ድለ

2022.06.09 Vescovi e Sacerdoti delle Chiese di Sicilia 2022.06.09 Vescovi e Sacerdoti delle Chiese di Sicilia 

ኣብቲ ጸልማትን ብርሃንን ዝተፈራረቆ ቦታኹም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ይምራሕኩም! ር.ሊ.ጳ ንቤተክህነት ሲቺልያ

ደሴት ሲቺልያ ሃገረ ጣልያን ጠባቃኣ ማዶና ኦዲጂትርያ ማለት ማርያም ሓባሪት መንገዲ ስለዝኾነ ኣብ ዝኽሪ ዓመታዊ ክብረበዓላ ቤተክህነት ናይታ ደሴት ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም፤ ቅዱስነቶም ‘ሕዝባዊ መንፈሳውነት ዓቅቡ እንተኾነ ምስ ስጒሙ ዕብየት ተመኲሮ ቤተክርስትያን ኰስኲስዎ’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮምዎም።

ዜና ቫቲካን!

ደቡባዊ ክፋል ሃገረ ጣልያን ምናዳ ኸኣ ደሴት ሲቺልያ ኣብ ዕቃበ ባህልን እምነትን ጽኑዓት እኳ እንተኾኑ ድኽነትን ድሕረት ናብራን ካብ ሰሜናውን ማእከላይን ስለዝፈልዮም ቅዱስነቶም ነቲ ዝኽተልዎ ሠናይ ባህሊ መንፈሳዊ ጒስነት ‘ብሓቂ ኣብነት ሕያዋይ ጓሳ ዝተኸተለ ወትሩ ኣብ መንጎ ህዝቦም ኰይኖም ቅርበትን ርሕራሔን ሓልዮትን ዝረኣየሉ እዩ፤ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ከምዙይ ዓይነት ምርጫ ምግባር ትብ ዓት ዚሓትት እኳ እንተኾነ ንኩሉ ኣለሊኻ ሠሠናዩ ንምስ ዓብ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ የድሊ፤ ከመይ ደሴት ሲቺልያ ካብቲ ን ዓለምና ዘናውጽ ዘሎ ቀጻሊ ለውጢ ሓራ ኣይኮነትን፤ ስለዚ ንወንጌል እግዚኣብሔር ንምብሳር ፍሉይነት ደሲትኩም ምርዳእን ኩነታት ም ዕባሌ ዓለምን ቤተክርስትያን ምክትታልን የድሊ፤ ከመይ ንዓና ኣብ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ዝተዋፈርና ካህናትን ደናግልን እዚ ጥበብ እዚ ብምልኣት ክንውፈ ይሕግዘና’ እንክብሉ ነቶም ኣብ መንበሮም ተቀቢሎም ዘዘራረብዎም 15 ኣቡናትን 300 ዝኾኑ ካህናትን ደሴት ሲቺልያ ኣዘኻኺሮም። ኣብ መእተዊ ከምዝገልጽናዮ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ርክብ ዓመታዊ ክብረበዓል ናይታ ደሴት ጠበቃ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ሓባሪት መንገዲ ብምንባሩ እዩ።

ማሕበራዊ ኩነታት ደሴት ሲቺልያ!

ደሴት ሲቺልያ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ መተሓላለፊት ማእከላይ ባሕሪ መዲተራንያን ብምዃና ዳርጋ ብኣኣ ዘይሓለፈ የለን፤ ካብዞም ሓለፍቲ መንገዲ ኣባኡ ዝነብሩን ድሕሪ ገለ እዋን ናብ ካልእ ሃገራት ዝሰጋገሩን ነሮም ሕጂ እውን ከማኡ ይቅጽል ኣሎ፤ ናይዚ ባህሪ እዚ ኣዎንታዊ ጐድኒ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ጽባቄ ባህሎም ምናዳ ኸኣ እቲ ከም ፀሓይ ዘንጸባርቅ ግሉጽነቶም ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“እዚ ግን እታ ደሴት ወትሩ ሕጉስቲ እያ ማለት ኣይኮነን! ነፍስወከፍ ምስቲ ኣብ ውሽጡ ሒዝዎ ዝጐዓዝ ተቋውሞታት ግሉጽነት ከጋጩ ይኽእል፤ ኣብዛ ደሴት እዚኣ ማዕረ ማዕረ እቲ ሠናይ ነገራት ዘሰንብዱ ግድፈታት እውን ይረኣዩ። በቲ ሓደ ወገን ብኩሉ ኩሉ ዓበይቲ ብሱላት ሰባት እንክትርኢ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ትምህርቶም ዘቋርጹን ኣብ ሕማቅ ነገር ዝተዋፈሩን መንእሰያት ትርኢ፤ እዚኦም መን እሰያት ክብሪ ወዲሰብ ዝሕሉ መነባብሮ ይንፈጎም፤ በዚ ከምዚኸስ ዕለታዊ ናብራ ናይዛ ደሴት ከምቲ ሰማዩን ዕምባባታቱን ዝተፈላለይ ሕብርታት ዝውንን እዩ፤ ብኣእዳው ዓመጸይናታት ዝፈሰሰ ደም በቲ ሓደ ወገን ትሑትን ጅግንነት ዝመልኦን ተቋውሞ ዝገበሩ ጻድቃንን ቅዱሳንን ኣገልገልቲ ቤተክርስትያንን መንግሥትን ምዕዛብ ብንሃደበት ዝኸውን ኣይኮነን ኢሎም።”

መንእሰያት ደሴት ሲቺልያ!

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ኩነታት መን እሰያት ሲቺልያ ምናዳ ኸኣ ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ካብቲ ቦታ ዝስደዱ ብምዝካር ኣቡናትን ካህናትን ነዞም መን እሰያት እዚኦም ኣብ ቊምስናታት ምሉእን ፍጹምን ኣዕጋብን ኣገልግሎት ክህቡ ከምዚ ክብሉ ሓደራ ኢሎም።

“እዞም ትርጉም ሕይወት ሓርቢትዎም ናብ ዓበይቲ ከይጽግዑ ብዘሎ ማሕበረሰብኣዊ ናብራ ፍትህን ቅንዕናን ስኢኖም ናብ ቊምስናታትን መንፈሳውያን ማሕበራት ቤተክርስትያንን ክኸዱ እውን ይጠራጠሩ፤ ጉዳያት ካህናትን ናይ ቤተክርስትያን ሰባት ንፍርዲ ኣብ ላዕለዎትቢቤትጽሕፈታት ቅድስት መንበር በጺሖም ክብሉ ክሰምዕ ብሓቂ የሕዝነኒ፤ ኣብዚ ደረጃ ፍትሒ ምጒዳልን ቅንዕና ምጥፋእን ከመይ ቢልካ ይብጻሕ! እንተኾነ ምስዚ ኩሉ ኣብነት ቅርበት ዝኾኑ ብፁዓን ኣለውኹም።”

ብፁዓን ሲቺልያ ኣብነት ቅርበት!

ኣብ ከምዚ ዝበለ ህልኽላኽ ዝመል ኦ መንፈሳውን ስጋውን መነባብሮ ሲቺልያ ኣብነታውያን ዝኾኑ ኣብ ደረጃ ብፅ ዕና ዝበጽሑ ካህናትን ምእመናንን ከም ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኣብ ዘመንና እውን ኣለውኹም እንክብሉ ብፅዕናኦም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኣውጀ ከም ኣብነት ሓደ ካህንን ሓደ ዓለማውን ጠቂሶም።

“ብፁዕ ኣባ ፒኖ ፑኚሊዚ ከማኡ እውን ብፁዕ ሮዛርዮ ሊቫቲኖ ከይዘከርካ ክሕለፍ ኣይከኣልን እንተኾነ ብዙሕ ዘይንዝክሮም ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ኣብ ኩሉ ጒዕዞ ሕይወቶም ተኣማንነቶም ንክርስቶስን ንሕዝብን ዘርኣዩ እውን ኣለው! ነዚኦም ብግዲ ምዝካር የድሊ! ነቶም ብሱቊታ ስራሖም ዝሠርሑ ብፍቅርን ጽንዓትን ኣብ መንጎ እቶም ግዜ ዝጠለሞምን ሥራሕ ዘይብሎምን ሕጻናትን በይኖም ዝተረፉ ሽማግለታትን ኰይኖም ዘገልግሉ ካህናት ከማኡ እውን ወለተኛታት ከመይ ቢልና ከይዘከርናዮም ክንሓልፍ! ሕዝቢ ስቺልያ ካብ ካህናት ብዙሕ እዩ ዝጽበ! ኣብ ፍርቂ ጒ ዕዞ ደው ኣይትበሉ ሓደራኹም። ጓሶት ኩንዎም! ነዚ ከኣ ብ ኣምሳል እቲ ሕያዋይ ጓሳ ብቅርበትን ርሕሒሔን ሓልዮትን ግበርዎ። ቅዱስ ቊርባን ማእከል ኩሉ ተግባራትኩም ይኹን ኢሎም።”

ምስዚ ብምትሕሓዝ ቅዱስነቶም ንካህናትስ ይኹን ንገዳማውያንን ገዳማውያትን ሓደራ ዝበልዎ ንሥልጣን ካብ ምቅድዳም ክርሕቁ እዩ፤ ካህን ውፉይ እዩ ናይ ገዛእ ር እሱ ኣይኮነን ዕለት ዕለት ንሕዝበ እግዚኣብሔር ዝውፈ ሰብ እዩ፤ ወትሩ ልኡኽ ምዃኑ ክዝንግዕ የብሉን ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ቤተክርስትያን ሲቺልያ ነቲ ኩላዊትቢቤተክርስትያን ኣዊጃቶ ዘላ ሲኖዶሳውነት ብተግባር ክነብርዎን ምናዳ ኣብ ኲስኰሳ ውሉደ ክህነት ክህነታዊ ሕውነትን ኣባትነትን ከደንፍዑ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ክፉታት ክኾኑ ሓደራ ምስ በሉ ነታ ጠበቃኦም ዝኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም ሓባሪት መንገዲ ብምምዕቋብ ከም ለበዋ ንሰነዳት ካል ኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ዘወፍዮ ሕዳሴን ክቅበሉ ምናዳ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ትኲረት ክገብሩ ከምዚ ክብሉ ሓደራ በልዎም።

“ኣብ ዘሎኹምዎ ዓዲ ኣነ ኣብ ቅዳሴኹም ኣይሳተፍን! ግን ገለ ገለ ጉዳያት ናይ ቅድሚ ጉባኤ ከምዘሎ አስተውዕል! ድሕሪ ስሳ ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ገና ተሓድሶ ዘይምር ኣይ ዘተሓሳስብ እዩ፤ ርግጽ እዩ ሓንሳእ ሓንሳእ ነታ ገለ ጥንታዊ ነገር ዘወፈየ ኣደ ዓባይካ ንምሕጓስ ገለ ትገብር! እንተኾነ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ዘወፈዮ ሓቀኛ ተሓድሶ ብምትግባር ነደኻ ቤተክርስትያን ብምእዛዝ ሥር ዓተ ኣምልኾ ምፍጻም እውን ምስዚ ኣይጻረርን ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
10 Jun 2022, 13:30