነብር ዘላ ዓለም ብዙሓት ክርስትያን ንሓድሕዶም ክዋግኡ ንርኢ ኣሎና፥ እዚ ኣዚዩ ዘሰንብድን ዘሕዝንን ኢዩ።”

ጭቡጥ ምልክት ናይ ኣሕዋት ዘተ

እቲ ናይቶም ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ኣብቲ ቅዱስነቶም ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ ዘሰርዕዎ ቍዱስ ቁርባን ሱታፌ “እቲ ምክፍፋል ዘይዕረ ሓቂ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ዝነበረ ናይ ርሑቕን ዘይምግዳስን ግዜ ከም እተሳዕረ ዝሕብር ጭቡጥ ምልክት እዩ።” ሎሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝገልጽዎ፥ “ፍቑር ሓው በርጠለምዎስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ከምኡ እውን ቅዱስ ሲኖዶስ ነቶም ልኡኻን ስለ ዝልኣኸ አመስግን፡ ኣብያተ ክርስቲያንና ሕውነታውን ፍረ ዘለዎ ዘተ እየን ዚገብራን በዚ መገዲ እዚ ኣቢለ ድማ ምሉእ ሕብረት ናብ ምምስራት ዝመርሕ ዘእምንን ንድሕሪት ዘይምለስን መገዲ ንምዝርጋሕ እየን ዝጽዕራ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ቅድሚ ውግእ ምንባዕን ምሕጋዝን ምልዋጥን

ኣብ ቅድሚ እቲ ውግእ ዘስዕቦ ብልሽውና ቅዱስነቶም፥ “ክንነብዕን ንሓድሕድና ክንደጋግፍን ክንልወጥን እዩ ዘሎና፥

ነቶም ግዳያት ክንሓዝንን ብዙሕ ደም ክፈስስን ሞት ብዙሓት ንጹሓን በሰላ ኣባይቲ ስድራን ከተማታትን ብሉኦም ስለ እቶም ዝሳቐዩ ክንሓዝን ኣሎና።

ነዞም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኣቶም ንምሕጋዝ “ከም ክርስትያን መጠን ኢየሱስ ስደተይናን ድኻን ዝቘሰለን ናይ ግብረ ሰናይን ሓልዮትን ጻውዒት እዩ። ንኽንልወጥ እውን ይዕድመና። እዚ ኸኣ “ዕጥቃዊ ወራርን ምስፋሕን ከምኡ እውን ሃጸይነትን ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ምንም ዓይነት ርክብ ከም ዘይብሉ ንኽንርዳእ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ነቲ ናይ ኵሉ ኣምላኽ ናይ ገዛእ ራስኻ ምኽንያት ዘይምግባር

“ፍቑራት ኣሕዋተይ ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ነቲ ኵሉ ዝቕይር ወንጌል ብመስድዒታታ ዓለም ንኸይንዓግቶ” ከምኡ እውን ንኣቦ ዅሎም “ንናይ ውልቅን ብሔራዊ ምኽንያት መጋበርያ ኣይንግበሮ።”

ብመሰረት እቲ ትብዓት ዝመልኦ ትንቢት ሰላም ወንጌል ደኣ እምበር ብመሰረት ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ሓይልን ምሾትን ዓለም እንቈጻጸረሉ ግዜ ከም ዘይኰነ ምእንቲ ክንርዳእ ከም ብሓድሽ ካብኡ ንጀምር` ብትሕትናን ብብዙሕ ጸሎትን ጥራይ ዘይኮነስ ብትብዓትን ሓሳብካ ብቅንዕናን ብግልጽን ብምቕራብ እዩ።

ሓቅነቱ እተረጋገጸ ኣድማሳዊ ሕውነት ምርካብ

እቶም ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ዝዓረፉ እሞ ሕጂ እውን ንጳጳሳትን ንብዙሓትን ምንጪ መንፈሳውነት ዝኾኑ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ዘቍስጥንጥንያ ኣቴናጎራስ፥ “ጥበበይና ጓሳን ተባዕን፥ ኣሕዋት ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣሕዋት ህዝብታትን” ከም ዝበልዎ፥

ስለዚ ክርስቲያናዊ ሓድነት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ውሽጣዊ ጒዳይ ኣቢያተ ክርስቲያን ጥራይ ኣይኰነን እዚ ኸኣ ኣብ ፍታሕን ሓድነትን ምስ ኵሉ ዚንጸባረቕ ሓቅነቱ ብእተረጋገጸ ኣድማሳዊ ሕውነት ኪፍጸም ናይ ግድን ኣድዳልዪ ኵነት እዩ”

ከም ኣሕዋት ኰንና ብሓባር ምምልላስ

“ምሉእ ሕብረት ናብ ምቛም ዝመርሕ ምልክት ተስፋ ካብቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እተገብረ ሓባራዊ ኣህጉራዊ ድርገት ቲዮሎጊያዊ ምይይጥ ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19  ንኽልተ ዓመት ጠጠው ኢሉ ዝነበረ” እቲ ተስፋ “ንዝሓለፈ ጌጋታት ኢድና ከይሃብና ኣብ ሕጅን መጻእን ብዝያዳ ብሓንሳእ ከም እንጥምት ዝገብረና ሓድሽ ኣተሓሳስባ ብምትብባዕ ቲዮሎጊያዊ ምይይጥ ክቕጽል ኣለዎ።”

ብጭዋነት ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባት ጸኒዕና ንኽንመላለስ ብዝገብር “ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ ክሌኣዊ ርክባት” ንዓግብ ኣይንኹን፡ የግዳስ ከም ኣሕዋት ኴንና ብሓባር ንመላለስ - ንሓድሕድና ንጸሊ ንጸምበር ንኢየሱስን ወንጌሉን ብምርኣይ ንሓድነትና ንተሓጋገዝ”

እክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

01 July 2022, 16:28