ድለ

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ካናዳ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ካናዳ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ናብ ካናዳ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብሪ

ናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብጀካ እዚ ቅዱስነቶም ኣብዚ ኣብ ካናዳ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ መገዲ ዕርቂ ምሕዋይን ተስፋን ንቕድሚት ዘብል ስጒምቲ ከረጋግጹ ምዃኖም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 24 – 30 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ናብ ኤድሞንቶን ማስክዋሲስ ኪበክ ኢካሉይት ከተማታት ዘብጽሖም ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ካናዳ ከካይዱ እዮም። ኣብዚ መገሻኦም እዚ እውን ናይ ቀደም ናይ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮ ምስ ዝነበሩ ክራኸቡን ዕለት 26 ሓምለ ድማ ምስ ገለ ምእመናን ደቀባት ብሓባር ናብ ቀላይ ቅድስቲ ሃና ክነግዱ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብጀካ እዚ ቅዱስነቶም ኣብዚ ኣብ ካናዳ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ መገዲ ዕርቂ ምሕዋይን ተስፋን ንቕድሚት ዘብል ስጒምቲ ከረጋግጹ ምዃኖም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝሓበረ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድም ክብል ተሓቢሩ ከም ዝነበረ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 24 – 30 ሓምለ ኣብ ካናዳ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ እዮም፡ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምስ ደቀባት ካናዳ ክራኸቡን ናይ ነበር ሓዳሪ ኣባይቲ ትምህርቲ ነበር ተመሃሮ ክራኸቡን ኣብ ኤድሞንተን ማስክዋሲስ ኩበክ ኢካሉይት ከተማታት ኪበጽሑን ኣብዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ኣርባዕተ መደረ ኣርባዕተ ስብከታትን ከም ከእቕርቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

ኣብ ኤድሞንቶን

ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 24 ሓምለ ንግሆ ሮማ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ክነቕሉን ኣብ ካናዳ ኤድሞንት ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርት ክበጽሑን ኣብኡ ብመንግስቲ ካናዳን ወከልቲ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ብናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ምእመናን ወከልቲ ደቀባት ካናዳን ኣቀባብላ ክግበረሎም ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዕለት 25 ሓምለ ካብ ኤድሞንቶን ብሸነኽ ሰሜን 70 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ማስክዋሲስ ብምኻድ ምስ ደቀባት ሃገረ ካናዳ ክራኸቡን ምሸት ምስ ደቀባትን ምስ ኣባላት ቁስምና ቅዱስ ልቢ ክራኸቡን ዕለት 26 ሓምለ ኤድሞንቶን ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም የመላኽት።

ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ

ረቡዕ ዕለት 27 ሓምለ ናብ ከተማ ኵበክ ብምኻድ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ካናዳ ዝገብርዎ ምብጻሕ ክዛዝሙምን ኣብ ኵበክ ብናይ ሃገረ ካናዳ መንግስትን መራሔ መንግስቲ እታ ሃገር ክራኸቡን ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ብቐጥታ ምስ ናይ ካናዳ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ካናዳ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡከ መንግስታትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ሃይማኖታት ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ደቀባት ማሕበርሰብ ወከልትን ክራኸቡ እዮም። ሓሙስ ዕለት 28 ሓምለ ቅዱስነቶም ኣብ ቅድስቲ ሃና ዘቡውፕረ ቅዱስ ስፍራ መስዋዕት ቅዳሴ ከዕርጒ እዮም። ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ካቴድራል ኖትረ ዳም ምስ ናይ ካናዳ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ዲያቆናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋፊሮም ዝዓዩ ምእመናን ክራከቡን ብሓባር ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ክደግሙን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ኣብ ነበር ሓዳሪ ኣባይቲ ትምህርቲ ነበር ተመሃሮ

ዓርቢ ዕለት 29 ሓምለ ቅዱስነቶም ምስ ተወከልቲ ደቀባት ኣብቲ ኣብ ኵይበክ ኣብ ዝርከብ መንበረ ሊቀ ጳጳሳት ቅድሚ ምርኻቦም፡ ኣብ ካናዳ ምስ ዘገልግሉ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ኣባላት ብግሊ ክራኸቡ እዮም። ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ናብ ከተማ ኢካሉይት ብምኻድ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ነበር ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ምስቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮ ዝነበሩ ብብሕቲ ክራኸቡ እዮም፡ ኣስዒቦም እውን ምስ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክራኸቡ ምዃኖም ዝሓብረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንኽምለሱ ካብ ኢካሉይት መዓርፎ ነፈርት ሮማ ናብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ክነቕሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

24 June 2022, 15:29