ቅዱስነቶም ኣብ ካናዳ ንዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ንስሓ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም የማዕቊቡ!
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ዝኾነ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ምግባሮምን ክበድ ዝበለ ጉዳይ ኣብ ዘጋጥሞምን ናብታ ጥዕና ሕዝቢ ሮማ ሳሉስ ፖፑሊ ሮማኒ ዝብል ኢቆና ድንግል ማርያም ብምኻድ ዝምሕጸንዎ ነዚ ጽባሕ ብስም መንፈሳዊ ንግደት ንስሓ ዝገብርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ካናዳ እውን ናብኣ ንምምዕቋብ ትማሊ ናብታ ኣብ ሕምብርቲ ሮማ እትርከብ ባዚሊካ ዓባይ ቅድስት ድንግል ማርያም ብምኻድ ጸሎት ከምዘዕረጉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ዝኾነ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ቅድሚ ምፍጻሞም ብዘልማድ ኣብ ድሮ ናብታ ብሳንታ ማርያ ማጆረ እትፍለት ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ እትርከብ ባዚሊካ ቅድስት ድንግል ማርያም ዓባይ ብምኻድ ንኩሉ ኩሉ ናብኣ ከምዘማዕቊቡ ዝዝከር ኮይኑ ኣብዚ ናይ ሎምዘመን ግን ምንቅስቃሳቶም ብምኽንያት ጥዕና እናደረተ ብምዃኑ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ናብቲ ተኣምራታዊት ኢቆና ድንግል ማርያም ዝርከበላ ሳሉስ ፖፑሊ ሮማኒ ሓላዊትን ፈዋሲትን ጥዕና ሮማውያንን ጠበቃ ከተማ ሮማን ዝኾነት ስእሊ ድንግል ማርያም ብምኻድ ነዚ ናብ ካናዳ ዝገብርዎ መበል 37 ሓዋርያዊ ጒዕዞኦም ናባኣ ብምውፋይ ክትሕልዎምን ክትድግፎምን ከምዝተማሕጸኑ ክፍሊ ዜናን ሕትመትን ቅድስት መንበር ነዚ ዚስዕብ ሓበሬታ ሂቡ።
ቅዱስነቶም ብ2013 በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ጀሚሮም ቅድሚ ነፍስወከፍ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ናብዛ ባዚሊካ እዚኣ ብምኻድ ኣብታ ነዛ ስእሊ እዚኣ ዝተወፈየት ቤተመቅደስ ክፍሊ መንበረ ታቦት ከይዶም ከምዝጽልዩ ንሓዋርያዊ ጒዕዞም ፈጺሞም እንክምለሱ ከኣ ቀዳመይቲ ዝገብርዋ ምስጋና ንምቅራብ ናብዛ ባዚሊካ ምኻድ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።
23 Jul 2022, 19:27