ትዕግስትን ህድኣትን ኢየሱስ ኣብ ጽጉም ግዜ ሠናይ ንምግባር ክንክተሎ ዘሎና ኣብነት እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃ 9.51 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኢየሩሳሌም ክድይብ እንከሎ ንሓዋርያቱ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ናይ ሰማርያ ክቅበልዎ ከሰናድው ልኢኽዎምስ እቶም ሰብ ዓዲ ምቅባል ምስ ኣበይዎም ያእቆብን ዮሃንስን ‘ጐይታይ፡ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ። ኢየሱስ ግን ምልስ ኢሉ፥ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ’ ዝብል ይርከቦ። ቅዱስነቶም እዚ ከምዚ ዓይነት ጸገም ንዓና እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ ስለዚ ንመዓጹ ልቦምን ዓዶምን ረጊጦም ምቅባል ኪኣብዩና እንከለው ክንዲ ሕርቃንን ዓተለበቀልን ነቲ ክንገብሮ ዝሓሰብና ሠናይ ነገር ብዘይ ምንም ሕማቅ ስምዒት ናብ ካልእ ክንገብሮ ኣሎና። በዚ ከምዚ ከኣ ኢየሱስ ከማኡ ህዱኣትን ዕጉሳትን ንምዃን ክሕግዘና ብዝገበርናዮ ሠናይ ነገር እንሕጐስን ምንም ዓይነት ሰብኣዊ ናእዳን ዘይንደሊ ክንከውን ኢና ኢሎም።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሎም ናብ ኢየሩሳሌም ኣይትኺድ ክቀትሉኻ ይማኸሩ ኣለው እናበልዎ ጽዋዕ ሕማማቱ ግድን ክቅበሎ ስለዝነበረ ቈሪጹ ናብ ኢየሩሳሌም ገጹ ይድይብ ነበረ። ንኩሉ ከሰናድው ከኣ ኣርድእቱ ቀቅድሚኡ ልኢኹ ነበረ። ኣብዚ ሁመት እዚ እዩ እታ ዘይዕውቲ ከተማ ሰማርያ እምቢ ኣይንቅበሎን ዝበለት! ብቀንዱ ምስ ኢየሩሳሌም ጽልኢ ስለዝነበሮም እዩ። ሓዋርያት ተቈጢዖም ከኣ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝሰማዕናዮ ኮነ። ኢየሱስ ናብ መሬት ዘምጽኦ ሓዊ ግን ሓዊ ፍቅሪ ሓዊ መለኮታዊ ምሕረት ሰማያዊ ኣቦኡ ነበረ። ነዚ ከኣ ብትዕግስትን ህድኣትን ከይተሓለለ ብቀጻሊ ብመንፈስ ንስሓ ክገብሮ ደለየ! እንተ ሓዋርያት ግን መንፈስ ቊጥዓ ይሓቅዮም።
ንገዛእ ርእስኻ እትመልከሉ ውሳጣዊ ሓይሊ!
እንተደኣ ብሓቂ ናይ ኢየሱስ እሙናት ኣርድእቲ ክንከውን ቈራጽነት ዝመልኦም ክርስትያን ክንከውን ደሊና ህድኣትን ትዕግስትን ልቢ ምዕባይን ብግዲ የድልየና። እዚ ከኣ ዘጋጠመ የጋጥም ሠናይ ነገር ንምግባር ወሲንካ ምኽኣል የድሊ። ትዕግስቲ ብኣመለኻኽታ ደቂ ሰባት ድኽመት ኰይኑ ክረኤ ይከኣል እንተኾነ እዚ ኣገባብ እዚ ዓቢ ውሳጣዊ ሓይሊ ይሓትት። እዚ ውሳጣዊ ሓይሊ እዚ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ መሊኽና ከም እንኽእል ይገብረና፣ ብቊጥዓ ኣይንሽንፈን፣ ኢየሱስ ከኣ ነታ ከተማ ገዲፉ ብህድኣትን ብትዕግስትን ናብ ካልእ ከተማ ገጹ ይጐዓዝ። ንሕና ሠናይ ነገር ንክንገብር ጽንዓቱ ክህበና እናተማህለልና ኣብነቱ ንከተል። እንተዘየሎ ኣብ ምረትን ቊጥዓን ክንወድቅ ከምዚከኣል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ኤኳዶር ዘሎ ተቋውሞ ከምዘሻቅሎም ድሕሪ ምግላጽ ነታ ኣብ ሃይቲ ዝተቀትለት ድንግል እግዚአብሔር ኣብ መንግሥቱ ክቅበላ ንማሕበራን ኩሎም ፈተውታን ጽንዓት ተመንዮም ወትሩ ከምዝገብርዎ ነቲ ብውግእ ዝደሚ ዘሎ ሕዝቢ ኡክራይና ከይንርስዕ ሓደራ ኢሎም።