ስድራቤታት ስምብራት ጽዩፍ ስእልታትን ክራይ ማሕጸንን ንምውጋድ ይስመሩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ሎሚ ከም ሎሚ ንስድራቤታት ከማኡ እውን ንምሉእ ዘመደ ኣዳም ዘጓንፍ ግድላት ብዙሕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነንሕድሕዱ ዝተጠናነገ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ብቀንዱ ግን ወጥርን ምክፍፋልን ኣብ ዝነገሰሉ ግዜ ሰላም ክተንግሥ ከማኡ እውን ለበዳ ኮቪድ ንዘስዓቦ ብሕትውና ክትቃለስ ዝገደደ ከኣ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ግላዊ መንፈስ ዝዓብለሎ ውሉድ ምህላው ከም ጉድለት ሓላፍነት ኣብ ቅድሚ ፍጡር ዝቊጸረሉን ግዜ ከቢድ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ብቀንዱ ሎሚ ኣብ ኤውሮጳ ብዝሒ ሕዝቢ ምንቁልቋል ጥራይ ዘይኮነ ዳርጋ ከም ኣህጉር ኣሪጋ እያ ክትብል ዘድፍር ቦታ ሽማግለታት ጥራይ ኮይና ምትራፋ ዘተሓሳስብ እዩ። እዚ ጥራይ ከይኣክል ጽዩፍ ስእልታትን ቪድዮታትን ብምዝርጋሕ ክብሪ ወዲሰብ ምውራድ ምናዳ ኸኣ ክብሪ ግርማ ጓልኣንስተይቲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምውራድ ምዃኑ ድሕሪ ምትንታን ብዓቢኡ ንኩሉ ኩሉ ከጥፍእ ቀሪቡ ንዘሎ ውግእ ኣይፋል ምባል እዋኑ ምዃኑ ገሊጾም።
ንውግእ ኣይፋል!
ቅዱስነቶም ነቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ርክብ ማለት ብሩራዊ ኢዮቤል 25 ዓመት ፈደረይሽን ካቶሊካውያን ስድራቤታት ኤውሮጳ ዘሐጒስ እኳ እንተኾነ ሎሚ ኤውሮጳ ብሰንኪ ውግእ ኡክራይና ተሕልፎ ዘላ ድራማ ምናዳ ስድራቤታትን ብዙሓት ግለሰባትን ዘጓንፎም ዘሎ ስደትን መከራን ቈጺርካ ዝውዳእ ከምዘይኮነ ከምዚ ክብሉ ዝተሰምዖም ምረት ገሊጾም።
ኣብ ተቊዋማት ኤውሮጳ ንዝርከባ ስድራቤታት ድምጺ ምሃብ
ፈደረይሽን ካቶሊካውያን ስድራቤታት ኤውሮጳ ድርብ ኣገልግሎት ከምዘለዎ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እታ ቀዳመይቲ ኣብ ተቊዋማት ኤውሮጳ ንዝርከባ ስድራቤታት ድምጺ ምሃብ ኰይና እታ ካልአይቲ ድማ ኣብ መላእ ኣህጉር ኤውሮጳ ድልዱል መረብ ስድራቤታት ምዝርጋሕ ምዃነን እዚ ከኣ ንተልእኮኦም ከምዘነጽር ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም።
ኤውሮጳ ትኣርግ ኣላ!
ቅዱስነቶም ቀንዲ ዕዮ ገዛ ኣብ መንጎ ወለዶታት ምድግጋፍ ከምዝድንፍዕ ምግባር ምዃኑ ገሊጾም ናይዚ ምትድግጋፍ እዚ ጉድለት ኤውሮጳ ፈራዪትን ጸጋዪትን ካብ ምዃን ንበይና ብዘይ ሓዲስ ወለዶ ተሪፋ ዓዲ ሽማግለታት ኰይና ትኣርግ ኣላ። ንስድራቤት ዝምልከት ፖሎቲካ ንሥልጣን መንግሥታት ዘይኮነ ንኣገልግሎት ስድራቤታት ክከውን ኣለዎ። መንግሥታት ንምብዛሕ ስድራቤታት ንዝዕንቅጹ ነገራት ከወግዱን ስድራቤት ክምስገንን ሽልማት ዝግብኦን ሓባራዊ ሠናይ ነገር ምዃኑ ከም መርገጺ ክሕዝዎ ሓደራ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ዘዘኻኸርዎ ውሉድ ንመጻኢ ሓደ ሕብረተሰብ ዋሕስ ከምዝኾነ ነዚ ንዝጻረር ዝኾነ ፖሊሲ ክቃወምዎ ሓደራ ኢሎም። ነዚ ዝጻረር ሓደ ናይ ሃልኪ ባህሊ ኮይኑ ምሳኡውን ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ግላዊ ጥቅሚ ጥራይ ዘቀድም ዓላማ ምዃኖም’ውን ግሊጾም።
ለበዳ ሕማም ብሕትውና!
ሓደ ካብቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስዓቦም ጸገማት ብሕትውና ኰይኑ ሕጂ ለበዳ ኮቪድ ኣብ ዝፈዀሰሉ ብሕትውና ንባዕሉ ለበዳ ኰይኑ ንብዙሓት የሳቂ ኣሎ።