ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 3 ሓምለ ኣብ ሮማ ምስ ማሕበረኮም ኮንጎ ክቅድሱ እዮም!
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ነቶም ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበሮም ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ኣብ ኣደራሽ ክለመንቲና ናይ ቅድስት መንበር ተቀቢሎም ኣብ ዘዛረርቡሉ ነቲ ድሕሪ ሕጺር እዋን ተመዲቡ ዝነበረ ሓውጾተ ኖልዎ ብምንዋሖም ዝተሰመዖም ምድንፋቅ ከይሓብኡ ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ክበጽሑላ ወሲኖማ ዝነበሩ ዕለት ማለት ዕለት 3 ሓምለ ብመንፈስ ኣብ ልቢ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኮንጎ ከምዘለዎ ንክስምዖም ንቀንዲ ከተማ ኮንጎ ዝኾነት ‘ከተማ ኪንሻሻ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ክነምጽኣ ኢና’ እንክብሉ ነቲ ምስ ነበርቲ ሮማ ዝኾነ ደቂ ኮንጎ ኣብቲ ዕለት እቲ ብሓባር መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ መዲቦሞ ንዘለው ሓሳብ ከምዚ ክብሉ ኣካፈልዎም።
ልኡኽ ወንጌል እንትርፊ ሓዋርያ ክርስቶስ ምዃን ካልእ ምርጫ የብልኩምን!
ቅዱስነቶም ንደቂ ማሕበር ፓድሪ ብያንኪ ኣብቲ ‘ተል እኮ ስብከተ ወንጌል ከም ትንቢታዊ ምስክርነት’ ብዝብል ተማ ብምግባኦም ነቲ መሥራቲ ማሕበሮም ካርዲናል ሻርል ማርስያል ኣለማንድ ላቪገሪ ብዛዕባ ልኡኽ ምዃን ንዝበሎ ‘ልኡኽ ወንጌል እንትርፊ ሓዋርያ ክርስቶስ ምዃን ካልእ ምርጫ የብሉን ንዝብል ብምጥቃስ ካብቲ ክኾንዎ ዘይብሎም ሓደ ክልተ ብምጥቃስ ነዚ ዚስ ዕብ ምኽሪ ለጊሶምሎም።
ሑሩ መወሃሩ!
ቅዱስነቶም ንሶምን ካልኦት ከማኦም ዝበሉ ልኡኻንን ዘበርክትዎ ንመሠረቱ እቲ ጐይታ ኪዱ መሃሩ ዝበሎ መሪሕ ኰይኑ ከይዶም ኣብቲ ዝኸድዎ ክጸን ዑ ነዚ ከኣ ቀንዲ መጋበሪ ምስክርነቶም ዝኾና ጸሎትን ሕውነትን ምዃነን ገሊጾም። ምስ ክርስቶስ ብስግደት ቊርባንን ኣስተንትኖን ዘይተቋረነ ምስ ኣሕዋት ብፍቅሪ ዘይሳነ ስብከተ ወንጌል ጐደሎ ምዃኑ በዚ መንፈስ እዚ ዝግበር ግን ክንዮ ዘጓንፎም ድኽነትን ውሕስነት ኣልቦን ኩሉ ምስኣንን ንጥዑም ታሕጓስ ስብከተ ወንጌል ብግብሪ ክነብሩ ዝተላእኩ ምዃኖም እንክገልጹ፤