ድለ

ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመጻእያን ሓዋርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመጻእያን ሓዋርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር 

ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመጻእያን ሓዋርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር

ቅዱስነቶም ነቲ ዝቐረበሎ ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ ቅድም ቀዳድም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ኣብነት ቅዱስ ቻርለስ ደ ፉኮልን ቅዱስ ፒየትሮ ፋቭረን ክስዕቡ ተማሕጺኖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ጳጳሳዊ ስነ ኤቅለሲያ ተቕዋም ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም ተመሃሮ ብዛዕባ  ህልው ኵነታት ዓለምን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኣብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባትን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ከም እተመያየጥይ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ሰብ ተወካሊ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምስ ኮነ ዚገልጾን ዝነብሮን “ኣገባብ” ኣሎ። እዚ ኣገባብ እዚ ብክህነታዊ መንፈሳውነት ብጸሎት ዝድልድል ከምኡ እውን ብጭቡጥ ዝኾነ ወንጌላዊ ልኡክነት መንፈስ ዝምራሕ ክኸውን ከም ዘለዎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ነቶም ኣብ መጻኢ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ዘሰናድው ጳጳሳዊ ስነ ኤቅለስያዊ ተቕዋም ተመሃሮ ኣብቲ ዝመሃሩሉ ተቕዋም ምብጻሕ ኣካይዶም ብናይቲ ተቕዋም ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ማሪኖን ናይቲ ተቕዋም ህየንተን ናይ ጒዳያት ቍጠባ ሃላፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብርኤል ማርቸሎ ቪዮላ ካሳሎንገን ናይ ተመሃሮ ኣበ ነፍስ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኦርላንዶ ቶረስ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዘስመሩሉ ክኸውን እንከሎ፥

ምስ ዓመት ተልእኾ ወንጌል ዝተሳነየ ህንጸት

ካብ እተፈላለየ ክፍለ ዓለም ብጠቕላላ ካብ 22 ሃገራት ዝተዋጽኡ 36 ተመሃሮ ካህናት ናይቲ ተቕዋም ብዛዕባ ኣገልግሎት ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ብዛዕባ ፍጻሜታት ቤተ ክርስቲያንን ዘመናዊ ዓለምን ህልው ኵነታቱን ዝምልከቱ እተፈላለየ ሕቶትት ምስ ኣቕረቡሎም ቅዱስነቶም ነቲ ዝቐረበሎ ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ ቅድም ቀዳድም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ኣብነት ቅዱስ ቻርለስ ደ ፉኮልን ቅዱስ ፒየትሮ ፋቭረን ክስዕቡ ተማሕጺኖም፥ ብፍላይ ነቶም ካብቲ ተቕዋም ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዝምረቑ ቅድሚ ኣብ ናይ ቅድስድቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ኣባይቲ ጽሕፈት ዝምደቡ ልኡካነ ወንጌል ኮይኖም ናብ ብራዚል ፊሊፒንስ ማዳጋስካር ከምኡ እውን መክሲኮ ዝኸዱ ኣርባዕተ ተመሃሮ ኣገዳሲ “ትምህርቲ” ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Jun 2022, 16:06