ቤተክርስትያን ዘገድድ ሕጊ ኣይትእዝዝን እኳ ደኣ ቤት ዕርቂ እያ! ር.ሊ.ጳ
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ኣምሲኹም!
ኣብ ማእከልኩም ምህላወይን ናይ ገሊኦም ተወከልቲ ደኣ ኣባት ገጽ ድሕሪ ርክብ ሮማ ዳግም ብምርኣየይን ሕጉስ እየ። እታ ኣብ ሮማ ዝገበኩምዋ ምባጽሕ ንዓይ ኣገዳሲት ነራ፣ ሎሚ ኸኣ እነሆ ኣብ ማእከልኩም ኣብ ገዛኹም ከም ዓርክን መንፈሳዊ ነጋዲ መሬትኩምን መጺኤ ኣብቲ ንእግዚአብሔር ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኰንና እነመስግነሉ ቤተመቅደሱ ተራኺብና ኣሎ። ኣብ ሮማ ጽን ቢለ ምስ ሰማዕኩኹም ‘ውጽኢት ዘለዎ ምሕዋይ ጭቡጥ ተግባር የድልዮ’ ኢለኩም ነረ። ኣብዛ ዝተፈላለያ ማሕበረሰባት ፈርስት ነይሽንስን መቲስን ኢንዊትን ዝጋብኡላ ቊምስና ምስ ካልኦት ናይዚ ከባቢ ደቀባትን ስደተኛታት ኣሕዋትን ኣሓትን ምርኻበይ ደስታ ይህበኒ። እዚኣ ናይ ኩልና ገዛ እያ፣ ንኩሉ እትቅበል ክፍቲ ገዛ እያ፣ ቤተክርስትያን ከኣ ከም ስድራቤት ደቂ እግዚአብሔር ከማኡ ክትከውን ኣለዋ፣ እተን ናይዚ ከባቢ ደቂኣባት ቀንዲ መለለዪ ዝኾነ ኣጋይሽ ምቅባል መለለዪኣ ክኸውን ኣለዎ። ንብዙሓት ድኻታት ብእትገብርዎ ምቅባልን ምርዳእን ከመስግነኩም እደሊ። እታ ኢየሱስ ዝደልያ ምግባረ ሠናይ ተኣንጊብኩም ነቲ ንሱ ‘ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምዎ ንዓይ ኢኹም ገርክምዎ’ ንእትብል ቃል ወንጌል ኣብ ግብሪ ተውዕሉ ኣሎኹም።
ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን እውን ምስ ስርናይ ክርዳድ ከምዝሕወስ ክንዝክር ኣሎና። ብሰንኪ እዚ ክርዳድ እዚ ከኣ ነዚ መንፈሳዊ ንግደት ንስሓ ክገብር ዝተገደድኩ። ሎሚ ንግሆ ብዝኽሪ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ደቀኣባት ዝተፈጸመ ክፍኣተ ግብሪ ጀሚርናዮ። ብስም ትምህርትን ኲስኰሳን ዝተገብረ ዓገብ ርኢና። እንተኾነ ትምህርትን ኲስኰሳን እቲ ክምህሮ እየ እትብል ሰብ ንዝውንኖ ብቅዓትን ኣለሊኻ ዋጋ ምሃቡን ዝግብኦ ክብሩ ምሕላውን ምሳኡ ኰንካ ከኣ ብሓባር ምስጢር ሕይወት ሃሰስ ምባልን የድሊ። ንእግዚአብሔር ምስጋ ይኹን ኣብ ቊምስናታት በዚ ከምዚ ዓይነት ሃናጺ ርክብ ዕለት ድሕሪ ዕለት ንምሕዋይን ዕርቅን ዝኸውን መሠረታት ይህነጽ ኣሎ። ሓንቲ ኣብዚ ጽሑፈይ ዘየላ ነገር ክዛረብ ንጳጳሳት ካናዳ ኣብዚ ንክመጽእ ዝሰርሕዎ ስራሕ ፍሉይ ምስጋና አቅርብ። ድሮ ክውን ኮይኑስ ኣነ መጺኤ ንስኹምውን መጺእኩም ተራኺብና ኣሎና። ሓንቲ ዝኾነት ጉባኤ ጳጳሳት ዓበይቲ ነገራት ትገብር ብዙሕ ፍረ ከኣ ትፈሪ። ንጉባኤ ጳጳሳት ካናዳ ብዙሕ ምስጋና አቅርብ።
ዕርቂ፥ ሎሚ ምሸት ብዛዕባ ዕርቂ ምሳኻትኩም ዝካፈሎ ኣስተንትኖ ኣሎኒ። ኢየሱስ ብዛዕባ ዕርቂ እንክዛረበና እንታይ ይብለና! ሎሚ ንኣና ዕርቂ ማለት እንታይ ማለት እዩ። ዝኸበርኩም ኣዕሩኽተይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዕድለና ዕርቂ ንክልቲኦም ወገናት ክተሐጒስ ብዝግበር ደጋዊ ስምምዓት ኣይኮነን እትቀውም፣ ወይውን ካብ ሰማይ ዱብ እትብል ካብ ላዕሊ እትወርድ ሰላም ኣይኮነትን። ሓዋርያ ጳውሎስ ኢየሱስ ሓደ ገቢሩ ይዓርቅ ንክልተ ነገር ሓደ ገቢሩ ሓደ ሕዝቢ ከምዝኸውን ገቢሩ ብመስቀሉ ዓረቀና ይብል (ኤፈ 2,14) ብዕፀ ሕይወት ዝኾነ መስቀሉ ገቢሩ ዚዓርቀናኸስ ኢየሱስ እዩ። ጥንታውያን ክርስትያን ንመስቀል ዕፀ ሕይወት ይብልዎ ነበሩ።
ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂኣባት ብዛዕባ ትርጉም ሕይወት ዕንጨይቲ እትምህሩና ብዙሕ ኣሎ፣ ኦም ብሰራውር ኣብ መሬት ለጊቡ ብኣቊጽልቱ ኦክስጅን ይህበና ብፍሬታቱ ከኣ ይቅልበና። ነዚ ምሳሌ ኦም ኣብዛ ቤተክርስትያን ክትርእዮ ደስ ዘብል፣ ኣብ ሓደ ጒንዲ ናብቲ ኢየሱስ ቅዱስ ቊርባን ኰይኑ ንኩሉ ዚዓርቅ ሰማይን ምድርን ዘተሓባብር ምልክት ኮይኑ ይቀርብ። እዚ ሊጡርግያው ምልክት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብሂል የዘኻኽረኒ። ክርስቶስ ኣብ ማእከል ነፍስወከፍ ባህሊ ኮይኑ ሕይወት ይህብ፣ስለዚ ንኩሎም ሕዝብታት ዘገድሶም ክርስትና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኣባላት ኣካሉ ዘሎ ክርስቶስ እዩ ንሱ ባዕሉ ህንዳዊ እዩ` ኢሎም ነበሩ ምስ ህንዳውያን ካናዳ ብ15 መስከረም 1984 ኣብ ዘቅረብዎ ሊጡርግያ ቃል ኣምላኽ። ስለዚኸስ ብመስቀሉ ዚዓርቅ ንሱ እዩ፣ ነዚ ዘይሕለፍ ዘይመሓር ዝመስል ዝነበረ ሓደ ዝገብር ንኩሉ ዚሓቊፍ ንሱ እዩ። እዛ ንሱ ኩሉ ኩሉ እዩ እትብል ምስታ ፍጥረት ኩሉ ሓደ እዩ ዝብል ባህልኹም ይሰማማዕ። እዛ ኣብዛ ቤተመቅደስ እንርእያ ንኣርባዕቲኡ መኣዝናት ክርስቶሳዊ ትርጉም ብምሃብ ዘቅርብዎ እውን ነዚ የመልክት። ኢየሱስ በቲ ዝተዘርገሐ መስቀሉ ንኩሉ መኣዝናት ዓለምና ሓቊፉ ርሒቆም ንዝነበሩ ኣቅሪቡ ነቶም ዝቀረቡ ከኣ ኣሕውዩ ሰላም ንኩሉ ሂቡ (ኤፈ 2,14) ኣብ ዕፀ መስቀል ኣእዳው ብምዝርጋሕ ንመድብ ኣምላኽ ማለት ንኩሉ ነገራት ዓሪቁ (ቆል 1,20)።
ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ውሽጡ መዓት ቊስልን ቃንዛን ሒዝ ንዝጐዓዝ ዕርቂ እንታይ ማለት እዩ! ቢልና እንተሓተትና ብምኽንያት ደቂሰባት ዝተሳቀየ ሰብ እኳ ደኣ መሰኻኽር ሕይወት ክርስትና ክህቡ ብዝነበሮም ሰባት ዝተሳቀየ ሰብ ብዛዕባ ዕርቂ እንኪሓስብ ዘሕልፎ ድኻም ይቅጀለኒ። ንዝተዓመጸ ክብሪ ግርማ ወዲሰብ ንዝተፈጸመ ክፍኣተ ግብሪ ንዝተኻሕደ ምትእምማን ክድምስሶ ዝኽእል ምንም የለን። እቲ ንኣና ንኣመንቲ ዝስምዓና ሕፍረት እውን ኪድምሰስ ኣይከኣልን። እንተኾነ ዳግም ምብጋስ የድሊ። ኢየሱስ ዘደዓዕስ ቃላትን ጽቡቅ ቊርጺ ፍቃዳትን ኣይኮነን ዘወፍየልና መስቀሉ እዩ ዘቅርበልና፣ እቲ ሓያል ፍቅሪ ግን ከኣ ዕንቅፋት ዝኾነ ኣእዳውን ኣእጋሩን ክሽንከር ርእሱ ብእሾኽ ከምዝውጋእ ዝገበረ ፍቅሪ! ብሓባር ናብ ክርስቶስ ምጥማት! ነቲ ዝተኻሕደ ፍቅርን ምእንታና እተሰቅለን ኢየሱስ ነቲ ምእንቲ እቶም ኣብዚ ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበሩ ዝተሰቅለ ኢየሱስ ምጥማት የድሊ። ኣብ ነንሕድሕድናን ብውሽጥናን ክንዕረቅ ምስ ሕሉፍ ክንዕረቅ ምስ ዝተጓነፈና ዓመጽን ዝኽሪ ቊስልታትናን ክንዕረቅ እንተደሊና ተተኺሉ ንዘሎ መስቀል ክርስቶስ ንጠምት ሰላም ካብ መንበረ ታቦቱ እያ ትቅዳሕ። ምኽንያቱ ከኣ ዕፀ መስቀል እዩ ነቲ ስቃይ ናብ ፍቅሪ ንሞት ናብ ሕይወት ንተስፋ ቊርጸት ናብ ተስፋ ንክድዓት ናብ ውህደት ንርሕቀት ናብ ሓድነት ይልውጦ። ዕርቅኸስ ስራሕና ኣይኮነትን ትዕድልቲ ጸጋ ኢየሱስ ካብ መስቀል ዝፍልፍል ኮይኑ ካብ ልቢ ኢየሱስ ዝመጽእ ሰላም እዩ። እዛ ጸጋ እዚኣ ክንልምና ኣሎና። ዕርቅኸስ ካብ ጐይታ ክንልምኖ ዘሎና ጸጋ እዩ።
ኣብዚ ክጠቅሰልኩም ዝደሊ ካልእ ጠመተ ናይ ዕርቂ እውን ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ኢየሱስ ዓሪቁና ዝብል ሓደ ኣካል ገሩና እንክብል እዚ ሓደ ኣካል ዝብሎ ዘሎ ቤተርክስትያኑ እያ። ሕያው ኣካል ዕርቂ እያ። እንተኾነ እዚ ዘይድምሰስ ቃንዛ ዝበልናዮ ካብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ክወርድ እንከሎ ሕርቃንን ሕፍረትን ጥራይ እዩ ዝመጸካ። ኣመንቲ ክርስቶስ ዝበልካዮም መንፈስ ዓለም ክስዕሮም ክትርኢ ክንዲ ዕርቂ ናቶም ባህሊ ክጽዕኑኻ ጸገም እዩ። እዚ ኩነት እዚ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዋላ ብዓይኒ እምነት እውን ከም ሞት ተሪር ዓረ እዩ። ንእግዚአብሔር ምሳኦም ክተመሳስልን ካብ ናብ እግዚአብሔር ናብ ሰባት ምጽጋዕ ክፈጥር ይኽእል። እዚ ግን ተገላቢጦሽ እዩ። እዚ ፈጺሙ ክሰርሕ ኣይክልን ከመይ ጐይታ ስራሑ ከማኡ ኣይኮነን ጐይታ ንማንም ኣይግድድን ንማንም ኣይዕፍንን ንማንም ኣይጸቅጥን ንሱ የፍቅር ሓርነት የልብስ ሓራ ኰንካ ክትነብር ከኣ የፍቅደልካ። ንካልኦት ንዝጭቁን ኣይድግፍን ንወንጌል ዕርቂ ምስ ጽንፊ ምሓዝ ዝሰርሑ ኣይሕግዝን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ንእግዚአብሔር ብዝጻረር መንገዲ ንእግዚአብሔር ክትሰብኽ ኣይከኣልን። ክንደይ ግዜ ኣብ ታሪኽ እግዚአብሔር ገርሀይናን ትሑትን ብዝኾነ መንገዲ ከምዚኣዶ ምገበርካ እንክብለና ንሕና ግን ብስሙ ክንደይ ተጽዕኖ ክንገብር ዘይፈተና። እዚ መንፈስ ዓለም ዝዓብለሎ ፈተና እዚ ብክእለትካ ካብ መስቀል ክትወርድ ዝደፋፍእ እዩ። እንተኾነ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ብምትራፍ እምበር ካብ መስቀል ብምውራድ ኣይኮነን ዚዓርቅ። ተሰቂሉ እንከሎ ኣብ እግሪ መስቀሉ ዝነበሩ ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡ ‘ንርእስኻ ኣድሕን ንዓና እውን ኣድሕነና’ እናበሉ ይፈታተንዎ ነበሩ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብስም ኢየሱስ ከምዚ ዓይነት ኣብ ቤተክርስትያን ኣይፈጸም። ኢየሱስ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ማለት ብሓርነትን ብፍቅርን ይሰበኽ! ነፍስወከፍ ዘጓንፈና ስቁል ሰብ እንፈትሖ ጸገም ዘይኮነ ክነፍቅሮ ዘሎና ሓው ወይ ሓውቲ ክፍቀር ዘለዎ ስጋ ኢየሱስ እዩ።
እታ ዕርቂ እትብል ቃል ቤተክርስትያን ምስ እትብል ቃል ተመሳሳሊት እያ። ትርጉሙ ኸኣ ‘ሓዲስ ጉባኤ ምቋም’ ማለት እዩ። ብዕርቂ እንደገና ከምዝጋብኡ ምግባር። ቤተክርስትያንከስ ብሓዲስ እንዕረቀላ ብሓባር ጒዕዞ ዳግም ንምጅማር ብሓባር ንምዕባይ እትብገሰላ እያ። ከም ግለሰብ ምሕሳብ ኣቋሪጽካ ንካልኦት ዓይኒ ዓይኖም እናጠመትካ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ተቀቢልካ ታሪኾም ብምስማዕን ባህሎም ብምቅባልን ነታ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሕብረት ክትመርሓካን ቊስሊ ዝኽርኻ ክሓውን ምፍቃድ እዩ። እታ መንገዲ እዚኣ እያ፣ ንካልኦት ዘይምውሳን ኩሎም ኣብቲ ንስኻ ዝመደብካዮ ክተእቱ ዘይምድላይ እኳ ደኣ ኣብ ቅድሚ መስቀልን ሓውኻን ቈምካ ብሓባር ምጒዓዝ ምምሃር የድሊ። ቤተክርስትያንከስ እዚኣ እያ ክትኮኖ ዘለዋውን እዚ እዩ። ኩነት ንሓሳብ ዝቅድመሉ ቦታ ክትከውን ኣለዋ። ንሰባት ዝዕፍን ሓሳባትን መደባትን ዘይኮነ ቤተክርስትያን ንኩሉ እትቅበለ ቤት እያ። ካብዞም ክልተ ኣብዛ ቊምስና ዝሰርሑ ኣሕዋትና ከምዝሰማዕናዮ ቤተክርስትያን ክፉት መዓጹ ዘለዎ ቤተመቅደስ ኮይኑ ብመንፈስ ቅዱስ ሕያዋን ኰና ንእንመላለስ ኩልና እንራኸበሉን እነገልግለሉን እንዕረቀሉን ቦታ ክኸውን ኣለዎ። ዝኻበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ልዕሊ ካልኦት ኣድላዪ ኰንካ ንምቅራብ ዝግበር ተግባራትን ምጽብባቅን ኣድለይቲ ክኾኑ ይኽእሉ እንተኾነ ዝዓበየ ክፋል ቃላትን ተግባራትን ዕርቂ ኣብ ክልታት እዮሞ ዝኾነ ከምዛ ሕጂ ዘሎናያ ማሕበር ምእመናንን ስድራቤታትን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ብሓባር ዕለት ዕለት ዝጐዓዙሉ ኩነት ማለተይ እዩ። ብሓባር ምጽላይ ነንሕድሕድካ ምድግጋፍ ታሪኽ ሕይወትካ ምክፋል ሓባራዊ ሓጐሳትን ግድላትን ምክፋል ነታ ዓራቂት ዝኾነት ተግባር እግዚአብሔር መዓጹ ጋህ ኣቢሉ ይኸፍት።
ክትሕግዘና እትኽእል ኣጠቃላሊት ምስሊ ኣላ። ኣብዚ ቤተመቅደስ እዚ ልዕሊ መንበረታቦት ተፒ ዝበሃሉ ኣርባዕተ ተንዳታት ደቂኣባት ተሳኢሉ ኣሎ። ተንዳ ዓቢ ትርጉም ቅዱስ መጽሓፍ ኣለዎ። እስራኤላውያን ኣብ ምድረበዳ እንክጐዓዙ ታቦተ ጽዮን ኣብ ተንዳ ነበረ። ተንዳ ጉባኤ ሕዝበ እግዚአብሔር ይበሃል ነበረ። እዚ ኸኣ እግዚአብሔር ኣብ መንጎ ሕዝቡ ምስ ሕዝቡ ከምዝጐዓዝን ንሕዝቡ ክረክብን ኣብ ጉባኤ ሕዝቡ ክሳተፍን ዕርቂ ክገብርን ከምዝፈቱ እዩ። ብምሥጢረ ሥጋዌ ሰብ ከማና ክኸውን ምስ ደለየ ከኣ ‘ድንኳኑ ኣብ ማእከልና ተኸለ’ ይብል ዮሓንስ ወንጌላዊ (ዮሓ 1.14)። እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅርበት እዩ። ብኢየሱስ ኣቢሉ ከኣ ቋንቋ ርሕራሔን ሓልዮትን ይምህረና። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ዝመጻእናሉ ግዜ ኣብቲ ንሱ ኣብ መንበረ ታቦት ዝዕቈረሉ እዛ መንበረታቦት እዚኣ እቲኣ ድንኳን ምዃና ኣይንዘንግዕ። እግዚአብሔርከስ ድንኳኑ ኣብ ማእከልና ተኺሉ ኣብቲ እንገብሮ ጒዕዞ ምድረበዳ የሰንየና። ኣብ ኣደራሻት ኣይኮነን ዝነብር ኣብ ምድረበዳ ኣብታ ቤት ዕርቂ ክትከውን እትደሊ ቤተክርስትያንና እዩ ዝነብር።
ኣሕዋተይን ኣሓተይን እቲ ዝተሰቅለን ካብ ዝተንሰኤን ኣብ መንጎ ሕዝቡ ዝኾነ እዚ ሕዝቢ እዚ ዝነብርን ብማሕበራትናን ብባህልታትናን ከንጸባርቅ ዝደሊ ኢየሱስ ብኢድና ኣታትዮ ኣብቲ ምድረበዳታት ታሪክና እውን ከይተረፈ ስጉምታትና ብመንገዲ ዕርቂ ይምራሕ ኣሜን።