ኣብቲ ጸልማትን ብርሃንን ዝተፈራረቆ ቦታኹም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ይምራሕኩም! ር.ሊ.ጳ ንቤተክህነት ሲቺልያ
ዜና ቫቲካን!
ደቡባዊ ክፋል ሃገረ ጣልያን ምናዳ ኸኣ ደሴት ሲቺልያ ኣብ ዕቃበ ባህልን እምነትን ጽኑዓት እኳ እንተኾኑ ድኽነትን ድሕረት ናብራን ካብ ሰሜናውን ማእከላይን ስለዝፈልዮም ቅዱስነቶም ነቲ ዝኽተልዎ ሠናይ ባህሊ መንፈሳዊ ጒስነት ‘ብሓቂ ኣብነት ሕያዋይ ጓሳ ዝተኸተለ ወትሩ ኣብ መንጎ ህዝቦም ኰይኖም ቅርበትን ርሕራሔን ሓልዮትን ዝረኣየሉ እዩ፤ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ከምዙይ ዓይነት ምርጫ ምግባር ትብ ዓት ዚሓትት እኳ እንተኾነ ንኩሉ ኣለሊኻ ሠሠናዩ ንምስ ዓብ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ የድሊ፤ ከመይ ደሴት ሲቺልያ ካብቲ ን ዓለምና ዘናውጽ ዘሎ ቀጻሊ ለውጢ ሓራ ኣይኮነትን፤ ስለዚ ንወንጌል እግዚኣብሔር ንምብሳር ፍሉይነት ደሲትኩም ምርዳእን ኩነታት ም ዕባሌ ዓለምን ቤተክርስትያን ምክትታልን የድሊ፤ ከመይ ንዓና ኣብ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ዝተዋፈርና ካህናትን ደናግልን እዚ ጥበብ እዚ ብምልኣት ክንውፈ ይሕግዘና’ እንክብሉ ነቶም ኣብ መንበሮም ተቀቢሎም ዘዘራረብዎም 15 ኣቡናትን 300 ዝኾኑ ካህናትን ደሴት ሲቺልያ ኣዘኻኺሮም። ኣብ መእተዊ ከምዝገልጽናዮ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ርክብ ዓመታዊ ክብረበዓል ናይታ ደሴት ጠበቃ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ሓባሪት መንገዲ ብምንባሩ እዩ።
ማሕበራዊ ኩነታት ደሴት ሲቺልያ!
ደሴት ሲቺልያ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ መተሓላለፊት ማእከላይ ባሕሪ መዲተራንያን ብምዃና ዳርጋ ብኣኣ ዘይሓለፈ የለን፤ ካብዞም ሓለፍቲ መንገዲ ኣባኡ ዝነብሩን ድሕሪ ገለ እዋን ናብ ካልእ ሃገራት ዝሰጋገሩን ነሮም ሕጂ እውን ከማኡ ይቅጽል ኣሎ፤ ናይዚ ባህሪ እዚ ኣዎንታዊ ጐድኒ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ጽባቄ ባህሎም ምናዳ ኸኣ እቲ ከም ፀሓይ ዘንጸባርቅ ግሉጽነቶም ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
መንእሰያት ደሴት ሲቺልያ!
ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ኩነታት መን እሰያት ሲቺልያ ምናዳ ኸኣ ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ካብቲ ቦታ ዝስደዱ ብምዝካር ኣቡናትን ካህናትን ነዞም መን እሰያት እዚኦም ኣብ ቊምስናታት ምሉእን ፍጹምን ኣዕጋብን ኣገልግሎት ክህቡ ከምዚ ክብሉ ሓደራ ኢሎም።
ብፁዓን ሲቺልያ ኣብነት ቅርበት!
ኣብ ከምዚ ዝበለ ህልኽላኽ ዝመል ኦ መንፈሳውን ስጋውን መነባብሮ ሲቺልያ ኣብነታውያን ዝኾኑ ኣብ ደረጃ ብፅ ዕና ዝበጽሑ ካህናትን ምእመናንን ከም ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኣብ ዘመንና እውን ኣለውኹም እንክብሉ ብፅዕናኦም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኣውጀ ከም ኣብነት ሓደ ካህንን ሓደ ዓለማውን ጠቂሶም።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ቅዱስነቶም ንካህናትስ ይኹን ንገዳማውያንን ገዳማውያትን ሓደራ ዝበልዎ ንሥልጣን ካብ ምቅድዳም ክርሕቁ እዩ፤ ካህን ውፉይ እዩ ናይ ገዛእ ር እሱ ኣይኮነን ዕለት ዕለት ንሕዝበ እግዚኣብሔር ዝውፈ ሰብ እዩ፤ ወትሩ ልኡኽ ምዃኑ ክዝንግዕ የብሉን ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ቤተክርስትያን ሲቺልያ ነቲ ኩላዊትቢቤተክርስትያን ኣዊጃቶ ዘላ ሲኖዶሳውነት ብተግባር ክነብርዎን ምናዳ ኣብ ኲስኰሳ ውሉደ ክህነት ክህነታዊ ሕውነትን ኣባትነትን ከደንፍዑ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ክፉታት ክኾኑ ሓደራ ምስ በሉ ነታ ጠበቃኦም ዝኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም ሓባሪት መንገዲ ብምምዕቋብ ከም ለበዋ ንሰነዳት ካል ኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ዘወፍዮ ሕዳሴን ክቅበሉ ምናዳ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ትኲረት ክገብሩ ከምዚ ክብሉ ሓደራ በልዎም።