ር.ሊ.ጳ.፥ ስድራ ቤት ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ንቕድስና!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ከም ዘቕርቡ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሓ ሰነ 2022 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ምእንቲ ስድራ ቤት ክጽለ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን ከም ወትሩ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር መረብታዊ ርክባት ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ብኽሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣቢሉ ከም ዝዘርገሖን ናይ ቅዱስነቶም ምዕዳን፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነቲ ኣብ ከተማ ሮማ ካብ ዕለት 22 – 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ዝካየድ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ስድራ ቤት መሰረት ዝገበረ ኰይኑ፡ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ ፍቕሪ ብጭቡጥ ኪገልጹ ካብ ጌጋታቶም ኪመሃሩ ከምኡ እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ህላወ ኣምላክ ክስተውዕሉ ምሕጽንታ ዘቕርብ እዩ። ኣብ ስድራ ቤት ዘላ ፍቕሪ ንነፍሲ ወከፍና ናይ ቅድስና ጒዕዞ እዩ።
ናብ ዓለም ለኻዊ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ
እዚ ኣብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ር. ሊ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 22 – 26 ሰነ ኣብ ከተማ ሮማ ዝካየደ ዓስራይ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ክንጥምት ትጽቢት ገይሮም፡ ምእንቲ ስድራ ቤት ክጽለን ስድራ ቤታት ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ሓቀይና ፍቕሪ ብግብሪ ብምንባር ናብ ቅድስና ከብሉ ዘዘኻኽር ምሕጽንታ እዩ።
ፍጽምቲ ዝኾነት ስድራ ቤት የላን
ቅዱስነቶም፥”ብጭቡጥ ተግባር ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ፍቕርን ቅድስናን ምእንቲ ኪነብሩ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ስድራ ቤታትን” ንጸሊ ቢሎም “ፍጽምቲ ዝዀነት ስድራ ቤት የላን፥”
ፍጽምና ዘየለ እውን እንተዀነ እዚ ከፍርሃና የብሉን ካብ ጌጋታት ክንመሃርን ንቕድሚት ክንስጒምን እዩ ዘሎና፡ ኣምላኽ ወትሩ ምሳና ከም ዘሎ ኣይንረስዕ።
ኣምላኽ ኣብ ስድራ ቤት ህልው እዩ
ኣምላኽ ስለ ዚሓልየልና ኣብ ማእከል ብርቱዕ ማዕበል ህይወትን እውን ንሃሉ ሓልዮቱ ኣይፍለየናን እዩ፥
ብዛዕባና ይግደስ ኣብታ ብብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ እትናወጽ ጀልባ ኵሉ ሳዕ ምሳናይ እዩ - ክንዝትን ክንሳቐን ክንሕጐስን እንኮለና ጐይታ ኣብኡ ኣሎ የሰንየናን ይእርመናን።
ብሓባር ምዃን ንመሃር
ኣብታ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ወለዶታት ብሓባር ምንባር እንመሃረላ ስድራ ቤት፥
ቤት ትምህርቲ ሓባራውነት እያ፡ ብሓባር ምንባር እንመሃረሉ ስፍራ እያ። እዚ ኸኣ ምስ ሕሳስ ልደ ኮነ ምስ ዓበይቲ ምንባር እዩ። መንእሰያት ኣረጋውያን ኣረጋውቲ ቈልዑ ኣብ ፍልልያት ሓድነት ከም ዚህልወና ክንገብር ኣንኮለና ድማ ብኣብነታዊ ህይወት ወንጌል ነበስር።
ኣብ ተራ ዘሎ ፍሉይነት
ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን፥ “ፍጹማት ስድራ ቤታት ከም ዘየለዉ ጸገማት ከፍርሃና ከምዘይብሉ ከም ተዘኻኽረና ነዚ ዝበሉ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣብና ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣማኪሎም መልኽቲ ዘመሓላለፉ ናይ ዓለማውያን ምእመና ስድራ ቤትን ህይወት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ኣስዒቦም - ኵለን ስድራ ቤታት ጭንቀትን መከራን ጥራይ ዘይኰነስ ሓጐስን ተስፋን እውን ኣለወን። እቲ ኣብ መንጐ ሰብ ሓዳር ወለዲ ውሉዳት ከምኡ እውን ኣቦሓጐታትን ኣደሓጐታትን ዘሎ ፍቕሪ ናብ ቅድስና ናብ ዝመርሕ መገዲ ይቕይሮ። እዚ ድማ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ጭቡጥ ብምግባር ከኣ ነቲ ተራ ዝዀነ ህሞት ፍልዩ ይገብር” ኢሎም።
ኣገዳስነት ጸሎት
ናይቲ ኣህጉራዊ ማሕበር መርበባዊ ርክብ ንጸሎት ር.ሊ.ጳ. ዋና ኣመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍሬደሪክ ፎርኖስ፥ ምስ እተፈላለዩ ሰባት ምርኻብ ዜስግእ ዘይኮነስ ሃብቲ እዩ። ኣብዛ ሎማዊት ዓለም ፍልልይ ባእሲ ዘለዓዕል እዩ ዝመስል ኣብ ክንዱኡስ ሓድሽ መገድታት እዩ ክኸፍት ዘለዎ። እታ ስድራ ቤት ፍቕሪ እንመሃረላ ኣብ ፍልልያት ብሓባር እንነብረላ ካብ ጌጋታት እንእረመላ ጐይታ ከም ዘሎ እንፈልጠሉን ከነለልዩ እንሕገዘሉን ዜሰንይነና ቦታ እያ። እዚ ብዛዕባ ህላወ ኣምላክ ዝግለጽ ተመክሮ ካብ ጸሎት እዩ ዝውለድ፡ ስለዚ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክንፍጽሞን ጸሎት ክንገብሮን የድሊ ይብሉ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ እቲ ናይ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ብክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብ23 ቋንቋታት ዝትርጐም ኣብ 114 ሃገራት ዝዝርጋሕ ከም ዝኾነን ካብ 2016 ዓ.ም. እትሒዙ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሃገረ ቫቲካን ዝዝርጋሕን ብልዕሊ 176 ሚሊዮን ሰባት እውን ዝብጻሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።