ድለ

2022.07.24 Viaggio Apostolico in Canada 2022.07.24 Viaggio Apostolico in Canada 

ኣብ ካናዳ ተጻይ ደቂኣባት ዝተፈጸሙ ዓመጻት ‘ጀኖሳይድ’ ጽንተት ዓለት ነበሩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ካናዳ ንዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ፈጺሞም ንሮማ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ከምቲ ልሙድ ንጋዜጠኛታት ሰላምታን ምስጋናን ኣቅሪቦም ሕቶታቱም ከምዝመለሹ እንክምልከት ብዛዕባ ኣረጊትን ሓዲስን ዕብለላን መግዛእትን ኮሎንያሊዝም ምስ ዘርዘሩ ብዛዕባ ሥልጣን ብወለንታኦም ምልቃቃስ ይኹን ብዛዕባ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጀርመንን ብዛዕባ ኣድላይነት ደቂኣንስትዮ ኣብ ምትሕልላፍ እምነት ክግበር ዘለዎ ምዕባሌ ሥልጣናዊ ትምህርትን ኣመልኪቶም መልሲ ሂቦም።

ዜና ቫቲካን!

ካብቶም ንቅዱስነቶም ዘሰነዩ ጋዜጠኛታት ካብ ሃገረ ካናዳ ዝኾነ ሓደ ብዛዕባ እቲ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ደቂኣባት ዝፈጸመቶ ዓምጽ ምስ ሓተቶም ‘እቲ ኣብ ልዕሊ መበቆላውያን ደቂኣባት ዝተፈጸመ ዓመጽ ‘ጀኖሳይድ’ ጽንተት ዓለት እዩ። ሰብ ብዛዕባ ዝሓለፈ ወይውን ኣረጊት ዕብለላን መግዛእትን ኮሎንያሊዝም ይዛረብ እንተኾነ ሎሚ እውን ሓደስቲ ዕብለላታትን መግዛእትታን ኮሎንያሊዝም ከምዘሎ ኣይንዘንግዕ` እንክብሉ ምስ መለሹ፣ ስዒባ ዝቀረበት ሕቶ ከኣ ብወለንታኦም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ኪሓድጉ እንተኾነ ትብል ነበረ። እንተኾነ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብካልኦት ንዝቀረበ ተመሳሳሊ ተዂታዂ ሕቶ ዝሃብዎ መልሲ ‘ንሕጂ ኣብ ሃመይ የለ ኣብ ቀልበይ የለ፣ ንመጻኢ እኳ ከም ተኽእሎ እንተተመልከትናዮ ንሕጂ ግን ኣይሓስበሉን’ እንክብሉ መሊሾም።

ጅሲካ ካንሀሀሲዮ ዲር ዝተባህለት ጋዜጠኛ ረድዮ ደቂኣባት ካናዳ ንቅዱስነቶም ዘቅረባት ሕቶ ድሕሪ ሕጂኸ እንታይ ንጽበ ዝዓይነቱ ንሳ ንባዕላ ውሉድ ናይቶም ኣብ ኣሕዳሪ ቤትትምህርታ ዓመጽ ዘጓነፎም ኮይና እቶም ውጻእ መዓት ኮይኖም ተሪፎም ዘለው ግዳያት ድሕሪ እዚ ናትኩም ይቅርታት ዶክትሪን ኦፍ ዲስካቨርይ ዝብል ኣዋጅን ጭቡጥ ግብረ መልሲ ከምዝደልዩ፣ ገና ኣብ ቅዋማት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ካናዳን ደቂኣባት ኣብ መሬቶም ከም ጓኖት ምንም ሥልጥእን ዘይብሎም ኮይኖም ኣብዚ ከኣ ኣዋጃት ኣርእስተሊቃነ ጳጳሳትን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት እጃሞም ስለዘሎ ኣብዛ ጒዕዞ እዚኣስ እንተወሓደ ነዚ ኩሉ ዘሕድስ ኣዋጅ ዝጐደለኩምዶ ኮይኑ ኣይስመዓኩምን ምስ በለት ነታ ዶክትሪን ኦፍ ዲስካቨርይ ክትገልጸሎም ሓተትዋ፣ ዶክትሪን ኦፍ ዲስካቨሪ ዝበሃል ኮሎንያሊስት ንደቂኣባት ክጎብጥዎም ምስ መጹ ንሳቶም ካብ ካቶሊካውያን ትሑታት ዓሌት ምዃኖም ከእምንዎም ዝጽዕርዎ ዝነበሩ እዩ ክትብል ኣብርሃትሎም።

ቅዱስነቶም ስለቲ ሕቲ ኣመስጊኖም ‘ብርእይቶም እዚ ጸገም እዚ ናይ ኩሎም ገዛእቲ ጸገም እዩ። ሎሚ ከም ሎሚ ዘሎ ኣተሓሳስብ ዕብለላን መግዛእትን ኮሎንያሊዝም ተመሳሳሊ መደብ እዩ ዝጥቀም ኣብቲ ዓብላሊ ጒዕዞን መንገድን ናቶም ዘይኣተወ ከም ትሑት ዓሌት እዩ ዝቁጸር። ክንዮ ክኸይድ ደቂኣባት ትሑታት ዓሌት ጥራይ ኣይኮነን ዝረኣዩ ዝነበረ ሓደ ጽሉል ሊቅ ንባበ መለኮት ናይቲ ግዜቲ ነፍሲ ኣለዎምዶ ኢሉ ይሓትት ነበረ። ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ናብ ኣፍሪቃ ምስ ከዱ ኣብታ በራዩ ዝነቅሉላ ዝነበሩ ማዕጾ ኰይኖም እቲ ድራማ ቅትለት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ንምንባሩ ንክንርዳእ ምልክት ሂቦም። እቲ ሕዝቢ እቲ ኣብ መራኸብ ይድርበ ድሕሪ ክንደይ መከራ ንእስክላ ዝደሓኑ ናብ ኣመሪካ ይበጽሑ ባራዩ ይኾኑ ነሮም። ርግጽ እዩ ኣንጻር እዚ ዝዛረቡ ከም በዓል ባርተሎመ ደ ላስ ካሳስ ፐድሮ ክላቨር ዚኣመስሉ ነሮም ግን ውሑዳን እዮም ነሮም። ሕልና ደቂ ሰባት ኣብ ሰብኣዊ ማዕርነት ደቂ ሰባት ቀስብቀስ እዩ ክስቈር ጀሚሩ እንተኾነ ገና ምሉእ ብምሉኡ ስለዘይሃሰሰ ገና ንባህልታትና ናብ ባህልታቶም ክቅይሩ ዝጽዕሩ ኣተሓሳስባታትን ዝንባሌታትን ኮሎንያሊዝም ገና ኣይለቅቁናን። እዚ ካብዚ ሎሚ እንነብሮ ዘሎና ምዕቡል ዓለም ዝብል ዝመጽእ እዩ። እንተኾነ ንደቂኣባት እንተተመልከትና ምስ ተፈጥሮ ዘሎ ውህደት ብግብሪ ዘርኢ ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ባህሊ ኣለዎም። ጽቡቅ ናብራ እንክብሉ ከምዚ ምዕራባዊ ዓለም ዚሓስቦ ጣዕሚ ናብራ ኣይኮነን ብውህደት ምንባርን ነቲ ውህደት ምዕቃብን እዩ። እዚ ውህደት እዚ ዳርጋ እቲ ቅድሚ ውድቀት ኣቦና ኣዳም ንዝነበረ ንምምላስ ዝግበር ዓቢይ ባህላዊ ውርሻ መበቆላውያን ደቂኣባት እዩ። እንተ ንሕና ንኩሉ ብሓንጐልና ጥራይ እናሓሰብና እንረግጾ ኣይርእን። ደቂኣባት ግን ርእስን ልብን ኣእዳውን ብሓንሳብ የዛርቡ። ኩሉ ብሓደ። ነዚ ቋንቋ እዚ ከኣ ምስ ተፈጥሮ ይጥቀሙሉ። ነዚ ምስዚ ኣሎና እንብሎ ዝተጋነነ ናይ ኣፈርክቡ ምዕባሌና እሞ ኣወዳድርዎ! ተጻይ ምዕባሌ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘሎ፣ ምዕባሌ ምዕባሌ ምዕባሌ ጥራይ እናበልካ ሕብረሰብና ወሪድዎ ዘሎ ጭንቅን ኣፈርክቡን ሕሰቡ። ሥነጥበብ ጠፊኡ ኩሉ ኣፈርክቡ! እንተ ደቂኣባት ግን እዚ ተውህቦ እዚ ኣለዎም። ኣተሓሳስባ ኮሎንያሊዝም ሎሚ እውን ኣሎ ግን በይዛ ኢድ ማለት ጓንቲ ናይ ሓሪ ገሮም እዮም ዘቅርቡልና። ሓደ ኣፍሪቃዊ ጳጳስ ዝበሉኒ ክነግረኩም ‘እዞም ናይ ሎሚ ዓለምለኻውያን ውድባት ልቃሕ ምስ ሓተትናዮም ውዑላት ኣብ ልዕሊ ውዑላት ብምግባርን ኮሎንያዊ ሕግታት ብምውዳድን መነባብሮ ክሳብ ንቅይር ይገብሩና’ኢሎምኒ። እስኪ ሎሚ ኣብ ዘሎ ኮልንያሊዝም ኣመሪካ ዓዲ እንግሊዝ ፈረንሳ እስጳኛን ፖርቱጋልን እዚ ሓደጋ እዚ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣሎ ማለት ንሕና ካብቶም ደቂኣባት ዝበልጽና ኢና ዝብል ኣተሓብሳስባ እዚ ከኣ ዓቢ ገበን እዩ። ስለዚ ብዛዕባ እቲ እትሓትዮ ዘሎኺ ኣበሪዕና ክንሰርሕ ኣሎና። ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ክፍኣተ ግብሪ ምፍዋስ የድሊ። እንተኾነ ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ኮሎንያሊዝም ኣሎ። ኣብ ምያንማር ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋ ዝግበር ዘሎ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ትሑታት ፍጥረት ስለዝኾኑ ዜግነት ኣይግብኦምን ቢሎም ንዝማጐቱ ሎሚ ከም ሎሚ ክትሓስቦ ከቢድ እዩ እንክብሉ መሊሶም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
30 Jul 2022, 18:29