ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሓቍፍ መጻኢ ምህናጽ

“ነታ መበል 108 መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምድላው ኣብ ዝግበር መስርሕ እቲ ኣብ መዘኻኸሪ ተገሊጹ ዘሎ፡ ክፍሊ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ካብ ኵለን ኣብ ከባቢ ካብ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ቃል ምስርክርነት ካቶሊካውያን ነቲ ሓባራዊ ቃል ኪዳን ኣብ ምክንኻን

እቲ ሰንበት ዕለት25 መስከረም 2022 ዓ.ም. ዝበዓል መበል 108 መዓልቲ ስደተይናትን ተመዛበልትን ኣብ ግምት ብምእታው ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወፈራታት ዕለት 7 ሰነ 2022 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝፈነወ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተዘርገሐ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዅሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ ነቶም ስደተይናታትን ካብ መረበቶም እተመዛበሉን ከምኡ እውን ግዳያት ንግድ ዝዀኑ ብቐሊሉ ዘይውገድሉ መጻእ ክንሃንጽ ይምሕጸኑ። ብተወሳኺ እውን ቅዱስ ኣቦና “ነቶም ኣዚዮም ተነቀፍቲ ምምእካል ክበሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ?” ዝብል ቀጥታዊ ሕቶ ንዅሉ የቕርቡ።

ምስ ር.ሊ.ጳ. ኴይና ሳላ ሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ምስ ስድራ ቤታ ኣብ ኤኳዶር ሓድሽ ህይወት ዝሃነጸት ኣና እትበሃል ቨነዝወላዊት መንእሰይ ዝሃበቶ ምስክርነት እውን ኣብቲ ዝተዘርገሐ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ተጠቃሊሉ ይርከብ።

ኣብዚ መደብ ጐስጓስ ክሳተፍ ዝደሊ ብኣሳእል ዝተደገፈን ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝነግር  መልእኽትን ናብ media@migrants-refugees.va ብምልኣኽ ወይ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክፍሊ ስደተይናትትን ተመዛበልትን ብቐጥታ ንሕቶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልሲ ክልእኽ ዝደሊ ይዕደም።

“ነታ መበል 108 መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምድላው ኣብ ዝግበር መስርሕ እቲ ኣብ መዘኻኸሪ ተገሊጹ ዘሎ፡ ክፍሊ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ካብ ኵለን ኣብ ከባቢ ካብ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ቃል ምስርክርነት ካቶሊካውያን ነቲ ሓባራዊ ቃል ኪዳን ኣብ ምክንኻን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘቕርብዎን ዘመሓላልፍዎን ምስክርነትን ኣሳእልን ተቐቢሉ ክዝርግሖ ስንድው” ምዃኑ ከምዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Jun 2022, 15:30