ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣረጋውያን “መምሃራን ለውሃት” ከምኡ እውን ተስፋ ንመንእሰያት እያቶም!

ኣረጋውያን ተመክሮኦምን ጥበቦምን ነቲ ሕሳስ ልደ ብተስፋን ብሓላፍነትን መጻኢ ክጥምት መታን መምሃራን ለውሃት ምእንቲ ኪኾኑ ንጸሊ!

ኣብታ ዕለት 1 ሓምለ ብዓለም ለኻዊ መርበባዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር እተፈነወ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ወርሒ ሓምለ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ኣረጋውያን “ተመክሮን ጥበብን” ናይቶም ኣብ ሳልሳይ መዋዕል ዝነብሩ ሰባት “ነቲ ሕሳስ ልደ ብተስፋን ሓላፍነትን ናብ መጻኢ ንኽጥምት ምእንቲ ኪሕግዝዎም” ንጐይታ ክንልምኖ ጻውዒት የቕርቡልናን ኣብቲ ዝተመሓላለፈ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ እውን ቅዱስነቶም እቲ ዕለት 24 ሓምለ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን እውን ይዝክሩ።

 ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“መብዛሕቲኡ ግዜ ንሓልዮትን ምስትንታንን ፍቕርን ፍሉይ ስምዒት ዘሎና ኣረጋውያን” ኢና “ወይ መምሃራን ለውሃት ክንከንው ንኽእል ኢና።” ኣብ ወረሒ ታሕሳስ መበል 86 ዓመት ዕድመኦም ዘብዕሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ክንዲ እቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መዛኑኦም ክንጽሊ ኣብቲ ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ ናይ ወርሒ ሓምለ ናይ ጸሎት ሓሳብ ይምሕጸኑ። ኣብቲ ዓለም ለኻዊ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ዘዳለዎ ምስልታት “ተመክሮን ጥበብን” ኣረጋውያን “ነቲ ዝነኣሰ ብተስፋን ብሓላፍነት ናብ መጻኢ ንኺጥምት ኪሕግዞ ይኽእል እዩ” ስለዚ እዚ እቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ሕመረት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ከም ዝገለጽዎ፥ ንኣረጋውያን ንምብዓል ዘቖምዎ ዕለት 24 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውያትን ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ብኸመይ ከነብዕሎ ከም ዘሎና መርሕ ሓሳብ እውን የቝርቡልና።

መደብ ረድኤትን ህላወን

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ወርሒ ሓምለ ናይ ጸሎት ሓሳብ ምስቲ ኣብቲ ኣብ ቫቲካንን ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ዝርከባ ሰበኻታትን ቍምስናታትን እተዛዘመ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራን ኣብ ወርሒ ሰነ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብምትእስሳር፥ “ኣረጋውያን ኣብ መንጎና ብዛዕባ ዘለዎም ኣገዳስነት ከይተዛረብና ብዛዕባ ስድራ ቤት ክንዘራረብ ኣይንኽእልን ኢና” ብምባል ድማ የጉልሕዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ቍጽሪ ብእድመ ዝደፍኡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ክብ እናበለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ነዚ ደረጃ ህይወት እዚ ብኸመይ ከም እንነብሮ ኣይንፈልጥን ኢና ከመይሲ ንኣረጋውያን ብዙሕ ናይ ደገፍ መደባት ክግበረሎም እንከሎ በንጻሩ ግን ናይ ህላወ መደባት ሒደት እዩ፥”

መብዛሕቲኡ ግዜ ንሕና ብዕድመ ዝደፋእና ኣረጋውያን ንሓልዮትን ኣስተንትኖን ፍቕርን ፍሉዩ ምስትውዓል ኣሎና፡ ንሕና መምሃራን ለውሃት ኢና፥ ክንከውን እውን ንኽእል ኢና!

ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን “ንህይወት ዝምግብ እንጌራ” እዮም

“ኣብዛ ውግእ ዝለመደት ዓለም እዚኣ ናይ ሓቂ ሰውራ ለውሃት ክነቓቓሕ ይላበዉ፥”

ኣብዚ ድማ ንሓድሽ ወለዶ ዓቢዪ ሓላፍነት ኣሎና።!

ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን እቲ ንህወት ዘዐንግል እንጌራ ኢዮም፡ ስዉር ጥበብ ህዝቢ ኢዮም፡ ስለዚ ናኣኣቶም ምብዓል ባህ ዘብል ብምዃኑ እየ ድማ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ዘቖምኵ፥”

ኣረጋውያን ተመክሮኦምን ጥበቦምን ነቲ ሕሳስ ልደ ብተስፋን ብሓላፍነትን መጻኢ ክጥምት መታን    መምሃራን  ለውሃት ምእንቲ ኪኾኑ ንጸሊ!

ብጹዕ ካርዲናል ፋረል፥ ፍሉይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኣረጋውያን ኣረጋውትን!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣረጋውያን ኣብ ህይወት ሕብረተሰባትን ማሕበረሰባትን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኖም ክንግንዘብ ይዕድሙና” ነዚ ዝበሉ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ምስንዳው ዝተሓባበሩ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ክዀኑ እንከለዉ፥ እዞም ኣየርላንዳዊ ካርዲናል ኣስዒቦም፥ . . . ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን እተወፈየ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገዳሲ እዩ። . . . ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣዚያ ናብ ኣረጋውያን ቀረባ ኰይና እያ” ይብሉ።

01 July 2022, 16:34