ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ‘ኣብ ዩክረይን ዛዕባ ቃኤልን ኣቤልን ዚገልጽ መዓት ይረአ ኣሎ’ ር.ሊ.ጳ.፥ ‘ኣብ ዩክረይን ዛዕባ ቃኤልን ኣቤልን ዚገልጽ መዓት ይረአ ኣሎ’  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ.፥ ‘ኣብ ዩክረይን ዛዕባ ቃኤልን ኣቤልን ዚገልጽ መዓት ይረአ ኣሎ’

“ሰይፊ ማሕረሻ ኪኸውን ኵናት ከኣ ገዞሞታት ኪኸውን እዩ እሞ ሓደ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰይፊ ኣይከልዕልን እዩ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ሰነ ነቶም ብኣሕጽሮት ቃል ROACO እተሰምየ ሕብረት ገባሬ ሰናይ ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ትካል ኣብ ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻውዊ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ተቐቢሎም፥ ኣብቲ ዓመጽን ግጭትን ብሰፊሕ ኣብ ዝረኣየላ ዓለም ሰላም መገዲ ክረክብ መታን ጸሎትን ጾምን ግብረ ሰናይን ከየቋርጹ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብታ ዓውዲ ኵናትን ግጭትን” ኣብ ዝኾነት ዓለም ሰላም መገዲ መታን ኪረክብ ጸሎትን ጾምን ግብረ ሰናይን ክገብሩ ሓቲቶም፡ እታ ብውግእ እተጠቕዔት ዩክረይን ዕሽሽ ከይትበሃል ኣተሓሳሲቦም፥ ውግእ ዝካየደለን ክነሰን ሎሚ ዝተረስዓ ሃገራትን ህዝበንን ከይርስዑን እቶም ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓኣትናን ብጸሎትን ብግብረ ሰናይን ቀረባ ንዅኖም እንክብሉ ከም ዝመዓዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣጽዋር ውግእ ንዘተ ቦታ ክሓድግ

ቅዱስነቶም እቲ ማሕበር ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ህዝቢ ኣቃልቦ ዝገብር ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቦም፥ “ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ንኢትዮጵያን ገለ ክፍልታት ኤርትራን ዝትንክፍን ዘቝስልን እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ዘስዕቦ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ጸገም ኵሉ ዘርዚሮም፡ ነቶም ካብ ውግእ ዘምልጡ ሓንጐፋይ ቢለን ዘእንግዳ ሃገራት ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣብ ዩክረይን ህይወት ዘጥፍእ ዓመጽ ተፈጢሩ ኣሎ እዚ ኸኣ ንሕና ኣመንቲ ብጸሎት ብጭቡጥ ሓገዝ ግብረ ሰናይ ምላሽ ክንህበሉ ዝግብኣና ዲያቢሎሳዊ ዓመጻ ምዃኑ ኣለሊና ብትግሃት ክንነጥፍ ሓደራ . . . ትዕቢትን ኣምልኮ ጣዖትን ንደቂ ሰብ ከውድቕ ስንጮሮታት ምብዳምን ንብዓት ክሰፍሕን ንርእይ ኣሎና . . .

“ሰይፊ ማሕረሻ ኪኸውን ኵናት ከኣ ገዞሞታት ኪኸውን እዩ እሞ ሓደ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰይፊ ኣይከልዕልን እዩ”  

ዝብል ትንቢት ዘይኮነስ ኵሉ ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ዚኸይድ ዘሎ እዩ ዚመልስ ምግቢ ይንኪ ብዝሒ ኣጽዋር ድማ ክብ ይብል ኣሎ” እንክብሉ ጓሂኦም ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ሲኖዳውነት ኣገባብ ማሕበር ሕብረት ገባሬ ሰናይ ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ትካል

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ተጋባእያን ROACO - ኣብ ግብረ ሰናይ ዝዋሳኡ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ካልኦት ዝተፈላለያ ናይ ረድኤት ትካላት ኵሎም ዘለዎም ግደ ብምምኽኻር ኵነታት ብቐረባ ብምጽናዕ ናይ ዝቐርብ ዝተወሃሃደ ግብረ ሰናይ መግለጺ ኪኾኑ፡ ምስ ካልኦት እውን ብምዝታይ ክዓዩ” ተላብዮም፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ምብራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዓዶም ኮነ ኣብ ዞባታቶም ነቶም ስደተይናታት ተባሂሎም ዚጽውዑ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓንጐፋይ ቢሎም ምእንቲ ኪቕበልዎም ገዛእ ርእሱም ካብ ጒጅለኣዊን ዓሌታውን ፈተናታት ከርሕቝ” ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሶሪያ ዒራቕ ሊባኖስ

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ሊባኖስ ብዙሓት መንእሰያት ብንጥፈት ዘሳተፈ ዋዕላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘኪሮም፥ እቲ ናይ 12 ዓመት ውግእ ነታ ፍቕርትን ሰማእትን ዝኾነት ሃገረ ሶርያ፥ ምድረ በዳነት ድኽነት ተስፋ ምቑራጽን ሞትን ከም ዘስዓበን እቲ ንምስራቓውን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ረድኤት ኣብኡ ተረኺቡ እቲ ህዝቢ ዘድልዮ ከለልይን ክሰምዕን ክኢሉ እዩ። ከምኡ እውን እቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ንኽመክር ዝተጸውዐ ሲኖዶስ ድሮ ኣብ ኵለን ሰበኻታት እተበገሰ፥ ኣብ ሊባኖስ እውን ይካየድ ብምህላዉ እዚ እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሊባኖስ ንዝህቢ ክትሰምዕ ከም ዝገብራ እውን ገሊጾም በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሊባኖስ ምብጻሕ ኣካይዶም ድሕረ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ  “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ” ብዝብል ኣርእስቲ ደሪሶም ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ንገዛእ ርእሱ ሲኖዳውነት ኣገባብ ዘመላኽት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብዙሕ ነገራት ተፈጺሙ እዩ - ብዛዕባ እቲ ምስ ዒራቕን ሶሪያን እተተሓሓዘ ዘሕዝን ፍጻመታት ኣብ ምድሪ ቄድሮስ ዘጋጠመ ናዕቢ እሞ ሕስብ ነብሎ። ሕጂ ግን ምስተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ኣቢያተ ክርስትያን ጥብቂ ርክብ ከም ዘሎ ንምግላጽ ከምኡ እውን ኣብ ሶሪያን ዒራቕን እንኮላይ ኣብ ሊባኖስ ናይ ምትሕብባር ዕዮ ንምቕጻል እዋናዊ ናውትን ምቹእ መገድታትን ምርካብ ኣድልዪ ምዃኑ ገሊጾም ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 June 2022, 15:21