ጒዕዞ ኤማሁስ ካብ ፍሽለት ናብ ተስፋ ዝግበር ጒዕዞ! ር.ሊ.ጳ
ኣብ ምዝዛም ወንጌል ሉቃስ እንረኽቦ ጒዕዞ ሓዋርያት ኤማኡስ ናይ ነፍስወከፍናን ናይ ቤተክርስትያንን ጒዕዞ ሕይወት ዘመልክት ምሳሌ እዩ። ኣብ ጒዕዞ ሕይወትን ጒዕዞ እምነትን ኣብ ልብና ንዘለው ሕልምታትናን መደባትናን ትጽቢታትናን ተስፋታትናን ሒዝና እንክስግስግስ ተኣፋፍነትናን ድኻምነትናን እውን በቲ ዘጋጥመና ሽንፈትን ተስፋ ቊርጸትን ወረ ሃንሳእ ሓንሳእ ኣደንዚዙ ብዝሕዘና ስምዒት ፍሽለት ተዓንዲና ንተርፍ። ወንጌል ከምዘበሥረና ግን ኣብዛ ግዜ ፍሽለት እዚኣ እዩ በይንና ከምዘኮናን ጐይታ ከምዘሰንየናን ኣብ ጐድንና ኰይኑ ከም ሓደ ጥንቁቅ ክብረት መጓዕዝቱ ዝሕሉ ወረጃ ሰብ ኰይኑ ኣዕይንትናን ከፊቱ ልብታትና ዳግም ከምዝቃጸል ይገብር። እቲ ፍሽለት ምስ ጐይታ ንምርኻብ ቦታ ክገድፍ እንከሎ ሕይወትና ዳግም ንተስፋ ትውለድ እሞ ምስ ገዛእ ርእስናን ምስ ብጾትናን ምስ እግዚአብሔርን ክንዕረቅ ንኽእል።
እስኪ እምበኣር ነዚ ካብ ፍሽለት ናብ ተስፋ ዝግበር ጒዕዞ ቢልና ክንሰምዮ እንኽእል ጒዕዞ ንከታተል።
ቅድሚ ዝኣገረ እቲ ኣብ ልቢ ክልተ ሓዋርያት ኤማውስ ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ተደኲኑ ዝነበረ ስምዒት ፍሽለት ሓደ ትርጉም ኣለዎ። ኩሉ ተስፋታቶምን ድላያቶምን ኣብ ኢየሱስ ኣንቢሮም ነበሩ። ድሕሪ ኣጨናቂትን ዕንቅፋት ዝኾነቶምን ሞት ኢየሱስ ኣብ መስቀል ንኢየሩሳሌም ሕቈኦም ሂቦም ኣብ ናብራ ቀደሞም ክምለሱ ይብገሱ። ጒዕዞ ድሕሪት ናይ ምምላስ ጒዕዞ ነበረ። እዚ ከኣ ነቲ ንልቦም ብምረት ዝመኤ ነቲ ዝተኣማመኑሉ ዝነበረ መሲሕ ከም ሓደ ሽፍታ ኣብ መስቀል ሰቂልካ ብሙማቱ ዘጋጠሞም ተመኲሮ ንምርሳዕ ነበረ። ንገዛውቶም ገጾም ኪጉዓዙ ብሓዘን መሊኦም ገጾም ተጸዊጉ ነበረ። ትጽቢቶም ኩሉ በኒኑ ተስፋኦም ጸልሚቱ እቲ ክገሃድ ዝሓልምዎ ዝነበሩ ንተስፋ ቊርጸትን ምረትን ቦታ ገዲፎም ህልም በሉ።
እዚ ተመኲሮ እዚ ንሕና እውን ኣብ ናብራናን መንፈሳዊ ጒዕዞናን ንትጽቢታትና ዳግመ ግምት ንክንገብር ምስ ሕልኽላኻት መነባብሮን ጸልማታት ሕይወትን ድኻምነትናን ክንጸባጸብ እንከሎና ዘጋጥም ተመኲሮ እዩ። ንሕይወትና ዝመርሑ ዕላማታት ብናይ መነባብሮ ተስፋ ቊርጸት እንክቁጸዩ ቊርጺ ፍቃዳትና ብድኻምነትና ፋህ ክብሎም እንከሎን ሠናይ መደባት መዲብና ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ ኣብዘይንኽእለሉ ሁመት የጋጥመና። ኣብቲ ዕለት ዕለት እንጐዓዞ ሕይወትን እንገብሮ ርክባትን ድሕሪ ወይ ቀዲሙ ናይ ሽንፈት ናይ ገለ ጌጋ ናይ ገለ ውድቀት ፍሽለት የጋጥም። እዚ ከኣ እቲ ዚተኣማመናሉ ህንጻ ዓነውነው ክብል እንከሎ ወይውን ተኣማሚና ንሰርሖ ዝነበርና ክዂለፍ እንከሎ ብሓጢኣትናን ብብደልናን ዝተጨፍለቅና ኰይኑ ክስመዓና እንከሎ።
ኣብ ቀዳማይ ንባብ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ኦሪት ዘፍጥረት ኣዳምን ሔዋንን ሓጢኣቶም ካብ እግዚአብሔር ምርሓቅ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ነንሕድሕዶም እውን ምስ ኣርሓቆምን ኣብ ክሲ ሓድሕዶም ጥራይ ምስ ደረቶምን እዚ ስምዒት እዚ ተሰሚዕዎም። ኣርድእቲ ኤማሁስ እውን መደባት ኢየሱስ ከምዝፈሸለን ፍረ ኣብ ዘይርከቦ ዕላልን ተዋሒጦም እንከለው እዩ ኢየሱስ ሕውስ ዝብሎም። እቶም ክልተ ሓዋርያት ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመልሱ እውን እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ማሕበረ ሓዋርያት ከማኡ ዓይነት ስምዒት ከምዝነበሮም ንምልከት። ሽሕ’ኳ ማሕበር ናይቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ትኹን እምበር ኣብ ቅድሚ ዕንቅፋት ክፍኣተ ግብርን ዓመጽ መስቀልን ህልም ቢላ ክትጠፍን ተስፋ ክትቈርጽን ዚከኣል እዩ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጻሕካ ኢድካ ኣጣሚርካ እንታይ ወረደ! ስለምንታይከ ከማኡ ኮነ! ከመይ ቢሉኸ ወረደ! እናበለት በዚ ስምዒት ፍሽለት ምኒን ምባል እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝግበር የለን።
ኣሕዋትን ኣሓትን እዘን ሕቶታት እዚአን ንሕና እውን ዕለት ዕለት ናብ ገዛእ ርእስና እንደግመን ሕቶታት እየን። እዛ ኣብ ካናዳ ኣብ ጒዕዞ እትርከብ ቤተክርስትያን እውን ኣብቲ ትገብሮ ዘላ ኣድካሚ ጒዕዞ ሕውየትን ዕርቅን እትሓተን ሕቶታት እውን እየን። ንሕና እውን ኣብ ቅድሚ እዚ ንኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሥጋ ኣሓዋትናን ኣሓትናን ደቂኣባት ብዝወርድናዮ ክቈስል እንከሎን ዕንቅፋት ክፍኣተ ግብርን ፊት ንፊት ደው ክንብል እንከሎና ምረት ይወረና ፍሽለት እውን ይጸቕጠና። ኣብዛ መካነ ንግደት እዚኣ ነታ ብቅዱስ መሳልል እትፍለጥ ጒዕዞ ንስሓ ምስ ዝገብሩ ብመንፈስ ክሓብር ኣፍቅዱለይ። እዛ ቅድስት መሳልል እዚኣ ነታ ኢየሱስ ክሳብ ኣደራሽ ጲላጦስ ዝገብሮ ምድያብ ተመልክት ኮይና ኣነውን ምሳኹም ብምሕባር ከም ቤተክርስትያን ኣብዘን ካብ ሓዘን ዝመልኦ ልብኹም ዝምንጭዋ ሕቶታት ከሰንየኩም ኣፍቅዱለይ። እተን ሕቶታ ስለምንታይ እዚ ኮነ! በታ ንክርስቶስ እትስዕብ ዝነበረት ማሕበረ ክርስትያን ከመይ ቢሉ ክኸውን ከኣለ ዝብላ እየ።
ኣብዚ ክንጥቀቀሉ ዘሎና ቀንዲ ጉዳይ ፈተነ ህድማ እዩ። እዚ ኣብቶም ክልተ ሓዋርያት ኤማሁስ ርኢናዮ ኢና። ንድሕሪት ብምምላስ ካብቲ ኩነታት ዝተፈጸመሉ ቦታ ምህዳም ወይውን ክትኣልዮም ምፍታን በዚ ከኣ ሓዋርያት ኤማሁስ ዝተመነይዎ ሓደ ህዱእ ቦታ ንምርካብን ብዛዕባ እቲ ጭንቀት ፈጺምካ ካብ ምሕሳብ ደው ምባል ዝብል ፈተና እውን ከጋጥም ይኽእል። እንተኾነ ኣብ ፍሽለት ፊት ንፊት ከይትገሞ ቢልካ ካብ ዝግበር ህድማ ዝሓስም የለን። እዚ ፈተና ህድማ ናይ ጸላኤ ሠናይት ፈተና እዩ። ከመይ ንሱ ወትሩ መንፈሳዊ ጒዕዞናን ጒዕዞ ቤተክርስትያንን ዝፈታተን ሓያል ጸላኢ እዩ። እቲ ፍሽለት ኦሮማይ ኩሉ ተወዲኡ እዩ ተስፋ የለን ኣብ ዝብል ምዝዛም በጺሕና ኣብ ምረትን ሓዘንን ደንዚዝና ክንተርፍ ዝግበር ምንም ከምዘየለ ከእመነናን ድሕሪ ሕጂ ደጊም እንደገና ከምብሓዲሽ ምጅማር ምንም ዋጋ የብሉን ንክንብል ይፈታትነና።
እንተ ወንጌል ግን ፕሮፕርዮ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ተስፋ ቊርጸትን ቃንዛን ኩሉ ኣብቅዔ ደጊም ዝግበር የለን ኣብ ዝበልካሉ ግዜ ዓመጽ ክፍኣተ ግብርን ሕፍረት ጌጋን ጸቂጡ ኣብ ዝሓዘሉ ግዜ ውሒዝ ሕይወትና ኣብ ሓጢኣትን ፍሽለትን ምስ ደረቀ ኩሉ ተቀንጢጡ ዕሩቃት ኰይኑ ኣብ ዝስመዓና ግዜ ፕሮፕርዮ ኣብኡ ኣብቲ ግዜ እቲ ጐይታ ክረኽበና ይመጽእ ምሳና ከኣ ይጐዓዝ። ኣብ ጒዕዞ ኤማሁስ እንተተመልከትና ጐይታ ተጠንቂቁ ኣብ ጐድኖም ውትፍ ይብል ስጉምቶም ኩሉ ዝዓረቦ ዝገብረ ስጉምቲ እኳ እንተነበረ ጐይታ እውን ነቲ ስጉምቲ ናይቶም ብሓዘን ተጐቢኦም ዝነበሩ ሓዋርያት ይኽተል። እንታይከ ይገብር እንተበልና! ብሓፈሻ ንዝሓዘነ ክተጸናንዕ እትዛረቦ ቃላት ደሓን ኣጆኩም ክሓልፍ እዩ ተጸናንዑ ቢሉ ፈኲስ መጸናንዒ ኣይኮነን ዘቅርበሎምም እንታይ ደኣ ብቅዱሳት ጽሑፋት ገቢሩ ምሥጢር ሞቱን ትንሣኤኡን ይገልጸሎም፣ ንታሪኾምን ንዝነብርዎ ፍጻሜታትን የብርሃሎም። በዚ ከምዚኸስ ንነገራት ክርእዩሉ ዝኽእሉ ሓዲስ ጠመተ ሂቡ ኣዕይንቶም የብርሃሎ። ንሕና እውን ኣብዛ ባዚሊካ እዚኣ ቅዱስ ቊርባኑ እንክንሳተፍ ንብዙሕ ፍጻሜታት ጒዕዞ ታሪኽ ዳግም ክነንብቦ ንኽእል። ኣብዚ ደው ቢልናሉ ዘሎና መሬት ቅድሚ ሕጂ ሠለስተ ቤተ መቅደሳት ነበራ። ኣብዚ ፍጻሜታት እዚ ፈጺሞም ንድሕሪት ዘይተመስልሱ ዘይሃደሙ ክንዮ እቲ ብጌጋ ካልኦትን ናይ ባዕሎምን ዝወረዶም ኣደራዕ ተመሊሶም ክሓልሙ ጀሚሮም፣ ብዓቢ ትብዓትን ምህዞን ከኣ ነዚ ቤተመቅደስ እዚ ሃኒጾም። ካብ ከባቢ ጐላጒል ኣብርሃም ኣብዚ ቅዱስ ቊርባን እዚ ዝሳተፉ ብጽልእን ብውግእን ብዝስዕብ ጽልኢ ብዕንወትን ብስቃይን ክሰዓሩ ኣየፍቀዱን እኳ ደኣ ሓዳስ ከተማን ሓዳስ ሃገርን ከምብሓዲሽ ምህንዳስ ፈልጡ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ቅድሚ ሓዋርያት ኤማሁስ ኢየሱስ እንጌራ ይቈርስ በዚ ከኣ ኣዕይንቶም ዳግም ይኸፍተሎም ናይ ፍቅሪ ኣምላኽ ዝኾነ እግዚእብሔር ሕይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኽቱ ዘወፊ ምዃኑ እንደገና የርእዮም። በዚ ከምዚኸስ ነቲ ጒዕዞ ብሓጐስ ዳግም ንክጅምሩ ይሕግዞም ካብ ፍሽለት ከኣ ናብ ተስፋ ከምዝሰጋገሩ ይገብሮም። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ጐይታ ምስ ነፍስወከፍናን ምስ ቤተክርስትያን ከማኡ ክገብር ይደሊ። ኣዕይንትና ከመይ ቢሎም ዳግም ክኽፈቱ ይከኣል! ልብታትና ከመይ ቢሎም ዳግም ንወንጌል ክነዱልና ይኽእሉ! ብዝተፈላለዩ መንፈሳውያንን ሥጋውያንን ፈተናታት እናተፈተና ናብ ፍትሓውን ሕውነታውን ማሕበረሰብ ዝመርሕ መንገዲ እናኣናደና ካብ ተስፋቊርጸትናን ድኻምናን ዳግም ክንትንሥእ ሃረር እናበልና ካብ ሕሉፍ ቊስልታትና ክንሓውን ምስ እግዚአብሔርን ነንሕድሕድናን ክንዕረቅ ተስፋ እናገበርና እንታይ ክንገብር ንኽእል!
እንኮ መንገዲ ጥራይ ኣላ! ሓንቲ ጐዳና ጥራይ ኣላ! ንሳ ኸኣ መንገዲ ኢየሱስ እያ፣ እቲ መንገዲ ኸኣ ኢየሱስ ባዕሉ እዩ (ዮሓ 14,6)። ኣብ ጒዕዞና ኢየሱስ ኣብ ጐድንና ከምዘሎ ንእመን ክረኽበና ነፍቅደሉ፣ ከም ግለሰባትን ከማ ማሕበርን ንእንነብሮ ታሪኽ ቃሉ ክትርጉሞን ንክንሓውን ንክንዕረቅን መንገዲ ንክሕብረናን ነፍቅደሉ፣ ንእንጌራ ቅዱስ ቊርባን ብሓባር ንቊረስ ከመይ ኣብ ዙርያ እቲ መኣዲ እቲ ኢና ብኣቦ ዝተፈቀርና ውሉድ ኩልና ኣሕዋት ክንከውን ዝተጸዋዕና ምዃና ዳግም ዝስቈረና። ኢየሱስ እንጌራ ብምቊራስ ነቲ ድሮ እቲኦም ሓዋርያት ሽሕ’ኳ ኪኣምንዎ እንተዘይደለዩ ነቲ ብምስክረት ኣንስቲ ዝተቀበልዎ ንሱ ካብ ሞት ከምዝተንሠኤ የረጋግጸሎም። ኣብዙይ ኣደ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም እንዝክረሉን ኣብ ታሕተዋይ ክፍሉ ከኣ ንንጹሕ ጽንሰታ ዝተወፈየ ባዕቲ ዝርከቦ ካተድራል እግዚአብሔር ንጓል ኣንስተይቲ ኣብ መደብ ድሕነት ክህቦ ዝደለየ ግደ ከይጠቀስና ክንሓልፍ ኣይንኽእልን። ቅድስት ሓና ቅድስት ድንግል ማርያም እተን ኣብ ጽባሕ ትንሣኤ ናብ መቃብር ዝኸዳ ቅዱሳት ኣንስቲ ሓዲስ መንገድ ዕርቂ የመላኽታልና። ከምቲ ናይ ቤተክስትያን እናታዊ ለውሃት ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ብዙሕ ምክነትን ሞትን ንድሕሪት ገዲፍና ንኢየሱስ ነቲ ተሰቂሉ ዝተንሠኤ ኢየሱስ ዳግም ማእከል ናይ ኩሉ ዝገበረ ናብ ሓዲስ ፈርያም ዘመን ከሰንየና ይኽእል።
ከም ሓቁ ኣብ ማእከል ሕቶታትና ኣብ ውሽጥና ሒዝናዮ እንጐዓዝ ድኻማትና ናይ ሓዋርያዊ ጒስነት ጒዕዞ ሕይወት ከይተረፈ ንገዛእ ርእስናን ንፍሽለታትና ክንገብር የብልናን ንኣኡ ንጐይታ ኢየሱስ ማእከል ክንገብር ኣሎና። ሕመረት ዝኾነ ጉዳይ ነቲ ንኩነታት ዘብርህን ወትሩ ንዝሰርሕ ፍቅሪ እግዚአብሔር ንምርኣይ ዳግም ምርኣይ ዝህብን ኣብቲ ኩሉ ዝጠፍአ ዝመስለሉ ናይ ሠናይ ነገር ተኽእሎ ከምዘሎ ዘበስር ቃሉን ነቲ ኢየሱስ ሎሚ እውን ዝቈርሶ ዘሎ እንጌራ ቅዱስ ቊርባን ኣብ ልብና ገቢርና ንድኻምነትና ንዝሓቁፍን ንድኹም ስጉምታትና ዝድግፍን ሕውየት ልቢ ክህበና ሕይወቱ ምስ ሕይወትና ነካፍላ። ምስ እግዚአብሔርን ምስ ካልኦትን ምስ ገዛእ ርእስናን ተዓሪቅና ንሕና እውን ኣብታ እንነብረላ ማሕበረሰብ መጋበሪ ዕርቅን ሰላምን ክንከውን ንኽእል።
ሕይወትናን ሓይልናን ምጽንናዕናን ዝኾንካ ኦ ኢየሱስ ጐይታ ንሕና እውን ከም ሓዋርያት ኤማሁ ‘ኦ ጐይታ ምሳና ሕደር ምድሪ መስዩ እዩ’ እናበልና ናባኻ ንምህለል ኣሎና። ኦ ጐይታ ተስፋ እንኪዓብን ጸልማት ለይቲ ተስፋ ቊርጸት እንክወርድን ምሳና ሕደር! ኦ ጐይታ ኢየሱስ ንስኻ ኣመልካቲ ምቅያር ጒዕዞን ካብ ዑረት ተስፋ ቊርጸት ዘደንቅ ታሕጓስ ከምዝውለድ ትገብር ኢኻ እሞ ምሳና ሕደር! ኦ ጐይታ ምሳኻ ለይቲ ስቃይ ናብ ብሩህ ወጋሕታ ሕይወት ስለዝቀይር ምሳና ህደር! ገርሀይና ብዝኾነ መንገዶ ኦ ጎይታ ንስኻ ኣብ ጐድንና ኰንካ እንተተጓዒዝካ ፍሽለትና ናብ ሓዲስ ሕይወት ተስፋ ስለዝሰጋገር ምሳና ሕደር ንበል ኣሜን።