ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ኡክረይን ሰማእትነት ከም ዘሎ ኣይንረስዓዮ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዝተፈላለየያ ማሕበራት ልኡካነ ወንጌል ወኪሎም ኣብ ነናይ ንፍሲ ወከፍ ናይዘን ማሕበራት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ስቓይ እቶም ውግእ ኣብ ዘለሉ ከባቢ ዓለም ዚነብሩ ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዓመጽን ህስያን ዘለዋ “ኢተጻዋሪ” ዝዀነ እትኽተሎ መስርሕ ብዕምቆት ከም ዝዘከሩን ከምኡ እውን ነቲ ማሕበራዊ ህይወት ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን “ዝቐትልን ዘጥፍእን” በለካን ለኸዓካን ሕሜታን ቦታ ከይረክብ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተወከልት ሰለስተ እተፈላለያ ማሕበራት ልኡካነ ወንጌል በቢ ወገነን ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ሓፈሻዉ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፡ ቅዱስነቶም ነቶም ውግእ ኣብ ዘለሉ ስፍራ ዚነብሩን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ብትኽተሎ “ጸዋር ዘይብሉ” መስርሕ ኣቢላ እትቃለሶ ዘላ ህስያን ዓመጽን ክጠፍእን በዚ ህስያ መሰረት ብዙሓት ዘሕልፍዎ ስቓይ ዘኪሮም፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ዩክረይን ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ንስቓይ ዝዳረጒ ዘለዉ ብፍሉይ ከም ዝሓስቡ እውን እንከረጋግጹ፥ ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ፥
ኣነን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ቀረባዅም ምዃንና ከረጋግጸልኵም እደሊ፡ ብእተኻእለ መጠን ድማ ኣብ ስቓይኵም ንሓብርን ነሰንየኵምን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአ ዘሎ ከቢድ መዓት እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ጽንኵር ኵነት ምርሳዕ እዩ። ነዚ ስቓይ ከም ልሙድ ጌርና ኣይንቀበሎን ኣይንለማመዶን . . . ኣብ ጋዜጣታትን መራኸቢ ቡዝሓንን ቀዳማይ ገጽ ዝወሃቦ ዝነበር ውግእ ዩክረይን ድሮ ኣብ ገጽ ትሽዓተ ወሪዱ ክርኢ እንከለዅ ብርቱዕ ሓዘን እዩ ይስምዓኒ . . . ቀረባዅም ኢና . . . ጐይታ ኪርሕርሓልኵም ብሰላሙን ውህበት ሰላምን ኪቐርበኩም ድማ ተስፋ እገብር . . .
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ክንጻወሮ ዘይግብኣና
ቅዱስነቶም ካልእ ኣብቲ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ዘጒልሕዎ ህጹጽነት ከኣ፡ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉድ ክህነትን ገዳማውያንን ዝፍጸም ህስያ ዝምልከት ኪኸውን እንከሎ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ እውን ቤተ ክርስቲያን ህስያን ዓመጽን ፈጺሙ ተጻዋርነት ዘይብሉ እትኽተሎ ጽንኩር መስርሕ ኣቢላ እትዋግኦ ከም ዘላ ዘኪሮም፥
ገዳማውያን ኣባላት ደቂ ማሕበር ኢና ሰባት ናብ ኢየሱስ ዘብጽሑ ካህናት ደኣ እምበር ንሰባት ብናይ ገዛእ ርእስና ህርፋን ጾታዊ ምንዮት ዘህልኵ ኣይኮናን . . . ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብረ እከይ ንምኹናን ንምቃላዕ ኣይትፍርሑ። ንኣኻ ሓጥእ ግብረ እከይ ዝፍጸምካ አሰንየካ ይዅን እንበር ንኻልኦት ካብዚ ከምዚ ዝስኣመሰለ ህስያን ዓመጽን ከዕቁቦምን ክከላኸለሎምን ኣሎኒ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ህስያ ተጻዋርነት ኣይሃልዅም ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምቕያር ዝፍታሕ ኣይኰነን ሓደራ!
ሕሜት ይቐትል
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ብኻልእ መዳይ እውን ሓጐስ ማሕበራዊ ህይወት ዘኪሮም፡ ነቲ ናይ ማሕበራዊ ህይወት ሓጐስ ዘሰናኽል እቲ ዝዓበየ ሓደጋ እንክዝክሩ፥
ሕሜታን በለካን ለኻዓካን ሰብኣዊ ኣይኮነን፡ ሕሜት ዕምቈት ሰብ የህስስ . . . ልሳንና ንሓሉ! ኣብ ሓደ ማሕበር ወይ ገዳም ካብ ሕሜት ምራሓቕ ቀሊል ከም ዘይኮነ እፈልጦ እየ። ሓደ እዋን ካብ ሕሜት ንኽትርሕቕ ዝሕግዝ መድሃኒት ከም ዘሎ ሰማዕኩ፡ ንሱ ኸኣ ምልሓስኻ ቆርጥማ ዝብል ምዕዶ እዩ ነይሩ። መልሓስካ ምቝርጣም የሕምም እዩ። በጃኻትኵም ካብ ሕሜት ረሓቑ። ሕሜት ይቐትልን የዕንውን እዩ፥ ሓደራ ካብ ሕሜት ንቆጠብ!
ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ወንጌላዊ ሕውነት
ወንጌላውነት ሕውነት ሓሴት፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ነቶም ተጋባእያን ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ደጋጊሞም ዘስመሩሉ ሓሳብ “ናይ ኢየሱስ ምዃን” ዝብል ኮይኑ እዚ ሓሳብ እዚ እውን ብኣኡ ከም እተመሓርናን ይቕረ ከም እተበሃልናን ምስ ዝብል እማኖ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ ሓጐስ ዘንጸባርቕን ተመሓላላፍን እውን ምዃኑ እንክሕብሩ፥
ሓሴት ቅዱሳትን ቅዱሳንን መስረቲ ማሕበራት ብውልደት ኣይኮነን ነቲ ሓጐስ ዘጥርይዎ ካብ ምውላዶም ኣይኮነን፡ መስራትቲ ማሕበር ኮይንካ ኣይትውለድን፥ ንሰባት ናብ ክርስቶስ ዘብጽሑን ዘሰንዩን እያቶም፡ እቲ ቕዱስ ወትሩ ናብ ጐይታ ደኣ እምበር ናብ ርእሱ ዝማርኽ ኣይኮነን ስለዚ ትሕትና ክፉት ልብን ሓጐስን ይሃልዅም። እዚ ናይ ሓደ ወንጌላዊ ማሕበር ፍኖት እዩ። ንሰብ ዝከኣል መገዲ እኳ እንተዘይኮነ ብኣምላኽ ግና ዝከኣል እዩ!
ንመንፈስ ጽን ምባልን ምስማዕን
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ሓደ ማሕበር ማሕበራዊ ልልያን ኣስተውዕሎን ዝግብረሉ ኵነት እዩ፡ ስለዚ ሎሚ ካሳዕ ክንደይ ነቲ ናይቲ ማሕበር መንፍሳዊ ዕላማ እሙን ምዃንካ ንምርግጋጽ ንመንፈስ ሓቂ እትሰምዓሉን ጽን እትብለሉን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ስለዚህ እቶም ተጋባእያን ነዚ ዝፍጽሙ ምዃኖም ኣተሓሳሲቦም፡ ሓፈሻዊ ጒባኤ ኣዚዩ ዘደንቕ ኤቅለስያዊ ኵነት እዩ። ንቤተ ክርስቲያን ንምህናጽ ስለ ዝሕግዝ ድማ ብብርሃን ወንጌል ክትርጎም ኣለዎ፥
ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸዋዕታ ወንጌላውነት እዩ። ብሓቂ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓጐስ ወንጌላውነት ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ፡ እዚ እውን ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብታ ኣገልግሎት ወንጌል ኣብ ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ዘመላኽተዎ ሓሳብ እዩ።
ወንጌላውነት መስድዒ ኣይኰነን
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዒሎምን ተመሪሖምን ወንጌላውነት ዝፈጸሙ ቅዱሳት ዘኪሮም፡ በዚ መንፈስ እዚ ዝጸለዩን ዘገልገሉን እውን ምዃኖም እንክሕብሩ፥
ስለዚ እቶም መስረትቲ ማሕበር ወንጌላውያን ደኣ እምበር ሃይማኖት ዘስድዑ ኣይነበሩን ወንጌላውነት ምስ ምስዳዕ ሃይማኖት ዋላ ሓደ ርክብ የብሉ፥ ወንጌላውያን ደኣ እምበር ኣስዳዕቲ ሃይማኖት ኣይትዅኑ!
ሓሴት ማሕበራዊ ህይወት
ብቐዳምነት ንኣምላኽ ድየ ዘምልኽ? እንታይ ኢየ ዘምልኽ? እንታይ ከም ዘምልኽ እፈልጥ ድየ? ዝብል ሕቶ ነቶም ተጋባእያን ኣቕሪቦም፡ ኣስዒቦም እውን ብዛዕባ ሓጐስ ማሕበራዊ ህይወት ዝምልከት ሕቶ ብምቕራብ፥ ሓጐስ ማሕበራዊ ህይወት ንኣተሓሳስባ ዓለም ዘይሓስብ ዓቢይ ናይ ሓባራዊ ህይወት ብድሆ እዩ፡ መዓልታዊ ምልዋጥ ዝሓትት ገዛእ ራስኻ ኣብ ሕቶ እተእትወሉን ነዚ ድልው እትዀነሉን ተጻዋርነትን ምቅብባልን ዝሓትት እዩ። ልዕሊ ኵሉ ድማ ትሕትናን ክፉት ልብን ዝሓትት ህይወት እዩ . . .
ኣብ ጸዋዕታይ ሕጉስ ድየ ወይ ከኣ ነዛ ሓጐስ እዚኣ ኣብ ካልእ እየ ዘናድያ፥ ሓቀይና ሓጐስ ከምቲ ብልማድ ብዝግበር ፍሽኽታን ክምስታን ዝግለጽ ኣይኮነ . . . ሓቀይና ሓጐስ እቲ ሰብ ሰርሖ ኣብ ወግዓዊ ኵነታት ዝንበር ደጋዊ ፍሽኽታ ዚገልጾ ኣይኰነን . . .
ምስ በሉ ናብ መንፈስ ቅዱስን ቅድስቲ ማርያምን ጸሎቶም ኣቕሪቦም፡ ነቶም ተጋባእያን ድማ እቲ ዝፍጽሞ ኣገልግሎት ከቢድ እዩ እሞ ሓደራዅም “ምእንታይ ጸልዩ” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።