ድለ

2022.06.10 Membri della Federazione delle Associazioni Familiari Cattoliche in Europa 2022.06.10 Membri della Federazione delle Associazioni Familiari Cattoliche in Europa 

ስድራቤታት ስምብራት ጽዩፍ ስእልታትን ክራይ ማሕጸንን ንምውጋድ ይስመሩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንኣባላት መበል 25 ዓመት ምሥረታኡ ዘኽብር ዘሎ ፈደረይሽን ካቶሊካውያን ስድራቤታት ኤውሮጳ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ንስደተኛታት ኡክራይና ብምቅባሎም ኣመስጊኖም ስለሰላም ክሰርሑ ናብ ዘወሃህድ እምበር ዝፈላሊ ነገራት ከየተኩሩ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ውሉድ ምህላው ብምንም ተኣምር ከም ጉድለት ሓላፍነት ክረኤ የብሉን እንክብሉ ኣጠንቂቆም።

ዜና ቫቲካን!

ሎሚ ከም ሎሚ ንስድራቤታት ከማኡ እውን ንምሉእ ዘመደ ኣዳም ዘጓንፍ ግድላት ብዙሕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነንሕድሕዱ ዝተጠናነገ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ብቀንዱ ግን ወጥርን ምክፍፋልን ኣብ ዝነገሰሉ ግዜ ሰላም ክተንግሥ ከማኡ እውን ለበዳ ኮቪድ ንዘስዓቦ ብሕትውና ክትቃለስ ዝገደደ ከኣ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ግላዊ መንፈስ ዝዓብለሎ ውሉድ ምህላው ከም ጉድለት ሓላፍነት ኣብ ቅድሚ ፍጡር ዝቊጸረሉን ግዜ ከቢድ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ብቀንዱ ሎሚ ኣብ ኤውሮጳ ብዝሒ ሕዝቢ ምንቁልቋል ጥራይ ዘይኮነ ዳርጋ ከም ኣህጉር ኣሪጋ እያ ክትብል ዘድፍር ቦታ ሽማግለታት ጥራይ ኮይና ምትራፋ ዘተሓሳስብ እዩ። እዚ ጥራይ ከይኣክል ጽዩፍ ስእልታትን  ቪድዮታትን ብምዝርጋሕ ክብሪ ወዲሰብ ምውራድ ምናዳ ኸኣ ክብሪ ግርማ ጓልኣንስተይቲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምውራድ ምዃኑ ድሕሪ ምትንታን ብዓቢኡ ንኩሉ ኩሉ ከጥፍእ ቀሪቡ ንዘሎ ውግእ ኣይፋል ምባል እዋኑ ምዃኑ ገሊጾም።

ንውግእ ኣይፋል!

ቅዱስነቶም ነቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ርክብ ማለት ብሩራዊ ኢዮቤል 25 ዓመት ፈደረይሽን ካቶሊካውያን ስድራቤታት ኤውሮጳ ዘሐጒስ እኳ እንተኾነ ሎሚ ኤውሮጳ ብሰንኪ ውግእ ኡክራይና ተሕልፎ ዘላ ድራማ ምናዳ ስድራቤታትን ብዙሓት ግለሰባትን ዘጓንፎም ዘሎ ስደትን መከራን ቈጺርካ ዝውዳእ ከምዘይኮነ ከምዚ ክብሉ ዝተሰምዖም ምረት ገሊጾም።

“ኣደታትን ኣቦታትን ዜግነቶም ብዘየገድስ ውግእ ፈጺሞም ኣይደልዩን። ስድራቤትሲ ቤትትምህርቲ ሰላም እያ። ቅድሚ ዝኣገረ ንስደተኛታት ኡክራይና ብፍላይ ከኣ ኣብ ሊትዋንያን ፖላንድን ሃንጋርን ብዝግበር ተቅባል ንኩለን ስድራቤታት አመስግን። ከማኡ እውን እዚ ፈደረይሽን እዚ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሕቊፉ ንዝተቀበለን 10 ውድባት ስድራቤታት ኡክራይና ናይ እትርከበን 4 ሓደስቲ ሃገራት አመስግን። ኣብ ተቊዋማት ኤውሮጳ ንዝርከባ ስድራቤታት ድምጺ ምሃብኩም ዝምስገን እዩ ኢሎም።”

ኣብ ተቊዋማት ኤውሮጳ ንዝርከባ ስድራቤታት ድምጺ ምሃብ

ፈደረይሽን ካቶሊካውያን ስድራቤታት ኤውሮጳ ድርብ ኣገልግሎት ከምዘለዎ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እታ ቀዳመይቲ ኣብ ተቊዋማት ኤውሮጳ ንዝርከባ ስድራቤታት ድምጺ ምሃብ ኰይና እታ ካልአይቲ ድማ ኣብ መላእ ኣህጉር ኤውሮጳ ድልዱል መረብ ስድራቤታት ምዝርጋሕ ምዃነን እዚ ከኣ ንተልእኮኦም ከምዘነጽር ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም።

“እዚ ተልእኮ እዚ ምስ እነካይዶ ዘሎና ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ምሉእ ብምሉኡ ዝተቃነየ እዩ፣ እዚ ከኣ ቤተክርስትያን ናይ ስድራቤት ስድራቤት ንክትከውን ዝደፋፍእ እዩ። እንተኾነ ኣብ ኤውሮጳስ ይኩን ኣብ ካልእ ዘለዋ ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን ንስድራቤታት ናይ ዘሰንያ ተግባር ዓለማውያንን ስድራቤታትን ተግባራት ክፉታት ክኾና ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ሕጹጽ ጉዳይ ምዃኑ ይገንዘባ፣ ነዚ ከኣ ንህልው ግድላት ተቃሊሰን ምእንቲ ክኽእላ ድልዱል መረብ ስድራቤታት ኣብ ኩሉ ከዋድዳ ኣለወን፣ ካብተን ዝዓበያ ግድላት ሓንቲ ዋሕዲ ውሉድ ኣብ ኤውሮጳ ምናዳ ኣብ ሃገረ ጣልያን ከማኡ እውን ዘይሰብኣዊ ተግባር ግን እናሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ማሕጸን ምክራይ እዩ። ኣብ ክራይ ማሕጸን ብዙህ ግዜ ድኻታት ደቂ ኣንስትዮ እየን ዝምዝመዛ ዝገደደ ከኣ እቶም ሕጻናት ከም ናይ ንግድ ኣቊሑት ኣብ ዋጋ ዕዳ ምውራዶም እዩ። ዝሓሰመ ቊስሊ ከኣ ጽዩፍ ስእልታትን ቪድዮታትን ኣብ ኩሉ ዝተዘርገሐ ኣሎ፣ ንሕጻናት ጥራይ ምክልኻል ዘይኮነ ካብዚ ቊስሊ እዚ ንኩልና ክከላኸሉልና ዘለዎም ንሕና ኩልናን ሰበሥልጣንን እዮም። ነዚ ኩሉ ንምቅላስ ድልዱል መረብ ኣብ መንጎ ስድራቤታት ኣዋድዱ ኢሎም።”

ኤውሮጳ ትኣርግ ኣላ!

ቅዱስነቶም ቀንዲ ዕዮ ገዛ ኣብ መንጎ ወለዶታት ምድግጋፍ ከምዝድንፍዕ ምግባር ምዃኑ ገሊጾም ናይዚ ምትድግጋፍ እዚ ጉድለት ኤውሮጳ ፈራዪትን ጸጋዪትን ካብ ምዃን ንበይና ብዘይ ሓዲስ ወለዶ ተሪፋ ዓዲ ሽማግለታት ኰይና ትኣርግ ኣላ። ንስድራቤት ዝምልከት ፖሎቲካ ንሥልጣን መንግሥታት ዘይኮነ ንኣገልግሎት ስድራቤታት ክከውን ኣለዎ።  መንግሥታት ንምብዛሕ ስድራቤታት ንዝዕንቅጹ ነገራት ከወግዱን ስድራቤት ክምስገንን ሽልማት ዝግብኦን ሓባራዊ ሠናይ ነገር ምዃኑ ከም መርገጺ ክሕዝዎ ሓደራ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ዘዘኻኸርዎ ውሉድ ንመጻኢ ሓደ ሕብረተሰብ ዋሕስ ከምዝኾነ ነዚ ንዝጻረር ዝኾነ ፖሊሲ ክቃወምዎ ሓደራ ኢሎም። ነዚ ዝጻረር ሓደ ናይ ሃልኪ ባህሊ ኮይኑ ምሳኡውን ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ግላዊ ጥቅሚ ጥራይ ዘቀድም ዓላማ ምዃኖም’ውን ግሊጾም።

ለበዳ ሕማም ብሕትውና!

ሓደ ካብቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስዓቦም ጸገማት ብሕትውና ኰይኑ ሕጂ ለበዳ ኮቪድ ኣብ ዝፈዀሰሉ ብሕትውና ንባዕሉ ለበዳ ኰይኑ ንብዙሓት የሳቂ ኣሎ።

“ብዙሓት ስድራቤታት ከም ናይ ገዛ ኣብያተ ክርስትያን እኳ እንተተገለጻ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ብዙሓት ስድራቤታት ብብሕትውና ተዋሒጠን ተሳትፎ ኣብ ቅዱሳት ምሥጢራት ብመራኸቢ ብዙሓን ጥራይ ዝኾና ኣለዋ፣ ስለዚ መረብ ስድራቤታት ናብዚኤን ገጹ ክዝርጋህ ኣለዎ። ማንም በይኑ ድሕሪት ክተርፍ የብሉን፣ ነዚ ከኣ ምስ ጓሶትን ናይ ክልል ኣብያተክርስትያንን ብምትሕብባር ክገብርዎ ሓደራ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
11 Jun 2022, 13:49