ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተመስረተት ግልጽን አንጋዲት ቤተ ክርስቲያን የደልድል

ጴንጠቆስጠ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓዋርያት ዝወረደሉ እዋን እንዝክረሉ ዕለት እዩ። በዓለ ትንሳኤ ዝዛዘመሉ ወቕቲ፥ ቤተ ክርስቲያን ናብ ዓለም እተላእከትሉ መዓልቲ ተልእኾ እነብዕለሉ ዓቢይ በዓል እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ኣፈ ጒባኤ ብጹዕ ካርዲናል ረ ዕለት 5 ሰነ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓቢሮም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ “ካብ መንፈስ ቅዱስ ካበይ ከም እንጅምር ነየናይ መገድታት ከም እንስዕብ ከምኡ እውን ብኸመይ ክንመላለስን ንዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅንእን ሕሜትን ግዳይነትን ኣሉታዊ ኣረኣእያን ምርሓቕ ንመሃር” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጴንጠቆስጠ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓዋርያት ዝወረደሉ እዋን እንዝክረሉ ዕለት እዩ። በዓለ ትንሳኤ ዝዛዘመሉ ወቕቲ፥ ቤተ ክርስቲያን ናብ ዓለም እተላእከትሉ መዓልቲ ተልእኾ እነብዕለሉ ዓቢይ በዓል እዩ። ስለዚ ቅዱስነቶም ኣብዛ መዓልቲ ኣዚኣ ነቲ ኣበይን ካበይን ክንጅምር ከም ዘሎና ዝምህረና ኣበይ ንክጓዓዝ ከም ዘሎና መገዲ ዝሕብረና ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ዘለዓዕለልና ከምኡ እውን ኣብ ጉዕዞ ዝመርሓና መንፈስ ቅዱስ ብቐጻሊ ጽን ክንብሎ ጻውዒት ክም ዘቕረቡን ብመሰረት ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 14 ፍቕዲ 26: ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚልእኾ መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም ነቲ ኣነ ዝነገርኩኹም ዘበለ ውን ኬዘክረኩም እዩ” ኢሉ ነገሮም ኣብቲ ዓብዪ ጒዕዞ ህይወት መንፈስ ቅዱስ ካበይ ከም እንጅምር እንስዕቦ መገድታት ከምኡ እውን ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ይምህረና።

ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተመስረተት ግልጽን አንጋዲት ቤተ ክርስቲያን የደልድል
ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተመስረተት ግልጽን አንጋዲት ቤተ ክርስቲያን የደልድል

ኣበይ ከም እንጅምር

መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ ከንፍቅሮ ዘዘኻኽረና ናይ ተኣማንነትን ተወፋይነትን ጒዳይ ጥራይ ኣኰነን፡ “ብዘይ ፍቕሪ ዝተረፈ ካልእ ኵሉ ከንቱ እዩ። እታ ፍቕሪ እቲኣ ከኣ ካብ ክእለትና ዘይኮነስ ካብ ውህበት እያ። መንፈስ ፍቕሪ ኣብ ልብና የፍስስ ከም እንፋቐር ይገብረና ብኸመይ ከም እነፍቅር ድማ ይምህረና። ንሱ ናይ መንፈሳዊ ህይወትና ሓይሊ” እዩ።

ዝኽሪ ኣምላኽ

መንፈስ ዝኽሪ ንዅሉ እቲ ኢየሱስ ዝበሎ ናብ ኣእምሮና ብምምጻእ ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ከም ብሓድሽ ዘጐሃህር ኣምላኽ እዩ። . . . ህይወትና ብፍሽለትን ተስፋ ምቝራጽን ዝተመልአት ክትመስል እንከላ መንፈስ ቅዱስ ደቂ ኣምላኽ ምዃንና የዘኻኽረና . . . ።

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘሎካ ምትእምማን እኳ እንተ ኣጥፋእካ ኣምላኽ ኣባኻ ወትሩ ዝተኣማመን እዩ!

. . . ንሓድ ሕድና ክንቀባበል ይቕረ ክንበሃሃል ምስ ሕሉፍ ክንተዓረቕን ይምህረና . . . ክንሕደስን ተሓዲስና ክነቕል የብቅዓና

ክንስዕቦ ዝግብኣና መገዲ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣስዒቦም፥ መንፈስ ቅዱስ ኣበይ ከም እንጅምር ጥራይ ዘይኮነስ እንታይ ስጒምቲ ክንወስድ ከም ዘሎና እውን እዩ ዝምህረና . . . ቢሎም ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ምንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ “ብመንፈስ ኣምላኽ ዝምርሑ” (ሮሜ 8,14) “ብስጋ ዘይኮነስ ብመንፈስ እዩም ዝመላለሱ . . . ዝብሎ፥ እዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ እቲ ክንስዕቦ ዘሎና ዝበለጸ መገዲ ከም ዝሕብረናን እዩ ዘረጋግጸልና . . ስለዚ ድማ ናይ መንፈስ ቅዱስ ድምጺ ካብቲ  ድምጺ እከይ ፈሊና ከነለልዮ ኣገዳሲ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ጉዕዞ ኵሉ ሰናይ ከም ዝኾነ ኣይኰነን ዝገልጸልና . . . ስለ ሓጢኣትካ ክትበኪ ዋላ እውን ጻዕርን ውሽጣዊ ቃልስን መስዋዕትን ዚሓትት እንተ ዀነ፡ ክትልወጥ ምስ ሓሶትካን ምትላላትካን ክትቃለስ እዩ ዝድርኸካ።”

ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተመስረተት ግልጽን አንጋዲት ቤተ ክርስቲያን የደልድል
ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተመስረተት ግልጽን አንጋዲት ቤተ ክርስቲያን የደልድል

እቲ እኵይ መንፈስ “ኵሉ ሳዕ ከምቲ እትሓስቦን እትደልዮም ክትገብር እዩ ዝደፋፍኣካ። ናጽነትካ ብዝደለኻዮ መንገዲ ክትጥቀመሉ መሰል ከም ዘሎካ ገይርካ ከም እትሓስብ እዩ ዝገብረካ፡ ነዚ ስዒቡ ውሽጣዊ ባዶነት ክስምዓካ ምስ ዝጅምር ይወቅሰካን ይድርብየካ።”

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝወደቕካሉ ኣይሓድገካን። ንሱ ብኢዱ ሒዙ ሓፍ የብለካን የጸናንዓካን የተባብዓካን!

መንፈስ ቅዱስ ሓሳባውነት ኣይኮነን

መንፈስ ቅዱስ “ኣብ ህልው ኵነት ክንነብር እዩ ዝገብረና እምበር ካብ ህልው ኩነት ኣይፈልየናን እዩ። ናብ ፍቕርን ናብ ሕጃዊ ኩነት እዩ ዝመርሓና ንሓሳባዊ ዓለምን ሓሳባዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘይኮነስ ነቲ ጭቡጥ ኵነት ብብርሃኑን ግልጽነቱ የሰንይ። ነቲ ጭቡጥ ኵነት ዝልውጥ . . . ካብቲ መንፈስ እከይ ዘለዓዕሎ ሕሜታን ወካዕካዕን ዝተፈልየ እዩ።

ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተመስረተት ግልጽን አንጋዲት ቤተ ክርስቲያን የደልድል

መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ከም እትመላለስ ይምህራ

መንፈስ ቅዱስ ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ንቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ክትመላለስ ከም ዘለዋ ይምህራ። “እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ዕጽው ቤት ብፍርሂ ተዋሒጦም ተዓጽዮም እንከለዉ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ክወጹ እዩ ዝገበረ። ካብቲ ሓቢሮምሉ ዝነበረ ፍርሂ የላቕቖም ብመንፈስ ድማ ክፉታት ይገብሮም . . . ነቲ ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመ ዝነበረና ኣተሓሳስባ የፍርሶ ንሕዳሴ ክፉታት ይገብረና. . . ።”

ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምቑራጽ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ወንጌል ከተበስር ይድርኻ፡ . . . ንቤተ ክርስቲያን “ዕጹው መጓሰዪ ኣባግዒ ዘይኮነትስ ኵሎም ብሓልዮት ኣምላኽ ዚምገብሉ ክፉት መገሃጫ” ክትከውን ብዘይ ምቍራጽ ይጽውዓ። . . . መካበቢያ ዘይብላ ክፉቲ ቤት ክትከውን እዩ። “ምስቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ወገነይን ወገንካን ጸገማትን ጥቕምን ከነተኩር ዝድርኽ መንፈስ ዓለም ዝጻረር እዩ፣”

. . . መንፈስ ቅዱስ ካብ ገዛእ ርእስና ሓራ የውጽኣና . . ኵሉ ምእንቲ ክምህረና ኣብ ቤት ትምህርቲ መንፈስ ቅዱስ ንረኸብ . . . ገዛእ ርእስና ክንጥምት ድምጹ ሰሚዕና ውሳነታት ክንግበር ከምኡ እውን ከም ቤተ ክርስቲያን ኴንና ብሓባር ክንጐዓዝ ንዓኡ ልኡም ንዓለም ከኣ ክፉት ክንከው መታን ከዘኻኽረና ወትሩ ንለምኖ፡” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተመስረተት ግልጽን አንጋዲት ቤተ ክርስቲያን የደልድል
ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተመስረተት ግልጽን አንጋዲት ቤተ ክርስቲያን የደልድል
06 Jun 2022, 17:17