ድለ

2022.07.24 Papa Francesco e i giornalisti volo Roma Canada 2022.07.24 Papa Francesco e i giornalisti volo Roma Canada 

ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ነፋሪት! ብመንፈስ ንስሓ ኪግበር ዘለዎ ሓዋርያዊ ጒዕዞ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ሮማ ንካናዳ ገጾም ምስ ነቀሉ ድሕሪ ሰለስተ ሰዓታት ጒዕዞ ድሮ ፍርቂ መዓልቲ ብምእኻሉ ንጋዜጠኛታት ሰላምታ ምስ ኣቅረቡ ከምቲ ልሙድ ዕለቱ ዕለት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ብምዃኑ ኣውረስቲ እምነትን ሕይወትን ስለዝኾነ ክነኽብሮም ብምዝኽኻር ከማኡ እውን ነቲ ናብ ካናዳ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ብመንፈስ ንስሓ ክግበር ሓደራ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ጋዜጠኛታትን ዘሰንይዎም ዝነበሩን ኣብ ነፋሪት ደጊሞም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ካብ ሮማ ምስ ነቀሉ ብኡ ንብኡ ነተን ብልዒሊኤን ዝበሩለን ሃገራት መራሕትን ሕዝብን ናይ ቡራኬን ሠናይ ምንዮትን ተለግራማት ክልእኹ ጀመሩ። ቁሩብ ምስ ኣዕረፉ ከኣ ከምቲ ልሙድ ሓላፊ ሕትመትን ዜናን ማተዮ ብሩኒ ብስም እቶም ልዕሊ ሰማንያ ዝኾኑ ካብ ብዙሕ ሃገራት ምሳኦም ዝጐዓዙ ጋዜጠኛታት ሰላምታን ምስጋናን ኣቅሪቦም ክብልዎም ዝደልይዎ ጉዳይ እንተሎ ክሰምዑ ስንድዋት ከምዝኾኑ ገልጹ። ቅዱስነቶም ቦንጆርኖ ክብሉ ልሙድ ሰላምታኦም ምስ ኣቅረቡ ናይ ጒዕዞ መሓዙት ስለዝኾና ነዚ እንገብሮ መንፈሳዊ ንግደት ብመንፈስ ንስሓ ክንገብሮ ሓደራ ምስ በሉ ሽሕ’ኳ ኣብ ነፋሪት እንተለው ሰንበት ብምንባሩን ፍርቂ መዓልቲ ብምብጻሑን ብሓባር ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ንክደግሙ ዓደምዎም።

ከም ልማዶም ከኣ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ኣብ ዕለቱ ንዝዝከር ዓለምሓቆፍ ዕለት እኖሓጎታትን ኣቦሓጎታትን ዘኪሮም። መዝ 92 ‘እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፣ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፣ ይውረዩን ይልምዑን’ ዝብል ጠቂሶም ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ታሪኽን ባህልን ልማዳትን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ዘውረሱና ስለዝኾነ እስኪ ብሓሳብ ናባኣቶም ምልስ ንበል ምናዳ ከኣ መንእሰያት ምስ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ክራኸቡን ሡር መሠረቶም ክሕዙን ንሓግዞም። ኣባኡ ደው ክብሉ ዘይኮነ ከኣ ንቅድሚት ከሰጉምዎም ከምቲ ኦም ምሉእ ምስ ጨናፍሩ ሓይሉን ሕይወቱን ካብ ሰራውር ዝወስድ እሞ ዕምባባን ፍረን ዝፈሪ ይኹኑ ኢሎም። ናይዞም ሃብቲ ዘመደ ኣዳም ዝኾኑ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣብታ ዘወፍይዋ ሕይወቶም ይርከብ።

ሃብቲ ውፉይ ሕይወት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን!

ቅዱስነቶም ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ክሳብ ክንደይ ኣድለይትን መሠረታውያንን ምዃኖም ንምግላጽ ፍራንሲስኮ ልዊ በርናርደ ዝበሃል ስነጥበበኛ ይጠቅሱ። ኩሉ እቲ ኦም ዝዕምብቦን ዝፈርዮን ካብ ትሕቲ ምድሪ ካብ ሠራውር እዩ ዝረኽቦ፣ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ከኣ ከማኡ እዮም። ነዙይ ዓለምሓቆፍ ዕለት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ከክንዳይ ኮይኖም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ንክቅድሱ ንህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ክቅድሱ ሓደራ ኢለዮም። ብሥጋ ዝወልዱና ጥራይ ዘይኮኑ ብእምነት ዝወለዱና ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ዝኾኑና ደናግልን ካህናትን እውን ኣለውና። ነዚኦም ሓድራ እንብሎ ከኣ ነቲ ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ገዳም ዘጥረይዎ ጥበብ ከይሓብእዎ እኳ ደኣ ነቶም ኣሰሮም ወይውን ኣሰረን ዝስዕቡ ተመከርትን ሓደስቲ ገዳምውያንን ገዳማውያትን ከውርስዎ ምሳኣቶም ክራኸቡ እምሕጸን ኢሎም።

“እዚኦም ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣቦሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ብዙሕ ክሕግዘና ዝኽእል ናይ ሕይወት ተመኲሮ ከካፍሉ ይኽእሉ። እዚ ከኣ ንቅድሚት ገጽና ንክንግስግስ ብዙሕ ይሕግዘና። ስለዚ ነፍስወከፍና ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣለውና ገሊኦም ድሮ ዝሓለፉ ገሊኦም ከኣ ገና ኣብ መንጎና ብሕይወቶም ዘለው ኣለው። ሎሚ ፍልይ ብዝብለ መንገዲ ንዘክሮም። ካባኣቶም ብዙሕ ነገራት ተቀቢልና፣ ቅድሚ ዝኣገረ ታሪኽ ኣውሪሶምና ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
25 Jul 2022, 11:26