ድለ

2020.10.19 Lago di Vico (VT) - Ambiente, Laudati si, acqua, ecologia 2020.10.19 Lago di Vico (VT) - Ambiente, Laudati si, acqua, ecologia 

ንመሪር ገዓር መሬትና ብተግባር ንመልስ! ር.ሊ.ጳ ንዕለተ ፍጡር

ላውዳቶ ሲ ዝተመስገንካ ኩን ንእትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ስዒቡ ዓለም ብዓለሙ ነዚ ሎሚ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ወሪዱ ንዘሎ ለውጢ ክሊማ ንምክልኻል ዝተኻእሎ ክገብር ሓይሊ ጸሎት ከኣ ካብ ሓይሊ እምብሎት ስለዝበልጽ ዓመት መጸ መስከረም ሓደ ዓለምሓቆፍ ዕለተ ጸሎት ንሓልዮት ተፈጥሮ ክኸውን ተውሲኑስ አሆ ንራብዓይ ግዜ ክዝከር ኣብ ምሽብሻብ ስለዝርከብ ቅዱስነቶም ነዛ ዕለት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ‘ኦሮማይ ምስ ፍጥረት ኣብ ምብታኽ ዝበጻሕና ንመስል ግላውን ማሕበራውን ለውጢ ኤኮሎጂ የድሊ’ እንክብሉ ነዚ ንምልከተ ዘሎና መሪር ገዓር መሬት ጭቡጥ ግብረ መልሲ ክንህብ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ለውጢ ክሊማ ዘስዕቦ ዘሎ ማንም ዘይተጸበዮ ድርቅን ዋዕን ኣብ ብዙሕ ከባቢ ዓለምና ገለን ብማይ ገለን ሰኣን ማይ ዘብል ምዕልቅላቃትን ብዙሕ እንክዝረበሎም ኣብዘን ወርሓት እዚኤን ግን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረኤ ደርቅን ዘስዓቦ ሕልቂት እንስሳን ምንቃጽ ሳዕርን ኣእዋምን ከማኡ እውን ኣብ ኤውሮጳ ንመጀመርያ ግዜ ዝረኤ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ሙቈት ምድራቅ ነበር ወሓይዝ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ብቁጠባን ተክኖሎጅን ዝማዕበላ ሃገራት ብኮፕ 27 ከማኡ እውን ብኮፕ 15 ዝፍለጥ ጉባኤታትን ለበዋታትን ውሳኔታትን ብምግባር ነዚ ድርብ ቅልውላው ክሊማ ንምትዕርራይን ነቲ እናረኣናዮ ዝጠፍእ ዘሎ ብዙሕነት ፍጥረታት ዓለምና ዝጸንቱ ዘለው እንስሳታትን ኣታኽልትን ንምክልኻል ምኽንያት ክሊማዊ ለውጥን ቅልውላውን ዝበልዎ ኣብ ከባቢ ዝስደድ ካርቦንዳየክሳይድስ ይኹን ካልእ ምስመዛ ተፈጥሮ መአረምታ ክግበረሉ ገንዘብ ዘለዎ ብገንዘብ ጥበብ ዘለዎ ብጥበቡ ዝተኻእሎም ክገብሩ ብዙሕ ስምምዓትን ኣዋጃትን ተኻዩዱ፣ እተን ርእሰ ሓያላን ዝኾና ሓንሳእ ኣሎናሉ ሓንሳእ ከኣ የሎናሉን እናበላ ዕንክሊል እንክብላ ሕጂ ኸኣ ብዝገደደ ውግእ ኡክራይናን ሩስያን ብዘስዓቦ ነቲ ንበከላ ኣየር ንምክልኻል ኣይንገብሮን ኢና ዝብላኦ ዝነበራ መዓት ካርቦንዳዮክሳይድ ናብ ከባቢ ዝሰድድ ኢንዳስትሪታት መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክን ካልእ ጸዓትን ዳግም የበጋግሳ ኣለዋ።

እንተ እዛ ሓባራዊት ገዛና እንብላ ዓለምና ግን ተእዊ ኣላ! እዚ ኣውያት እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም! ‘እዚ ኣውያት እዚ ገዓር ኩሎም ፍጡራትድ ኣውያት ድኻታት ኣውያት ናይቶም ኣብ ፈቀዶኡ ዝርከቡ መበቆላውያን ደቂ ኣባት ኣብ ገዛእ መረበቶም ብዝመጹ ኣውፈርቲ ርእሰ ማልን ሃብታማት ሃገራትን ተፈጥራዊ ሃብቶም ንምምዝማዝ ዘዕንውዎ ከባብን ዘስዕቦ ብከላን ኣብ ናይ ህልውና ሓደጋ ዘውደቆም ኣውያትን ገዓርን ጥራይ ዘይኮነ ናይቶም መጻኢኦም ብብዙሕ መንገዲ ዝመዝመዝናዮን ዘዕኖናዮን መጻኢናን ዘርእናን ዝኾኑ ደቅናን ደቂደቅናን ኣውያት እዩ። ኣብ ተፈጥሮን ከባብን ዘውረድናዮ ጥፍኣትን ዕንወትን ዝፈጸምናዮ ምዝመዛን ቅርዑይ መልሲ ክንህበሉ ዘሎ ዓቢ ብደሆ ዓቢ ግድል ኮይኑ ኣብ ቅድመና ተገቲሩ ኣሎ። ነዚ ንምግባር ብጭቡጥ ግብራዊ ክኸውን ዝኽእልን ዝሰርሕን ግላውን ማሕበራውን ኤኮሎጂካዊ ለውጢ የድሊ። እዚ ንክግበር ዝተኻእሎም ክገብሩ ንመላእ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዓለምና ጻውዒተይ አቅርብ’ እንክብሉ ዳርጋ ናይ ኣውያት መሬትና ርድኡ ዝብል ኣውያትን መርድእን ክትብሎ ዘድፍር ሰማዒ እንተረኺቡ ተሪር መልእኽቲ ጽሒፎም።

ዓለምሓቆፍ ዕለተ ጸሎት ስለምክንኻን ፍጥረት!

ከምዝዝከር ባሕቲ መስከረም ብዓንዲ ርእሳ ዓለምሓቆፍ ዕለተጸሎት ስለምክንኻን ፍጡር እንክትከውን ካብዛ ዕለት እዚኣ ጀሚርካ ክሳብ ክብረ በዓል ናይቲ ነዚ ዕለት’ዚ ምኽንያት ዝኾነት ሓዋርያዊት መልእኽቲ ላውዳቶ ሲ ኣርእስቲ ካብ ጸሎቱ ዝተወስደላ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ማለት ዕለት 4 ጥቅሚት ናይ ፍጥረት ግዜ ተባሂሉ ዘመነ ፍጥረት ንኩሎም ክርስትያን ፍሉይ ግዜ ኮይኑ ስለ እዛ ሓባራዊት ገዛና ክጽልዩን ክከናኸንዋን ዝዕድም ምዃኑ እውን ተምልኪቱ። ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ከምዝገለጽዎ እዛ ዘመነ ፍጥረት ተምፖ ደል ክርያቶ እትብል ሓሳብ ብመሠረቱ ኢኩሚኒካዊ ፓትርያርክ ናይ ቊስጥንጥንያ ሕሹዂ ዝበልዎም እንክትከውን ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንኤኮሎጂካዊ ዕንወት ዝወሃብ መልሲ እንክብሉ ነቲ ድሮ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብ1970 ዓም ዘጠንቀቅዎ ከምዝደገሙ እውን ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ናይ ሎምዘመን ዓለምለኸ ዕለተ ጸሎት ስለምክንኻን ፍጥረት ኣብ ዘመነ ፍጥረት ዝግበር ጸሎት ኣብ ክልተ ጒዳያት ከተኩር የዘኻኽሩ። ብቀዳምነት ኣብ ተፈጥሮ ኣብ ከባቢና ዝረኤ ዘሎ ለውጢ ክሊማ ማዕረ ማዕረኡ ድማ እቲ በብቊሩብ ዝጸንት ዘሎ ብዙሕነት ፍጥረታት ኣብ እንሳስ ይኹን ኣብ ኣታኽልቲ ዝረኤ ጽንተት እንተስ በቲ ኣብ ከባቢ ንዘርዎ ዝተፈላለየ መርዛም ከሚካላት እንተስ ብሳዕቤን ምዝመዛ ደቂሰባት ኣብ ከባቢ ዝረኤ ለውጢ ክሊማ ደርቅን ካልእን ሊቃውንቲ ባዮሎጂካ ዳይቨርስቲ ብማለት ዝገልጽዎ ብዙሕነት ፍጥረታት ይህሰ ጥራይ ዘይኮነ ይዓኑ ኣሎ። ንዕንወትን ጥፍኣትን ጽንተትን ኣታኽልትን እንስሳን ስዒቡ ዝመጽእ ከኣ ይሰውረና እምበር ናትና ናይ ደቂሰባት ስለዝኾነ ኣድማዒ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ግላውን ማሕበረሰባውን ኤኮሎጂካዊ ለውጢ ብግዲ የድሊ ኣሎ። ግድን ክንውስን ኣሎና በዚ ውሳኔ እዚ ከኣ ክንሰርሕ ኣሎና እንክብሉ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ናይ ህልውና ጉዳይ ምዃኑ ብምግላጽ ብባህርዩ ድምጺ በቲ ሓደ ወገን ድምጺ ምስጋና በቲ ካልእ ወገን ከኣ መሪር ገዓር ክኸውን ስለዝኽእል ንኩሉ ኩሉ ፈሊኻ ንምልላይ ጽን ቢልና ንስምዓዮ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ኸኣ ብተግባር ንመልስ ኢሎም።

ድምጺ ፍጥረት-ምስጋና ከማኡ እውን መሪር ገዓር!

ብዘመነ ፍጡር ዝገልጽዎ ስለፍጥረት ንምጽላይን ንተፈጥሮ ንምክልኻልን ዝተወሰነ ናይ 35 መዓልታት ንሎምዘመን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንድምጺ ፍጥረት ጽን ቢልና ክንሰምዕ ይዕድሙ። እንተኾነ እዚ ድምጺ ፍጥረት ናይ ዘመንና ዝትወጃበረ ድምጺ ኰይኑ በቲ ሓደ ወገን ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ፍጥረት ኩሉ ንጐይታ የመስግንን ይውድስን ምናዳ ትንፋስ ዘሎዎ ኩሉ የመስግን በቲ ካልእ ወገን ከኣ በቲ ንሕና እንቊስሎን እነቃጽሎን ስቃይ ተወጺኡ ርድኡኒ ንማለት ዘስምዖ መሪር ገዓር ወይውን ኣውያት ይመስል። ኣባል ፍጥረት ዝኾነ ልቦና ዝተዓደሎ ወዲሰብ ንገዛእ ርእሱ ከይተረፈ ከምዚ ገቢሩ ከሳቅን ፍጡር ኩሉ ብሰንኩ ነዚ መሪር ቊዘማ ብሓባር ከስምዕ እንከሎ ብሓቂ ዘሕዝን ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘እዚ ሓባራዊ መሪር ቊዘማ እዚ ናይታ ኣደናን ሓውትናን እንብላ መሬት ስለዝኾነ ነቲ እንገብሮ ዘሎና ምዝመዛን ዓመጽን ዕንወትን ደው ክነብሎ ይምሕጸነና ኣሎ። ፍጡራት ኩሎም ንዝነብሩሉ ናይ ሓባር ቤት ዕንወት ባዕልና ክንፍጽም እሞ ምኽንያት ጽንተት ፍጡራት ክንከውን ዝገደደ ከኣ ከማና ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥሩ ብሰንኪ እቲ ንሕና ዝገበርናዮ ዕንወት ዝሰዓበ ክሊማዊ ለውጢ ብዘውረዶ ደርቅን ዓጸቦን ኣብ ዓዘቅቲ ድኽነት ኰይኖም ዘእውይዎ ገዓር እውን ምስዚ ሓባራዊ መሪር ቊዘማ ይቁዝም ኣሎ። እቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንብሎም ኣብ ፈቀዶ ክፍልታት ዓለምና ዝርከቡ መበቆላውያን ደቂ ኣባት እንብሎም ምስ ተፈጥሮ ጥቡቅ ርክብ ሃልይዎም ኪዳኖም ሓልዮም ምስ ተፈጥሮ ተዋሃሂዶም ንዝነብሩ እውን ኣብት ብሰላም ዝነብሩሉ ናይ ዓለምና ገነት ክንብሎ እንኽእል ብምንም ዘይተበከለ ከባቢታት ከድና ባህርያዊ ሃብታቶም ንምምዝማዝ እነዕንዎ ዱርን ድንግል መሬትን ጠሊምዎም ዘስምዕዎ ኣውያት እውን ምስዚ ሓባራዊ ቁዘማ ይጽንበር፣ ኣብ መወዳእታ በቲ ሓጺር ኣመለኻኽታ ዘለዎ ብግላዊ ጥቅሚ ዝዖረ ራእይና ዝስምብዱ ደቅናን ደቂደቅናን እውን መጻኢኦም እናኣጸልመትናዮ ትም ቢሎም ክርእዩ ስለዘይክእሉ ገለ ክንገብር ኣሎና እንተወሓደ ፍጥረት ብምሉኡ ከይዓኑ ንከላኸል ብማለት ኣብ ፈቀዶ ኲርናዓት ዓለምና ዘስምዕዎ ተቃውሞ እውን ናይዚ ሓባራዊ ቊዘማ ክፍሊ እዩ’ ምስበሉ እሞኸደኣ ኣብዛ ሻቡዓይ ዓመት ላውዳቶ ሲ ስቡሕ ኣንተ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ እንታይ ንግበር ቢሎም ይሓቱ።

ሻብዓይ ዓመት ሓዋርያዊት መልእኽቲ ላውዳቶ ሲ!

ናይ ሎሚ ሸውዓተ ዓመት ይገብር ሓደ ር.ሊ.ጳ ብዛዕባ ከባቢ ብዛዕባ ተፈጥሮ ሓዋርያዊት መልእኽቲ እንክጽሕፍ ንመጀመርያ ግዜ ብምንባሩ ብዙሕ ተዘሪቡሉ እንከብቅዕ ብዙሓት መስተውዓልቲ ግን ትንቢታዊ ቃላት እንክብሉ ነቲ ‘ድሎ ከይትዕሎ’ ዚዓይነት ናይ መጠንቀቅታ ቃላት ከማኡ እውን ካብ ሕጂ ገለ እንተዘይገበርና ኣምላኽ ክሕግዘና ካብ ምጽላይ ጀሚርካ ክሳብ ነፍስወከፍ ብግሊ ደረጃስ ይኹን ከም ማሕበረክርስትያን ንምክንኻን እዛ ሓባራዊት ቤትና ተጊህና ንክንሰርሕ ዘመን ፍጥረት ብምውሳን ዕለት ሓደ መስከረም ዓመት መጸ ዓለምለኸ ዕለተ ጸሎት ስለምክንኻን ተፈጥሮ ኰይኑ ክሳብ ዕለት 4 ጥቅምቲ በዓለ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ብጸሎትን ብተግባር ክንክን ብምግባርን ብዓቢኡ ከኣ ክንንሳሕ ኤኮሎጂካዊ ለውጥ ክንገብር እዚ ከኣ ምርጫ ዘይኮነ ግድነት ክንገብሮ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ እንተዘየሎ ሳዕቤኑ ጥፍኣት ስለዝኾነ ግድን ኮነ፣ ብከምዚ ንሸውዓተ ዓመት ተጓዒዝና ሕጂኸ እንተበልና ቅዱስነቶም ሎሚ እውን ከይተሓለሉ ንሎምዘመን ንምስንዳው ዘመነ ፍጥረት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዚ ክብሉ ይጽሕፉ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ሓባራዊ መሪር ቊዘማ ፍጥረት ጽን ቢልና ብምስማዕ ክንጠዓስ ክንንሳሕ ኣሎና፣ ምስዚ ከኣ ሥርዓተ መነባብሮናን እቲ ንፍጥረት ዝጐድእ ዘሎ ኣገባብን ፈጺምና ክንልውጦ ክንመሓይሾ ኣሎና። ጉዳይ ዕንወት ሓብራዊ ገዛና ከምቲ ንዓበይቲ ቅልውላዋት ናብራና ማለት ዓቢ ቅልውላው ጥዒና ከማኡ እውን ቅልውላው ግጭት ውግኣት እንህቦ ሃምን ቀልብን ክንህቦ ኣሎና። ነዚ ዓቢይ ተግባር እግዚአብሔር ዝኾነ ተፈጥሮ ምሕላውን ምክንኻንን ምርጫ ኣይኮነን ግድነት እዩ እዚ ኸኣ ብጸጋ ዝተሸለመ ሕይወት ብምንባር ቅንዕናን ሰናይ ተግባርን ዝተኣገበ መነባብሮ ብምንባር እዩ ዝግበር፣ ነዚ ንምግባር ዝለዓለ መንፈስ ምትሕብባር የድሊ። ግላዊ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ሓባራዊ ስምምዕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚርካ ኩሉ ብግልን ብማሕበር ኤኮሎጂካዊ ለውጢ ክገብር ኣለዎ እንክብሉ ነቲ ብኮፕ27 ኣብ ግብጺ ንዝመጽእ ከኣ ኣብ ካናዳ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ኮፕ 15 ብህጹጽ ክግበር ንዝከኣል ክገብሩ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዓለምና ሓላፍነቱ ብግቡእ ክገብር ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስዎ ፍታሕ ይኸውን ዝበልዎ ሓሳባት ኣቅሪቦም።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ፍጥረት ኩሉ ኣብ ድሕነት ክሳብ ዝበጽሕ ይቁዝም ዝብሎ ዘኪሮም ንሶም እውን ምስቲ ሓባራዊ መሪር ቊዘማ ዝበልዎ ገዓር መሬትና ሰሚዖም እናበኸዩ ጽን ቢልና ንቊዘማ ክንሰምዖን መጻኢ ወለዶ ብጥዑም ዜና ሕይወትን ተስፋን ፍጥረት ክሕጐሱሉ ዝኽእሉ ዓለም ንምርግጋጽ ብጭቡጥ መንገዲ ክንምልሽ ነዚ ጻውዒት እዚ ብምቅራብ መልእኽቶም ዛዘሙ።

“መልእኽተይ እንክዛዝብ ነተን ናይ ዓለምና ዓበይቲ ፋብሪካታት ምውጻእ ሚነራልን ዘይትን ዕንጸይትን ዘይንቀሳቀስ ንብረትን ብብዝሒ መግቢ ዘፍርያን ትካላት ብስም እግዚአብሔር ዝልምኖም ብጃኹም ኢለኩም ዱርን ጎቦታትን ሕዛእትታን ምብራስ ኣቋርጹ ወሓይዝን ቀላያትን ባሕርን ምብካል ኣቋርጹ ሕዝብን መግብን ምምራጽ ኣቋርጹ-ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
22 Jul 2022, 19:02