ስድራቤት ፍቅሪ እንመሃረሉን ካብ ገዛእ ርእስና እንወጸሉን ቦታ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ቃሎም ብምስጋና እዮም ጀሚሮም። ልዕሊ ኩሉ ምስጋና ነቲ ኣብዚ ዕለታት እዚ ኣብ ልቢ ኩሎም ብኣስተንትኖን ተሳትፎን ምስክርነትን ሕልምታትን ቊርጺፍቃዳትን ገቢሩ ንዝተዛረበ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምቅራብ ንኩሎም እቶም ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ነዚ ክቡር ዕለት ንክዝክሩ ክሳብ ከተማ ሮማ ዝመጹ ስድራቤታት ኣመስጊኖም።
ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ልዕሊ 25 ሺሕ ብዝግመቱ ካብ መላእ ዓለም ብዝተጋብኡ ስድራቤታት ወቂባ ብዙሓት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ብመሪሕነት ዋና ሓላፊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ምእመናን ስድራቤትን ሕይወትን ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል ብሱታፌ ቅዱስነቶምን እንክዓርግ ቅዱስነቶም ኣብ ጥቃ መንበረ ታቦት ኰፍ ቢሎም እዮም ቃለ ስብከቶም ዝሃቡ።
ንዕለቱ ዝቀረበ ቃል ኣምላኽ ብምሉኡ ብዛዕባ ጸዋዕታ ስለዝዛረብን መሪሕ ቃል ናይ ዓስራይ ዓለምሓቆፍ ዕለት ስድራቤታት እውን ‘ፍቅሪ ስድራቤት፣ ጸዋዕታን መንገዲ ቅድስናን’ ዝብል ብምንባሩ ቅዱስነቶም እውን ስብከቶም ‘ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ’ ኣብ ትብል ቃል ጳውሎስ ተመርኲሶም ስብከቶም መሩ።
ሓርነት ካብቲ ኩልና ሃረር እንብሎ ነገራት ሓደ ኰይኑ ኩልና ሓራ ክንከውን ንደሊ፣ ስለዚ ኩልና ካብ ዝኾነ ማእሰርቲ ወይውን ባርነት ባህላውስ ይኹን ማሕበራዊ ከማኡ እውን ቊጠባዊ ሓራ ክንከውን ንደሊ። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ሓርነት ውሳጣዊ ሓርነት ኰይኑ ንሱ ኸኣ ብእግዚአብሔር ዚወሃበና ጸጋ እዩ። ካብ ዝኾነ ባርነት ብክቡር ደሙ ሓርነት ዝሃበና ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዚ ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ንከይነተኩር እዩ። ብኢየሱስ ክርስቶስ እተዓደለትና ሓርነት ብምሉእታ ናብ ፍቅሪ ዝዘንበለት እያ፣ እዚኣ ከኣ ምስ ስድራቤት ዘራኽባ ብዙሕ መንገድታት ኣሎ።
ንሕይወት ዘሎኩም ወኒ ንደቅኹም ኣመሓላልፉሎም!
ቅዱስነቶም ቀጺሎም ንስድራቤታት ሓደራ ዝበልዎ መሠረታዊ ትርጉም ስድራቤት ምቅባልን መንፈስ ኣገልግሎትን ስለዝኾነ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ዘለዎ ምስክርነት ምዃኑ ነበረ። ከም ኣብነት ነቲ ኣብ ቀዳማይ ንባብ ናይ ዕለቱ ዝነበረ 1ነገ 19.16 ኤልያስ ነቢይ ንኤልሳዕ ነቢይ ከም ተካኢኡ እንክጽውዖ ዘዘንቱ ጠቂሶም እግዚአብሔር ኣብ መንእሰይ ኤልሳዕ ንዝነበሮ ምትእምማን ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ምስ ጐይታ እትገብሮ ጒዕዞ ወትሩ ኣንቀሳቃስን ኣደናቅን እዩ!
ናይ ዕለቱ ወንጌል ሠለስተ ጸዋዕታ ንኢየሱስ ክስዕቡ ናይ ዝደለዩ የቅርብ! ነቲ ክስዕበካ ዝበሎ ኣይፋል ኢየሱስ ርእሱ ዘገዓላ እምኒ እኳ ከምዘይብሉ ገሊጹ ኣይፋል ይብሎ።
ንዝሓለፈ ከይናፈቅካ ወትሩ ንቅድሚት ምጥማት!
ነቲ ካልአይ ሰዓበኒ ይብሎ እሞ ኣቦይ ክቀብር ምስ በሎ ንምውታት ምውታት ይቀበርዎም ንስኻስ ሰዓበኒ ደኣ ይብሉ። ነቲ ስድራይ ክሰናበት ዝበሎ ሳልሳይ ከኣ ኣርዑት ሒዙ ንድሕሪት ዝጥምት የሎን ቢሉ ክስዕቦ ይነግሮ።
ቤተክርስትያን ወትሩ ኣብ ጐድኑኹም ኣላ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ነዚ ቀሊል ዘይኮነ ጸዋዕታ ፍቅሪ ስድራቤት ብቊርጺፍቃድ ዳግም ከሕድስዎ ብምትብባዕ ኣብ መንጎኦም ዝንበር ፍቅሪ ወትሩ ክፉት ክኸውን ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸርዎም።
ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ብፁዕ ካርዲናል ፋረል ንቅዱስነቶም ብስም ኩሎም ስድራቤታት ምስጋና ብምቅራብ ብደሓነ ሰላም የጽንሓና ዝስዕብ ዓለምሓቆፍ ዕለት ስድራቤታት ብ2028 ከምዝግበር ገሊጾም። ብ2025 ግን ኣብ ዓመት ኢዮቤል ድሕነት ኢዮቤት ስድራቤታት እውን ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ክግበር ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።