ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ናይ ዝጓዓዙ ኣሕዋት ቃፍላይ እያ! ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ናይ ዝጓዓዙ ኣሕዋት ቃፍላይ እያ! 

ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ናይ ዝጓዓዙ ኣሕዋት ቃፍላይ እያ!

ሓድነት ብቐዳምነት ውህበት እዩ፥ ስለዚ ካብ ላዕሊ ዝመጽእ ምዃኑ እንክሕብሩ፥ ሓድነት “ሳላ ህርኩት ጻዕርታትና ቃልኪዳንና ውዕላትና ዘይኰነስ ሳላ እቲ ናብ ምሉእ ሕብረት ኣብ እንጓዓዘሉ መገዲ ምእንቲ ክመርሓና ልብና ብተኣምኖ ክንከፍተሉ ዝግብኣና መንፈስ ቅዱስ እዩ

እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እነብዕሎ በዓለ ጰራቅሊጦስ ሓድነት ውህበት ስኒት ጒዕዞ ተልእኾ ምዃኑ ይገልጽ - ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ኣባላት እተፈላለያ ባህልታት ዝዀና ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባላት ዝዀኑ ዕስራ መንእሰያት ካህናትን ፈለስትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣረጋጊጾም፡ ስለቲ ኣብ እተፈላለየ ከባቢታት ብዓመጽን ግጭትን እተረስዑ ዘርኢ ፍቕርን ተስፋን ብምዃንኵም እመስግነኵም ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ካብ እተፈላለየ ባህልታት ንዝመጹ እተፈላለያ ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ርስቲያን ዝውክሉ መንእሰያት ካህናትን ፈለስትን ተቐቢሎም ናይ ዘስምዕዎ ቃል ሕመረት ሓድነት ዝብል ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ምብጻሕ እዚ እውን ብላቲን ስርዓት ዝበዓል በዓለ ጰራቕሊጦስ ምኽንያት ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፥ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ነቲ ዘስምዕዎ ቃል ኣብ ኣርባዕተ መርሕ ሓሳብ ኣጽኒዖም እዚ እውን “ብዛዕባ እቲ እንብህጎ ምሉእ ሓድነት” ዘስተንትን እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ስራሕ መንፈስ ቅዱስ

ሓድነት ብቐዳምነት ውህበት እዩ፥ ስለዚ ካብ ላዕሊ ዝመጽእ ምዃኑ እንክሕብሩ፥ ሓድነት “ሳላ ህርኩት ጻዕርታትና ቃልኪዳንና ውዕላትና ዘይኰነስ ሳላ እቲ ናብ ምሉእ ሕብረት ኣብ እንጓዓዘሉ መገዲ ምእንቲ ክመርሓና ልብና ብተኣምኖ ክንከፍተሉ ዝግብኣና መንፈስ ቅዱስ እዩ። ምእንቲ እዚ ሓድነት ጸጋ እዩ ሓድነት ከኣ ውህበት እዩ፡” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስኒት

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘቕረብዎ ካልኣይ ኣስተንትኖ፥ ጰንጠቆስጠ “ሕብረት ስኒት”  ከም ዘለዎ ዝምህረና ምዃኑ እንክገልጹ፥

“ሓድነት ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህቦ እተፈላለየ መንፍሳዊ ስሕበት ስኒት ኣለዎ። ከምቲ ቅዱስ ባዚልዮስ ዓቢይ ዝብሎ ስኒት መገዲ መንፈስ ቅዱስ እዩ”

ንቕድሚት ምስጓም

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ኣስተንትኖ፥ ትምህርቲ ጰንጠቆስጠ “ሓድነት ጒዕዞ” ምዃኑ ዝሕብር ክኸውን እንከሎ፡ “መደብ ምውጻእ ወይ ኣብ ዚርያ ሓደ ጠረጴዛ ዝዕየ መደብ ኣይኰነን። ሓድነት ኣብ ደውታ ዘይኰነስ በቲ መንፈስ ካብ መዓልቲ ጰንጠቆስጠ ኣትሒዙ ንደቀመዛሙርቲ ዚምስጦም ሓድሽ ሓይሊ፥ ንቕድሚት ምስጓም እዩ” ስለዚ ኣብቲ ንቕድሚት ዘሰጒም ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ጸኒዕካ ኣብ እትገብሮ ጒዕዞ፥ “ናብ መንገዲ ሓድነት ይብጻሕ - ንነፍሲ ወከፍ ስጒምቲ ብምክፋል ኣብቲ ጉዕዞ ሓጉስን ቃልስን ብምግጣም ከምኡ እውን ዘይተጸበኻዮ ዘይሓሰብካዮ ነገራት ብምርካብ ትዓቢ፥” ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሊቅ ሓድነት እንክብሉ ንዝኣወጅዎ ቅዱስ ሀረኒሞስ ዝበሎ ቃል ጠቒሶም፡ ቤተ ክርስቲያን “ቃፍላይ ኣሕዋት” ምዃና እንክግለጹ፥

ኣብዚ ቃፍላይ እዚ ሓድነት ይዓብን ይበስልን። እዚ ኸኣ እቲ ብህዱእ መንገዲ ኣምላኽ ብሃንደበት ከም ዓብዪ ተኣምር ዘክይኮነስ ኣብቲ ዕጉስን ዘይሕለልን ብሓባር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ እዩ ዚወጽእ።”

ሓድነትን ተልእኾን

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ሓድነት ተልኾ ምዃኑ ኣጒሊሖም። “ብመዓልቲ ጰንጠቆስጠ ቤተ ክርስቲያን ልእኽቲ ኰይና እያ እተወልደት። ሎሚ እውን እንተዀነ ዓለም ከይተፈለጦ ብዛዕባ ግብረ ሰናይን ናጽነትን ስላምን ዚገልጽ መልኽቲ ወንጌል ክሰምዕ ይጽበ ኣሎ። እዚ መልእኽቲ እዚ ከኣ ሓድነትና ክንምስክር እተጸዋዕናሉ እምበር ንሓድሕድና ክንጻባእን ክንገማማዕን ኣይኰነን።”

ኣብዚ መዳይ እዚ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝህብኦ ሓባራዊ ምስክርነት አመስግን ቢሎም፥ “ካብ ኵሎም እቶም መሰካኽር ሰባት ካብ ኣቶም ገሊኣቶም ብፍሉይ መገዲ፥ ብዙሓት ካባታቶም ብደሞም ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ዝሓተሙ ኣለዉ። ስለቲ ብስም እቲ እተሰቕለን ዝተንስአን ክርስቶስ ዝዘራእኩምዎ ኵሉ ዘርኢ ፍቕርን ተስፋን አመስግነኵም። እቲ ዜሕዝን ግን ብዓመጽን በቲ ብዙሕ ግዜ ዚርሳዕ ግጭትታት ጥራሕ ከባቢዅም ዝልለ ብዃኑ እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Jun 2022, 09:20