ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ነፋሪት! ብመንፈስ ንስሓ ኪግበር ዘለዎ ሓዋርያዊ ጒዕዞ!
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ካብ ሮማ ምስ ነቀሉ ብኡ ንብኡ ነተን ብልዒሊኤን ዝበሩለን ሃገራት መራሕትን ሕዝብን ናይ ቡራኬን ሠናይ ምንዮትን ተለግራማት ክልእኹ ጀመሩ። ቁሩብ ምስ ኣዕረፉ ከኣ ከምቲ ልሙድ ሓላፊ ሕትመትን ዜናን ማተዮ ብሩኒ ብስም እቶም ልዕሊ ሰማንያ ዝኾኑ ካብ ብዙሕ ሃገራት ምሳኦም ዝጐዓዙ ጋዜጠኛታት ሰላምታን ምስጋናን ኣቅሪቦም ክብልዎም ዝደልይዎ ጉዳይ እንተሎ ክሰምዑ ስንድዋት ከምዝኾኑ ገልጹ። ቅዱስነቶም ቦንጆርኖ ክብሉ ልሙድ ሰላምታኦም ምስ ኣቅረቡ ናይ ጒዕዞ መሓዙት ስለዝኾና ነዚ እንገብሮ መንፈሳዊ ንግደት ብመንፈስ ንስሓ ክንገብሮ ሓደራ ምስ በሉ ሽሕ’ኳ ኣብ ነፋሪት እንተለው ሰንበት ብምንባሩን ፍርቂ መዓልቲ ብምብጻሑን ብሓባር ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ንክደግሙ ዓደምዎም።
ከም ልማዶም ከኣ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ኣብ ዕለቱ ንዝዝከር ዓለምሓቆፍ ዕለት እኖሓጎታትን ኣቦሓጎታትን ዘኪሮም። መዝ 92 ‘እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፣ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፣ ይውረዩን ይልምዑን’ ዝብል ጠቂሶም ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ታሪኽን ባህልን ልማዳትን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ዘውረሱና ስለዝኾነ እስኪ ብሓሳብ ናባኣቶም ምልስ ንበል ምናዳ ከኣ መንእሰያት ምስ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ክራኸቡን ሡር መሠረቶም ክሕዙን ንሓግዞም። ኣባኡ ደው ክብሉ ዘይኮነ ከኣ ንቅድሚት ከሰጉምዎም ከምቲ ኦም ምሉእ ምስ ጨናፍሩ ሓይሉን ሕይወቱን ካብ ሰራውር ዝወስድ እሞ ዕምባባን ፍረን ዝፈሪ ይኹኑ ኢሎም። ናይዞም ሃብቲ ዘመደ ኣዳም ዝኾኑ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣብታ ዘወፍይዋ ሕይወቶም ይርከብ።
ሃብቲ ውፉይ ሕይወት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን!
ቅዱስነቶም ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ክሳብ ክንደይ ኣድለይትን መሠረታውያንን ምዃኖም ንምግላጽ ፍራንሲስኮ ልዊ በርናርደ ዝበሃል ስነጥበበኛ ይጠቅሱ። ኩሉ እቲ ኦም ዝዕምብቦን ዝፈርዮን ካብ ትሕቲ ምድሪ ካብ ሠራውር እዩ ዝረኽቦ፣ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ከኣ ከማኡ እዮም። ነዙይ ዓለምሓቆፍ ዕለት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ከክንዳይ ኮይኖም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ንክቅድሱ ንህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ክቅድሱ ሓደራ ኢለዮም። ብሥጋ ዝወልዱና ጥራይ ዘይኮኑ ብእምነት ዝወለዱና ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ዝኾኑና ደናግልን ካህናትን እውን ኣለውና። ነዚኦም ሓድራ እንብሎ ከኣ ነቲ ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ገዳም ዘጥረይዎ ጥበብ ከይሓብእዎ እኳ ደኣ ነቶም ኣሰሮም ወይውን ኣሰረን ዝስዕቡ ተመከርትን ሓደስቲ ገዳምውያንን ገዳማውያትን ከውርስዎ ምሳኣቶም ክራኸቡ እምሕጸን ኢሎም።