ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን መስካሪት ሲኖዳውነት
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ብራዚል ግዝኣት ፓራ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳንታረም ናብ ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ ናይ ዞባ ኣማዞን ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ዓውደ ኣኼባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕልሚ ሓድሽ ወጅህታት ንቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ባህርያት ኣማዞን ዝብል ሓሳብ ዘብርህ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እተን ኣብ ብራዚል ዞባ ኣማዞን ዝርከባ ሰበኻታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ከም ቤተ ክርስቲያን ዝተጸውዓሉ ሓሳብ መሰረት ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ተሳትፎን ተመክሮን ከምኡ እውን እዚ ከም ተልእኾ ንኽምስክርኦ ከም ዝኾነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ብራዚል ከተማ ሳንታረም ናብ ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ዞባ ኣማዞን ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣዘኻኺሮም፡ እዘን ኣብ ዞባ ኣማዞን ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን እዚኣተን፡ ነቲ ኣብ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ካብ ዞባታት ነቒሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝዛዘም ሲኖዶስ ሓበሬታ ንምቕራብ ዝኣተወኦ ቃል ኪዳን ህርኵት ጻዕርን ዘርእይኦ ዘለዋ ቆራጽነትን ኣጒሊሖም፡ ኵሎም እቶም ኣብ 2019 ዓ.ም. ካብ ብራዚል ናብ ሮማ መጺኦም ኣብቲ ዛዕባ ኣማዞን ኣማእኪሉ ኣብ ዝመኸረ ሲኖዶስ ዝገበርዎ ተሳትፎ “ብፍቕርን ሞሳን” እዝክር ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ወጅሂ ኣማዞን ኣብ ቤተ ክርስቲያን
ነቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ፍትውቲ ኣማዞን ብዝብል ኣርእስቲ ደሪሶም ዝለገስዎ ሕዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ጠቒሶም “ኣብ ኣማዞን ገዛእ ርእሶም ክውፈዩን ክስብኡን ዝኽእሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን” ዘለዎም ሕልሚ እንደገና ምርግጋጽ የድሊ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ ራብዓይ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ዞባ ኣማዞን ብኸመይ “ነቲ ቅድሚ 50 ዓመት ኣብቲ ሎሚ ተኣኪብኪቡሉ ዘለኹምሉ ስፍራ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ተዘክሮ ክገብር” ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት እተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ንቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ገጽ ምስ ባህርያት ኣማዞን ክህብ በጺሑ ኣሎ፡ እዚ ተዘክሮ እዩ። እዚ ተዘክሮ እዚ እውን ንልኡካነ ወንጌል ኣብ ዞባ ኣማዞን ንጽኑዕ ኤቅለስያዊ ህልናን ሕንጸትን ከም ዘቕረበ” ዝሕብር እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ትብዓት ዝመልኦ ብስራተ ወንጌል
ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ራብዓይ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣማዞን ዝሳተፉ ዘለዉ ካርዲናላት ኣቡናት ካህናት ገዳማውያን ምእመናን ተባዕትዮን ደቂንስትዮን እንኮላይ ተወከልቲ ደቀባትን ብኣማእታት ዝቝጸሩ ዝተፈላለያ ባህልታት ኣማዞን ዝውክሉ ዚርከብዎም፡ እቲ ኣብ 1972 ዓ.ም. እተገብረ ኣኼባ ንምዝካር ኣብ ማእከል ኣማዞን ወንጌል ንምስፋሕ መተባብዒ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ናብቲ ኣብ ሳንታረም ዕለት 6 ሰነ ብመስዋዕተ ቅዳሴ ዘኸፍተ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣማዞን ሎሚ እውን ብሓቂ ትንሳኤ ዘድልዮ ምዃኑ” ኣዘኻኺሮም ምስ እዚ ኣኼባ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ መንጐ ኣብ ኣማዞናዊ ዞቦታት ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ናይታ ንግስቲ ኣማዞን ዝዀነት ነጋዲት ቅድስተ ማርያምና ናዝራዊት ኣምሳል እዩ” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።