ድለ

2022.02.19 Miembros de la presidencia del Celam y el Papa Francisco 2022.02.19 Miembros de la presidencia del Celam y el Papa Francisco 

ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራቸስኮስ ንጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ፡ ንሓባራዊ ጽቡቅ ከተገልግሉ ይሓግዝኩም ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት ላቲን ኣመሪካዊ ኣቡናት ኣብ ኣጋጣሚ ምጅማር ሓፈሻዊ ጉባኤኦምን፡ ኣብ ምምራቅ ሓድሽ ቤት ጽሕፈቶምን ንሓባራዊ ጥቅሚ ከውዕልዎ ይምሕጸኑ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ጽንብል ቡራኬን መመረቅታ ሓድሽ ማእከላዊ ምቅማጥ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ብ12 ሓምለ ኣብ ቦጎታ ኮሎምቢያ፡ ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ንኹሉም ብዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ኣመስጊኖም።

ናይ ስብከተ ወንጌል ፕሮጀክት

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም፡ “ንኹልኹም ዝዕድሞ እዚ ሕንጻ እዚ ተዛዚሙ ምርኣይኩም ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ከተመስግኑ ኣሎኩም፡ እዚ ትልሚ እዚ ንኹሉ መደባት ስብከተ ወንጌልን ንስነ መዕበያ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ንጉባኤ ጳጳሳት ዓቢ ደገፍ ኮይኑ ንኹሉ ስራሕ ዘቀላጥፍን ዝሕግዝን ኢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ዘተሓሳሰብዎ “ከም ልኡኻት ኣባላት ሓደ ሕብረት፡ ኣብ መሰረት ሓዋርያትን ነብያትን ዝተሰረትኩም፡ እምነ ኩርናዕ እቲ ሕንጻ ከኣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንድዝኾነ፡ ኣብዚ ርክብ እዚ ብቀጻሊ መንፈስ እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ክርስቶስ ሓይልን፡ ዝሓሸ መንገድታት ኣብ ተልዕኮ ቤተ ክርስትያን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክመርሓናን፡ ምልክት ግዜ መሚናን መሊስና  ክንክእልን ኣብ ኣንፈት እምነትን ተስፋን ፍቅርን ተማእኪልና፡ ንድሌታት ሕዝበ እግዚኣብሔር ክንምልእ ይሕግዘና ኢሎም።

ግዙፍ ቅርጺ ሕንጻ ንተልዕኮ ሰናይ ክኸውን ኣለዎ

ግዙፍ ቅርጺ ሕንጻ፡ ትርጉም ዝህልዎ ኣገልግሎት ዘማእከለ እንተኾነ ኢዩ ብፍላይ ከኣ “ነቶም ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋምን ወሰናስንን ተነጽሎን ንዝነብሩ” እንተኣገልገለ ኢዩ።

“ወትሩ ክንዝክሮ ዘለና፡ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ፈተንቲ ንዝኾና 3ተ ጣኦታት ነቂሕና ክንገጥሞም ኣሎና።” ኢሎም። እዚኣቶም ከኣ መንፈሳዊ ዝሕታለ፡ ተጸምዶ ምብዛሕ ተግባራዊ ሓለኽለኽ፡ ነቲ ቀንዲ መንገዲ ጎስዩ፡ ኣብ ተግባራውነት ኣብ መስመር ካርታ ጥራሕ ዘተኮረ ኣሰራርሓ ኢየን።

ኣብ መወዳእታ፡ ቅዱስ ኣቦና ንኹሎም ልባዊ ምስጋና እናቅረቡ፡ ነዚ ሕንጻ እዚ ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ንዝጸዓሩ ኩሎም ብምምስጋን፡ ንኹልኹም ናብ ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ የማሕጽነኩም ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
14 Jul 2022, 20:21