ድለ

ስለቲ ብሰንኪ ብዙሓት ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝወረደ ክፍኣት ብትሕትና ምሕረት እሓትት! ር.ሊ.

ቀዳማይ ቆጸራ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ካናዳ ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ሓውጾተ ኖልዎ ናብ ማስክዋሲስ ብምኻድ ምስ ተወከልቲ መቲስ ኢንዊትን ፈርስት ነይሽስን ዝበሃሉ መበቆላውያን ደቀባት ተራኺቦም ነቲ ከም ሓደራ ናብ ሮማ ምስ መጹ ዝገደፉሎም ጥላም ሳእኒ ኣረኪቦም ይቅረታ ሓቲቶም እዚ ይቅረታ እዚ ብሓባር ንምጒዓዝ ቀዳማይ ስጉምቲ ኰይኑ ዝሓለፈ ስቃይ ፈውሲ ንሕውየት መጻኢ ብሓባር ንጐዓዝ እንክብሉ ዘቅረብዎ ምሉእ እነሆ።

ዝኸበርክን ጠቅላሊት ኣመሓዳሪት! ዝኸበርኩም ቀዳማይ ሚኒስተር!

ዝኸበርኩም ደቂኣባት ማስክዋሲስን ናይዛ ቦታ ካናዳ ነበርትን

ዝኸበኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!

ኣብ መንጎኹም ንክርከብ ብዙሕ ተጸቢይ! ካብዚ ዘሕዝን ኩነት መንፈሳዊ ንግደት ንስሓ ክጅምር ወሲነ፤ ኣብ ትውልዲ ሃገርኩም መጺኤ ብኣካል ክሳብ ክንደይ ከምዝሓዘንኩ ክገልጸልኩምን ካብ እግዚአብሔር ምሕረትን ሕውየትን ዕርቅን ንክምህለልን ንኣኻትኩም ቅርበተይ ንምግላጽን ምሳኹምን ም እንታኹምን ንክጽሊ ኣብ መንጎኹም እርከብ ኣሎኹ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ሮማ ምሳኻትኩም ዝገበርክዎ ርክብ እዝክር፡ ኣብቲ ግዜቲ እቲ ከም መዝኻኸሪ ክልቲ ጥላም ሳእኒ ከም ምልክት ናይቲ ደቂኣባት ሕጻናት ዝተቀበልዎ ዝሓለፈ ስቃይ ብሕልፊ ካብቲ ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ንገዛኦም ክምለሱ ዘይከኣሉ ዝኽሪ ተቀቢለ። ከምቲ ሓደራ ዝበልኩምኒ ኸኣ ሒዘየን መጺኤ ኣሎኹ ኣብ ፍጻሜ ዘረባይ ከረክበኩም እዩ። ካብዚ ምልክት እዚ ክነቅል ምደለኹ። ነዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ነዚ ምልክት እዚ እንክርኢ ብዙሕ ስቃይ ቊጠዓን ሕፍረትን ከምዝስመዓኒ ገሩ። ዝኽሪ ናይቶም ዝተወጽዑ ሕጻናት ድሕሪ ደጊም ነፍስወከፍ ሕጻን ብፍቅርን ብክብርን ንምክንኻን ንክንሰርሕ ይምሕጸነና። ብካልእ ወገን እተን ጥላም ሳእኒ ናይ ጒዕዞ ምልክት እውን ስለዝኾና ብሓባር ንጐዓዞ ጉዳይ ኣሎና ማለት እዩ። ብሓንሳብ ምጒዓዝ ሓቢርካ ምጽላይን ሓቢርካ ምስራሕን የድሊ፣ በዚ ከኣ ዝሓለፈ ስቃይ ፍትሕን ሕውየትን ዕርቅን ንዘለዎ መጻኢ ቦታ ክገድፉ እዮም።

እነሆ እምበኣር ቀዳማይ ስጒሚ ኣብ መንጎኹም ናይ ዝገብሮ መንፈሳዊ ንግደት ኣብዚ ብጥንቲ ብጥቅምቲ ደቀባት ዝነበሩሉ ስፍራ ተርኺብና ኣሎና። ዝዛረብ መሬት ተዝካር ክንገብር ዝዕድም መሬት እዩ።

ተዝካር ምግባር፥ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዛ መሬት እዚኣ ንኣሽሓት ዓመት ነታ መሬት ብዘኽብር ኣገባብ ነቢርኩም፣ እዛ መሬት እዚኣ ካብ ዝሓለፉ ወለዶታት ዝተረከብኩማን ንመጻኢ ወለዶ እትዕቅብዋን ኰይና ከምቲ ፈጣሪ ክትዕቅብዋን ምስ ካልኦት ክትካፈልዋን ንኩሉ ፍጥረት እናፍቀርኩም ብውህደት ክትነብሩን ዝዓደለኩም ፍጡር ኩሉ ብዘደንቅ ምትእስሳር ይካየደላ። በዚ ከምዚኸስ ስምዒት ስድራቤትን ማሕበረሰብን ክተደንፍዑ ኣብ መንጎ ወለዶታት ከኣ ጽኑዕ ምትእስሳር ከምዝህሉ ብምግባር ከኣ ንሽማግለታት ዘኽብር ንናኣሽቱ ዝከናኸን ባህሊ ፈጢርኩም። ክንደይ ጽቡቅ ልማዳትን ትምህርትን ዘይብልኩም! እዚ ከኣ ኣቶኩሮኻ ኣብ ካልኦት ብምግባር ንሓቂ ብምፍቃር ትብዓትን ኣኽብሮትን ትሕትናን ቅንዕናን ተኣጊብካ ኣብ ጥበብ ሕይወት ዝምስረት ናብራ ኣጥሪኹም።

እንተኾነ እዚኤን ኣብዚ መሬት እዚ ዝበቆላ ቀዳሞት ስጉምታት እኳ እንተኾና ዝኽሪ ናብተን ድሕሪኤን ዝተፈጸማ ዘሕዝና ተግባራት ይወስደና። እዚ ደው ቢልናሉ ዘሎና ቦታ ናይ ስቃይ ገዓር የቃልሕ ኣሎ፣ እዚ ኣውያት እዚ ኣብዘን ዝሓለፋ ወርሓት ካብ ሃመይን ቀልበይን ኣይተፈልየን። ብዙሓት ካብቲ ስቃይ ዝወጻእኩም ዝተቀበልኩምዎ ኣደራዕ ስድራቤታትኩምን ማሕበረሰብኩምን ኩሉ እቲ ኣብ ሮማ መጺእኩም እንከሎኹም ኣብ ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዘጋጠመ ቢልኩም ዘካፈልኩምኒ ደጋጊመ እሓስቦ። ጸጸኒሑ ዝቅጀል ስንባደታት ኰይኖም ኣብ ዝኾኖ ግዜ ዝኽሮም ክመጸካ ይከኣል ሎሚ እውን እንተኾነ እዚ ናትና ምርኻብ ነቲ ዝኽርን መቊሰልትን ዳግም ክቅስቅሶ ይኽእል ብዙሓት ካባኻትኩም እውን ኣነ ክዛረብ እንከሎ ክጽገሙ ይኽእሉ። እንተኾነ ተዝካር ምግባር ፍትሓዊ እዩ ከመይ ምርሳዕ ናብ ሸለልትነት ከውድቀና ይኽእል። ከምቲ ቪዘል ዝብሎ ‘ተጻይ ፍቅሪ ጽልኢ ዘይኮነት ሸለልትነት እዩ፣ ተጻይ ሕይወት ከኣ ሞት ዘይኮነ ንሕይወት ወይውን ንሞት ሸለል ምባል እዩ’ ነገሩ፣ ስለዚ ኣብቲ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተፈጸመ ዓገብ ሽሕ’ኳ ሸቅ ዘብለናን ዘቈጠዓናን ዘሳቅየናን እንተኾነ ዝኽሪ ናቱ ምግባር ግን ኣድላዪ እዩ።

ናይቲ ሽዑ ፖሎቲካ ምህሳስን ምጽናትን ኣብቲ ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ከይተረፈ ንሕዝቢ እዚ መሬት እዚ ክሳብ ክንደይ ኣዕናዊ ምንባሩ ምዝካሩ ኣድላዩ እዩ። ኤውሮጳውያን ኮሎንያሊስት ንመጀመርያ ግዜ ኣብዚ ምስ በጽሑ ነቲ ዝነበረ ባህልን ልማዳትን መንፈሳውንትን ኣዋሃሂድካ ከመይ ዝበለ ዓቢ ምዕባለ ክትፈጥር ዕድል ነሩ። እንተኾነ ብዓቢኡ ኣይተፈጸመን። ዝቅጀለኒ እቲ ዘዘንቱኹምለይ ማለት ንካልእ ዘህስስ ናይቲ ሽዑ ፖሎቲካ ንደቂባት ከመይ ገቢሮም ከምዘወገኑኹም ብጉልባብ ኣሕዳሪ ቤትትምህርቲ ቋንቋኹምን ባህልታትኩምን ከምዝሃስስን ከምዝጽቀትን ገቢሩም ሕጻናትኩም ኣካላውን ቃላውን ስነሓሳባውን መንፈሳውን ዓመጽ ከምዝወረዶም ዝገደደ ከኣ ውሉድ ቢሎም ምስ ወለዶም ኪዓብዩን ኪሕንቅቁን ዝነበሮም ምስ ወለዶምን ኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ደቂሓውቦታቶምን ከምዘይራኸቡ ገሮም ከመይ ቢሎም ይምንጥልዎም ከምዝነበሩ ዘሕዝን እዩ።

እዚ ኩሉ ዘሕዝን ነገራት ኣብ ውሽጢ ልብኹም ሒዝኩምዎ ትጐዓዙ ንዝነበርኩም ኣርዑት ኣውጺእኩም ነዛ ደማዊት ዝኽሪ እዚ ምሳይ ብምክፋል ኣብ ልበይ ከምዝኣቱ ስለዝገበርኩም ከመስግነኩም እደሊ። ሎሚ ከኣ እነሆ ኣብዛ ነዚ ክፉት ጥንታዊ ቊስሊ ዓቂባ ዘላ መሬት ምሳኹም ኣሎኹ። ኣብዚ ንክህሉ ዝገበረኒ ቀዳማይ ስጉምቲ ክኸውን ኣለዎ ዝበልክዎ ኣብ መንጎኹም ኰይኑ መንፈሳዊ ንግደት ንስሓ ክገብርን ነታ ኣብ ሮማ ዝሓተትኩኹም ምሕረት እንደገና እንክሓተኩም ብምሉእ ልበይ ዝብለኩም ብጣዕሚ ቈሲለን ሓዚነን ነቲ ብዙሓት ክርስትያን ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኮሎንያዊ ኣተሓሳስባ ዝሓዞም ሰበሥልጣን ኣብ ልዕሊ ደቀባት ንዝግበር ዝነበረ ጸቅጢ ዝደገፉ ምሕረት እልምን። ብሓቂ ጒህየ ኣሎኹ። ምሕረት እሓትት ኣሎኹ! ምናዳ ከኣ ብዙሓት ኣባላት ቤተክርስትያንን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ብምትሕብባሮም ከማኡ እውን ነቲ ባህሊ ንምዕናውን ንናይ ዘመነ ግዝኣት ንምቅባል ኣብ ኣሕዳሪ ኣብያተትምህርቲ ዝግበር ንዝነበረ ፕሮጀክት ብዓይኒ ሸለልታ ምጥማቶምን ብምልኣሞምን ፍሉይ ምሕረት እሓትት።

ሽሕ’ኳ ፍቅሪ ክርስትና እንተነበረን ሒደት ዘይኮኑ ንኣገልግሎት እቶም ሕጻናት ኣብነታውያን ውፉያት እንተነበሩን ምስቲ ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ተኣሳሲሩ ዝነበረ ፖሎቲካ ግን ኣዕናዊ ሳዕቤን ነበሮ። ነዚ ጉዳይ እዚ እምነት ክርስትና ኣዕናዊ ጌጋ ተፈጺሙ ምስ ወንጌል ክርስቶስ ከኣ ዘይሳነ እዩ ይብለና። እቲ ከምዚ ዓይነት ባህላዊ ውርሻታትን ቋንቋን ሃብታም ባህልን ዝነበረ ንሕዝቡ ቅኑዕ ስምዒት ዜግነት ዝሃበ ብሱሩ ከምዝተባሕቈቈ ምፍላጥ ብጣዕሚ የሕዝን፣ ንስኹም ከኣ ኣደራዕ ሳዕቤኑ ትኸፍውልዎ ኣሎኹም። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ዘቈጥዕ ክፍኣተ ግብሪ ቤተክርስትያን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተንበርኪኻ ስለሓጢኣት ደቃ ምሕረት ትልምን። ሕፍረት ተጐልቢበ ኣነጺረ ክደግሞ እደሊ ስለቲ ብብዙሓት ክርስትያን ተጻይ ደቀባት ዝተገብረ ክፍኣተ ግብሪ ብትሕትና ምሕረት እልምን።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ብዙሓት ካባኻትኩምን ወከልትኹምን ይቅሬታ ምሕታት ናይ መወዳእታ መዓልቦ ከምዘይኮነ ትገልጹ። ምሉእ ብምሉኡ እሰማማዓሉ እየ። ቀዳማይ ክፋል ናይ ሓደ ጒዕዞ እዩ፣ መበገሲ እዩ። ኣነ እውን ንዝሓለፈ እናጠመትካ ምሕረት ምልማንን ነቲ ዝተገብረ ጒድኣት ክትክሕስ ምፍታንን በይኑ እኹል ከምዘይኮነ ይርድኣኒ እዩ። ብቀንዱ ናብ መጻኢ እናጠመትካ ከምዚ ዓይነት ኣይደገሙ ጥራይ ዘይኮነ ፈጺሙ ቦታ ዘይረኽበሎም ባህሊ ክትጥሪ ምብጋስ የድሊ። ሓደ ክፍሊ ናይዚ ጒዕዞ እዚ ድሕሪት ተመሊስካ ቅርዑይ ሃሰሳ ሓቂ ምግባር ነቶም ግዳይ ኣሕዳሪ ቤትትምህርቲ ኮይኖም ክሳብ ሎሚ በሰላ ኮይንዎም ንዘሎ ናይ ምሕዋይ ጒዕዞ ከምዝጅምሩ ምግባር የድሊ።

ናይዚ ቦታ እዚ ክርስትያንን ማሕበረሰብን መንነትን ተመኲሮን ደቀኣባት ክቅበሉን ከኽብሩ እጽሊ! እትስፎ ከኣ! ንክፈልጥዎምን ዋጋ ንክህብዎምን ጭቡጥ መንገዲ ተረኺቡ ብሓባር ምጒዓዝ ክመሃሩ ዘሎኒ ሠናይ ምንዮት እገልጽ። ኣነ ብወገነይ ካቶሊካውያን ኩሎም ንደቂኣባት ብዝምልከት ብዝበለጸ ንክተሓባበሩ ምትብባዐይ ክቅጽል እዩ። ኣብ ካልእ ቦታታትን ኣጋጣሚታትን ምሳኦም ብምርኻብን ጻውዒት ብምቅራባን ብሓዋርያዊ ምሕጽንታ ከይተረፈ ገቢረዮ እየ። ግዜን ትዕግስትን ከምዘድልዮ እፈልጥ እየ። ኣብ ልቢ ዝስቈሩ ከይድታት የድልዩ። በዚ መንገዲ እዚ ክንጐዓዝ ምሉእ ድላይ ከምዘሎና ዘረጋግጽ ናተይን ጳጳሳት ካናዳ ዘርእይዎ ተገዳስነትን ናይዚ ምስክር እዩ።

ዝኸበርኩም ኣዕሩኽተይ! እዚ መንፈሳዊ ንግደት እዚ ንመዓልታት ዝጸንሕ ኰይኑ ናብ ነንሕድሕዱ ዝተረሓሓቀ ቦታታ ክበጽሕ እኳ እንተኾነ ንኩሉ ዕድመታት ክምልሽን ናብ ብዙሓት ማእከላት ክበጽሕን ክበጽሕን ብዘይምኽኣለይ ከም በዓል ካምሉፕስ ዊኒፐግ ከማኡ እውን ሳስካትቸዋን ዩኮንን ዚኣመሰሉ ሰሜናዊ ምዕራባዊ ክፍልታት ክበጽሕ ኣይከኣልኩን፣ እንተኾነ ኩሎም ኣብ ጸሎተይን ሓሳባተይን ከምዘለው ከረጋግጸሎም እደሊ። ስቃዮም ዝወርዶም ኣደራዕን ምድሃልን ስምባዴን ዘጋጥሞም ብደሆታት ኩሉ ከምዝፈልጦ ተረድኡለይ። ኣብዚ መንፈሳዊ ንግደት ንስሓ ዝገብረሉ ዘሎኹ ግዜ ዝዛረቦ ንኩለን ነተን ብልበይ ሃጐፋይ ቢለ ዝቅበለን ማሕበረሰባት ደቂኣባት ዝምልከታ ምዃነን ፍለጡ።

ኣብዛ ቀዳመይቲ ታባ ንተዝካር ቦታ ክህብ ደልየ። ሎሚ ኣብዚ ዘሎኹሉ ምኽንያት ሕሉፍ ንምዝካርን ብሱቊታ ነዛ መሬት እናጠምትኩ ምሳኹም ክበክን ኣብ መቃብር ክጽልን እየ መጺኤ ዘሎ። እቲ ስቃይ ክስቈረና ሱቊታ ክሕግዘና ነፍቅድ። እወ ጸጥታ። ከማኡ እውን ጸሎት። ነቅ ዘይብል ክፍኣተ ግብሪ ኣብ ቅድሜኻ እንክግተር ንገባሬ ሠናያት ዝኾነ ኣምላኽና ንጽሊ። ኣብ ቅድሚ ሞት ንጐይታ ሕይወት ንጽሊ። ኣብቲ ኩሉ ተስፋታት በኒኑ ብኽያትን ሓዘንን ተስፋ ምቊራጽን ዝነበሮ መቃብር ኢየሱስ ነጥበ መቀይሮ ገቢሩ ቦታ ትንሣኤ ቦታ ዳግም ልደት ሓዲስ ታሪኽ ሕይወትን ኩለንትናዊ ዕርቅን ዝብገሰሉ ቦታ ገቢርዎ። ንክትሓውን ንክትዕረቅን ጻዕሪ በይኑ እኹል ኣይኮነን ጸጋ የድሊ፣ ትሑት ጥበብን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ የድሊ፣ ሓልዮት መጸናንዒ የድሊ። ናይ ልብታትና ትጽቢታት ዘዕግብ ንሱ ይኹን። ብኢድና ኣታትዩ ብሓባር ከምእንጐዓዝ ዝገብረና ንሱ ይኹን።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

26 Jul 2022, 16:52