ድለ

ፍራንቸስኮ፥ እናቴ ልዊዛ ደልኦርቶ ህይወተን ዘወፈያ ሰማእት! ፍራንቸስኮ፥ እናቴ ልዊዛ ደልኦርቶ ህይወተን ዘወፈያ ሰማእት!  (ANSA)

ፍራንቸስኮ፥ እናቴ ልዊዛ ደልኦርቶ ህይወተን ዘወፈያ ሰማእት!

እዘን ዕለት 25 ሰነ ኣብ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ እተቐትላ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሓት ወንጌል ደቂ ቻርለስ ደፎኮልድ ደኺመ ከይበላ ንዕስራ ዓመት ኣብታ ሃገር ዘገልግላ ዝነበራ ልዕሊ ኵሉ ድማ ነገልግሎት ድኻታትን ግዳም ሓደር ቈልዑን እተወፈያ ንዘክር

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ሰነ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ሃይቲ ዕለት 25 ሰነ እተቐትላ እናቴ ልዊሳ ደልኦርቶ ዘኪሮም ስሌአን ስለ እቶም ንሰን ዝናብየኦም ግዳም ሓደርን ድኻታትን ሕጻና ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እናቴ ልዊዛ ደልኦርቶ መስካሪት ፍቕሪ ኣምላኽ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እናቴ ልዊዛ ደልኦርቶ መስካሪት ፍቕሪ ኣምላኽ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነዘን ዕለት 25 ሰነ ዝተቐትላ ውፍይቲ ጓል ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበር ደናግል ቻርለስ ደፎኮልድ ንኡሳን ወንጐላውያን ኣሓት ኣባል እናቴ ደልኦርቶ ንልዕሊ ዕሰራ ዓመት ኣብ ሃይቲ ዘገልጋላ ዝነበራን እቶም ንሰን ዘዕቁብኦም ግዳም ሓደር ቆልዑ እናሕሰቡ ኵሉ ስሌአን ስለ እቶም ዝናብእዮም ቈልዑ ክጽሊ እንክሕምጸኑ፥

እዘን ዕለት 25 ሰነ ኣብ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ እተቐትላ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሓት ወንጌል ደቂ ቻርለስ ደፎኮልድ ደኺመ ከይበላ ንዕስራ ዓመት ኣብታ ሃገር ዘገልግላ ዝነበራ ልዕሊ ኵሉ ድማ ነገልግሎት ድኻታትን ግዳም ሓደር ቈልዑን እተወፈያ ንዘክር። ህዝቢ ሃይቲ ጸበባን ዓመጻን  ዘይብሉ ዝያዳ ህዱእ መጻኢ ምእንቲ ኪህልዎ ንነፍሰ ሄር እናቴ ደልኦርቶ ንኣምላኽ ሕድሪ እብል፣ ምእንቲ ህጻናት ሓይቲ ንጸሊ፡ እናቴ ልዊሳ ደልኦርቶ ህይወተን ንኻልኦት ህያብ ዝገበራ ሰማእት እየን፥

እንክብሉ ከም ዝዘከርወን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

መስካሪት ፍቕሪ ኣምላኽ

እዘን ኢጣሊያዊት ካብ ኣውርጃ ለኮ ዝኾና እናቴ ልዊሳ ደልኦርቶ ዕለት 26 ሰነ 65 ዓመት ዕድመአን ከብዕላ ዝነበረን ቅድሚ ናብ ሃይቲ ምኻደን ኣብ ካመሩን ማዳጋስካርን ዘገልገላን ካብ 2000 ዓ.ም. ናብ ሃይቲ ዝተላእካ ምንባረን ጓል ማሕበረን እናቴ ማሪያ ኣደለ ድሕሪ መቕተልቲ እናቴ ደልኦርቶ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን፡ ቅድም ክብል እናቴ ደልኦርቶ ኵነታት ሃይቲ ኣዚዩ ዘሰክፍን ጽንኵርን ምዃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ልኢኸናለን ከም ዝነበራ እውን ዘኪረን፡ ይዅን እምበር ጸገምን ዓመጽን ስለ ዘሎ ካብ ሃይቲ ክወጻ ዘይኮነስ ነቲ ብዓመጻን ብዝተፈላለየ ጸገም ንስቓይ ዝዳረግ ዘሎ ህዝብን ብፍላይ ከኣ ቈልዑ ሃይቲን ንኸገልግላ ኣብኡ ክተርፋ ድላየን ምዃኑ እውን ከም ዝገለጻለን ይገልጻ። ብሰንኪ እቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ዘጋጠመ ርእደ መሬት ልዕሊ 230 ሺሕ ህዝቢ ግዳያት ከም ዝኾኑን ህዝቢ እታ ሃገር ተስፋ ክቖርጽ ከም ዝገበረን ይዝከርን።

ዕለት 27 ሰነ ምሸት ምእንቲ ነፍሰ ሄር እናተ ደልኦርቶ ኣብ ኢጣልያ ዞባ ለኮ ኣብ እትርከብ ከተማ ብሪያንዛ ናይ ከተማ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ደልፒኒ ዝመርሕዎ ጸሎት መቑጸርያ ከም እተደገመን ብጹዕ ኣቡነ ደልፒኒ ናብ ማሕበር ደናግል ደቂ ቅዱስ ቻርለስ ደፎኮል ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሃዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ እተን ደናግል ከም ነፍሰ ሄር እናተ ደልኦርቶ፥ “ኣብ መንጐ እቶም እተረስዑን ዝግደስ ዘይብሎም ብዅሉ ዕሽሽ ዝተባህሉ ኣሕዋትናን ኣሕትናን ኮይኖነን ነዚ እተረስዔ ህዝቢ ዝገልግላ እምበር ሓደጋ ደልየን ዝኸዳ ልኡካን ኣይኮናን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 June 2022, 16:13