በልጅማዊ ብጹዕ ኣቡነ ቫን ሎይ ካርዲናል ተባሂሎም ንኸይስመዩ ዘቕረብዎ ሕቶ
ኣብ በልጅም ናይ ሰበኻ ጋንድ ልሂቅ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሉይ ኣብ ዝርዝር እቶም ዕለት 27 ነሓሰ ማዕርገ ካርዲናል ካብ ዝቕበሉ ሓደን ካብቶም ሓሙሽተ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ዝዀኑ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉድ ክህነት ዝፍጸም ህስያ ከይፍጸም ስጒምቲ ኣይወሰዱን ዝብል ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶ መሰረት ስሜተ ካርዲናል ይትረፈኒ ዝብል ሕቶ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዘቕረቡ ናይ በልጂም ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ “እዚ ውሳኔ እዚ እቶም ግዳያት እንደገና ከይጒድኡ ዝዓግት ሕቶን ውሳኔን እዩ” ዝብል ርእይቶ ከም ዝሃበሉ ዜና ቫቲካን ናይ በልጂም ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝቕጽል ዕለት 27 ነሓሰ ሓደ ካብቶም ካርዲናል ዝስመዩ ክዀኑ ዝሓረይዎም ኣብ በልጂም ናይ ሰበኻ ጋንድ ልሂቅ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሉክ ቫን ሉይ፥ ካርዲናል ንኽዀኑ ምሕራዮም ምስ ተሰምዐ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዓመጽ ክፍጸም እንከሎ ግብእ ስጒምቲ ኣይወሰዱን ዝብል ንዝቐረበሎም ዘሎ ክሲ ኣብ ግምት ብምእታው ስሜተ ካርዲናል ይትረፈኒ ዝብል ሕቶ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ናይ በልጂም ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ እንከመላኽት፥
መግለጺ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት በልጅም
“ናይ ሰበኻ ጋንድ ልሂቅ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቫን ሉይ ካርዲናል ክስመዩ ምዃኖም ምስ ተሓበረ ንብዙሓት ከም ዘሐጐሰን እዞም ካብ 2004 ክሳዕ 2020 ዓ.ም. ናይታ ሰበኻ ጳጳስ ዝነበሩ ከም ጳጳስ መጠን ኣብ ሰበኻኦም ነቲ ብግለ ገለ ኣባላት ውልደ ክህነት ዝተፈጸመ ዓመጽ ስዒቡ ግቡእ ስጒምቲ ኣይወሰዱን” ዝብል ብገሊኦም ንዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን መሰረት ስሜተ ካርዲናል ይትረፈኒ ዝብል ሕቶ ብናይ በልጂም ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቢሎም ናብ ር.ሊ.ጳ. ከም ዘመሓላለፉን ብቅዱስነቶም ቅቡል ምዃኑ መግለጺ ዋዕላ ብጹዓን ጳጳሳት በልጅም ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሞሳ ጳጳሳት በልጅም
ናይ በልጅም ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጆሰፍ ደ ከሰል ከምኡ እውን ኵሎም ጳጳሳት በልጅም “ንውሳነ ብጹዕ ኣቡነ ቫን ሎይ ብምድናቕ ከም እተቐበልዎን ኣተሓሒዞም እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ በልጅም ኵሎም ጳጳሳት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ዝኾነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ከይክሰት ብዘይምቍራጽ ዝገብርዎ ቆራጽነት ዳግም ከም ዘረጋገጹ ናይ በልጅም ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ብጹዕ ኣቡነ ቫን ሉይ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዞም ወዲ ሰማንያ ዓመት በልጅማዊ ናይ ሰበኻ ጋንድ ልሂቅ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቫን ሉይ ሓደ ካብቶም ዕለት 27 ነሓሰ ካርዲናል ካብ ዘሰምይዎም 21 ክዀኑ ወሲኖም ከም ዝነበሩን ካብቶም 21 ካርዲናል ዝስመዩ እቶም ዓሰርተ ሽዱሽተ ትሕቲ ሰማንያ ዓመት ዕድመ ብሕገ ቀኖና መሰረት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ኣብ ዝካየድ ዕጹው ጒባኤ ካርዲናላት ናይ ምስታፍን ምምራጽን መሰል ዘለዎም ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ከም ዝኾኑን ብመሰረት ሕገ ቀኖና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝመርጽ ዕጹው ጒባኤ ካርዲናላት ናይ ምስታፍ መሰል ዘይብሎም ምዃኖም ኣዘኻኺሩ ብጹዕ ኣቡነ ቫን ሎይ እውን ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ምዃኖም የመላኽት።
ነቶም ግዳያት ናይ ይቕረታ ምሕታት
ብጹዕ ኣቡነ ቫን ሉይ ኣብ በልጅም ከተማ ታይለን ኣብ 1941 ዓ.ም. እተወልዱ ኣባል ማሕበር ሳሊዚያን ኣብ ሰብዓታት ኣብ ደቡብ ኮርያ ልከነ ወንጌል ኮይኖም ዘገልገሉ፡ ኣብ ዝቐጸሉ 10 ዓመታት እውን ናይ ማሕበር ሳሊዚያን ሓፈሻዊ ባይቶ ቤት ምኽሪ ኣባል ዝነበሩን ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ መበል 62 ዓመት ዕድመኦም ናይ ጋንድ ሰበኻ ጳጳስት ንኽዀኑ ተሰምዮም ዘገልገሉን ኣብ 78 ዓ.ም. ዕድመኦም ብሕገ ቀኖና መሰረት ናይታ ሰበኻ ልሂቅ ጳጳስ ንኽኰኑ ን.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቕሪቦምን ቅዱስ ኣቦና እውን ከም ዘጽደቕዎ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ ብጹዕ ኣቡነ ቫን ሉይ ኣብቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ቅድሚ ናይ በልጂም ህዝባዊ ባይቶ ድርገት፥ ኣብ በልጅም ኣብ ዓለምን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘናወጻ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን መንእሰያትን እተፈጸመ ማህሰይቲ “ኣዚዩ ከም ዘሳቐዮም” ገሊጾም፡ “ቤተ ክርስቲያን ብኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽን ማህሰይትን ተፈጺሙ ዝብል ጥርጣረ እውን ይዅን ንዝምልከቶ ናይ ቤት ፍርዲ ስልጣን ከተቕርቦን ክምርመርን ክጻረን ኣብ ምሕታይ ግዴታ ከም ዘለዋ ኣረጋጊጾም፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኸኣ ነቶም ግዳያት “ስለ እቲ ዝውረዶም ዓምጽን ኢሰብኣዊ ስቓይን እቕረታ እሓትት፡ ከም ሰብ ከም ካህን ከም ኣቡን መጠን ኣዝየ እሓፍር” ከም ዝበሉ የዘኻኽር።