ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናብ ንግስቲ ኤሊዛቤጥ ብምኽንያት መበል 70 ዓመት ንግስነአን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ንግስቲ ኤሊዛቤጥ ብምኽንያት መበል 70 ዓመት ንግስነአን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ 

ር.ሊ.ጳ. ናብ ንግስቲ ኤሊዛቤጥ ብምኽንያት መበል 70 ዓመት ንግስነአን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

“ኣብዚ ዘሐጒስ በዕል ንግስናኽን ኣብ እተብዕላሉ ዕለት እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንዓኽን ንኣባላት ንጒሳዊ ስድራ ቤትን ንዅሎም ህዝቢ ሓድነትን ይጸግው፡ ጸሎተይ አረጋግጽ ምዕባለን ሰላምን ኣምነ፡ ንህዝብኽን ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ነቲ ብሉጽ መንፈሳውን ባህላውን ፖለቲካውን ውርሻ ንምዕቃብ እትገብርኦ ኣገልግሎት አደንቕ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግስቲ ኤልዛቤት ዳግማዊት ዕለት 2 ሰነ 2022 ዓ.ም. መበል 70 ዓመት ንግስነተን ኣብ ዘብዓላሉ ዕለት ናብ ንግስነተን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተግልራም መልእኽቲ፥ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ንዓባይ ብሪጣንያ ምዕባለን ሰለምን እምነ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 2 ሰነ ንግስቲ ኤልዛቤጥ ዳግማዊት ኣብ ዙፋን ዝደየባሉ መበል 70 ዓመት ንምብዓል ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዕለት 4 – 5 ሰነ 2022 ዓ.ም. ጽምብላት ክፍጸም እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ጸሎቶም ዘረጋግጽ ሰናይ ትምኒቶም ዚገልጽ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣብዚ ዘሐጒስ በዕል ንግስናኽን ኣብ እተብዕላሉ ዕለት እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንዓኽን ንኣባላት ንጒሳዊ ስድራ ቤትን ንዅሎም ህዝቢ ሓድነትን ይጸግው፡ ጸሎተይ አረጋግጽ ምዕባለን ሰላምን ኣምነ፡ ንህዝብኽን ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ነቲ ብሉጽ መንፈሳውን ባህላውን ፖለቲካውን ውርሻ ንምዕቃብ እትገብርኦ ኣገልግሎት አደንቕ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ንፍጥረት ምክንኻን

ቅዱስነቶም ንግስቲ ኤሊዛቤጥ ዳግማዊት ንፍጥረት ኣምላክ ንምክንኻን ዝገብርኦ ቈራጽነት ኣፍልጦ ብምሃብ ናይ ሊባኖስ ቄድሮስ ገጸ በረኸት እውን ከም ዘቕረቡለን እዚ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ጽንዓትን ፍትሕን ምዕባለን ትእምርቲ ዝኾነ ኦም ቈድሮስ ኣብ ግዝኣትክን ብዙሕ በረኸት ከውሕዝ ዘለዎም ተስፋ እውን ገሊጾም፡ ብምኽንያት መበል 70 ዓመት ንግስናኽን ህዝቢ ዓባይ ብሪጣኒያ ኦም ኣብ ምትካል ክዋፍፈር እዕድም . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንግስትን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን

ኣብ 2014 ዓ.ም. ንግስቲ ኤሊዛበጥ ብባዓል ቤተን ናይ ኤዲንቡርግ መስፍን ፊሊፕ ተሰንየን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይደን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺበን ከም ዝነበራ፡ እቲ ርክብ እውን ነቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ዓባይ ብሪጣኒያን ዘሎ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ብጋሰ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምኽንያት ዝገበረ ምንባሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ንግስቲ ኤሊዛቤጥ ዳምዊት ኣብ ምሉእ ህይወተን ምስ ኣርባዕተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ከም እተራኸባን ኣብ 1952 ዓ.ም. ጓል 25 ዓመት እንከለዋ ኣቦኤን ንጉስ ጂርጆ ሻድሻይ ምስ ዓረፉ ኣብ ዙፋን ከም ዝደየባን፥ ልዕልቲ ኤልዛቤጥ እንከለዋ ኣብ 1951 ዓ.ም. ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይደን ምስ ፒዮስ መበል 12 ከም እተራኸባን ንግስቲ ምስ ኮና ዕለት 5 ግንቦት 1961 ዓ.ም. ብበዓል ቤተን መስፍን ፊሊፕ ተሰንየን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይደ ምስ ዮሓንስ መበል 23 ተራኺበን ኢየን። ኣብ 1980 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካም ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሕሪ ክልተ ዓመት እውን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2000 ዓ.ም. ንግስነተን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ከም ዘካየዳን ኣብ 2010 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ንኣዋጅ ብጽዕና ካርዲናል ጆን ነውማን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ኤዲንቡርግ ምስ ንግስቲ ኤሊዛበጥ ዳግማዊት ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

02 Jun 2022, 17:10