ፍራንቸስኮ፥ እርጋን ኪሕባእ የብሉን የግዳስ ስልጣናዊ ትምህርቲ “ዛዕባ ተነቃፍነት” እዩ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዲዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጒባኤ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ እርጋንን ሕማምን ክሓብእ ዝመጣጠር ስልጣነ ብመሰረቱ ክቕየር ኣለዎ፡ ስለዚህ ነዚ ዝድግፍ ሓድሽ ባህልን ፖለቲካዊ ስርዓትን ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፥ እርጋን ካብ ኣምላኽ ጀሚርካ ገዛእ ርእስኻ ካልኦት ንዘቕርቡልካ ክንክን ኣሕልፍካ ምሃብ ማለት እውን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ሕማምን እርጋንን ከም ዕንቅፋትን ዘይምሹእን ገይሩ ዝምልከት ስልጣነ ካብቲ ኣረጋውያን ክምህርዎ ዝክእሉ፥ “እርጋን ስልጣናዊ ትምህርቲ “ዛዕባ ተነቃፍነት” ዝብል መርትዖ ክመሃርን በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ክቕየር ከም ዘለዎ ቅዱስነቶም ዕለት 1 ሰነ ነቲ ኣብ እርጋን ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ተኸታታሊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ኣጒሊሖም፡ ካብ ኣረጋውያን “ካብ ኣምላኽ ጀሚርና ንኻልኦት ናይ ምክንኻን ውህበት ገዛእ ርእስና ምውፋይ” ክንመሃር ከም ዘሎና የተሓሳስቡ፥
ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝፍጸም በደል
ነቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስነቶም ካብ መዝሙር ዳዊት ምዕ. 71 እተወስደ ዛዕባ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ዘቕርቦ ጸሎት መሰረት ኣበጊሶም፥
ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ሕብረተሰብ ናይ ፍርሂ ሊቅ ምዃን ሰፊሑ እዩ ዝርአ ዘሎ፡ እቲ ተጠቒምካ ምድርባይ ዝብል ጓሓፋይ ባህሊ፥ ኣረጋውያን ይድርበዩን በዚ ድማ ይሳቐዩን። እርጋን ንዝተፈላለየ በደላትን ምድንጋራትን ዘቃልዕ ኰይኑ ኣሎ!
ብዙሓት ብዛዕባ ኣረጋውያን፥ “ክብረቶምን መሰላቶምን በቲ ንማሕበረሰብ ጥቕሚ ዘይብሎም ከም ጾር ገይሩ ዝርእዮም ተጠቂምካ ምጉሓፍ ብዝብል ባህሊ” ንሓደጋ ዝቃልዑ ገይሮም እዮም ዝርእይዎም፥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣረጋውያን ክሳዕ ክንደይ ኣደዳ ምትላል ኪዀኑ ከም ዝኽእሉ ቅዱስነቶም ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት እውን ከይተረፈ ብዘይ ዕቝባ ወይ ብዘይ ክንክን ከም እተጠንጠኑ ካብ መራኸቢ ብዙሓን እንሰምዖን እንርእዮም ዘሎና ዘሕዝን ኵነት ምዃኑ ገሊጾም፥ ብተመሳሳሊ እዚ ሎሚ ዘሎ “እዋናዊ ስልጣነ” ሕማምን እርጋንን ክሓብእ ዝፍትን እዩ። ስለዚ እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ እዚ ክቕየር ኣለዎ። . . .
ኣብ ሓልዮት ኣምላኽ ምውካል
መዝሙረ ዳዊት እውን እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ኣብቲ ተኣማንነት ኪዳንን ሓልዮትን ኣምላኽ ዘለዎ ትውክልቲ ይገልጸልና፡ እቲ ንእርጋኑ ከም ስዕረት ገይሩ ዝርእያ ሽማግለ፥ “ኣብ ጐይታ ይውከል፡ ሓገዝ ከም ዘድልዮ የስተውዕል፥ ገጹ ናብ ኣምላኽ የብል”
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ኣረጋውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንዓኣት ንጐይታ ኢዶም ብምሃብ ዝነብርዎ ህይወት ኣብነት ክዀነና ይኽእል፡ ብህላወኦም ሕብረተሰብ ኣእምሩኡን ኣልባቡን ክኸፍት ከምኡ እውን ንዅሉ ደረጃ ህይወት ዘኽብርን ነፍሲ ወከፍ ኣባላቱ ምእንቲ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክዓይን ዝያዳ ፍትሓውን ሰብኣውን ሕብረተሰብ ንኽህነጽ ክድርዅ ይኽእሉ እዮም።
ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ኣረጋውያን ብሰንኪ ድኽመቶም ነቶም ኣብ ካልእ ደረጃ ናብራ ዝነብሩ ገዛእ ርእሶም ናብ ጐይታ ከወክፉ ከም ዘለዎም ክምህሩ ይኽእሉ ቢሎም፥
እርጋን ስልጣናዊ ትምህርቲ “ዛዕባ ተነቃፍነት” እዩ
ኣብ መደምደምታ፥ እርጋን ንብምሉኡ ዕምሪ ወድሰብ ብዜተኣማምን መገዲ “ተኣፋፍነትን ድኽመትን” ከም ዘሎ ዘረጋግጽ እዩ። እርጋን ብሓባር ንምንባርን ንጥቕሚ ዅሉ ሰብን ኣድላዪ ዝኾነ ንምሕዳስ ስልጣነና ወሳኒ ኣድማስ ዚኸፍተሉ” ትምህርቲ ኬመልክት ከም ዝኽእል እትሪሮም ገሊጾም ንዅሎም ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስን ንዝሓበሩ ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።