ድለ

ኣብ ድኹምን ተኣፋፍን ዝኾነ ዘመን ሽምግልና’ውን ከይተረፈ ንኢየሱስ ምምስካር ክትመሃር የድሊ! ር.ሊ.

ኢየሱስ ድማ ‘ንሳልሳይ ግዜ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ጴጥሮስ፡ ሳልሳይ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ ስለ ዝበሎ፡ ጕህዩ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ኢየሱስ ከኣ፥ ኣባጊዔይ ኣብልዕ። ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ፡ ባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደሌኻዮውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ’ (ዮሓ 21.17-18)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ሽምግልና ኣብ እንገብሮ ዘሎና ኣስተምህሮ ሎሚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍጻሜ ወንጌል ዮሓንስ ዝርከብ ዘተ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ኢየሱስን ጴጥሮስን ክንምልከት ኢና። ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያቱ ብፍላይ ምስ ጴጥሮስ ዝነበሮ ኩሉ ፍቅሪ ዘንጸባርቅ ሰብኣዊ ል ዕልና እውን ዘለዎ ል ዑል ፍቅሪ ዝገልጽ ኰይኑ ኣብ ሓያል ስምዒት ዘእቱ ዘተ እዩ፤ ርሕራሔ ዝመልኦ ጥቡቅ ርክብ ነበረ፤ ከም ናትና ቅጥዒ ኣልቦ ዘይኮነ ቀጥታውን ሓያልን ነጻን ክፉትን ርክብ ነበረ። ሰብ ኣዊ ርክብ ኰይኑ ሓቀኛን ብሓቅን ነበረ፤ እቲ ብመንፈሳውነቱን ልዕልና ሓሳባቱን ዝግለጽ ወንጌል ዮሓንስከስ ኣማዑት ብዘንቀሳቅስ ሓያል ሕቶን ወፈያን ፍቅሪ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ጴጥሮስን ብምቅራብ ነቲ ዘተ ክልቲኦም ባህርያዊ ብዝኾነ መንገዲ ብምቅራብ ይዛዝም፤ ዮሓንስ ወንላዊ እዚ ጉዳይ እዚ ሓቂ ከምዝኾነ ምስክርነቱ ይህብ (ዮሓ 21.24)፤ ሓቂ ብምል እታ ከኣ ኣብዛ ምስክርነት ከም እትድለን እትርከብን ይገልጽ።

ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ቢልና ንሕናኸ ነዚ ከምዚ ዝበለ ዓሚቊ ርክብ ኢየሱስን ሓዋርያትን በቲ ዝቀረበ ክፍተትን ገርህነትን ቀጥታውነትን ሰብ ኣውነትን ክንዕቅቦዶ ንኽእል! ምስ ኢየሱስ ዘሎና ርክብ ከመይ እዩ! ከምዚ ናይ ሓዋርያትን ናይ ጐይታንዶ ይኸውን! ብወገና ከም መዛዘሚ ኣምልኾና ገለ መማቅርቲ ዝኸውን ፍሉይ ግልጸት ከም ምስክርነት ወንጌል ሃረር ናይ ምባል ፈተና ኣየጋጥመናንዶ! እንተኾነ እዚ ካብ ሓቀኛ ኢየሱስ ዘርሕቅ ዝምባሌ እዚ ሓንሳእ ሓንሳእ ዘይጭበጥ ጒዕዞ እምነት ኰይኑ ብዓለማዊ መንፈስ ተጐቢኡ ኣብ ገዛእ ር እስና ተዓጺና ከም እንተርፍ ይገብረና፤ እዚ መንገዲ ኢየሱስ ኣይኮነን። ሥጋና ለቢሱ ሰብ ዝኾነ ቃል እግዚኣብሔር ኢየሱስ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ስለዝኾነ ከም ሰብ ይዛረብ፤ እንክዛረብ ከኣ በዚ ዝሰማዕናዮ ርሕራሔን ምሕዝነትን ቅርበትን ይዛረብ፤ ኢየሱስ ከምቲ ኣጸባቢቅና ኣርሒቅና እንስእሎ ኣይኮነን! ኣብ ኢድና ምሳና ኣሎ! ቀረባና እዩ።

ኣብቲ ዘተ ኢየሱስን ጴጥሮስን ንሽምግልናን ንውሒ ግዜን ብትኽክል ዝምልከታ ክልተ ሓረጋት ንረክብ፤ እቲ ንውሒ ግዜ ንምስክርነት ንመዋዕል ዕድመ ይምልከት፤ እታ ቀዳመይቲ ሓረግ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ዘቅር ቦመጠንቀቅታ ‘መን እሰይ ከሎኻ ገዛእ ርእስኻ ትኽእል ምልኪ ርእስኻ ትውንን ምስ ሸምገልካ ግን ዋና ገዛእ ርእስኻን ዋና ሕይወትካን ኣይኮንካን’ ትብል እያ፤ እዛ ሓረግ እዚኣ ንዓይ ብካሮሳ ደፊኦም ዝወስዱኒ ዘለው ፍሉይ ቃና ኣለዋ! እንተኾነ ሕይወት ከማኡ እያ፤ ኣብ ሽምግልና ኩሎም ሕማማት ተጸዋዊዖም ይመጹ! ከከም ኣመጻጽኣኦም ክንቅበሎም ይግባእ! ኣይመስለኩምንዶ! ሓይሊ ንእስነትን ጉብዝናን የብልናን!  እታ ካልአይቲ ንምስክርነት ትምልከት፤ ኣብዚ ድኻምነት እዚ ግን ኢየሱስ ወትሩ የሰንየና፤ ከመይ ኣብ ድኻም ኣብ ሕማም ኣብ ሞት እውን ከይተረፈ ምስክር ኢየሱስ ክትከውን ኣሎካ፤ ጽብቅቲ ጥቅሲ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ‘ከምቲ ኣብ መዋዕል ሕይወትና ኣብ ሞትና እውን ናይ ኢየሱስ ሓዋርያት ናይ ምዃና ምስክርነት ክንህብ ኣሎና’ ትብል፤ መወዳእታ ሕይወትና ፍጻሜ ሓዋርያ ኢየሱስ ክኸውን ኣለዎ ከመይ ጐይታ ወትሩ ከከም ዕድሜና እዩ ዚዛረበና። ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ቃላት ኢየሱስ ናቱ መግለጺ ይውስኸሉ፤ ‘ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ’ ይብል። እዚ ከኣ እቲ ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱን ሰማዕትነቱን ንዘለዓለ ምስክርነት ምውፋይ እዩ። ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ዘተ ኢየሱስን ጴጥሮስን ንስኻስ ሰዓበኒ ደኣ እትብል ቃል ንኢየሱስ ምስዓብ ወትሩ ንቅድሚት ምግስጋስ ኰይኑ ብኣኡ ክትምራሕን ክትኲስኰስን ኣብቲ ተኣፋፊ ዝኾነ ድኻምነትካ እውን ንሱ ክናብየካ ክሳብ ክኸድክነ ምፍቃድን የድሊ፤ ተኸታሊ ኢየሱስ ምንዃ ኣብ ጥ ዕናስ ይኹን ኣብ ሕማም ገዛእ ር እስኻ ኣብ እትኽ እለሉስ ይኹን ደግፍ ኣብ ዘድልየካ ወትሩ ንቅድሚት ምግስጋስ እዩ፤ ሰዓበኒ ደኣ ክብለካ እንከሎ እንተስ ብጉያ እንተስ ቀስ ብቀስ እንተስ ብካሮሳ እናደፍ ኡኻ ወትሩ ምስዓቡ ከምዘድሊ ተብርሃልና፤ ጥበብ ምስዓብ ጐይታ ወትሩ ምስክርነት እምነት ንምሃብ ኣብ ቅኑዕ ጐዳና ምህላው የድሊ፤ ጴጥሮስ ‘ጐይታይ ከምዘፍቅረካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ’ ይብል፤ እዚ ኸኣ ኣብ ድሩት ኩነታት ድኻምነትን ሽምግልናን ከይተረፈ እዩ። ንሽምጋትታት ዓይኒ ዓይኖም እናጠመትካ ምዝራብ ደስ ይብለኒ! እተን ዘብለጭልጫ ኣዕይንቶም ካብ ቃላት ንላዕሊ ምስክርነት ሕይወት ይህባ፤ ነዚ ክሳብ መወዳእታ ክን ዕቅቦ ኣሎና፤ ንኢየሱስ ምሉእ መዋዕልካ ምስዓብ የድሊ።

እዚ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ጴጥሮስን ዝተገብረ ዘተ ንኩሎም ተኸተልቲ ኢየሱስ ንዓና ንኣመንቱ ዓቢ ትምህርቲ ኣለዎ፤ ንኩሎም ሽማግለታት እውን! ካብ ተኣፋፍነትናን ድኻምትነናን ተማሂርና ነቲ ንካልኦት ብምግልጋል እንህቦ ምስክርትን ካልኦት እንከገልግሉና እንህቦ ምስክርነት ዝሳነ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሕማምን ሽምግልናን ሓገዝ ካል ኦት ምድላይ ይብርኽ፤ ከመይ ከም ቀደምና ምልኪ ገዛእ ርእስና የለን፤ ኣብዚ እምነትና እውን ክብርኽ ኣለዎ፤ ኣብዚ እውን ኢየሱስ ምሳና ኣሎ፤ ኣብ መዋእልና ምሉእ ዝተኸተልናያ ጐዳና እምነት ኣብዚ ሁመት እዚ ሃብታ ክፍልፍል ኣለዎ።

እንተኾነ ኣብዚ ዘመንና ዕድመ ሽምግልና ዝነውሓሉ ግዜ ድኻምነትናን ሓገዝ ካል ኦት ምጽባይን መጠኑ ዝነውሓሉ ዚዜና ከመይ ዝበለ መንስሳውነት ክነጥሪ ንኽእል! ኣብዛ ግዜ ድኻምነትና ጐሊሑ ዝረኣየሉ ጽግዕተኛ ኰና ካብቲ ባዕልና እንገብሮ ዝነበርና ኣብ እንሰናበተሉ ግዜ ኣብቲ መዋእልና ምሉእ ዝሰዓብናዮ ጐዳና እምነትን ዘተስፎናዮ ፍቅርን ሃሰስ ዝበልናዮ ፍትሕን ከመይ ቢልና ተኣመንቲ ኰና ንቅጽል! ተዋሳኢ ካብ ምዃን ምርሓቅ ቀሊል ኣይኮነን።

እዚ ሓዲስ ግዜ እዚ ብርግጽ ናይ ፈተነ ግዜ እዩ፤ ካብታ መራር ዝኾነት ሰብኣዊ ፈተና ወትሩ ክትዋሳእ ካብ ምድላይ ጀሚርካ ብዙሕ ፈተና ኣሎ፤ ተዋሳነት ባዕለይ ክገብር ዝብል ክጐድል ትሕትና ኣብ ዘመነ ሽምግልና ግድን እዩ፤ እንተኾነ ክትዋሳእ እትኽእለሉ ምስ ስድራ እሕወሰሉን ኣብ ማሕበረሰብን ምስ ኣዕሩኽትን እትጽንበረሉ ካልእ ብዙሕ መንገድታት ኣሎ። እታ ወንጌል እንረኽባ ውጥምና ጴጥሮስ ማለት ዮሓንስ ደድሕሪኦም ክስዕብ ምስ ረኣየ ‘ንሱኸ እንታይ ክውኸን እዩ’ (ዮሓ 21.20/21) ትብል ሕቶ ‘ኣብ ዘይመንጠቢትክን ኣይትደያ ኢድክን’ ተብል ውጥምና ኣብ ጉዳይ ካልኦት ምእታው ትምልከት፤ መልሲ ኢየሱስ ሱቊ በል ንስኻስ ሰዓበኒ ደኣ!. ይብሎ! እዚ ጸገም እዚ ንኩልና ዘጋጥም ኰይኑ ብጻየይ ክስ ዕበንዶ ይኸውን! ቦታይዶ ይወርስ ይኸውን! ድሕረይ ነዊሕዶ ክጸንሕ ይውኸን! ዝብል ዘይግዝን ዘይጠምቀን ሕቶታት የጋጥም እዩ፤ እታ ንጽርትን ቁሩብ ትርር ዝበለትን መልሲ ኢየሱስ ‘ንኣኻ እንታይ ገደሰካ ንስኻስ ሰዓበኒ ደኣ’ ትብል ጉዳይካ ግዳ ዘይትገብር ኣብ ጒዳይ ካልኦት ጦብሎቅ ኢልካ ኣይትእቶ! ንኣኻ ዘድሊ ንዓይ ምስዓብ እዩ! ይብሎ፤ እዚ ከኣ ንኢየሱስ ኣብ ኩሉ ምስ ዓብ ክበሃል ከሎ ኣብ ሕይወትስ ይኹን ኣብ ሞት! ኣብ ግዜ ጥ ዕናስ ይኹን ኣብ ግዜ ሕማም! ኣብ ራህዋስ ይኹን ኣብ ጸገም ኣብ ትንሣኤስ ይኹን ኣብ ውድቀት ምኽታሉ እዩ፤ ምናልባት ገለ ውጥምና ሒዙና ብዛዕባ ካል ኦት ምስ እንሓትት ከኣ ኢየሱስ ‘እንታይ ገደሰካ ሰዓበኒ ደኣ’ ኢሉ ክምልሰልና እዩ! እዚኣ ደስ ትብል ብጣዕሚ ጽብቅቲ መልሲ እያ። ንሕና ሽማግለታት ብመንገዶም ብዝኸዱ መንእሰያት ኣብ ሥራሕ ብዝትክኡና ኣጓብዝ ክንቀንእ የብልናን፤ መወዳእታና እናቀረበን ክንሰናበት እናተቀረረብናውን እንተኾነ ነቲ ዝመሓልናሉ ፍቅሪ እነርእዮ ተኣማነንት ነታ ዝኣምናላ እምነት ብተኣማንነት ምስዓብ ድሕሪና ንዝመጹ ወለዶ እንወርሶ ኣድናቆት ዘውህበና ዓቢ ውርሻን ብጐይታ እንምስገነሉን ጉዳይ እዩ። ተፋኒኻ ተሰንናቢክ ምኽኣል ዚዓበየት ጥበብ ሽምግለታት እያ፤ እንተኾነ ብሕጉስ ኣግባብ ምስንባት የድሊ! ምስ ማሕበረሰብስ ይኹን ምስ ካልኦት ብፍሕሽው ገጽ ምስንባት ምምሃር የድሊ፤ ሕይወት ሓደ ሽማግለ ቀስ ብቀስ እትሰናብተሉ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ጉያይ ወዲኤ እምነተይ ሓልየ እትብለሉ ግዜ እዩ፤ ሓደ ሽማግለ ‘ሕይወተይ ጽቡቅ ነቢረ! እዚኦም ስድራቤተይ እዮም! ሓጢኣተኛ እኳ እንተኾንኩ ዝገበርክዎ ሠናይ ነገር ኣሎ’ ክብል ክትሰምዕ ክንደይ ደስ ይብል። ካብ ከምዚ ዓይነት ምስንባት ሽማግለ ሰላም ይውለድ።

ከምቲ ናይ ማርያ ሓውቲ ኣልኣዛር ምንም ከይገበርካ ንጐይታ ጥራይ ብምስማዕ ዝንበር ዓይነት ሕይወት እውን ኣብ ዘመነ ሽምግልና ዝበለጸ ክፍሊ ሕይወት ክኸውን ይኽእል፤ ነዚ ከሕድገና ዝኽእል ከኣ ማንም የለን። ንሽማገለታት ንሓልዎም ኣብ ምሉእ መዋዕሎም ንዘጥረይዎ ጥበብን ዘለዎም ሠናይ ነገራትን ንከካፍሉና ንሓግዞም፤ ንሓልዎም ንስምዓዮም፤ ንሕና ሽማግለታት ከኣ ንመንእሰያትና ብፍሕሽው ገጽ ንርኣዮም፤ ንሶም መንገዶም ክስ ዕቡ እዮም! ነቲ ንሕና ዝዘራእናዮስ ይኹን ኒሕን ሓቦን ስኢና ዘይዘራእናዮ  ኪዓጽድዱ እዮም፤ ንዝጀመርናዮ ክምልኡ እዮም፤ እዚ ኣብ መንጎ ሽማግለታትን መንእሰይ ወለዶን ዝግበር ርክብ ተማላላኢ ክኸውን ኣለው፤ ከመይ ሓደ ሽማግለ ብዘይ መንእሰይ ክሕጐስ ወይውን መንእሰያት ሽማግለታት ከይረኣዩ ኣብ ሕይወቶም ንቅድሚት ክግስግሱ ኣይክእሉን፤ እግዚኣብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
22 June 2022, 13:54
ንኩሉ ኣንብብ >