ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ እዋኑ እዋን እንግዶት እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ቦታ ኣሎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሰነ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብዚ ዓመት እዚ ሊቀ ጳጳሳት ቢሎም ዝሰመይዎምን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላትን ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን፥ ምስክርነት እቶም ክልተ ሓዋርያት ንዓለም ዝያዳ ሰብኣዊ ንምግባር ቀልጢፍና ክንብገስ የለዓዕለና ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዝሸምዎም 44 ናይ ዓበይቲ ከተማታት ሊቀ ጳጳሳትን ሜጥሮጶሊታን ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ብብጹዕ ካርዲናል ጀምስ ሚካኤል ሃርቨይ ንቕዱስነቶም ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ነፍሲ ወከፍ ሊቀ ጳጳሳት ቃለ ማሕላ ፈጺሞምን ካብ ቅዱስነቶም ዝተባርከ ኣክሚም ከም ዝሃቡን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ጥንታዊ ቅዱስ ሓወልስቲ ቅዱስ ጴጥሮስ
ጥንታዊ ቅዱስ ሓወልስቲ ቅዱስ ጴጥሮስ

ጴጥሮስን ጳውሎስን ዘሕለፍዎ ተመክሮ ሎሚ ንእታይ እዩ ዝብለና?

ኣብ ክልተ መዳያት ከነተኵር ይዕድሙ፥ እቲ ቀዳማይ ቀልጢፍካ ምትንሳእ ዝብልን እቲ ካልኣይ ድማ ሰናይ ገድሊ ምግዳል ዝብል እዩ። እዞም ክልተ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣብዚ እቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ኣብ እነካይደሉ ዘሎና እዋን ሎሚ ንክርስቲያን ማሕበረሰብ እንታይ ርእይቶ እዮም ዘቕርቡልና ቢልና ገዛእ ርእስና ክንሓትት ከም ዘሎና እንክምዕዱ፥

ሓድሓደ ግዜ ከም ቤተ ክርስቲያን መጠን ብትህኪት ተአዋሒጥና ኣብ ክንዲ ናብ ሓድሽ ትርኢት ናብ ክፉት ባሕሪ እንጥምት ኮፍ ኢልና ብዛዕባ እቲ ዘሎና ሒደት ርግጸይናታት ዝኾንናሉ ነገራት ከነስተንትን ኢና እንደሊ። መብዛሕቲኡ ግዜ ከም ጴጥሮስ ሕዳሴን ለውጥን ስለ ዘፍርሓና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ልማዳትና ተቐይድና ንተርፍ፡ እዚ ከኣ ኣብ ሓዲግ መንፈሳውነት ክንኣቱ ይገብረና ኣብ ህይወት ጒስነት እውን ከይተረፈ “ብህይወት ንምንባር ምስጓም” ንገዛእ ርእሱ ሓደገይና ኮይኑ ይስምዓና ናይ ተልእኾ ውዕዉዕ ስምዒት የዳኽም ምልክት ሓይልን ምህዞን ኣክንዲ ምዃን ከኣ ልብጥ ናይ ዝበለን ዝለመሰን ህይወት ዝነብሩ ኮይንና ንርከብ፡

ዕለት 29 ሰነ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ
ዕለት 29 ሰነ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ

ቤተ ክርስቲያን “ናብ መስቀላዊ መገዲ ጐደናታት” ብምውጻእ ንዅሎም ሓንጉፋይ ትብል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ደሉባኽ ጠቒሶም፥ ነቲ ሕይወት ዝኾነ ወንጌልን ነቲ ናይ ሕዳሴ ኣንፈት ናብ ወግዓውነትን ልድምን ከም ዚወድቕ ዝገብር ስግኣት ምህላዉ ኣቐዲሙ ዘስተውዓለ ከም ዝነበረ እውን ገሊጾም፡ ኣብ ክንድኡስ ሲኖዶስ ምስ ዓለም ንምርኻብ ኣብ ገዛእ ርእሳ ዘይትዕጸው በእጋራ ደው ዝበለት ዝተንስአት ቤተ ክርስቲያን ክንከውን እዩ ዝጽውዓና፥

ኣብ ትሕቲ እንኮ ስልጣን መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ናይ ምስማዕን ዘተን ከምኡ እውን ተሳትፎ ናይ ምግባር ክእለት እተማዕብል መቝሕን መንደቕን ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን፡ ቀልጢፋ እትትንስእን ናጻን ትሕት ዝበለትን ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ግዜና ዝርአ ብድሆታት ንምግጣም ምድንጓያት ዘይተዋህልል ኣብ ቅዱስ ቀጽርታታ ዘይትዕጾ የግዳስ በቲ ወንጌል ንምስፋሕ ብዝብል ባህጊ ክትነቓቓሕ እትፈቅድ ቤተ ክርስቲያን ምዃን

ዕለት 29 ሰነ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ
ዕለት 29 ሰነ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ

ከም ዘድሊ ቅዱስነቶም ኣተሓሳሲቦም ኣስዒቦም ኣብታ ንዅሉን ናይ ኵሉን እትብል ቃል ኣተኵይሮም፥

ናብ መስቀላዊ መገዲ ብምውጻእ ንዅሎም ዕውራትን ሓንካሳትን ዝሓመሙ ደቃን ማለት ንዅሎም ናብኣ እተምጽእ፡ እዚ ቃል ናይ ጐይታ እዚ ኣብ ኣእምሮን ልብን ክቃላሕ ኣለዎ፡ ትማሊ ሓደ ካባኻትኵም “እዚ ግዜ እዚ ንቤተ ክስርቲያን ናይ ስንብታ ዘይኮነስ ሓንጐፋይ ቢልካ ናይ ምእንጋድ ግዜ እዩ” ዝበለኒ እዝክር። . . .

ነፍሲ ወከፍና ንቤተ ክርስቲያን ኣበርክቶ ክንገብር ኣሎና

ቅዱስ ጳውሎ ወንጌል ካብ ምእዋጅ ኣይነሓፈን መስጐጒትን መከራን እውን ኣሕሊፉ እዩ። ብዙሓት ሰባት ንኢየሱስ ኪቕበልዎ ፍቓደይናታት ስለ ዘይኮኑ ኣብ ምወዳእታ ህይወቱ ኣብ ታሪኽ ዓቢይ ውግእ ከም ዘላ የስተውዕል ነበረ፡ እቲ ዘካይዶ ዝነበረ ዕዮን ቃልስን ሎሚ ናብ ጥዑይ ማሕበረሰብ ኣሕዋት እዩ ዝመሓላለፍ፥ . . . ነፍሲ ወከፍ ልኡካነ ወንጌል ናይ ገዛእ ርእሱ ግደ ንኸወፊ እዩ ዝጽዋዕ . . .

ኣብዚ መዳይ እዚ ክልተ ሕቶ ከነቕርብ ንኽእል፥ “ንቤተ ክርስቲያን እንታይ ክገብረላ እኽእል . . .? ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ኣይነማርር የገዳስ ንሓልዋ. . . ብውዕውዕ ስምዒትን ብትሕትናን ኣብኣ ምስታፍ . . . ከመይሲ ልሙሳት ተዓዘብቲ ክንከውን የብልናን። . . . ካልኦት ናብኣ ንኸይቐርቡ ዝዓግቱ ዘይምዃን፡ ቤት ቀዳማይን ካልኣይን ወይ ዳሕረዋይን ደረጃ ዘለዎም ክርስቲያን ኣይኮነትን . . . ቤት ኵሉ እያ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቍስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ልኡኽ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቍስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ልኡኽ

መባዅዕቲ ምዃን

ወንጌል ምእዋጅ ማለት “ገልተይና ምዃን ወይ ንጡር ማይ ምዃን ማለት ኣይኮነን . . . ኣብቲ ሰብኣዊ መስርሕ ስልጣን እከይን ዓመጽን ብልሽውናን ምጉዳል ፍትሕን ምንጻልን ዚገዝኣሉ ሓዊ መንግስቲ ኣምላኽ ምጉህሃር ማለት እዩ” . . . ቢሎም ኣተሓሒዞም “ከም ቤተ ክርስቲያን መጠን ነታ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ዝያዳ ሰብኣውን ዝያዳ ፍትሓዊትን ዝያዳ ንኣምላኽን ንሕውነትን ክፉት ንምግባር ክኸውን ብሓባር እንታይ ክንገብር ንኽእልን? ዝብል ሓቶ ኣቕሪቦም “ኣብ ብሑቕ ዓለም ምባኵዕቲ ምዃን” እዩ ዘድልየና፥

ብሓባር ኴይና ንህይወት ሰብ ንዕቝባ ክብሪ ስራሕ ጸገማት ስድራ ቤት ኵነታት ኣረጋውያን ከምኡ እውን ኵነታት እቶም እተጠንጠኑን እተናዕቝን ሰባት ክንክናኸን ንኽእል ኢና፥ ክንከናኸን እውን ኣሎና። ብሓጺሩ ናይ ወንጌል ሓሴት ኣብ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምእንቲ ኪበርህ ባህሊ ክኸውን ሓልዮት ንድኹማትን ድንጋጸ ንዝተናዕቍን እትነብርን  ሕሉፍ ሓሊፋ እውን ምስ ኵሉ ዓይነት ብልሽውና እትቓለስ ቤተ ክርስቲያን ክንከውን እሎና፡ እዚ በዳሂ እዩ!

ቃል ሰላምታ ንልኡካን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ

ቢሎም ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ስብከት ቅድሚ ምዝዛሞም፥ ንዅሎም ሓደስቲ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ኮይኖም ነቲ “ጽቡቕ ገድሊ ክቃለሱ መታን ሓለውቲ መጓሰ “ ኪዀኑ ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሮም ኣስዒቦም ነቶም ኣብቲ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ዝሓበሩ ልኡካን “ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ልኡካን፥ “ልኡካን ፍቑር ሓው በርጠለመዎስ ቀዳማዊ” እንክብሉ ገሊጾም ስለ ምርኻቦም ሰላምታ ኣቕሪቦምን ኣመስጊኖምን፥ “ሓቢርና ስለ እንመላለስ እመስግነኵም  . . . ከምይሲ ዘርኢ ወንጌልን መሰኻኽር ሕውነትን ክንከውን እንኽእል ኣብ ሓባራውነት እዩ” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ
30 June 2022, 15:07