ር.ሊ.ጳ ኣብ ካንዳ ምስ መበቆላውያን ደቀባት ክራኸቡ እዮም! ፓሮሊን
ዜና ቫቲካን!
ብፁዕነቶም መግለጺኦም እንክጅምሩ ‘ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ካናዳ ዘሕልፍወን ሽድሽተ መዓልቲ ኰይኑን ጽዑቅ ስራሕ ዚሓታ ብምዃነን ብዕቱብ ይሰናደው ኣለው’ ብማለት ናይቲ ሓውጾተ ኖልዎ ክበድ ይገልጹ። ምስዚ ኣተሓሒዞም ሃገረ ካናዳ ኣብ ዝሓለፈ ብዙሕ ዝቈሰለ ሕዝቢ ዘለዋ ምናዳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ቀንዲ ደቂኣባት ዝኾነ ነበርቲ እቲ ዓዲ ብፖሎቲካስ ይኹን ብባህሊ ብጣዕሚ ከምዝተወጽዑ ዝገደደ ከኣ ቤተክርስትያን እውን ኣብዚ መቊሰልቲ እዚ ኢድ ምህላዋ ምዃኑ ይገልጹ እሞ ንቅዱስነቶም ዝጽበዮም ዘሎ ዓቢ ግድል እዚ መቊሰልቲ እዝን እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ምሕዋይን ዕርቅን ጒዕዞ ምዃኑ ገሊጾም። ብቀዳምነት ቅዱስነቶም ዝገብርዎ ከኣ ነዚ ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ቅርበቶም ምግላጽን ምሳኦም ሓቢሮም ብምጽላይ ብሓቂ ኣብ መንጎኦም ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ኰይኖም ክርከቡ እዩ ኢሎም።
ብቀንዱ ነቶም ብዙሕ ዝቆሰሉ መበቆላውያን ደቂ ኣባት ክረኽቡ ምሳኡ ከኣ ነታ ናይ ክልል ቤተክርስትያን እውን ክበጽሑ እዩ። ከመይ ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ሰንበት ናብኣቶም ኣብ ዝለኣኽዎ ቃላት ‘ብስም ኢየሱስ ኣብ ማእከልኩም ክርከብ ንደቂ ኣባት ክሓቊፍ ክመጽእ እየ’ ኢሎምዎ ከምዝነበሩ ኣብ ሃገረ ካናዳ ዝርከቡ መበቆላውያን ደቂ ኣባት ከምቲ ኣብ ኣማዞንያን ኣውትራልያን ዝርከቡ ደቂኣባት ዝጽገምዎ ንባህሎም ከህስሱሎም ብዙሕ ፖሎቲካውን ባህላውን ተጽዕኖ ዘሕለፉን ገና እውን ዘሕልፉ ዘለውን እዮም።
ቅዱስነቶም ከኣ ከም ማንም መንፈሳዊ ነጋዲ እኳ ደኣ ከምቲ ባዕሎም ዝበልዎ መንፈሳዊ ንግደት ንስሓ ዝፍጽም ማንም ሰብ ኰይኖም ኣብ መንጎኦም ክርከቡ ቅርበቶም ክገልጹ ምስኣቶም ብሓባር ክጽልዩ እዮም እንክብሉ ነቲ ኣብ ናይ ትማሊ መደብና ዝገልጽናዮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መወዳእታ 1800 ከማኡ እውን ኣብ ምጅማር 1900 ኣብ ኣሕዳሪ ቤትትምህርታት ብውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ዓመጽ ይቅሬታ ዝሓተቱሉ በዚ ከኣ ናይ ምሕዋይን ዕርቅን ጒዕዞ ከምዝጀመረ ነዚ ንምድንፋዕ እዚ ሕጂ ዝገብርዎ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝሕግዝ ገሊጾም።