ድለ

2022.06.13 Partecipanti al Capitolo Generale dei Missionari d'Africa 2022.06.13 Partecipanti al Capitolo Generale dei Missionari d'Africa 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 3 ሓምለ ኣብ ሮማ ምስ ማሕበረኮም ኮንጎ ክቅድሱ እዮም!

ብፓድሪ ቢያንኪ ዝፍለጡ ቀንዲ ተል እኮ ስብከተ ወንጌሎም ኣብ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ካህናት ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ድሕሪ ምክያድ ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝተራኸቡሉ ቅዱስነቶም እቲ ናብ ኣፍሪቃ መዲቦሞ ዝነበሩ ሓርዋያዊ ምብጻሕ ምንዋሑ ከምዘሕዘኖም ገሊጾምሎም፤ ‘ሓዋርያ ኢየሱስ ከስድዕ ዝፍትን ወይውን ሓደ ኣመሓዳሪ ወይውን ሓደ ካድር ወይውን ሓደ ከኣል ኩሉ ሓበሬታ ኣይኮነን! ሓዋርያስ ምስክር እዩ’ እንክብሉ ከኣ ተልእኮኦም ኣዘኻኺሮምዎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቶም ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበሮም ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ኣብ ኣደራሽ ክለመንቲና ናይ ቅድስት መንበር ተቀቢሎም ኣብ ዘዛረርቡሉ ነቲ ድሕሪ ሕጺር እዋን ተመዲቡ ዝነበረ ሓውጾተ ኖልዎ ብምንዋሖም ዝተሰመዖም ምድንፋቅ ከይሓብኡ ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ክበጽሑላ ወሲኖማ ዝነበሩ ዕለት ማለት ዕለት 3 ሓምለ ብመንፈስ ኣብ ልቢ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኮንጎ ከምዘለዎ ንክስምዖም ንቀንዲ ከተማ ኮንጎ ዝኾነት ‘ከተማ ኪንሻሻ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ክነምጽኣ ኢና’ እንክብሉ ነቲ ምስ ነበርቲ ሮማ ዝኾነ ደቂ ኮንጎ ኣብቲ ዕለት እቲ ብሓባር መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ መዲቦሞ ንዘለው ሓሳብ ከምዚ ክብሉ ኣካፈልዎም።

“ፑርትሮፖ ናብ ኮንጎን ደቡብ ኣፍሪቃን መዲበዮ ንዝነበርኩ ሓውጾተ ኖልይ ዓቢ ሓዘን እናተሰማዓኒ እየ ከናውሖ ወሲነ። ከም ሓቁ ከኣ ኣብዚ ናተይ ዕድመ ዘሎ ሰብ ሓፍ ቢሉ ንተል እኮ ክነቅል ቀሊል ኣይኮነን፤ እንተኾነ ጸሎታትኩምን ኣብነትኩምን ስለዘተባብዓኒ ሓደ መዓልቲ ነዚ ወትሩ ኣብ ልበይ ዝሕዞ ሕዝቢ እዚ ክበጽሖ ምዃነይ ምትእምማን ይስመዓኒ። ንዝመጽእ ሰንበት እንተኽ ኢለ ምስ ማሕበረኮም ኮንጎ ኣብ ሮማ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርግ እየ፤ ዕለት 3 ሓምለ ማለተይ እዩ፤ ኣብ ኪንሻሻ ክቅድሰሉ ዝነበረ ዕለት ብምዃኑ ንኪንሻሻ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ክነምጽኣ ንኽእል ማለት እዩ፤ኣብቲ ዕለት እቲ ኣብ ሮማ ምስ ዝነብሩ ደቂኮንጎ ብሓባር ክንቅድስ ኢና፤ ብዙሓት እዮም ምስ ኩሎም ሓቢርና ክንቅድስ ኢና ኢሎም።”

ልኡኽ ወንጌል እንትርፊ ሓዋርያ ክርስቶስ ምዃን ካልእ ምርጫ የብልኩምን!

ቅዱስነቶም ንደቂ ማሕበር ፓድሪ ብያንኪ ኣብቲ ‘ተል እኮ ስብከተ ወንጌል ከም ትንቢታዊ ምስክርነት’ ብዝብል ተማ ብምግባኦም ነቲ መሥራቲ ማሕበሮም ካርዲናል ሻርል ማርስያል ኣለማንድ ላቪገሪ ብዛዕባ ልኡኽ ምዃን ንዝበሎ ‘ልኡኽ ወንጌል እንትርፊ ሓዋርያ ክርስቶስ ምዃን ካልእ ምርጫ የብሉን ንዝብል ብምጥቃስ ካብቲ ክኾንዎ ዘይብሎም ሓደ ክልተ ብምጥቃስ ነዚ ዚስ ዕብ ምኽሪ ለጊሶምሎም።

“ሓዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ከስድዕ ዝፍትን ወይውን ሓደ ኣመሓዳሪ ማነይጀር ወይውን ጉባኤታት ዝመርሕ ሓደ ካድር ወይውን ሓደ ከኣል ኩሉ ሓበሬታ ኣይኮነን! ሓዋርያስ ምስክር እዩ፤ እዚ ናይ ወትሩ ትምህርትን ኣብ ኩሉ ቤተክርስትያንን ክግበር ዘለዎ እዩ እንተኾነ ብዝበለጸ ንሓደ ከምዚ ከማኹም ንተል እኮ ስብከተወንጌል ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ንቀዳማይ ስብከተወንጌል ወይውን ምስ ምስልምናን ካልእ እምነታትን ኣብ ዝዋሰነሉ ንዘገልግል ይምልከት ኢሎምዎም።”

ሑሩ መወሃሩ!

ቅዱስነቶም ንሶምን ካልኦት ከማኦም ዝበሉ ልኡኻንን ዘበርክትዎ ንመሠረቱ እቲ ጐይታ ኪዱ መሃሩ ዝበሎ መሪሕ ኰይኑ ከይዶም ኣብቲ ዝኸድዎ ክጸን ዑ ነዚ ከኣ ቀንዲ መጋበሪ ምስክርነቶም ዝኾና ጸሎትን ሕውነትን ምዃነን ገሊጾም። ምስ ክርስቶስ ብስግደት ቊርባንን ኣስተንትኖን ዘይተቋረነ ምስ ኣሕዋት ብፍቅሪ ዘይሳነ ስብከተ ወንጌል ጐደሎ ምዃኑ በዚ መንፈስ እዚ ዝግበር ግን ክንዮ ዘጓንፎም ድኽነትን ውሕስነት ኣልቦን ኩሉ ምስኣንን ንጥዑም ታሕጓስ ስብከተ ወንጌል ብግብሪ ክነብሩ ዝተላእኩ ምዃኖም እንክገልጹ፤

“ካብ ዝተፈላለያ ክፍልታት ዓለምናን ባህልታትን ብዝመጹ ኣባላት ናይ ዝቆመ ማሕበር ሕውነት እንክሓስብ ቀሊል ከምዘይኮነን ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ብምት እምማን እንተዘይኮይኑ ክትቅበሎ ዘጸግም ግድል ምዃን እውን ይርደኣኒ፤ እዛ ን እሽቶ ማሕበርኩም ብጸሎትን ሕውነትን ክትነብር ዝተላእከት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ምስቲ እትነብርዎ ከባብን ሕዝብን ናይቲ ቦታ ባህልን ክፉት ዘተ ብምዝውታር ክትነብሩ ዝተጸዋዕኩም ምዃንኩም ኣይትረስዑ፤ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ግራስየ እግዚኣብሔር ይሃበለይ የቀንየለይ ምባል ፍለጡ እንክብሉ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
14 Jun 2022, 13:47