ድለ

ስድራቤት ፍቅሪ እንመሃረሉን ካብ ገዛእ ርእስና እንወጸሉን ቦታ እዩ! ር.ሊ.ጳ

እቲ ዝሓለፈ ዕለት 22 ሰነ ዝጀመረ ዓስስራይ ዓለምሓቆፍ ዕለተ ስድራቤታት ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዝተሳተፍውዎ ቅዳሴ ተዛዚሙ። ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ‘ሓቀኛ ሓርነት ስድራቤት መንፈስ ኣገልግሎት ስለዝኾነ ወለዲ ንደቆም ኣብነታዊ ብዝኾነ መንገዲ ንጸዋዕታ ኪዳኖም ተኣመንቲ ምዃኖም የርእዩ’ ምስ በሉ ‘ኣብ ኩሉ ቦታ ወንጌል ስበኹ’ እንክብሉ ተልእኮኦም ገለጹሎም። ዝመጽእ መበል 11 ዓለምሓቆም ዕለተ ስድራቤት ብድሓን የጽናሓና ብ2028 ዓም ከምዝካየድ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ቃሎም ብምስጋና እዮም ጀሚሮም። ልዕሊ ኩሉ ምስጋና ነቲ ኣብዚ ዕለታት እዚ ኣብ ልቢ ኩሎም ብኣስተንትኖን ተሳትፎን ምስክርነትን ሕልምታትን ቊርጺፍቃዳትን ገቢሩ ንዝተዛረበ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምቅራብ ንኩሎም እቶም ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ነዚ ክቡር ዕለት ንክዝክሩ ክሳብ ከተማ ሮማ ዝመጹ ስድራቤታት ኣመስጊኖም።

ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ልዕሊ 25 ሺሕ ብዝግመቱ ካብ መላእ ዓለም ብዝተጋብኡ ስድራቤታት ወቂባ ብዙሓት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ብመሪሕነት ዋና ሓላፊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ምእመናን ስድራቤትን ሕይወትን ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል ብሱታፌ ቅዱስነቶምን እንክዓርግ ቅዱስነቶም ኣብ ጥቃ መንበረ ታቦት ኰፍ ቢሎም እዮም ቃለ ስብከቶም ዝሃቡ።

ንዕለቱ ዝቀረበ ቃል ኣምላኽ ብምሉኡ ብዛዕባ ጸዋዕታ ስለዝዛረብን መሪሕ ቃል ናይ ዓስራይ ዓለምሓቆፍ ዕለት ስድራቤታት እውን ‘ፍቅሪ ስድራቤት፣ ጸዋዕታን መንገዲ ቅድስናን’ ዝብል ብምንባሩ ቅዱስነቶም እውን ስብከቶም ‘ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ’ ኣብ ትብል ቃል ጳውሎስ ተመርኲሶም ስብከቶም መሩ።

ሓርነት ካብቲ ኩልና ሃረር እንብሎ ነገራት ሓደ ኰይኑ ኩልና ሓራ ክንከውን ንደሊ፣ ስለዚ ኩልና ካብ ዝኾነ ማእሰርቲ ወይውን ባርነት ባህላውስ ይኹን ማሕበራዊ ከማኡ እውን ቊጠባዊ ሓራ ክንከውን ንደሊ። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ሓርነት ውሳጣዊ ሓርነት ኰይኑ ንሱ ኸኣ ብእግዚአብሔር ዚወሃበና ጸጋ እዩ። ካብ ዝኾነ ባርነት ብክቡር ደሙ ሓርነት ዝሃበና ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዚ ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ንከይነተኩር እዩ። ብኢየሱስ ክርስቶስ እተዓደለትና ሓርነት ብምሉእታ ናብ ፍቅሪ ዝዘንበለት እያ፣ እዚኣ ከኣ ምስ ስድራቤት ዘራኽባ ብዙሕ መንገድታት ኣሎ።

“ኩልኻትኩም ሰብሓዳር ስድራቤት እንክተቊሙ ብጸጋ ክርስቶስ ኢኹም ነዛ ተባዕ ምርጫ ዝገበርኩም፣ ሓርነትኩም ንግላዊ ጥቅምኹም ኣይትግበርዎ፣ ነቶም እግዚአብሔር ኣብ ጉድንኹም ዘቀመጠልኩም ሰባት ንምፍቃር ተጠቀሙሉ። ከም ደሴት በበይንኹም ምእንቲ ከይትነብሩ ኣብ ኣገልግሎት ሓድሕድ ጸሚድኩም። ሓርነት ኣብ ስድራቤት ብከምዚ እዩ ዝንበር! ስድራቤት በብዓለሞም በበይኖም ዝጐዓዙ ባእታት ወይ ሳተላይት ኣይኮኑን። ስድራቤት ቦታ ርክብ ቦታ ሱታፌ ኰይኑ ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ንካልኦት ንምቅባልን ኣብ ጐድኖም ንክትከውንን ዝዕድም እዩ። ስድራቤት ንምፍቃር እትመሃረሉ ቀዳማይ ቦታ እዩ። ነዚ ፈጺምኩም ኣይትረስዕዎ! ስድራቤት ንምፍቃር እትመሃረሉ ቀዳማይ ቦታ እዩ። ንሕይወት ዘሎኩም ወኒ ንደቅኹም ኣመሓላልፉሎም ኢሎም።”

ንሕይወት ዘሎኩም ወኒ ንደቅኹም ኣመሓላልፉሎም!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ንስድራቤታት ሓደራ ዝበልዎ መሠረታዊ ትርጉም ስድራቤት ምቅባልን መንፈስ ኣገልግሎትን ስለዝኾነ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ዘለዎ ምስክርነት ምዃኑ ነበረ። ከም ኣብነት ነቲ ኣብ ቀዳማይ ንባብ ናይ ዕለቱ ዝነበረ 1ነገ 19.16 ኤልያስ ነቢይ ንኤልሳዕ ነቢይ ከም ተካኢኡ እንክጽውዖ ዘዘንቱ ጠቂሶም እግዚአብሔር ኣብ መንእሰይ ኤልሳዕ ንዝነበሮ ምትእምማን ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ወለዲ እግዚአብሔር ምስ መንእሰያት ከመይ ቢሉ ከምዝሰርሕ ከስትንትኑ ኣገዳሲ እዩ፣ እግዚአብሔር ንመንእሰያት የፍቅሮም እዩ በዚ ከኣ እዩ ካብ ብዙሕ ሓደጋን ፈተነን ስቃይን ዝሕልዎም፣ እግዚአብሔር ህውኽን ቅጥዒ ኣልቦ ተከላኻልን ኣይኮነን እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ብኣኦም ይተኣማመን ከከም ዓቅሞም ከኣ ተልእኮ ይህቦም። ዝከበርኩም ወለዲ ቃል ኣምላኽ መንገዲ ይሕብረና ኣሎ። ንደቅኹም ካብ ጸገምን ስቃይን ክተድሕንዎም ጥራይ ዘይኮነ ወኒ ሕይወት ኣመሓላልፉሎም፣ ጸዋዕታኦም ፈሊጦም አግዚአብሔር ዝሓሰበሎም ዓቢ ተልእኮኦም ሃንጐፋይ ቢሎም ከምዝቅበሉ ግበርዎም። ንውሉድ ጸዋዕታኡ ክኽተል ካብ እተተባብዓሉን እትሕግዘሉን ዝበልጽ መንገዲ የሎን። ክንዮ ዘሎ ጸገማትን ዘሕዝን ግዝያት ፈተናን ወለዲ ንደቆም ብተኣማንነትን ትዕግስትን ከም ሓደ ተልእኮኦም ክምልከትዎም ካብ ምምርኣይ ዝበልጽ የሎን። ምስ ጐይታ እትገብሮ ጒዕዞ ወትሩ ኣንቀሳቃስን ኣደናቅን እዩ ኢሎም።”

ምስ ጐይታ እትገብሮ ጒዕዞ ወትሩ ኣንቀሳቃስን ኣደናቅን እዩ!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ሠለስተ ጸዋዕታ ንኢየሱስ ክስዕቡ ናይ ዝደለዩ የቅርብ! ነቲ ክስዕበካ ዝበሎ ኣይፋል ኢየሱስ ርእሱ ዘገዓላ እምኒ እኳ ከምዘይብሉ ገሊጹ ኣይፋል ይብሎ።

“ንኢየሱስ ምስዓብ ማለት ወትሩ ኣብ ቀጻሊ ምንቅስቃስ ኢኻ ማለቱ እዩ፣ ኣብ ኩነታት ሕይወት ወትሩ ኣብ ጒዕዞ ማለት እዩ። ንሰብ ሓዳር እዚ ክሳብ ክንደይ ሓቂ እዩ፣ ንጸዋዕታ ሓዳር ተቀቢልኩም ጎጆኹም ገዲፍኩም መጻኢ እንታይ ምዃኑ ክትግምቱ ንዘይትኽእሉ ጒዕዞ ጀሚርኩም ኣብ ቀጻሊ ምንቅስቃስ ምስ ዘይተጸበኹምዎን ኣደናቅን ዝኾነ ነገራት ትጐዓዙ ኣሎኹም፣ ገሊ ካብ ዝጓነፈኩም ዘሕዝን ክኸውን ይኽእል። ምስ ጐይታ ጒዕዞኸስ ከምዚ እዩ። ወትሩ ትንቀሳቀስ ብሃንደበት ዘጋጥም ዘደንቅ ተረኽቦ እዩ። ስለዚ ንዝሓለፈ ከይናፈቅኩም ወትሩ ንቅሚት ምጥማት የድሊ ኢሎም።”

ንዝሓለፈ ከይናፈቅካ ወትሩ ንቅድሚት ምጥማት!

ነቲ ካልአይ ሰዓበኒ ይብሎ እሞ ኣቦይ ክቀብር ምስ በሎ ንምውታት ምውታት ይቀበርዎም ንስኻስ ሰዓበኒ ደኣ ይብሉ። ነቲ ስድራይ ክሰናበት ዝበሎ ሳልሳይ ከኣ ኣርዑት ሒዙ ንድሕሪት ዝጥምት የሎን ቢሉ ክስዕቦ ይነግሮ።

“ዝኸበርኩም ስድራቤታት ንስኹም እውን ካልእ ቀዳምነታት ከይህልወኩም ንድሕሪት ቊሊሕ ከይትብሉ ብዝሓለፈ ከይትበኽዩ ምስ ገበታ ሕልምታቱ ንዝነበረኩም ሓርነት ከይትናፍቁ ዋላ ንገዛኹም ደሓን ኩኒ ከይትብሉ ነዛ ሓዳስ ጸዋዕታ ኣምላኽ ክትቅበሉ ዝተዓደምኩም ኢኹም። ኢየሱስ ንሓዳር ንስድራቤት ክጽውዕ እንከሎ ንቅድሚት ክንጥምት ይሓተና ንሱ ኸኣ ቀቅደመና እናኸደ ኣብ ፍቅርን ኣገልግሎትን ይመርሓና። ዝስዕቦ ፈጺሙ ኣይፈሽልን እዩ፣ ቤተክርስትያን ከኣ ወትሩ ኣብ ጉድኑኹም ኣላ ኢሎም።”

ቤተክርስትያን ወትሩ ኣብ ጐድኑኹም ኣላ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ነዚ ቀሊል ዘይኮነ ጸዋዕታ ፍቅሪ ስድራቤት ብቊርጺፍቃድ ዳግም ከሕድስዎ ብምትብባዕ ኣብ መንጎኦም ዝንበር ፍቅሪ ወትሩ ክፉት ክኸውን ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸርዎም።

“ንክትምርዖ ትብዓት የድሊ። ብዙሓት መንእሰያት ንክምርዓው ትብዓት ዘይብሎም ንርኢ፣ ብዙሕ ግዜ ኣደታት ‘ንዑባ ገለ ግበሩ ኣባ! ንወደይ ተዛረቡለይ፣ ከይተመርዓው 37 ዓመቱ ኰይኑ’ ዝብላ የጋጥማኒ እየን። ኣነ ኸኣ ‘እምበይተይ ክዳኑ ኣይተስታርሪ ባዕሉ ገለ ክገብር ደፋፍእዮ፣ ካብ ገዛ ከምዝወጽእ ግበሪ’ እብለን። ምኽንያቱ ከኣ ፍቅሪ ስድራቤት ንደቆም ርእሶም ክኢሎም ንምንባር ክደፋፍኦም ኣለዎ፣ ሓርነት የድሊ። ኣብ ግዜ ጸገም ግን ናብ ቤት ኣደ ክምለሱ ምትብባዖም የድሊ። ኣጆኹም ነዛ ትብዓት ዘድልያ ምርጫ ሰዓብዋ። ቤተክርስትያን ወትሩ ምሳኹም እያ። ጐይታ ዕለት ዕለት ሓድነትን ሰላምን ናይ ጽንዓት ታሕጓስን ይሃብኩም። በዚ ከኣ እግዚአብሔር ፍቅርን ሱታፌ ሕይወትን ምዃኑ ንምስካር የኽእልኩም ኢሎም።”

ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ብፁዕ ካርዲናል ፋረል ንቅዱስነቶም ብስም ኩሎም ስድራቤታት ምስጋና ብምቅራብ ብደሓነ ሰላም የጽንሓና ዝስዕብ ዓለምሓቆፍ ዕለት ስድራቤታት ብ2028 ከምዝግበር ገሊጾም። ብ2025 ግን ኣብ ዓመት ኢዮቤል ድሕነት ኢዮቤት ስድራቤታት እውን ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ክግበር ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 June 2022, 14:35