ድለ

POPE-INTERVIEW/ POPE-INTERVIEW/ 

ሕዳሴ ቊጠባዊ ጉዳያት ቅድስት መንበር ክስዕብ ካብ ዝኽእል መጻኢ ዕንቅፋት ክሕሉ በዓል ተስፋ እየ!ር.

ኣብቲ በብክፋል ኣገልግሎት ዜና ረውተርስ ዘቅርቦ ቃለመሕትት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሎሚ ራብዓይ ክፋል እንክነቅርብ እዚ ክፍሊ እዚ ንቊጠባዊ ኩነታት ቅድስት መንበር ምናዳ ኸኣ ነቲ ቅዱስነቶም ኣብ ጽባሕ ሲመቶም ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ ምሕደራ ቊጠባ ቅድስት መንበር ዝምልከት እዩ።

ዜና ቫቲካን!

ቃል መሕትት ኣቅራቢ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ፊል ፑለላ ንቅዱስነቶም ዘቅርበ ሕቶ ብዛዕባ እቲ ብብዙሃት ተኣፋፊ ዝኾነ ጉዳይ ቊጠባ እንክኾን ምናዳ ኸኣ ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝጨበጡሉ ጽባሕ ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ ብቊጠባ ስለዝጀመረን ካብቲ ንሶም ዘቈሙዎ ሓደስቲ ቤተጽሕፈታት እውን ቤትጽሕፈት ቊጠባ ምስ ዝተፈላለየ ክፍልታት ምዃኑ ብምዝካር ነዚ ሕዳሴ እዚ ክሳብ ክንደይ ከምዝተኣማመኑሉ ንመጻኢኸ ካብ ምስ ቊጠባ ካብ ዝተሓሓዝ ዕንቅፋታት ብከመይ ከውሕስ ይኽእል ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም ቅዱስነቶም ሓሳቦምን እምነቶም ምስ ገለጹ። ጋዜጠኛ እንደገና ንድሕሪት ተመሊሱ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ዓቢ ዕንቅፋት ዝኾነን ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ቫቲካን ዝተፈርደን ጉዳይ ፓላሶ ለንደንን ካልእን ብምጥቃስ ‘ነዚ ዝመሳሰል ዕንቅፋት ዳግም ንከይክሰቱ እኹል ለውጢ ተገቢሩ ቢልኩም ትኣምኑዶ’ ክብል ምስ ሓተቶም ቅዱስነቶም ነዚ ዝስዕብ ኣዎንታዊ መልሲ ሃቡ።

“እወ እኣምን ከመይ ንሕዳሴ ቊጠባ ብዝምልከት ተቀላጢፍና ዝገበርናዮ እኹል ኣፍልጦን ምልክን ቊጠባዊ ተክኒክ ብዘለዎም ሰባት ቤትጽሕፈት ጒዳያት ቊጠባ ኣቊምና፣ ነዚ ዝገበርናሉ ከኣ ካብ ብሃሰሰ ለባት ብገንዘብ ካልኦት ለጋሳት ዝኾኑን ከጋግዩ ካብ ዝኽእሉ ኣዕሩኽትን ሓራ ንምዃን እዩ። ብእምንቶይ እዚ ሓዲስ ቤትጽሕፈት እዚ ናብ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ክብ ቢሉ ንኩሉ ቊጠባዊ ጉዳያት ዝምልከት ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣሎ፣ ንቊጠባዊ ምሕደራ ብዝምልከት ከኣ ውሕስነት ይህበና። ከመይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ምሕደራ ቊጠባ ሥሩዕ ኣይነበረን። እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ጸገም እቶም ሓለፍቲ ክኾኑ ዝስመዩ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብዙህ ኣፍልጦ ስለዘይነበሮም ብእምነት ዝሕግዝዎ ኣዕሩኽ ይደሊ ነበረ። እንተኾነ ሓንሳእ ሓንሳእ ብፁዕቲ ኤመልዳ ኣይኮኑን፣ ዘጋጥም ዝነበረን ዘጋጠመናን ከኣ እዚ እዩ።”

ቅዱስነቶም ዝጠቀስዋ ብፅዕቲ ኤመልዳ ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ዝነበረት ኣብነት ንጽሕና ዝኾነት ጐርዞ ነበረት።

እቲ ጌጋ ኣበይ ኮን ነበረ ንዝብል ክምልሱ ክመስሉ ቅዱስነቶም መግለጺኦም ከምዚ ክብሉ ቀጸሉ።

“እቲ ጌጋ ኣበይ ነሩ እንተበልና ኣብቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ ትሕተቅርጺ ዝረኤ ዝነበረ ሓላፍነትካ ዘይምስካም እንክኾን ነቲ ሓላፍነት ዝህቦ ሰብ ሕያውነቱ ርኢኻ ነበረ። እቲ ብሕይውነቱ ናብ ሓላፍነት ዝተመርጸ ሰብ ከኣ ብዛዕባ ቊጠባ እንዶ ዘይብሉ ይኸውን እሞ ካብ ወጻኢ ሓገዝ ይሓትት እንተኾነ ብውሽጢ ዚኣክል ቊጽጽር እንተዘየሎ ጸገም እዩ። ብሓጺሩ እቲ ምሕደራ ቊጠባ ብሱል ኣይነበረን። እዛ ሓሳብ ቤትጽሕፈት ቊጠባ መሃዚኣ ካርዲናል ፐል ነበረ። ብሓቂ ብልሒ ሰብ እዮም ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
08 Jul 2022, 14:59