ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ንእምነት ብህያው ቲዮሎጊያ ከተራኽቦ ኣለዋ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ንእምነት ብህያው ቲዮሎጊያ ከተራኽቦ ኣለዋ! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ንእምነት ብህያው ቲዮሎጊያ ከተራኽቦ ኣለዋ!

እወ ቲዮሎጊያ ምምሃርን ምጽናዕን ኪበሃል እንከሎ ኣብቲ ወንጌል ንሰባት ብሓቂ ዜድልዮም ነገራት ኣብ ዜማልኣሉ ዶብ ምንባር ማለት እዩ!

ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 150 ዓመት ቅዋመ ናይታ “ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ” ዘርእስታ ናይ ቲዮሎጊያ መጽሔት፥ ንናይ ሚላኖ ርእሰ ሰበኻ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት መምሃራንን ኣባላት ቤተ ህንጸትን ዕለት 17 ሰነ ተቐቢሎም፥ ዓለም “ጠረጴዛውያን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ” ዘይኮነስ “ክኢላታት ሰብኣውነት” ዝኾኑ ካህናት እዮም ዘድልይዋ - ስብከት ወይ ትምህርተ ክርስቶስ ብዓቢዪኡ ብስነ ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ዝቖመ እንተድኣ ኴይኑ ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ምዝራብ ዓቕሙ ኣዚዩ ዝተሓተ እዩ ዝኸው” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ቅድም ቀዳድም እታ ምስ ናይ ሚላኖ ርእሰ ሰበኻ ጥብቂ ምትእስሳር ዘለዋ “ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ” ዘርእስታ መጽሔት - ሓደ ኣንጠረይና ጥበባዊ ስርሑ ዘርእየሉ ነቲ ናይ ምፍጣር ክእለቱ ዚድነቐሉ መስኮት” ትመስል ቢሎም፥ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብፍላይ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ኣገዳሲ ዝኾነ  ሰለስተ መዳያት ቲዮሎጊያ ኣብ ዘጒልሑሉ ቃለ ምዕዳኖም፥ ብዛዕባ ተልእኾ ኣብያተ ትምህርቲ ቲዮሎጊያ እከብርሁ፥

ቲዮሎጊያ ኣብ ኣገልግሎት ህያው እምነት ቤተ ክርስቲያን

እምነት ንዘመናዊ ዓለም ምትርጓምን ምብራህን ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዕድመ ንዝርከቡ እምነት ዘቕርብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ እዩ።

ስለዚ እዩ ቋንቋ ቲዮሎጊያዊ ወትሩ ህያው ክኸውን ዘለዎ። ገዛእ ርእሱ ንኸረድእ እንተድኣ ኮይኑ ዘይሕግዝ ፍልቀት ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ቲዮሎጊያ ብፍላይ ሎሚ ትርጒም ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ምንቕቓሕን ናይ ምምራሕን ዓቢይ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ገሊጾም፥ ነቶም ናይ ሚላኖ ዘርኣ ክህነት መምሃራንን ሃነጽንት ንሓቅታት እምነት ንእዋናዊ ወይ ዘመናዊ ዓለም ብኸመይ ይዛረቡን ይነገሩን ከም ዘለዉ ገዛእ ርእሶን ንኽሓቱ ይላበዉ።

ክኢላታት ሰብኣውነትን ምቅርራብን ምዃን

ንዝተሓደሰን መጻእን ጸዋዕታ ግሩም ህንጸት ኣገዳሲ ምዃኑ እንከጒልሑ፥

ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ ኣብ ማእከል ቤተ ክስቲያን እዩ ዚውለድን ዚዓብን!

እቶም ናብ ክህነት ወይ ገዳማዊ ህይወት እተጸውዑ ኵሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ተመክሮ ከም ዘለዎም እቶም ሃነጽትን መምሃራንን ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት፥ ንብምሉኡ ባህርያት ናይቲ “ዝጽዋዕ” ማለት “ኣእምሮኦም ስምዒታቶም ልቦም ሕልምታቶም ትምኒቶም” ክራኸቡ እዩ ዘለዎም።

ንፉዕ ሃናጺ ዝገብር “ኣገግሎቱ ብዲያቆናዊ መንፈስ እዩ ዚገልጾን ዚነብሮን፡ ከመይሲ እዚ ኣረኣእያ እዚ “ጭቡጥ ህላወ ሰባት” ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ። ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ካብ ብቓላት ንላዕሊ ንኻልኦት ብፍላይ ከኣ ንስኡናት ብኸመይ ገዛእ ርእሶም ክፉታት ኪገብሩን ንኸገልግሉዎም ስድዋት ክገብሮም ዝኽእል ካብ ናይ ሃነጽቶም ካብ ዝርእይዎ ጭብጥ ምስክርነት እዮም ኪህነጹ ዘለዎም።

ኣብ ማእከል ኣገልግሎት ዚንበር ወንጌላውነት

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ፥ ወንጌላውነት ፈጺሙ መስድዒ ዘይኰነ ቀንዲ ክፍሊ ኣገልግሎት እቶም ሕንጸት ዝህቡ መምሃራንን ሃነጽትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ገዳማውያንን ምዃኑ ገሊጾም። ንወንጌላውነት ከም “ናብ ክርስቶስ ዝስሕብ ህይወትካ ዝቕይር ዘሐጒሰካ ከምኡ እውን በብመዓልቱ ሓድሽ ፍጥረትን ዝርአ ምልክት ፍቕሩን ዝገብረካ ሰብኣዊ ርክብ ክህሉ ዚገብር እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ወንጌል ናይ ምቕባል መሰል ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ “ንኽርስትያን ግድን ምስ ዓለም ምስ እተፈላለየ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዝግበር ዘተ የመልክት። “ናብ ምስጢር ዘእትወናን ንተልእኾ ቤተ ክርስትያን ዘጒልሕን መንፈስ ቅዱስ” ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ በዚ ምኽንያት እዚ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን መምሃራንን ንዓለም ክፉት ክዀኑ ኣለዎም፡ እዚ ድማ ነቲ መንፈስ ዝመርሓሉ ምሉእ ሓቂ ከስግዉ ኣለዎ፥”

እወ ቲዮሎጊያ ምምሃርን ምጽናዕን ኪበሃል እንከሎ ኣብቲ ወንጌል ንሰባት ብሓቂ ዜድልዮም ነገራት ኣብ ዜማልኣሉ ዶብ ምንባር ማለት እዩ!”

“ስለዚ ከኣ እዩ ድማ ህያው ዝዀነ ‘መቐረት’ ዝህብ ከምኡ እውን ፍልጠት ዝህብ። መሰረት ናይቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ማሕበረሰባት ክውድብን ክለማመድን ከምኡ እውን ኣብቲ ሎሚ ዘሎ ባህላዊ ለውጢ እምነት ንኽጅምር ንኽበራበር መሰረት ዝዀነ ቲዮሎጊያ ዘድልየና።”

ንእምነትን ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ንምግልጋል

ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ሚላኖ ርእሰ ሰበኻ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሃነጽትን መምሃራንን እቲ ንሶም ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን፥ ንእምነትን ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ንዓለም ናይ ምግልጋል ጸዋዕታ ክዅስኵሱ” ዝሕግዞም ኪኸውን ተስፋ ብምግባር ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Jun 2022, 15:52