ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንእኽሊ ዩክረይን ከም ኣጽዋር ውግእ ኣይንጠቀመሉ!

“ነዚ ጒዳይ እዚ ንምፍታሕን ንዅሉ ሰብ ናይ መግቢ መሰል ውሕስነት ንምሃብን ኵሉ ዝከኣሎ ክግበር ልባዊ ምሕጽንታ አቕርብ”፡ በጃዅም ስርናይን ቀንዲ መግብን ከም ኣጽዋር ውግእ ኣይንጠቀመሉ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሰነ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ እቲ ቀጻሊ ዝዀነ ግጭት ነቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ህዝቢ ዓለም ብጥምየት ዘሳቕይ ከይኸውን ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡን፥ ዩክረይን ኣብ ዓለም ስርናይ ካብ ዘፍርያ ሃገራት ብቐዳምነት እትጥቀስ ብምዃና እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ግጭት ምህርቲ ስርናይ ንኸይስደድ ዕንቅፋት ኰይኑ ከምዘሎ ዘኪሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ- ሃገረ ቫቲካን

በጃዅም ስራንይ ቀንዲ ንመግቢ ዘገልግል ኵሉ ከም ኣጽዋር ውግእ ኣይንጠቀመሉ ቢሎም፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ዓለም ሕጽረት እኽሊ የስዕብ ምህላዉ ገሊጾም “ንዅሉ መሰል መግቢ ንምርግጋጽ ማሕበረሰብ ዓለም ዝከኣሎ ኵሉ ኪገብር ከምእተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ልዕሊ ኵሉ ዘተሓሳስበና ነገር ህይወት ሚሊዮናት ሰባት ብፍላይ ከኣ ድኻታት ሃገራት ዚምርኮሳሉ ካብ ኡክረይን ዝወጽእ ሰደድ እኽሊ ምዕጋት” እዩ፥ እዚ ብዙሕ ሻቕሎትን ብዙሕ ጸገም እውን ይፈጥር ኣሎ ከም ዝበሉ የመላኽት።

ንዅሉ ኣድማሳዊ መሰል ምርግጋጽ

“ነዚ ጒዳይ እዚ ንምፍታሕን ንዅሉ ሰብ ናይ መግቢ መሰል ውሕስነት ንምሃብን ኵሉ ዝከኣሎ ክግበር ልባዊ ምሕጽንታ አቕርብ”

            በጃዅም ስርናይን ቀንዲ መግብን ከም ኣጽዋር ውግእ ኣይንጠቀመሉ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓለም ለኻዊ ቅልውላው መግቢ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ዘበገሰትሉ ግዜ ኣትሒዙ ክርአይ ዝጀመረ ሕጽረት መግቢ እናገደደ ይኸይ ከም ዘሎ ክንገር እንከሎ፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፥ ዓለምለኻዊ ቅልውላው መግቢ እናገደደ ይኸይ ኣሎ እንክብል መጠንቀቕታ ከም ዝፈነወን፥ ምዕራባውያን ሃገራት መራሕቲ ሩሲያ ንወደባት ዩክረይን ብምዕጋት ምህርቲ እኽሊ ዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ንወጻኢ ከይለኣኽ ንምግባር ይጽዕሩ ኣለዉ እንክብላ ይወቐሳ ከምዘለዋ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥

እቲ ውግእ እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዋጋ እኽሊ ዘይቲ ድዅዒ ከምኡ እውን ጸዓት እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ ምዕራባውያን ሃገራት ናይዚ ጒዳይ እዚ ተሓታቲት ሩሲያ እያ ቢለን ሩሲያ ንምንጻል ይጽዕራ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ እተፈላለየ ኵርናዕ ዓለምን ኣብ ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ውግእን ንኺቋረጽ ማእለያ ዘይብሉ ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡ ዝዝከር ኮይኑ፥ ኣብ ወርሓ ግንቦት ማርያም መዛዘሚ ኣብ ዪክረይንን መላእ ዓለምን ሰላም ክወርድ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሳተፈ ጸሎት መቑጸርያ ዕለት 31 ግንቦት ከም ዝመርሑን ዕለት 25 መጋቢት እውን ቅዱስነቶም ሃገረ ሩሲያን ዩክረይንን ንንጹሕ ቅዱስ ልበ ማርያም ከም ዝወፈዩን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር፣

01 Jun 2022, 17:17