ውግእ ንሰባት ገበርቲ ሠናይን ክፍኣትን ቢልካ ምፍራጅ ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ካብ ጽባሕ በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ዝተቀበሉሉ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክዋስኡን ሓሳባቶም ንከነጽሩሎም ንዝሓተትዎም ክምልሱን ንብዙሓት ዘዘራርብ ቃል መሕትታት ከምዘካየዱ ዝዝከር ኮይኑ፤ እዚ ናይ ሎሚ እውን ከም ናይ ወትሩ እንተስ ብቀጥታ እንተስ ብተዘዋዋሪ ንህልው ማሕበረ ፖሎቲካውን ሃይማኖታውን ሕቶታት ዝምልሽን ናይ ብሕቶም ር እይቶ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣብ ተመኲሮኦም ተመስሪቶም ገርሀይና መልሲ ዝህቡሉን ሰፊሕ ቃለ መሕትት ሂቦም።
ብሓደ ወገን ካብ ህልው ኩነታት ምውጻእ ህውተታ ብምዃኑ በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ የማናይ ኢድ ር.ሊ.ጳ ኮይኑ ብፍጹም ንኣኡ ብምእዛዝ ኣብ ስብከተ ወንጌል ዝነጥፍ ብቅዱስ ኢግናጽዮስ ዝቆመ ንሶም ኣባሉ ዝኾኑ ማሕበር ኣብታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ኡክራይና እውን ስለዘገልግሉ ቀዳመይቲ ተዂታዂት ሕቶ ‘ንሕና ውግ እ እንነብር ዘሎና ኣብ መጽሔታትና ክነቅርቦ ዘሎና ንመጻኢ ሰላም ኣበርክቶ ንክህልዎ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቀውጢ ክነመሓላልፎ ኣብ ዘሎና መል እኽቲ እትህቡና ምኽሪ እንተሎ’ ትብል ነበረት።
ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ቅልል ብዝበለ ምሳሌ ካፑቸቶ ሮሶ ዝብል ጽውጽዋይ ብዛዕባ ተዂላን ሕያዋይ ልኡኽን ዘዘንቱ ንነገራት ኣብ ክልተ መቂሉ ክፍኣተ ግብርን ሠናይን ንሕጻናትን ዓበይትን ዘገልግል ዘኪሮም፤ እዚ ታሪኽ እዚ ንዘሎናዮ ኩነት ንሰባት ሕሱማትን ሠናያንን ኢልና ክንፍርጅ ይደፋፍእ እንተኾነ ዘሎኹምዎ ጉዳይ ሕልኽልኽ ዝበለ እዩ፤ ቀቅድሚ እቲ ውግ እ ሓደ ብዙሕ ዘይዛረብ መራሕ ሃገር ክረኽበኒ መጺኡስ ‘ኣባቴ ዘሎናዮ ኩነታታ የሻቅለኒ ኣሎ’ ምስ በለኒ ምኽንያቱ ምስ ሓተትኩዎ ‘ናቶ ኣብ ድርኩዂት ሩስያ ኮይኖም ይነብሑ ኣለው፤ እንተኾነ ሩስያ እምብሮጣርያዊት ብምዃና ማንም ናይ ወጻኢ ሓይሊ ክቀርቦም ኣይደልዩን፤ ውግ እ ዘይተርፍ ይመስል’ ኢሉኒ።ዕለት 24 ለካቲት ውግእ ኮይኑ፤ እቲ መራሒ እቲ ብሓቂ ንምልክታት ግዜ ከንብብ ዝኸኣለ ነበረ። ንዕዘቦ ዘሎና ውግእ ዘስዕቦ ጭካኔን ዕንወትን እዩ፤ እዚ ከኣ ካብ ንግድ ኣጽዋር ውግእን ሕልና ኣልቦ ዕሱባትን ዝግበር ምዃኑ ሩስያ እትጥቀመሎም ደቂ ቸቺንያስ ይኹን ደቂ ሶርያ ም ዕዛብ ይከኣል፤ እንተኾነ ክንዮ እዚ ውግእ ዘሎ ነገራት ምስትንታን የድሊ! ምናልባት ገሊኦም ደጋፊ ፑቲን ኢኻ ክብሉኒ ይኽእሉ! ኣይፋሉን ኣይኮንኩ እብሎ! ከምዚ ገቢርካ ብቀሊሉ ምፍራጅ ጽቡቅ ነሩ፤ ከምቲ ናይ ዛንታ ተዂላ ንሰባት ብቀሊሉ ሕሱማትን ብሩኻትን ቢልካ ክንዮኦም ዘሎ ጥቅምታትን ሕልኽልኻትን ጭካኔ ውግ እን ነቲ ዘሎ ግድላት ር ኢኻ ክትፈትሖም ምፍታን ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። ሩስያውያን ኣብ ሓደ ሶሙን ንኩሉ ክ ውድ ኡ ሓሰቡ!እንተኾነ ተጋግዮም! ተባዕ ሕዝቢ ጎፍ ኢልዎም! ታሪኽ ገድሊ ሓርነት ዝውንን ሕዝቢ! ኡክራይና ቀረባና ስለዝኾነ ብዛዕባኡ ጥራይ ንዛረብ ኣሎና! ጠመተና ኣስፍሕ ኣቢልና ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ኮንጎ ወዘተ ማንም ዘይዛረቦ ውግኣት ኣብ ፈቀዶኡ ኣሎ፤ ቅድሚ 25 ዓመት ኣብ ርዋንዳ ዝኾነ ዘክሩ! ብዛዕባ ምያንማርን ሮሂንግያን ንሕሰብ! ዓለምና ኣብ ውግእ እዩ ዘሎ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ሳልሳይ ውግእ ዓለም በብኽፋል ንርኢ ኣሎና ኢለ ነረ፤ እነሀ ሎሚ ብግህዶ ይእወጀልና ኣሎ። ከተሓሳስበና ዘለዎ እዚ እዩ፤ ወዲሰብ ኣብ ሓደ ክፍለ ዘመን ዘይመልእ ግዜ ሠለስተ ውግኣት ዓለም ከካይድ እንታይ ወሪድዎ ኣሎ ኢልና እስኪ ንሕተት! ኣነ ንቀዳማይ ውግ እ ዓለም ኣብሓጎይ ብዘዘንተወለይ እዝክሮ! ካልኣይን ሣልሳይን ከኣ እነሆ! እዚ ንዘመደ ኣዳም እቲ ዝሓሰመ ዕንወት እዩ! ክንዮ ኩሉ ውግኣት ንግድ ኣጽዋር ውግእ ኣሎ። ካብ 2014 ጀሚረ ኣብ ብዙሕ መቃብራት ቀዳማይን ካል ኣይን ውግ እ ዓለም ከማኡ እውን ዓመት መጸ ኣብ ዕለተ ሙታን ብዙሕ ቦታ መቃብራት በጺሔ! ኣብቲ ናይ ውግ እ ዕድመ መወቲ ካብ 20 – 24 ዓመት ምዃኑ እንክርኢ ኣብ ኩሉ ቦታ ነቢዔ። ናቶም ሞት ክንደይ ጽንተት ስድራ ክንደይ በይነን ዝተርፋ መበለታት የስዕብ።
ስለምንታይ እየ ነዚ ዝብለኩም ዘሎኹ! ኣብ መጽሔታትኩም ሰብኣዊ ክሳራ ውግእ ጥቀሱ! ሰብኣዊ ድራማ ውግእ ግለጹ! ሕስብ እሞ ኣብልዎ ወደይ ይህሉዶ ኮን ይኸውን ቢላ ኣብ ገዛ ድሪም ትብል ወላዲት ማዕጾኣ ኳሕኲሑ ንሃገራ ጅግና ውሉድ ብምውፋይ ዘመስግን ቡስጣ ከቀበልዋ! ብዛዕባ እዚ ምሕሳብ ንዘመደ ኣዳምን ንቤተክርስትያንን ብዙሕ ምሓገዘ፤ እዚ ከኣ ነቲ ብዛዕባ ማህበራውን ፖሎቲካውን እትገብርዎ ትንተና ከይዘንጋዕኩም እዩ።
ናብ ኡክራይና ምልስ ምስ እንብል ኩሎም ንስደተኛታት ክቅበሉ ልቦም ከፊቶም! ዳርጋ ኩሎም ስደተኛታት ቈል ዓ ሰበይቲ እዮም! ሰብኡት ክዋግኡ ተሪፎም። ዝሓለፈ ሶሙን ኣብ ግዜ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተክርስቶስ ኣሰብኡተን ኣብቲ ኣዞቭስታል ዝበሃል ፋብሪካ ሓጺን ጅሆ ተታሕዞም ዘለው ክልተ ስደተኛታት ኡክርያና መጺኤን ከማልደልን ሓቲተናኒ! መንእሰያት ኣንስቲ ምስ ደቀን! ሃመይን ቀልበይን ግን ኣብቲ እናዘሓለ ዝመጽእ ዘሎ ምቅባልን ምርዳእን ስደተኛትታ እዩ! ቅንይ ኢለንስ እንታይ ኮን ይኾና!ስለዚ ኣስፍሕ ኣቢልና ክንዮ ግዝያዊ ሓገዝ ሓሊፍና ኣብ ኢድ ንሕስያ ኣልቦ ንግድ ደቂሰባት ከይወደቃ ንርዳእ።
ኡክራይና ባርነትን ውግእን ከጋጥማ መጀመርያኣ ኣይኮነን! ሃብታም ሃገር እያ! ወትሩ ክቆርጽዋን ክምዝምዝዋን ምስ ደለዩ እዮም! ታሪኽ ጅግንነቶም ልብና ይትንክፍ! ስለዝኾነ ከኣ መጀመርያ ሩስያውያን ባዕሎም ፈቲኖም ደሓር ግን ዕሱባት ሰራዊት ክሰዱ ተቀሲቦም።
ካል እ ክጠቅሶ ዝደሊ ምስ ፓትርያርክ ክሪል ን40 ደቃይቅ ዝዘተኹዎ እዩ፣ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ግዜ እቲ ውግእ ፍትሓዊ ምዃኑ ንምግላጽ ነዊሕ ጽሑፍ ኣንቢቦምለይ! ምስ ወድኡ ‘ሓውይ ንሕና ዲያቆናት መንግሥቲ ኣይኮናን ንሕና ጓሶት ሕዝቢ ኢና’ ኢለዮም፤ ን ዕለት 14 ሰነ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባ ጉዳያትና ክንዘራረብ ክንራኸብ መደብ ነሩና ግን ብምኽንያት ውግእ ርክብና ካል እ ትርጉም ከይወሃቦ ክነናውሖ ወሲና፤ ምናልባት ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ወርሒ መስከረብ ዚካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንራኸብ ንኸውን እሞ ኣባኡ ሰላም ክብሎምን ከም ጓሶት ክንዛተን ተስፋ እገብር እንክብሉ መሊሾም።
ንቅዱስነቶም ዝቀረበት ካልአይቲ ሕቶ ንመንፈሳዊ ሕዳሴ ቤተክርስትያን ኰይኑ ‘ኣብ ቤተክርስትያን ገለ መንፈሳዊ ሕዳሴዶ ይረኣየኩም! ገለ ምልክት ሕይወትን ሕዳሴን ይረኣየኩም’ ትብል ነበረት።
ቅዱስነቶም ክበድ ናይቲ ጉዳይ ንምግላጽ ‘ዝቈንቈነ መምዘኒ ሒዝካ መንፈሳዊ ተሓዶሶ ክትርኢ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ፣ ንነገራት ናይ ምርኣይን ምፍራድን ኣገባብና ክሕደስ ኣለዎ’ ይብሉ እሞ ብኩነታት ቤተክርስትያን ኤውሮጳ ይጅምሩ።
ኣብ ኣህጉር ኤውሮጳ ኣብ ገለገለ ጉዳያት ተሓድሶ እዕዘብ፣ ንኣብነት ዝተፈላለዩ ሓደስቲ መንፈሳውያን ምንቅስቃሳትን ጒጅለታትን ክውለዱ ከማኡ እውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ እንግድዓዖም ከምዘሎ ዝስቈሮም ሓደስቲ ጳጳሳት ኣለው። ምኽንያቱ ከኣ ገሊኦም ጓሶት ነፍሳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘሎ ኣይመስሎምን ገና ብጉባኤ ትረንቶ እዮም ዝምርሑ ዘለው፣ እዚ ዝብለኩም ሓቂ እዩ፣ ንኩሉ ክንሕዝ ዝብል መንፈስ ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዓፊንዎ። ዳግመ ሕንጸት ዝብል ኣምር ኣብ ሕቡራት መንገሥታት ኣመሪካ ዘስዓቦ ክበድ ኣባኡ ዘገልግል ሓደ ኣርጀንቲናዊ ኣቡን ኣዕሊሉኒ። ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፈጺሞም ኣይተቀበልዎን ኢሉኒ። እዚ ዳግመ ሕንጸት ብዝብል ኣምር ዝቀርብ ዓቃባዊ መንፈስ ኣብ ብዙሓት ኣሎ። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንክግበር ሓደ ዘመን የድልየና እንተቢልና ገና 40 ዓመት ኣሎና።
ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዘለው ሓደ ክልተ መንፈሳውያን ጒጅለታት ብዘበርክትዎ ማሕበራውን ጒስነታውን ኣገልግሎት መንፈስ ምሕዳስ እናኣርኣዩ እዮም።
ንስኹም ገና ኣብ ዘይተወለድኩምሉ ብ1974 ዓም ናይ ኢየሱሳውያን ሓለቃ ዝነበሩ ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘሕለፍዎ ጒዕዞ ቀራንዮ ከምዛ ሎሚ ይዝክረኒ! ናይ ዓይኒ ምስክር ከኣ እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ ትንብታዊ ራእይ ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ክዕንቅጹ ሒዂ ዝብሉ ዝነበሩ ዓቃባውያን ዘገርም እዩ። ሎሚ ምልስ ቢልና እንክንርእዮ ግን ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ቅዱስ እዮም። እንተኾነ ንኩሉ እቲ ጾር ክጾሮ ተገዲዱ። ናይ ዓቢ ተኣዛዞ ንር.ሊ.ጳ መምህር ብምዃኖም ከኣ ተኣዘዙ። እንተኾነ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዕለት 2 ታሕሳስ 1974 ብኢዶም መልእኽቲ ጸሓፉሎም። እቲ መልእኽቲ ክሳብ ሎሚ ከም ውርሻ ሒዝናዮ ኣሎና። እንተኾነ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ኩርያ ዝነበሩ ዓቃባውያን ናይ እስፐይን ክፍሊ ኢየሱሳውያን ከምዝዕምጽ ብምግባር ጸገም ፈጢሮም። ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ በዚ ክሰዓር ኣይደለየን። ድሒሩ ግን ኩሉ እቲ እትፈልጥዎ ስዒቡ። ነዚ ዘዘንትወልኩም ዘሎኹ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነቲ ጉባኤ ንምርዳእን ንምትግባሩን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዝነበረ ንምግላጽ እዩ። እዚ ብተደጋጋሚ ዝኾነን ገና ምስ ዓቃባውን ክፍሊ ቤተክርስትያን ዝኸውን ዘሎን እዩ። ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ናብ መንፈሳዊ ሱባኤታት ቅዱስ ኢግናጽዮስ ክንምለስን ካብቲ ዓንቂጹ ሒዙ ዝነበረ ደረቅ ዓቃባውነት ንክንወጽእ ንኩልና ኣብሪሁልና፣ ስለዚ ካብ ዝኾነ ዕጹው ሓሳብ ሓራ እንኾነሉ በዚ መንገዲ እዚ እዩ ኢሎም።
ይቅጽል!