ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይጀሪያ ኣብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ዘሕደረሎም ጓሂ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይጀሪያ ኣብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ዘሕደረሎም ጓሂ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ዘሕደረሎም ጓሂ

ቅዱስነቶም፡ ነቶም ግዳያት ቀረባን ንዅሎም ነቶም ኣብ ሓዘን ንዝርከቡን ነታ ኣብ ናይጀሪያ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበቶምን ጸሎትን ኣረጋጊጾም፥ “ምእንቲ እቶም ግዳያት ኰነ ምእንቲ እታ ሃገር ንጸሊ”

ዕለት 5 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ንጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኰይኖም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ብሓባር መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፥ ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ግዝኣት ኦንዶ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ግዳያት ዝኾኑ ኩሎም ዘኪሮም ዝተሰምዖን ሓዘንን ዘሕደረሎም ስቃይን ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ኣጽዋር እተዓጥቁ ሰባት ናብታ ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ኦዎ ናብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ካቪየር ኣትዮም ብዝፈነውዎ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ልዕሊ 50 ሰባት ከም ዝቐትሉን እቲ ኣብ ግዝኣት ኦንዶ እውን ቦምባዊ መጥቓዕቲ ከም ዝፈጸሙን ዝተሓበሩ ቅዱስነቶም፡ ነቶም ግዳያት ቀረባን ንዅሎም ነቶም ኣብ ሓዘን ንዝርከቡን ነታ ኣብ ናይጀሪያ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበቶምን ጸሎትን ኣረጋጊጾም፥ “ምእንቲ እቶም ግዳያት ኰነ ምእንቲ እታ ሃገር ንጸሊ” ቢሎም፥ ንዅሎም ናብ ኣምላኽ አማዕቝቦም ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ምጽንናዕ የውርደሎም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሞትን መቝሰልትን

ድሕሪ እቲ ዝወረደ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ብውሕዱ 50 ሰባት ከም እተቐትሉ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዝፈነወ ኣገልግልቶ ዜና ሮይተርስ ኣስዒቡ፥ ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ናብ ኣባይቲ ሕክምና እውን ከም እተወስዱን ሓኻይም እውን ነቶም ዝቖሰሉ ንምሕዋይ ደም ክውፈ ጻውዒት የቕርቡ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ናይ ሰበኻ ኦንዶ ጳጳስ

ናይ ሰበኻ ኦንዶ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጁድ ኣዮደጂ ኣሮጉንዳደ፥ ነቶም ግዳያትን ኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ዝቖሰሉን ቅርበቶም ከም ዝገለጹ፥ ናይታ ሰበኻ ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ኣውጉስቲን ኢክዉ ሓቢሮም ናይቶም ዝተቐትሉ ብዝሒ ክብ ከብል ከም ዝኽእል ገሊጾም እቶም መጥቓዕቲ ዝፈነዉ ኣሸበርቲ ሓደ ካህንን ምእመናንን ከም ዝጨወዩ ሓቢሮም፥ ጳጳስ ሰበኻ ኦንዶ ምእመናን ክጽልዩን ሕጊ ኣብ ምኽባር ክተግሁን ሰላምን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተዋሰእቲ ክዀኑ ሓደራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጸሎት ምእንቲ ሰላም

እቶም ነቲ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ መንነቶም ዘይፍለጥ እኳ እንተ ዀነ ሓይልታት ጸጥታ ናይጀሪያ ኣብቲ  ከባቢ ከም እተዋፈሩን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ መላእ ሃገር ሰላምን ህድኣትን ከምለስ ሓገዝ ኣምላኽ ክጽልን ንስድራ ቤት እቶም በዚ ዘስካሕክሕ ፍጻመ እዚ ፍቱዋቶም ንዝሰኣኑ ክጽለን ነቶም ዝተቐትሉ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም እቶም  ኣብ ግብረ እከይ ዝተዋፈሩ ልቦም ክልወጥ ኵሉ ክጽሊ ናይታ ሰበኻ ጳጳስ ጻውዒት ከም ዘቅረቡ ኣባ ኢክዉ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቑስ የመላኽት።

ናይ ናይጀሪያ ርእሰ ብሔር ቡሃሪ መግለጺ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሃገረ ናይጀሪያ ርእሰ ብሔር መሓመድ ቡሃሪ በቲ መጥቓዕቲ ምኽንያት ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ እግዚኣብሔር ከጸናንዕን ንኣባይቲ ምዉታትን ነቶም በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ቦምቢ ትካላቶም ኣባይቶም ንዝፈረሶም ኵሎም መንግስቲ ሓገዝ ክግበር ምዃኑ ገሊጾም፡ ሃገሮም በዚ ከምዚ ዓይነት እከይ ተግባር ፈጺማ ኣይክትሕለልን እያ። ጸልማት ንብርሃን ከቶ ኣይኪስዕቦን እዩ። ናይጀሪያ ውዒላ ሓዲራ ክትውዕወት እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Jun 2022, 17:29