ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ ካናዳ፡ መጻኢኹም ንምክልኻል ታሪኽኩም ዓቅቡ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ጣዕሳን ጸጸትን ካልኣይ መዓልቲ ሒዙ ዘሎ ናይ ካናዳ ንግደቶም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ጣዕሳን ጸጸትን ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ናይ ካናዳ ጉዕዞ፡ ብዙሓት ምእመናን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ስታድዩም ኤድመንተን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።
ኣብ ስብከቶም ቅዱስ ኣቦና ንነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ዓበይቲ ወለዶም ክሓስቡ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ከኣ ምስ ናይ መዓልቱ በዓል ኤያቄምን ሃናን ብምትእስሳር፡ ኣብቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣዝማዱ ክፋለጥ ዝመጸሉን “ብቀረባ ፍቅርን ሓልዮትን ጥበብን ዓባዩን ኣበሓጉኡን” ብቀረባ ክለማመድ ዝመጸሉ ኣጋጣሚ ኢዩ።
ውሉድነት ታሪኽ ክዕቀብ ዘለዎ ኢዩ
ቅዱስ ኣቦና ዘስመሩሉ፡ ንሕና ክንዕቀብ ዘለና ውሉድ ታሪኽ ኢና - ዝተፈለና ውልቀ ሰባት ኣይኮናን፡ ወላ ሓደ ካብ ካልኦት ተፈልዩ ኣብዛ ዓለም ዝመጸሉ መንገዲ የሎን። ምንጭናን እንዓብየሉ ባይታ ስድራ ቤታትን ክፋል ውሉይ ታሪኽ ኮይኖም፡ ሕይወት እንለብሰሎም መንገድታት ኢዮም።
በዚ ኣገባብ ከኣ ነቲ ታሪኽ ንሕና ኣይንመርጾን፡ እንተኾነ ግን ከም ህያብ ኢና እንቅበሎ፡ ዘለና ኣማራጺ ብዘለና ምንያት ኢዩ። ንሕና ወለዶ እቶም ቅድመና ዝሓለፉ ኢና፡ ሰንሰለታዊ ወለድኦም ከኣ ኣብ ሓቅነትን ቅንዕናን እምነትን እግዚኣብሔር ኣምላኽን ድላዩን ዝተመስረተ ኢዩ።
ንሕና ኣብዚ ምህላውና ብሰንኪ ወለድና ኢና፡ በዚ ከኣ ንዓበይቲ ወለድና’ውን ነመስግን፡ ኣብዚ ዓለም ክንመጽእ ንዝሓገዙና ነመስግን፡ ካብኦም ሕያውነትን ልዙብ ፍቅርን ዝተፈላለየ ጥበብን ወሪስና ኢና።
ብዝያዳ ንዓበይቲ ወለዲ እናመጎሱ፡ ቅዱስ ኣቦና መብዛሕትና ገዛውቶም “ፍሉይ መዓዛ ወንጌል ዘሽተትናሉን” ነቲ ልሙድን ፍሉይን እምነት ብምሕብሓብን ምትብባዕን ብቀረባን ዝረኸብናሉ ኢዩ። ናብ ቅዱሳን ወለዲ ድንግል ማርያም ኢያቄምን ሃናን እናሓበሩ ከኣ ድንግል ማርያም ፍሉይ ፍቅሪ ወለዲ ዝጸገበትን በዚ ፍቅሪ እዚ ከኣ ንመድሓኒና ፍሉይ ፍቅሪ ዝገለጸት ምንም ንድሕሪት ዘይሓዘት ኢያ፡ በዚ መሰረት ኩልና ኣብ ፍቅርን ሓልዮትን ፋሉል ክንከውን፡ ሕልና ካልኦት ክንኣስር ከምዘይብልናን ይዕድሙ።
ምዕቃብ ዝኽሪ
ኣብዚ ኩነት እዚ ቅዱስ ኣቦና ምኽሮም ክልግሱ ከለዉ፡ ዝሓለፈ ዝኽርታትና ክንዕቅብ ፍሉይን ስፍሕ ዝበለ መድረኽ ክንህብን፡ ነቲ ዝገደፉልና ሕድሪ “መበቆላትና ክንድህስስን ከንዕብን ኢዩ ዘለና፡ ንዕኡ ዝምልከት ግዜ ወፊና ከኣ ውርሻና ክንሕሉን ክንከናኸንን ኣሎና ኢሎም። ብተወሳኺ ሕድሮም ከይነጥፍእን ከይንርስዕን እናተባብዑ፡ ንመዓልታዊ ሕይወትና ትንፋስ እናሰዃዕና ሕይወት ክንህብ የገንዝቡ።
ደረስቲ ዘይተጻሕፈቲ ታሪኽ
ኣብ ልዕሊ እቲ ደቂ ክዕቀብ ዘለዎ ታሪኽ ምዃና፡ ብተወሰኺ ናይቲ ዘይተጻሕፈ ታሪኽ ኣቦታትን ኣደታትን ዓበይቲ ወለድን ደረስቲ ከኣ ኢና። ቅዱስ ኣቦና ኩልና ብብርሃንን ጽላሎትን፡ ናይቲ ዝተቀበልናዮን ዘይተቀበልናዮን ታሪኽ ዝተቀለምና ኢና ኢሎም። ኣብ ርእሲ እዚ ብተወሳኺ፡ እዚ ፍሉይ ምስጢር ወድሰብ ኢዩ፡ ንሕና ደቂ ስድራና ኢና፡ ንሕና ብግደና ከም ኣቦታትን ኣደታትን ንኻልኦት ሕይወት ክንህብ ዘለና ኢና። በዚ መሰረት ካብ ዝተቀበልናዮ መንጽር፡ እንታይ ዓይነት ሕብረተሰብ ኢና ክንሓንጽን ከነውርስን ዘለና ኢና ክንሓስብ ኣሎና።
ነታ ሕይወት እትህብ ነጒዒ ከም ኣብነት ብምውሳድ፡ ካብ ሰራውር ናብ ጨናፍር፡ ናብ ኣቁጽልቲ፡ ናብ ዕንባባ ብድሕሪኡ ናብ ፍረ እተብጽሕ ተኽሊ ንተዓዘብ። ሓቀኛ ባህሊ ከኣ ከምኡ ኢዩ፡ ሓቀኛ ባህሊ ብትኹል መዳይ ኢዩ ዝግለጽ - ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ብዝዓቢ መዳዩ ኢዩ ዝግለጽ።
ብድሕሬና ንዝመጽእ ወለዶ እንታይ ኢና እነመሓላልፍ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ መዓልቱ ወንጌል ብምስትንታን፡ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብጹዓን ኢኹም ዝብለሉ ምኽንያት ነብያትን እቶም ጻድቃንን ሃርር ንዝበልዎ ምስምዖምን ምርኣዮምን ኢዩ፡ እቶም ዝርኣዩን ዝሰምዑን ከበስሩ ኣለዎም። ብተመሳሳሊ ከኣ እቶም ቅድመና ዝሓለፉ ዝተፈላለየ ህያባታን፡ ትብዓትን ንዘውረሱና ናብ ካልኦት ምሕላፍ እጃምና ኢዩ። /
ብተመሳሳሊ፡ ዝሓለፉ ወለድና “ፍትሒ ዝነገሳን፡ ሕውነት ዘማእከላን፡ ምድንጋጽ ዝዓብለላን ዓለም ክትህሉ ደለዩ፡ መጻኢ ክህልወና ተቃለሱ” ሓደራኦም ክንቅጽልን ፍረ ክንፈርን፡ ኩሉ ኣብ ኢድና ኢዩ፡ ምኽንያቱ ንሕና ክጥጥዕን ክጭብጭብን ፍረ ክንፈርን ሓደስቲ ዘርኢ ታሪኽ ክንዝርግሕ ዘለና ኢና።
ቅዱስ ኣቦና ብተወሳኺ፡ ጎይታ ካባና ዝደልዮ፡ ንህልው ስርዓትን ኣገባብን ብድሕሪት ኮይና ክንሓምን ክነቅፍን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከየንቲ ሓድሽ ታሪኽን፡ ኣለምቲ ተስፋን፡ ሓነጽቲ መጻእን፡ ገበርቲ ሰላም ክንከውን ኣሎና።” ኢሎም።
“እቲ ክውን ሕቶ፡ ኣነስ ሕይወት’ዶ እህብ ኣሎኹ? ኣሳሳዪ/መራሒ ሓድሽ ታሪኽን፡ ዝተሓደሰ ፍቅርን ድየ? ንጎረባብትን ከባብን ብስራት ወንጌል እሰብኽ’ዶ? ከም ልማድ ቀዳሞት ወለዲ፡ ንኻልኦት ብነጻ’ዶ የገልግል? ንቤተ ክርስትያና፡ ንከተማና፡ ንሕብረተሰብና እንታይ ነበርክት?”
ዓበይቲ ወለዲ ንጎድኒ ዘይሕደጉሉ መጻኢ
ኣብ መደምደምታ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣማላድነት ቅዱሳን ኤያቄምን ሃናን ብምምሕጻን፡ ኣብ ሕይወትና ሓልዮትን ናብዮትን ክንረብ ክሕግዙናን፡ ንዓበይቲ ወለድናን ዓበይቲ ስድራና ኣኽብሮ ክንህብ መንፈሳዊ ግድነትና ክንዋጻእ እሞ ኣብ መንጎና ንዘለዉሉ ብሩህ መጻኢ ክንፈጥር ክድግፉና ክንጸሊ ተማሕጺኖም።
ኣብ መዛዘሚ ጸሎቶም፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዓበይቲ ወለዲ ንጎድኒ ዘይሕደጉሉን ጥቅሚ የብልኩምን ወዲእኩም ኢኹም ብምባል ከይግለሉን፡ ከነኽብሮምን ንዝተዋህቦም ጸጋ ዕድመ ክንከናኸንን ክንሰምዖምን ኣሎና ይብሉ።
ብተወሳኺ ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ኣትኪሎም እክንጽልዩ “ታሪኽ ዓመጽን ምውጋንን ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቀባት፡ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ፈጺሙ ከምዘይድገም የገንዝቡ።