ድለ

ትዕግስትን ህድኣትን ኢየሱስ ኣብ ጽጉም ግዜ ሠናይ ንምግባር ክንክተሎ ዘሎና ኣብነት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 26 ሰነ 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ዝሃብዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ ‘ሠናይ ነገር ክንገብር ኣብ ንብገሰሉ ግዜ መዓጹ ተረጊጡ እንክጸንሓና ዝርድኣና እንክንስእንን ክንቊጣዕን ሕነ ክንፈንድን ንደናደን! እንተኾነ ኢየሱስ ብኣብነቱ ገቢሩ ብህድኣትን ትዕግስትን ልቢ ኣዕቢና ክንመላለስ ይምህረና’ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃ 9.51 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኢየሩሳሌም ክድይብ እንከሎ ንሓዋርያቱ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ናይ ሰማርያ ክቅበልዎ ከሰናድው ልኢኽዎምስ እቶም ሰብ ዓዲ ምቅባል ምስ ኣበይዎም ያእቆብን ዮሃንስን ‘ጐይታይ፡ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ። ኢየሱስ ግን ምልስ ኢሉ፥ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ’ ዝብል ይርከቦ። ቅዱስነቶም እዚ ከምዚ ዓይነት ጸገም ንዓና እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ ስለዚ ንመዓጹ ልቦምን ዓዶምን ረጊጦም ምቅባል ኪኣብዩና እንከለው ክንዲ ሕርቃንን ዓተለበቀልን ነቲ ክንገብሮ ዝሓሰብና ሠናይ ነገር ብዘይ ምንም ሕማቅ ስምዒት ናብ ካልእ ክንገብሮ ኣሎና። በዚ ከምዚ ከኣ ኢየሱስ ከማኡ ህዱኣትን ዕጉሳትን ንምዃን ክሕግዘና ብዝገበርናዮ ሠናይ ነገር እንሕጐስን ምንም ዓይነት ሰብኣዊ ናእዳን ዘይንደሊ ክንከውን ኢና ኢሎም።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሎም ናብ ኢየሩሳሌም ኣይትኺድ ክቀትሉኻ ይማኸሩ ኣለው እናበልዎ ጽዋዕ ሕማማቱ ግድን ክቅበሎ ስለዝነበረ ቈሪጹ ናብ ኢየሩሳሌም ገጹ ይድይብ ነበረ። ንኩሉ ከሰናድው ከኣ ኣርድእቱ ቀቅድሚኡ ልኢኹ ነበረ። ኣብዚ ሁመት እዚ እዩ እታ ዘይዕውቲ ከተማ ሰማርያ እምቢ ኣይንቅበሎን ዝበለት! ብቀንዱ ምስ ኢየሩሳሌም ጽልኢ ስለዝነበሮም እዩ። ሓዋርያት ተቈጢዖም ከኣ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝሰማዕናዮ ኮነ። ኢየሱስ ናብ መሬት ዘምጽኦ ሓዊ ግን ሓዊ ፍቅሪ ሓዊ መለኮታዊ ምሕረት ሰማያዊ ኣቦኡ ነበረ። ነዚ ከኣ ብትዕግስትን ህድኣትን ከይተሓለለ ብቀጻሊ ብመንፈስ ንስሓ ክገብሮ ደለየ! እንተ ሓዋርያት ግን መንፈስ ቊጥዓ ይሓቅዮም።

“እዚ ንኣና እውን ሽሕ’ኳ ሠናይ ነገር ክንገብር ንፈትን ምንጻግን መስዋእትነትን ከጋጥመና ዕጽው ማዕጾ ክጸንሓና ይኽእል። ሽዑ ቊጥዓ ይመጽእ ንእግዚአብሔር ከይተረፈ ሰማያዊ መቅጻዕቲ ከውርድ ክሳብ ምፍታኑ ንበጽሕ። ኢየሱስ ግን መንገዲ ቊጥዓ ዘይኮነ ካልእ መንገዲ እዩ ዝመርጽ፣ ንገዛእ ርእስኻ ገቲእካ ዘኽእል ውሳጣዊ ሓይሊ ይሕብር ኢሎም።”

ንገዛእ ርእስኻ እትመልከሉ ውሳጣዊ ሓይሊ!

እንተደኣ ብሓቂ ናይ ኢየሱስ እሙናት ኣርድእቲ ክንከውን ቈራጽነት ዝመልኦም ክርስትያን ክንከውን ደሊና ህድኣትን ትዕግስትን ልቢ ምዕባይን ብግዲ የድልየና። እዚ ከኣ ዘጋጠመ የጋጥም ሠናይ ነገር ንምግባር ወሲንካ ምኽኣል የድሊ። ትዕግስቲ ብኣመለኻኽታ ደቂ ሰባት ድኽመት ኰይኑ ክረኤ ይከኣል እንተኾነ እዚ ኣገባብ እዚ ዓቢ ውሳጣዊ ሓይሊ ይሓትት። እዚ ውሳጣዊ ሓይሊ እዚ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ መሊኽና ከም እንኽእል ይገብረና፣ ብቊጥዓ ኣይንሽንፈን፣ ኢየሱስ ከኣ ነታ ከተማ ገዲፉ ብህድኣትን ብትዕግስትን ናብ ካልእ ከተማ ገጹ ይጐዓዝ። ንሕና ሠናይ ነገር ንክንገብር ጽንዓቱ ክህበና እናተማህለልና ኣብነቱ ንከተል። እንተዘየሎ ኣብ ምረትን ቊጥዓን ክንወድቅ ከምዚከኣል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሠናይ ነገር ስለኣገልግሎት እምበር ስለናእዳ ኢልና ኣይንግበር` ሓንሳብ ሓንሳብ ነቲ ሠናይ ኣብ ምግባር ዘሎና ፍትሓዊ ኣረኣእያ ክንገልጽ ክንብል ኣብ ትዕቢትን ረኣዩለይ ስምዑለይን ንወድቅ፣ ምናዳ ጸገማት ከጓንፍ እንከሎ ካልኦት ነቲ ሠናይ ተግባርና ምርዳእ ኪኣብዩና እነከለው ቊጥዓን ሕነ ናይ ምፍዳይ መንፈስን ክጸዓነና ስለዝከኣል ገዛእ ርእስና ገቲእና ብትዕግስትን ብህድኣትን ሱቊ ቢልና ነቲ ሠናይ ነገር ንኣገልግሎት ንግበር ኢሎም።”

ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ኤኳዶር ዘሎ ተቋውሞ ከምዘሻቅሎም ድሕሪ ምግላጽ ነታ ኣብ ሃይቲ ዝተቀትለት ድንግል እግዚአብሔር ኣብ መንግሥቱ ክቅበላ ንማሕበራን ኩሎም ፈተውታን ጽንዓት ተመንዮም ወትሩ ከምዝገብርዎ ነቲ ብውግእ ዝደሚ ዘሎ ሕዝቢ ኡክራይና ከይንርስዕ ሓደራ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 June 2022, 14:28

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >