ሕዳሴ ቊጠባዊ ጉዳያት ቅድስት መንበር ክስዕብ ካብ ዝኽእል መጻኢ ዕንቅፋት ክሕሉ በዓል ተስፋ እየ!ር.
ኣብቲ በብክፋል ኣገልግሎት ዜና ረውተርስ ዘቅርቦ ቃለመሕትት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሎሚ ራብዓይ ክፋል እንክነቅርብ እዚ ክፍሊ እዚ ንቊጠባዊ ኩነታት ቅድስት መንበር ምናዳ ኸኣ ነቲ ቅዱስነቶም ኣብ ጽባሕ ሲመቶም ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ ምሕደራ ቊጠባ ቅድስት መንበር ዝምልከት እዩ።
ዜና ቫቲካን!
ቃል መሕትት ኣቅራቢ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ፊል ፑለላ ንቅዱስነቶም ዘቅርበ ሕቶ ብዛዕባ እቲ ብብዙሃት ተኣፋፊ ዝኾነ ጉዳይ ቊጠባ እንክኾን ምናዳ ኸኣ ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝጨበጡሉ ጽባሕ ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ ብቊጠባ ስለዝጀመረን ካብቲ ንሶም ዘቈሙዎ ሓደስቲ ቤተጽሕፈታት እውን ቤትጽሕፈት ቊጠባ ምስ ዝተፈላለየ ክፍልታት ምዃኑ ብምዝካር ነዚ ሕዳሴ እዚ ክሳብ ክንደይ ከምዝተኣማመኑሉ ንመጻኢኸ ካብ ምስ ቊጠባ ካብ ዝተሓሓዝ ዕንቅፋታት ብከመይ ከውሕስ ይኽእል ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም ቅዱስነቶም ሓሳቦምን እምነቶም ምስ ገለጹ። ጋዜጠኛ እንደገና ንድሕሪት ተመሊሱ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ዓቢ ዕንቅፋት ዝኾነን ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ቫቲካን ዝተፈርደን ጉዳይ ፓላሶ ለንደንን ካልእን ብምጥቃስ ‘ነዚ ዝመሳሰል ዕንቅፋት ዳግም ንከይክሰቱ እኹል ለውጢ ተገቢሩ ቢልኩም ትኣምኑዶ’ ክብል ምስ ሓተቶም ቅዱስነቶም ነዚ ዝስዕብ ኣዎንታዊ መልሲ ሃቡ።
ቅዱስነቶም ዝጠቀስዋ ብፅዕቲ ኤመልዳ ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ዝነበረት ኣብነት ንጽሕና ዝኾነት ጐርዞ ነበረት።
እቲ ጌጋ ኣበይ ኮን ነበረ ንዝብል ክምልሱ ክመስሉ ቅዱስነቶም መግለጺኦም ከምዚ ክብሉ ቀጸሉ።
08 Jul 2022, 14:59