ድለ

2022.06.27 Comunita' Neocatecumenali 2022.06.27 Comunita' Neocatecumenali  (Vatican Media)

ምስ ቤተክርስትያንን ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያንን ኰንኩም ወትሩ ወንጌል ንመላእ ዓለም ስበኹ! ር.ሊ.ጳ

ብኒዮካተኩመነይት ዝፍለጡ ኣብ ቊምስናታት ዝጅምሩ ምንቅስቃሳት ዝምራሕ ተል እኮ ስብከተ ወንጌል ክሳብ ደረጃ ሰበኻታትን ኣህጉርን ብምምዕባል ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ከም ስድራቤታት እውን ናብ ስብከተወንጌል ስለዝለኣኹ ብምኽንያት ዓለምሓቆፍ ዕለት ስድራቤታት 430 ናይዚ ምንቅስቃስ ኣባላት ዝኾኑ ናብ ተል እኮ ስብከተወጊጌል እንክብገሱ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተቀቢሎም ኣብ ዘፋነውሉ ግዜ ‘ንልግስኹም ብልቢ ኣመስግን፣ ምስ ኣቡን ሰበኻ ብሕብረት ተጓዓዙ ከመይ ናይታ ኣብቲ ቦታ እትርከብ ሓለቃ ንሱ ስለዝኾነ’ እንክብሉ ምስ ቤተክርስትያንን ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያንን ኰይኖም ኪሠርሑ ሓደራ ኢሎምዎም።

ዜና ቫቲካን!

እግዚኣብሔር ንቤተክርስትያኑ ወትሩ ነንግዜኡ ዝኾኑ ውፉያት ሰበኽቲ ወንጌል ከምዝልእከላ ዝእምት ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ከም ናእሽቱ ጒጅለታት ማሕበር ክርስትያን ብሓባር ምጽላይን ትምህርተክርስቶስ ምክያድን ሓሊፎም ብበቊሩብ ከም መንፈሳዊ ምንቅስቃስ እናዓበዩ ንስድራቤታት ክኩስኩሱ ድሕሪ ምብጋስ እዚኤን ስድራቤታት ብግዲኤን ንስብከተ ወንጊል ዘይወፍራ ብዝብል ምንቅስቃስ ኒዮካተኩመነይት ካብ ናኣሽቱ ጒጅለታት ናብ ዓበይቲ ምንቅስቃሳት ተሳጊሮም ናብቲ ድኽነት ዝዓብለሎን መንፈስ ዓለማውነት ዝወረሮን ከባቢታት ንስብከተ ወንጌል ብምውፋር ኣብ ቀዳማይ ስብከተወጊጌልስ ይኹን ኣብ ተሓድሶ ክርስትና ዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለው። ኣባላት ናይዚ ምንቅስቃስ ከም ስድራቤት ኣብ ስብከተወንጌል ስለዝጽመዱ ብዙሕ ጸዋዕታ ክህነት እውን ካብ ውሉዶም ስለዝርከብ ሎሚ ኣብ ብዙሕ ኲርናዓት ዓለምና ምናዳ ኸኣ እተን ናይ ክርስትና ማእከላት ዝነበራን ልኡኻት ስብከተወንጌል ዘበርክታን ዝንበራ ሃገራት ንባዕለን ብ እምነት ስለዝዘሓላ ኣብኣተን ሕዳሴ ስብከተወንጌል ንምክያድን ኣብቲ ብድኽነት ኣላዪ ስብከተወጊጌል ዘይብሉ ክፍልታት ዓለምን ብቤተክርስትያን እናተላእኩ ወትሩ ኣብ ስፍሓት መንግሥቲ ኣምላኽ ምስ ተጸምዱ እዮም።

ናይዚ ስብከተወንጌል ጀማርን ሃንዳስን ኪኮ ኣርግወዮ ከምዘብሎ እዞም ልኡኻት እዚኦም ‘ገዛኦምን ስድራቤቶምን ኣዕሩኽቶምን ገዲፎም ንስብከተወንጌል ይነቅሉ’፤ ኩሉ ኩሎም 430 ዝኾና ስድራቤታት ምስ ኣባላት ምንቅስቃሶም ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተረኽቡሉ ቅስዱነቶም ብምርኩስ ተደጊፎም ሰላም ክብልዎም ኣብ ዝፈተኑሉ ዝነበረ ናይ ምድንፋቅ ስምዒት ልዑል ነበረ። ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተሰሪዖም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ስድራቤታት ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለምና ዝመጹ ምዃኖም ዘመልክት ባደራታትን ጽሑፋትን የመልክት ነበረ፤ ካብ ሩስያ ካብ ቱርኪ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳን ቱኒስያን ጋናን ካምቦጅያን ኡጋንዳን ከንያን ወዘተ ነበሩ። መብዛሕትኦም ኣብቲ ዝቀነየ ዓለምሓቆፍ ዕለት ስድራቤታት ዘሰናደዎ ዕለታት ጸሎትን ኣስትንትኖን ዝተሳተፉ ነበሩ። ኣብቲ ዝውሕዝ ዝነበረ ምስክርነታት እዚ ተል እኮ እዚ ካብ ኣብ ሱሳታት ካብ ዝጅምር ኣብ ሻውላት ማድሪድ ጀሚሮም ናብ ል ዕሊ 110 ሃገራት ከምዝሰበኹ ዝገለጹ ሽማግለታት እውን ነሮም።

ኣብ ምጅማር እቲ ርክብ ናይዚ ምንቅስቃስ እዚ ፈላሚ ኪኮ ኣግወዮ ንር.ሊ.ጳ ንምምስጋንን ሰላምታ ብስም ኩሎም ንምቅራብን ኣብ ዘቅረቦ ቃል ፍረ ናይዚ ምንቅስቃስ እዚ ኣብ ንየዋይ ዓለም እውን ይጅምር ከምዘሎ ንምግላጽ ምሳኡ ነዚ ተል እኮ እዚ ዝጀመረት ብ2016 ዓም ዝዓረፈት ነፍሰኄርት ካርመን ሀርናንደዝ ጒዳይ ብፅዕና ብዕሊ ኣብ ሰበኻ ማድሪድ ሃገረ እስፐይን ክጅመር ምዃኑ ኣበሲሩ። ኣብ መንጎ እቶም ልኡኻን ገሊኦም ኣብ ሃገረ ኡክራይና ኰይኖም ዘገልግሉ ነሮም፤ ሽሕ’ኳ ብዘሎ ኩነታት መጀመርያ ሃዲሞም እንተመጹ ሕጂ ግን ኣባኡ ብዙሓት ኣገልግሎት ዘድልዮም ስለዘለው ዋላ ውግ እ እንተሎ ክምለሱ ምዃኖምን ብጸሎት ክነሰንዮም ሓደራ ቢሉ፤ ምስዚ ኣብ ዝተታሓሓዘ ከኣ ገሊኣቶም ካብ ቻይና ዝመጹ ልኡካን ስብከተወጊጌል ነቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ብምዝካር ገሊኦም ናብ ቻይና ዝተላእኩ ስድራቤታት በዚ ምኽንያት እዚ ንል ዕሊ ክልተ ዓመት ናብ ኣባይቶም ካብ ምምላስ ተዓጽዮም ከምዘለው ብምግላጽ ብሰፊሑ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ተላኢኾም ከምዘገልግሉ ገሊጹ።

ኪዱ! መሃሩ! ኣጠምቁ!

ቅዱስነቶም ኣብ ዝሃብዎ ናይ ምስንባት ቃል እንትርፊ ነተን ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ኣብ መወዳእታ ዝበለን ብምድጋም በቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝወሃቦም ሓይሊ ወንጌል እናሰበኹ ክምስክሩ ከምዚ ክብሉ ሓደራ በልዎም።

“ኪድ! መሃሩ! ኣጥምቁ! ግን ነዚ ፍለጡ፤ ሓንሳእ ምስ ኣጠቅመና እታ እትውለድ ማሕበረ ክርስትያን ሓራ እያ! ሓዳስ ቤተክርስትያን ስለዝኾነት ንሕና ክት ዓቢ ሓራ ክንሓድጋ እንተኸኣልና በቲ ዘለዋ ኩነትን ተመኲሮን ባህላን ንክትዓቢ ክንሕግዛ ኣሎና፤ ታሪኽ ስብከተወንጌልከስ እዚኣ እያ፤ እንክነገልግል ትሑታትን ም እዙዛትን ክንከውን ኣሎና ኢሎም።”

ኣብ ኣገልግትሎት ትሕትናን ተኣዝዞ የድሊ!

ቅዱስነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዓይኒ እምነት ኩልና ማዕረ ሓንቲ እምነት እያ ዘላትና እንተኾነ ኩሉ ከከም ባህሊ ናይቲ ስብከተወጊጌል ኣከባቢ ክኸውን ኣለዎ፤ እዚ ሃብቲ ባህሊ እዚ ንወንጌል ብብዙሕ ባህልታት ንምስባኹ ይሕግዝ፤ ታሪኽ ቤተክርስትያን ነዚ የረጋግጸልና፣ ብዙሕ ባህልታት ግንከ ሓደ ወንጌል ብዙሓት ኣመንቲ ግንከ ሓደ ኢየሱስ ክርስቶስ፤ እምነት ኣብ ዝተፈላለያ ባህልታት ትዓቢ ግን ወትሩ ሓንቲ እያ፣ ነዚ ዘክሩ ምስ በሉ ብዝገብርዎ ኣበርክት ከምዚ ክብሉ ኣመስገንዎም።

“ብኩሉ ኩሉ እንከመስግነኩም ሓደራ ዝብለኩም ነቲ ዝል እኸኩም መንፈስ ቅዱስ ምእዙዛት ኩኑ፤ ኣብ ቤተክርስትያን ንኢየሱስ ክርስቶስ ብትሕትና ምእዛዝ የድሊ፤ ኩሉ ኣብ ውሽ ጢቤተክርስትያን ይኹን፤ ካብቢቤተክርስትያን ውጻኢ ምንም ከይግበር፤ ወትሩ ከሰንየኩም ዘለዎ መንፈሳውነትከስ እዚ እዩ፤ ሓላፊ ቤተክርስትያን ከኣ ናይቲ ቦታ ኣቡን ምዃኑ ዘክሩ፤ በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህበኩም ሓይሊ ንክርስቶስ ኣብ ቤተክርስትያን ምስ ቤተክርስትያንን ኰንኩም ስበኹ፤ ናይቲ ዝልእከኩም ዘሎ ኢየሱስ ንክትሰብኩን ንቤተክርስትያን ክትእዘዙን ምዃንኩም ኣይትረስዑ በልዎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
28 June 2022, 13:04