ድለ

POPE-YOUTH/ POPE-YOUTH/ 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንመንእሰያት “ንዓለምና ሓድሽ መልክዕ ኤውሮጳ ኣቅርቡ”

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሪጳ ዋዕላ ኣብ “ፕራግ” ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ ንዝተጋብኡ መንእሰያት ንዓለምና ከቅርብዎ ዘለዎም “ሓደሽ ገጽ ኤውሮጳ” ማለት ንኹሉ እትሓቁፍ፡ ምህሮ ዝጸገበት፡ ኣብ ከባቢኣ ውግእ እናተኻየደ ንዓመጽ ከም “ትርጉም ኣልቦ” ክትነጽግ ዘይእግማ ኢያ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ዝተማሕጸንዎ፡ ንዓለምና ሓድሽ መልክዕ ኤውሮጳ ኣቅርቡ ኢሎም። እዘን ረዘንቲ ቃላት  እዚኣተን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዋዕላ መንእሰያት ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ ዝተላእከ መልእኽቲ፡ ኣብ ቺኮስላቫክያ  ዋና ከተማ ፕራግ፡ ንመንእሰያት ምምሃር ዝሓሸ ዓለም ንምፍጥር ኢዩ፡ካብ ዝብል ትምህርቶም ዝተወስደ ኢዩ።

ሓድሽ መልክዕ ኤውሮጳ

ቅዱስ ኣቦና ብፍልይ ዝበለ ኣብ ዓለምና፡ ብጥርኑፍ ዝበለ ኣገባብ ዝወሃብ ትምህርቲ እናዘኻኸሩ ነቲ ብ2019 ብቅድስቲ መንበር ዝተኣወጀ እናዘከሩ፡ እቲ መበገሲ ምትብባዕ ጥምረት ኣብ መንጎ ኣብ ዓለምና ዘለዉ መምሃራን ኮይኑ፡ ንንኡሳን መንእሰያት ብሕውነታዊ መንገዲ ከምህርዎም እሞ እዚ ከኣ ዝሓሸ መንገዲ ንምሕናጽ ክፍለ ዓለምና ይኸፍት።

“መንእሰያት ኤውሮጳ” ብሓይሊ ድምጺ ዝበልዎ “ንስኹም ኣዝዩ ኣገዳሲ ተልዕኮ ኣሎኩም።” ኣብቲ ዝሓለፈ ዘመናት ቀዳሞት ወለድኹም ናብ ካልኦት ክፍለ ዓለማት ከይዶም እንተኾይኖም፡ እዚ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንናይ ግሊ መኽሰብ ዘይኮነስ፡ ሕጂ ከኣ ንዓለምና ሓድሽ መልክዕ ኤውሮጳ ከተቅርቡላ ግዜኹም ኢዩ።” ኢሎም።

ኣብቲ ሰኑይ ዝተሓትመ መልእኽቲ፡ ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ናብቲ ዝለዓለ ብቅዓት ዓሊሞም ክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ከኣ ንኻልኦት ክትሕግዝን ክትቅበልን ንዝብል ሓሳብ ዘማእከለን ንከባቢ እናተኸላኸልካን ክኸውን ኣለዎ።

ቅዱስ ኣቦና ከባቢ ክሕልዉን ክዕቅቡን ብምምሕጻን፡ ነታ ብ2015 ዝወጸት ዓዋዲት መልእኽቲ “ዝተመስገንካ ኲን” እትብል ከንብብዋ ተማሕጺኖም።

ትርጉም ንዘይብሉ ውግእ ብሕልና ምቅዋም

ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ትርጉም ኣልቦ ውግእ ብጓሂ ብምዝካር፡ እዚ ኩነት እዚ ኣብዛ ክፍልዓለም ቅድሚ ሕጂ ብብዝሒ ንዝተገረ ዝሰዓበ ኢዩ። ንኣድላይነት ጥርናፈ ኤውሮጳ ብምዝካር፡ እዚ መስርሕ እዚ ን70 ዓመታት ዝወሰደ ጉዕዞ ሰላም ኔሩ።

“ኣብዚ ሕጂ ግዜ ኩልና ነዚ ኣዝዩ መርዕድ ዝኾነ ውግእ ክዛዘም ክንውፈ ኣሎና፡ ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ውሑዳት ሓያላት ሰባት ብምውሳን ኣሽሓት ንኡሳን መንእሰያት ክዋግኡ ክመቱን ዝሰዱል እዚ ክዛዘም ንወፈ። ኣብ ከምዚ ኲነታት እምቢ ምባል ቅኑዕ ኢዩ።”

“ሓደ ሰብ ከምዘበሎ፡ እዛ ዓለምና ብደቀንስትዮ ትምራሕ ኔራ እንተትኸን፡ ውግእ ኣይምበዝሔን፡ ምኽንያቱ እተን ተልዕኮኤን ሕይወት ምሃብ ዝኾነ፡ ምቅታል ኣይመርጻን ኢየን።” ኢሎም።

ብተወሳኺ፡ ከምኡ’ውን እዛ ዓለምና ብመንእሰያት ትምራሕ ኔራ እንተትኸን ውግእ ብብዝሒ  ኣይምሃለወን።” መጻኢ ሕይወቶም ኩሉ ኣብ ቅድሜኦም ጌሮም፡ ከዕንውዎን ክዘርግዎን ኣይምተረኽቡን ብምልኣት ደኣ ምነበርዎ ኢሎም።

ብፁዕ ፍራንዝ ጃገርስታተር

“ሓደ ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ሰብ፡ “ኣይከውንን እምቢ” ምስ ዝብለ ተቃዋሚ መንእሰይ ኤውሮጳዊ ከፋልጠኩም፡ ንሱ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣንጻር ናዚ ዝተቃለሰ ኮይኑ ስሙ ፍራንዝ ጃገርስታተር ኢዩ ዝበሃል፡ ብልሂቅ ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ከኣ ብፁዕ ተባሂሉ ኣሎ።

“ፍራንዝ ንኡስ ኣውስትራዊ መንእሰይ ኢዩ፡ ብሰንኪ ካቶሊካዊ እምነቱ ሕልናዊ ተቃውሞ ብምግባር ናብ ሂትለር ምእማንን ምምሓልን፡ ናብ ውግእ ምእታው  ዝተቃወመ ኢዩ። ንኡስ መንእሰይ ከሎ ሕጉስን ፍትውን ኣይግዳዱን ኢዩ ኔሩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ናይ ብስለት ደረጃ ምስ በጽሔ፡ ክብሪ ይብጽሓያ ንሰበይቱ ፍራንዚስካ፡ ሕይወቱ ብፍጹም ከምዝልወጥ ብምግባር 3ተ ውሉድ ዝሓደገ ኢዩ። ናብ ውትህድርና ክኽይድ ምስ ተጸውዔ ኣበየ፡ ምኽንያቱ ንጹሓት ሰባት ምቅታል ዘይፍትሓዊ ዘይፍትሓዊ ኢዩ ብምባል።”

ውሳኔ ፍራንዝ፡ “ሃንደበታዊ ኣዝዩ ከቢድ ተቃውሞ ኣልዓለ” ካብ ሕብረትተሰቡን፡ ኣመሓዳሪ ከተማን ከባቢኡን ውላውን ካብ ኣዝማዱ ተቃውሞ ኣልዓለ።

ብፁዕ ፍራንዝ፡ ኣብቲ ዘመኑ ዝነበረ ሉተራዊ ምሁር ትምህርተ መለኮትን ኣንጻርን ናዚ ዝነበረን (ደትሪኽ ቦንሁፈር) ኣብ ዝተኣስረሉ ቤት ማእሰርቲ ተዳጎነ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ተመሳሳሊ ዘሕዝን ፍጻሜ ዘጋጠሞም ኢዮም።

እዞም ክልተ ወነንቲ ሰፊሕ ራእይ ዝኾኑ መንእሰያት፡ ዝተቀትሉሉ ምኽንያት፡ ኣብ ቃላት እምነቶም ክሳብ መወዳእታ ስለዝጸንዑ ኢዮም።

ትርጉም ሕይወት ሓቂ ካብ ምድላይ ኢዩ ዝነቅል

ኣብ መልእኽቶም ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ትምህርቲ ብምትኳር፡ እዚ ማለት ገዛእ መንነትካ ንምፍላጥ ወሲኽካ፡ ንኻልኦትን ንተፈጥሮም ምፍላጥ ብምክታት፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንጀማርን ደምዳምን ኩሉ ነገራት ምፍላጥ የድሊ ኢሎም።

“ክቡራን ንኡሳን ኤውሮጳውያን” “ንላዕልን ኪኑኡን ክጥምቱን እዕድመኩም፡ እዚ ከኣ ነቲ ሓቀኛ ትርጉም መንነት ሕይወትኩም ንምድላይ ኮይኑ፡ ካበይ ከምዝመጻእኩምን፡ ናበይ ከም እትኸዱን ምግንዛብን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ሓቂ ኣላ፡ ምኽንያቱ ንሓቂ እንተዘይደለናያ ፍጹም ክነብር ኣይከኣልን። ኣእጋርኩም ብምልኣት ኣብ መሬት ረጊጽኩም መርሹ፡ እንተኾነ ግን ብርሒብ ትዕዝብቲ፡ ንደረት ትርኢት ክፉታት ኩኑ።”

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ፡ ንመንእሰያት ዝሓሸ ሕብረተሰብን ዝሓሸ ዓለም ክሰርሑ ይጽውዑ።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 Jul 2022, 16:50