ድለ

POPE-INTERVIEW/ POPE-INTERVIEW/ 

ር.ሊ.ጳ ብዛዕባ ብወለንታኦም ሥልጣን ምግዳፍ ዝብል ዘይተባህለ እንተ ናብ ሞስኮን ክየቭን ክኸዱ ምድላዮም ሓቂ ከምዝኾነ ኣብሪሆም!

ረውተርስ ዝበሃል ኣገልግሎት ዜና ዝተፈላለየ ዛዕባታት ኣልዒሉ ምስ ቅድስነቶም ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ ምልልስ በብክፋልን ሓዋዊሱን የቅርቦ ኣብ ርእሲ ምህላው ነታ ንሶም ብዛዕባ ሥልጣን ብወለንታኹም ክትገድፉዶ ትሓስቡ ምስ በልዎም ‘ሓሲበሉ እኳ ኣይፈልጥን’ ምስ በሉ ዝወሰኽዋ ‘እንተወሓደ ንሕጂ’ እትብል ብምቊንጫል ብፍቃዶም ካብ ሥልጣኖም ክወርዱ እዮም ዘስምዕ ወረ ምስ ተጋውሐ ነታ ዝበልዋ እንደገና ብምድጋም ሓሶት ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ሎሚ ዓለምና ብወረ ተጐቢኣ ንወረ ጥራይ ዝተፈጥረት ክትመስል ዝተባህለን ዘይተባህለን ኣብ ቅጽበት ዓይኒ ናብ ኩሉ ዓለም ብዝዝርግሕ ዘመናዊ መጋበሪ መራኸቢ ብዙሓን ትሕመስ ኣላ፤ ሓይሊ ሓበሬታን ዜናን ማንም ዝስሕቶ እኳ እንተኾነ ተርጓሚ ደርጓሚ ከምዝበሃል ዘይተባህለ ከምዝተባህለ ገርካ ኣብ ገሊኡ ከኣ ኮነ ኢልካ ብፈይክ ኒውስ ናይ ሓሶት ዜና ዝፍለጥ ዜናትታ እውን ገኒኑ ኣሎ።

ርሱን ጉዳያት ኣብ ዓለም እንከጋጥም ኣውጃት እንክወጽእ ልዑል ፍርድታት እንክወሃብን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣብ ምድንፋዕን ዕርቅን ሰላምን ንምስፋንን ግላዊ ርእይቶን ኣቋምን ከም ር.ሊ.ጳ ናይ ዚኣመሰሉ ዓበይቲ መራሕቲ ኩሉ እዩ ዝቀዳደመሉ።

ካብ ውግእ ኡክራይናን ሩስያን ጀሚርካ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምታት ብላዕለዋይ ዳኛ ቤትፍርዲ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዝቀረበ ንምንጻል ጽንሲ ዘወግድ ሕግን ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ርክብ ቅድስት መንበርን ብዝምልከት ምስ ቅዱስነቶም ሰፊሕ ቃለ ምልልስ ዘካየደ ረውተርስ ንዘቅረቦ ጸብጻብ ቅድስት መንበር ብከምዚ ኣቅሪባቶ።

ንውሳኔ ኣውጅ ምውጋድ ምንጻል ጽንሲ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብዝምልከት ቅስዱነቶም ዝበልዎ ‘እቲ ብላዕለዋ ዳኛ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዝቀረበ ውሳኔ ክኸብር ኣለዎ’ ምስ በሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዘይኮነ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ዝኾነ መርገጺ ከኣ ‘ምንጻል ጽንሲ ኩኑን እዩ’ ኢሎም።

ካበይ ከምዝመንጨወ ዘይፍለጥ ሕማም መንሽሮ ከምዘለዎምን ካብ ሥልጣኖም ብወለንታኦም ክወርዱ ይሓስቡ ኣለው ንዝብል ዘረባ ከኣ ‘ኣነ ዝበልክዎ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብ ኣእምሮይ ተቀልቂሉኒ ኣይፈልጥን ማለት ፈጺመ ሓሲበሉ ኣይፍልጥን እንተወሓደ ኣብዛ ሁመት እዚኣ’ እዩ ኢሎም።

እንተ ነቲ ናብ ሞስኮን ክየቭን ክኸዱ ዘለዎም ሃረርታ እንከነጽሩ ‘እወ ንሃገረ ሩስያን ኡክራይናን ብዝቀልጠፈ ግዜ ኣብ ዝተኻእለሉ ክበጽሕ ምደለኹ ምናልባት ወርሒ መስከረም’ እንክብሉ ኣነጺሮም።

እቲ ቃለ ምልልስ ምስ ፊል ፑለላ ዝበሃል ናይ ረውተርስ ኣገልግሎት ዜና ከምዝተገብረን 90 ደቂቅ ኣቢሉ ዝኸውን ንብዙሕ ዛዕባታት ዝተንከፈን ምንባሩ ተመልኪቱ።

ካበይ ደኣ ነቂሉ ዝብል ሕቶ ከልዕል ግድን ስለዝኾነ ነቲ ቅስዱነቶም ኣብዘን ዝመጻ ዕለታት ዝገብርዎ ጉዳያት ማለት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዘካይድዎ ብኮንቺስተሮ ዝፍልጥ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላትን ዝስየሙ ሓደስቲ ካርዲናላትን ናብ ኣኲላ ከገብርዎ ዝተመደበ ሓውጾተ ኖልዎን ኣዛሚዶም፤ ኣኲላ እቶም ንመጀመርያ ግዜ ብ1294 ብገዛእ ፍቃዶም ካብ ሥልጣን ር.ሊ.ጵጵስና ዝወረዱ ቸለስቲኖ ሓሙሻይ ዝተቀብሩሉ ብምዃኑ ደኾን ደኾን ዝትክ እዎም ካርዲናላት ሸይሞም ከምቲ ናይ ር.ሊ.ጳ ቸለስቲኖ ክገብሩ ይኾኑ ካብ ዝብል ግምት እዩ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዝቀደመ ቃለ ምልልሶም ‘ድሕሪ ውሳኔ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብ2013 ዝነበረ ኣተሓሳስባ ተቀዪሩ እዩ፣ ብድሕሪ ሕጂ ሓደ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ሓደ ንላዕሊ ልሂቃን ኣር ስተ ሊቃነ ጳጳሳት ክህልው ከምዝኽ እሉ እውን ምሕሳብ የድሊ፤ ውሳኔ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ንቤተክርስትያንስ ይኹን ን ኣርስተ ሊቃነ ጳጳሳት ሠናይ ነገር እዩ፣ ወትሩ ዓቢይ ኣብነት ኰይኖም ክነብሩ እዮም’ ኢሎም ነበሩ፤ መኣስ ኮን ይኸውን ትብል ሕቶ ምስ ኣስ ዓቡሎም ከኣ ‘ንሕጂ ኣይንፈልጦን እዝጊ ክብለና እዩ’ እንክብሉ መሊሾም ነበሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 July 2022, 20:54